“‘ትወከል ዓለ’ላህ”

(“‘ትወከል ዓለ’ላህ” ሊብያውን ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚታት ክፋነዉኻ እንከለዉ ዘዘውትርዎ ኣበሃህላ ኮይኑ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወከል ወይ’ኣምላኽ ምሳኻ ይዂን” ማለት እዩ።)

 

 

ወተሃደራት ድርዒ ሊብያ፣ ካብታ ክፍሊ ምስ ኣውጽኡኒ፣ ኣብ ክልተ ኣእዳወይ ፌሮ ገይሮም ቆለፉኒ። የማነይን ጸጋመይን ከኣ ክልተ ወተሃደራት ዓጀቡኒ። ካልኦት ክልተ ድማ ምሳና ነበሩ። ኣብቲ ኣማኢት ተገልገልቲ ዝነበርዎ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ሊብያ ዝኾነ ሆስፒታል፣ ውሩይን ሓደገኛን ገበነኛ ከምዝሓዙ ብዂርዓትን ጥንቃቐን ይጐዓዙ ነበሩ። እቶም ብጽልኢ ጸለምቲ ክሒኖም ዝነብሩ ሊብያውያን ኣዕራብ ድማ ብኽፉእ ዓይኑ ይጥምቱኒ። ምናልባት፣ ካብቶም ኣብቲ እዋን ኲናት ምስ ቃዛፊ ዝኸተቱ ጸለምቲ ሓደ መሲለዮም ይኸውን። ነዊሕ ብእግርና ተጓዒዝና፣ ኣብ Hilux ዝዓይነታ ቶዮታ ተሰቐልና፣ እሞ እናተሓንበብና፣ ንኸተማ ቤንቃዚ ሰንጢቕና፣ ኣብ ሓደ ውስን ዝበለ ሸነኽ ናይታ ከተማ በጻሕና። ኣብ ሓደ ካንቸሎ ኣቲና ከኣ ወረድና። ኣጸቢቐ ምስ ጠመትኩ፣ እቲ ፈለማ ካብ ኣጅድብያ ምስ መጻእኩ ዝኣተኹዎ ሂላል ኣሕመር ዝብሃል ካንቸሎ ምዃኑ ፈለጥኩ። ካብዚ ካንቸሎ እዚ እዮም ናብቲ ብ “ዓሊ ሓሰን ጃብር” ዝብሃል ሓርበኛ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ዝወሰዱኒ። ሕጂ ኸ ናበይ ኮን ይወስዱኒ ይኾኑ!?

 

እዚ ካንቸሎ፣ ኣብ ቤንቃዚ ዝዓበየ በዓል ደርብታት ህንጻ (tower) ክስርሓሉ፣ መደብ ከምዝነበሮ፣ በቲ ኣብ ኣብ ኣፍደገ፣ ዝነበረ መሐበሪ ታቤላ ይፍለጥ። ኣብ መሰረት እንከሎ ኲናት ተላዒሉ ደው ከምዝበለ ድማ፣ እትው ኢልካ ዝልለ እዩ። ንቤት ጽሕፈትን መመገብን ካልእ መሳለጥያታትን እዛ ኣብ መስርሕ ዝነበረ ህንጻ ተባሂሎም ዝተዳለዉ፣ ናይ ኮንተይነር ገዛውቲ፣ ኣብ ክልተ ተገሚዖም፣ ምስ ኣተኻ ንጸጋም ዘለዉ፣ ጣውርጋ ዝብሃሉ ጸለምቲ ሊብያውያን ዝተዓቚብሎም ክኾኑ እንከለዉ ብየማን ዘለዉ ድማ፣ ዝበዝሑ ሶማላውያን፣ ኢትዮጵያውን፣ ካብኦም ውሕድ ዝብሉ ኤርትራውያን፣ ከምኡ ውን ገለ ሱዳናውያን ይቕመጡለን።

 

እቶም ሊብያውያን፣ ኣብ ኲናት ምስ ቃዛፊ ወጊኖም ተባሂሎም በቶም ኣዕራብ ከይቅተሉ ካብ ከባቢታት ሲርትን ሚስራታን ናብ ቤንቃዚ ዝሃደሙ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ጽላል ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ተዓቚቦም፣ ብኮምሽን ረዲኤትን ስደተኛትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደገፍ እናተገብረሎም፣ ስዒሩ ነቲ ቦታ ብዝሓዘ ዕጡቕ ሓይሊ ከኣ ዝሕለዉ እዮም። እቶም ፈላሞ ናይቲ ቦታ ዝኾኑ ስደተኛታት ድማ፣ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ትሕቲ ቀይሕ መስቀል ምስ ተዓቚቡ፣ ጸጸኒሖም ካብ ሰሃራ መጺኦም ንኽቕጽሉ ገንዘብ ዝሰኣኑ ተጓዓዝቲ እናተወሰኽዎም ዝበዝሑ እዮም።

ናብዚ ቦታ ንምእታው ኣብ ዕድል ዝምርኮስ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት እዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ትፈልጦ ሰብ ሃልዩካ፣ ብምትሕብባሩ ጸላም ተጎልቢብካ ብሓጹር ብምዝላል እቲ ዝበዝሕ ክኸውን እንከሎ፣ ብቐጥታ ናብቲ ማዕጾ ብምምጻእ ኩነታትካ ሓቢርካ ውን ይከኣል እዩ። እዚ ግና ኣብቲ ተረኛ ዝጸንሐ ሓላፊ ዝምርኮስ እዩ። ብኻልእ መልክዕ ድማ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝሓዙኻ ዕጡቓት ወይ ፖሊስ፣ ሰብኣውነት ዘለዎም እንተኾይኖም፣ ኣብ ክንዲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ናብኡ የምጽኡኻ። ብኻልኣይ ሽም ናይቲ ቦታ ድማ “ህጅርያ ቔር ሸርዕያ ወይ ዘይሕጋውያን ተሰዳዶ” ዝቕመጥሉ ኢሎም ይጽውዕዎ እዮም።

 

ቅድሚ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ኣቢሉ ካብ ኣጅዳብያ ናብዚ ቦታ መጺኤ። ንትራብሎስ (ትሪፖሊ) ዘቐጽል ገንዘብ ስለዘይነበረኒ እየ ካብቲ መዝርዓ ናይ ኣጅዳብያ ወጺኤ። እቲ ካብኡ ናብ ቤንቃዚ ከብጽሓኒ ዝተላእከ መራሕ መኪና ድማ፣ ከም ጽቡቕ ድሌቱ ንድሕነትኩም ኣብዚ ክብጽሓኩም እሞ፣ ኩነታት ርኢኹም የዋጽኣና እዩ እንተይልኩም ናብ ከተማ ትወጹ ኢሉ ኣምጺኡና። ኣነን እቲ ክሳብ ምሕማመይ ሓቢሩኒ ዝነበረ ሶማላውን ኢና። ኣብቲ ኣፍደገ ዝጸንሑና ወተሃደራት ግና፣ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጢ ተቐቢሎም ድሕሪ ብዙሕ ዓሊ ሓሰን ጃብር ወሲዶምና።

ኣብታ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ምስቲ ሶማላዊ መማጽእተይ ኣትየያ ዝነበርኩ ኮንተይነር ኣእተዉኒ። ኣብኡ ድማ ሓደ መንእሰይ ጸንሓኒ። ኣብቲ ዓረብን ኣምሓርኛን ዝተሓዋወሶ ዕላልና ከኣ፣ ጎንደር ዝዓዱ ኣምሓራይ ምዃኑ ፈለጥኩ። ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ ገንዘብ ከሊኦሞ፣ ናብ ፖሊስ ክጠርዕ ምስ ከደ እዮም ኣሲሮም ንደርዒ ሊብያ ኣረኪቦሞ። ኣቐዲሞም ሓቲተሞ ወይ ኣፈራሪሖሞ ክኾኑ ኣለዎም፣ ደጋጊሙ ኣስልማይ ድየ ክስታናይ ሓተተኒ። ክስታናይ ምዃነይ ምስ ፈለጠ ከኣ፣ እንተሓቲቶምኒ ኣስላማይ ምዃነይ ክሕብር መኸረኒ። “ግደፈና እስከ ንስኻ ከኣ” ኢለዮ ደቀስኩ።

 

ሰላት ኣልመቕርብ፣ ኣብ ዕራርቦ ሰዓታት ዝካየድ ስግዳን እዩ። ማዕጾና ከፊቶም፣ ማይ ዝሓዘ ኣብርቕ (ንእሽቶ ጃሎን ክንብሎ ንኽእል) ሒዞም ብምምጻእ ውዱእ ጌርና ክንሰግድ ንሰግደሉ ቦታ ሓበሩና። እቲ ጎንደሬ ውድእ ንምግባር ክኸይድ እንከሎ ኣነ ግን ከምዘይከይድ ነገርኲዎም። “ንምንታይ” ሓተተ ሓደ ፊንፊን ዝብል ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዝኸውን መንእሰይ። “ኣነ ክርስትያን እየ” መለስኩሉ። ብዘይ ዘረባ ገዲፎምኒ ከዱ። ድሕሪ ስግዳን እቲ ጎንደሬ ናባይ ተመልሰ እሞ፣ ናብቶም ኣሕዋትና ክንሕውሰሉ ንኽእል እንኮ ብልሓት፣ ኣስላም ኢና ብምባል ምዃኑ ከረድኣኒ ፈተነ። እንተዘይኮይኑ ንጋንፉዳ ወይ ሰብሃ (ናይ ሽዑ ኣብ ምብራቕ ሊብያን ደቡብ ሊብያን ዝኸፍአ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ንስደተኛታት) ከብጽሑና ምዃኖም ብዘፍርሕ ኣገላልጻ ክነግረኒ ፈተነ። ደኺመን ተጸሊኡንን ብምንባሩ ክምልሰሉ ኣይደለኹን። ሽዑ ውን ገዲፈዮ ደቀስኩ።

photo01531

ሰላት ኣልዒሻ ናይ መወዳእታ ስግዳን ናይ መዓልቲ ኮይኑ ኣብ መንጎ ሸውዓተን ሸሞንተን ዘሎ እዋን ዝካየድ እዩ። ሽዑ ውን ማይ ዝሓዘ ኣብሪቕ ሒዞም ብምምጻእ ነቲ ጎንደሬ ናብ ስግዳን ወሰድዎ። ድሕሪ ስግዳን፣ ክልተ ዓበይቲ፣ ጭሕሞም ኣብ ኣፍልቦም ዝበጽሕ መሻይኽ መጹና። እቲ ሓደ እቲ ልሙድ ጻዕዳ ክዳን ዓረብ ዝለበሰ ክኸውን እንከሎ ካልኣዩ፣ ቀጠልያ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ሽጒጥ ዓጢቑ ነበረ።

ኣብ ገጾም ትሕትና እናተነበበ ብኣኽብሮት ኣርእሶም እናነቕነቑን ኣእዳውና ብምጭብባት፣ ምዉቕ ሰላምታ ለገሱልና። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጥዕናን ተደሪርና እንተኾይንናን ከኣ ሓተቱና። ምድራርና ብኣወንታ ድሕሪ ምግላጽ፣ ሓሚመ ኣብ ሕክምና ምቕናየይን ገና ውን ድኻም እስምዓኒ ምህላውን ውን ነገርኲዎም። ናብቲ ከነዕርፈሉ ንኽእልን ሕክምና ውን ክረኽበሉ ዝኽእልን ቦታ ክወስዱና ምዃኖም ሓቢሮም ከኣ፣ ሰጊድና እንተኾይንና ሓተቱና። እቲ ጎንደሬ ምስጋዱ ሓበረ። ንስኻ ኸ ብዘስምዕ ኣጣምታ ጠመቱኒ። “ኣነስ ኣይሰግድን እየ።” ኣነጺረ መለስኩ። ንሓድሕዶም ተጠማሚቶም ናባይ ጠመቱ። “ንምንታይ” ዳርጋ ብሓንሳብ ዝበልዎ ቃል ነበረ። ድሒሩ ዝተሓወሰ ቀትሪ ዝሓተተኒ መንእሰይ “መሲሕ እየ ኢሉ” ንዓይ ወኪሉ መለሰ። ብዙሓት ውዑያት ሰባት ርእየ ኣለኹ እሞ ንሱ ንበይኑ እዩ።

ነቲ ጎንደረ ዝጥርንፎ ኣቑሑ እንተለዎ ሓተትዎ። ኣይነበሮን። ነቲ መንእሰይ ከኣ፣ ናብቲ መዕረፊ ዝተባህለ ቦታ ክወስዶ ሓበርዎ። ንዓይ ድማ ኣብቲ ዝነበርኩዎ ዓጽዮምኒ ከዱ።

 

ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ፣ ማዕጾ ተኽፍተ እሞ ሓደ ካብቶም ቀትሪ ዝረኣዂዎም ወተሃደራት ክወጽእ ኣመልከተለይ። ካብ ዝሪኦ ኣትሒዙ ኣፉ ክኸፍት ኣይረኣዂዎን። ኣብ ገጹ ውን ዝዀነ ስምዒት ዘይንበቦ ሰብ እዩ። ዓባስ ክመስል ከኣ ናበይ ከምዘብል ብኢዱ ኣመልከተለይ። ኣብቲ ዘመልከተለይ ቦታ፣ እቶም ክልተ መሻይኽ ኣርባዕተ ወንበር ዝኸበቦ ሕጽር ዝበለ ጠረጴዛ ቀሪቦም ክጽበዩ ረኣዂም። ምስ ቀረብኩ ድማ፣ ኣብቲ ጠረጴዛ ቢከሪታት ተቐሪቡን ክልተ ውዑይ ነገር (ቡን ወይ ሻሂ) ዝሕዝ ቴርሙስ ከምኡ ድማ ተምሪ፣ ልስሉስ ሓውሲ ፓስተ ባኒ፣ ገለ ፍሩታትን ተቐሪቡ ረኣኹ።

ሕጂ ውን ከምቲ ዝቐደመ ትሕትና ዝመልኦ ሰላምታ ኣርእዮም፣ ኮፍ ክብል ኣመልከቱለይ። ቁሪ እዩ ዝነበረ እሞ፣ ኮበርታ ከምጽኣለይ ነቲ መንእሰይ ሓበርዎ። ንሳቶም ግና ድልዱል ጃኬት ምስ ዕማ ተኸዲኖም ነበሩ።

ኩላትና ኮፍ ምስ በልና፣ ካብቲ ቴርሙስ ኣየናይ ሻሂ ኣየናይ ከኣ ሻሂ ምስ ጸባ ምዃኑ ሓቢሮም ዝደለኹዎ ክቐድሕ ኣመልከቱለይ። ካብቲ ዝብላዕ ውን ዝመረጽኲዎ ክበልዕ ጋበዙኒ። ምስቲ ዘሎ ቁሪ ተምሪ እንተበሊዐ ሙቖት ክፈጥረለይ ከምዝኽእል ውን ተዛረቡ። ዳርጋ ኢደይ ኢደካ ኢሎም ካብቲ የድልየኒ እዩ ዝበልኩዎም ቀድሑለይን ኣቐበሉንን። ትሕትንኦም ምሒር መሰጠኒ።

 

ድሕሪ ገለ ምስ ቁርን እቲ ወቕቲ ኣብ ሊብያ ዝነፍስ ኩነታት ኣየርን ምዝራብና ወይ ንሶም ንዓይ ምንጋሮም፣ ኩነታት ጥዕናይ ሓተቱኒ። እቲ ዘጓነፈ ከኣ ኣሕጽር ኣቢለ ገለጽኩሎም። ሽዑ ውን፣ “ኣብ ሊብያ ሰብ ይጠሚ” ብሓባርን ብዘሕዝንን ድምጺ ተዛረቡ። ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ከምዘየጋጥመንን ሕጂ ውን ክሳብ ኣጸቢቐ ዝሓዊ ብዙሕ ክንክን ክግበረለይ ምዃኑ ቃል ኣተዉለይ። ሊብያ ዝተቐደሰት ምድሪ ህዝቢ ሊብያ ከኣ ተቐባሊ ጋሻ ምዃኑ ውን ተዛረቡ። ንሶም ብዙሕ ኣነ ሒደት እናተዛረብና፣ ናብ ሊብያ ከመይ ኣቢለ ከምዝመጻእኩ ሓተቱ። እቲ ናይ ሰሃራ ጒዕዞ ምስ ሓበርኩዎም፣ “ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ” ኣድመጹ። “ማለት እዩ” መልስኩ። ነዚ ኣገባብ እዚ ደው ከብልዎ ምዃኖምን ነቶም እዚ ስራሕ እዚ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት ሒዞም ኣብ ሕጊ ከቕርብዎም ምዃኖምን ሓንሓኑ። ናብ ሊብያ ንኽበጽሕ ዝወዳእኲዎ ገንዘብ ሓቲቶም ከኣ፣ በቲ ገንዘብ እቲ ኣብ ዓደይ እንታይ ክሰርሕ ይኽእል ምንባረይ ሓተቱኒ። እቲ ገንዘብ ብዙሕ ከስርሕ ዝኽእል እኳ እንተነበረ፣ እቲ ዕድል ናይ ምስራሕ ግና ከምዘየለ ገለጽኩሎም። “ንምንታይ!?” ምግራም ቃና ድምጾምን ኣዒንቶምን ተወሰኾ።

 

እቲ ሕቶ ድሮ ብዙሕ እዋን ዝቐረበለይን ንኸትረድእ ውን ጸገም ዘይነበሮን እዩ። ንኢሰያስ ጠቒሰ ከምዝዝክርዎ ምስ ገበርኩ ከኣ፣ ኩነታት ኤርትራ ኣረዳእኲዎም። “እሞ ዓዲ ገዲፍኩም ካብ ትወጹ ሰውራ ዘይትገብሩ!?” እዛ ሕቶ ወላ ንዓይ ምስ ነብሰይ ፈለማይ ነበረት። እንታይ ኮይንና ኣንጻር ህግደፍ ሰውራ ዘይገበርና ከኣ ሓሰብኩ። ኣብ ዓዲ እንከለኹ እቲ “ኣንጻር ህግደፍ ሰውራ” ዝብል ኣምር ኣይፈልጦን ብምንባረይ ግን፣ ኪኖ እንታይ ኮይንና ዘይሓሰብናዮ ዝብል ካልእ ሓሳብ ኣይመጸንን። ሽዑ ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸለይ መልሲ ግን “ንሕና ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኲናት ስለዝነበርና፣ ኲናትን ወረ ኲናትን ኣጽሊኡና እዩ። ንሓድሕድና ውግእ እንተጀሚርና ከኣ ዝኸፍአ ህልቂት እዩ ክስዕብ።” በልኩዎም። ናይ ምድጋፍ ይዂን ተቓውሞ ምልክተ ከየርኣዩ፣ ትም ኢሎም ሓሰቡ። ምናልባት እቲ ሽዑ ዝነበረ ሕድሕድ ኲናት ሊብያ የሕስቦም ነይሩ ይኸውን።

photo02601

“ዓረብ ጽቡቕ ኢኻ ትኽእል፣ ኣበይ ክኢልካዮ?” እቲ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድነ ሓተተኒ። “ኤርትራ ዓረባዊት ሃገር እንድያ፣ ሓቀይ ምሽ” እቲ በዓል ጀለብያ እዩ።

“ዓረባዊት ድያ ኣይኮነትን እኳ እንድዒ፣ ኣነ ግን ኣብ ዓዲ ኣብቲ ዓረብ ዝዝውተረሉ ከባቢ ስለዝነበርኩ ገለ ኣንፈት ሒዘ፣ ኣብ ሱዳን ከኣ ኣማዕቢለዮ።” በልኩ።

“ኣብ ሱዳን ክንደይ ጌርካ” እቲ በዓል ጀለብያ ሓተተ።

“ሰለስተ ዓመት”

“ማሻኣላህ” ብሓባር ኣድመጹ።

“መን ኢልካኒ ሽምካ” ሕጂ ውን እቲ በዓል ጀለብያ እዩ።

“ፍቕረይ”

“ፍቕረይ እንታይ ማለት እዩ?”

” ሓቢቢ ኣና (ፍቱወይ) ማለት እዩ።”

“ኣብ ዓረብ ግና ፈቒር (ድኻ) ማለት እዩ።”

“ጽቡቕ ኣለኻ ግን ኣነ ፈቒር ዘይኮንኩ ፍቕረይ እየ ሽመይ።”

“ሕራይ ፍቕራይ፣ ብዛዕባ ምስልምና እንታይ ትፈልጥ?”

“ከመይ ማለት እንታይ ትፈልጥ?”

“ማለት ሲ ምስልምና ሃይማኖት ከመይ ትቕበሎ”

“ከም እምነት የኽብሮን ነቶም ኣመንቱ ከኣ የኽብሮምን እየ።”

“ሓቂ እዩ ኢልካ ኸ ትኣምን ዶ”

“ብዛዕባ ሓቅን ዘይሓቅን ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ።”

“ካብ መዓስ ትፈልጦ ንምስልምና?”

“ምናልባት ካብ ወዲ 7 ዓመት ዕድመይ እንከለኹ ይኸውን እየ።”

“ማሻኣላህ” ብሓባር ዘድምጽዎ እዩ።

“ሕጂ ምስልምና እቲ ሓደን ሓቀኛን እምነት ምዃኑ፣ እንተነገርናካ ትኣምን ዶ፧”?
“ኣብ ሓቅን ሓሶትን ከይበጻሕና፣ ኣነ ክርስትያን እየ፣  ንካልእ ዘእምን ምኽንያት የብለይን ክርስትያን ኮይነ  እየ ዝመወት”

“ላእ!” እቲ በዓል ጀለብያ ተንሲኡ ኮፍ በለ። ምስኡ ውን እቲ ጠረጴዛ ተነቓነቐ። ኣነ ውን ሰንበድኩ።

“ከምኡ ኮይነ እየ ዝመውት ኣይትበል። እንሻኣላህ ክትብል ኣለካ” ነድሪ ሓዊሱ ተዛረበ።

“ንዘይኮኖ እንሻላህ እንተበልኩ እሞ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ።”

“ንምንታይ ኣይኣምንን! ክሳዕ ሕጂ እቲ ሓቀኛ እምነት ዝነግረካ ስለዘይረኸብካ፣ ኣይኣመንካን፣ ሕጂ ግና ኣልሕምዱላህ (ኣምላኽ ይመስገን) እቲ ሓቀኛ እምነትን መንገዲ ዘልኣለማዊ ሂወትን ክንነግረካ ኢና። ብልክዕ ኣርእዩ ዝምህረካ ሰብ ክንገብረልካ ኢና፣ እንሻኣላህ ምስ ፈለጥካዮ ትቕበሉ።” ክዛረብ እንከሎ ኣብ ውሽጡ ሓይሊ ይህውጾ ምንባሩ ኣወጻጽኣ ድምጹን ኣጣምታ ኣዒንቱን ይምስክሩ ነበሩ።

“እሞ ኣነ እኮ ሓቅን ዘይሓቅን ኣይበልኩኻን፣ ግና ክርስትያን እየ ካብኡ ዝእለየሉ ምኽንያት ከኣ የብለይን።”

“ዒሳ (ክርስቶስ) ንሕና ውን ንኣምኖን ነኽብሮን እዩ። ይዂን እምበር ዒሳ ባዕሉ፣ ብድሕሪኡ መሓመድ ዝብሃል ልኡኽ ኣምላኽ ክመጽእ ምዃኑን ንሱ (መሓመድ) እቲ እንኮን ናይ መወዳእታ ልኡኽ ምዃኑን ንዕኡ ምስዓብ ከኣ ዘለኣለማዊ ሂወት ከምዘውህብን ተዛሪቡ እዩ።”

“ከምኡ ዝብል እኳ ኣየንበብኲን”

“ሕጂ ከነርእየካ ኢና ተንብብ።”

“ነዚ ትብሎ ዘለኻ ንምንባብ ዝኸውን ብቕዓት ዓረብ የብለይን። ብመሰረቱ ውን ክዛረብን ክሰምዕን እምበር ከንብብ ኣይክእልን እየ።”

“እንሻኣላህ ክንምህረካ ኢና። ምስ መሃርናካ ከኣ ቁርኣን ተንብብ እዚ ንብለካ ዘለና ድማ ትፈልጦ። ጥራይ እንሻኣላህ በል ኣእምሮኻ ንምምሃር ኣድልዎ።”

“ኣነ ሕጂ ኣብዚ ትብሎ ዘለኻ ኣርእስቲ የለኹን። ካልእ ብዙሕ ጉዳይ ኣለኒ።”

“ካብዚ ዝዓቢ ጉዳይ! ኩሉ እኮ ብሓይሊ ኣምላኽ ኢኻ ትገብሮ። ኣይትዓሹ፣ ኣብታ ምስልምና ዝተቐበልካላ ሰዓት፣ ልብኻ ብሓጎስ ክመልእ፣ ኩሎም ጽቡቓት ዕድላት ክኽፈቱልካ፣ ኣብ ሰማይ ከኣ ዘልኣለማዊ ቦታ ክሕዝኣልካ እዩ። ኣስላማይ ኮይንካ ማለት ከኣ፣ ኣብ ሊብያ ወረቐት ንህበካ፣ ከምድላይካ ትሰርሕ፣ እቲ ዝኸስርካዮ ገንዘብ ከኣ ንስድራኻ ትሰደሎም። ካልእ ጉዳይ ኣለኒ ማለት ግን ናይ ዓያሹ ዘረባ እዩ።”

ብዙሕ ተመላለስና። ንዕኡ ከረድእ ዝኽእል ብቕዓት ቋንቋ ዓረብ ስለዘይነበረኒ፣ ብቐንዱ ውን ነድሩ ገለ ፍርሒ የሕድረለይ ብምንባሩ፣ ሒደት ሒደት እናተዛረብኩ ዘረባና ከሕጽሮ ፈተንኩ። ኣይከኣልኩን ግን።

እቲ ኣብዚ ርሱን ክትዕ ብኣንክሮ ክከተታል እምበር ቃል ከይሓወሰ ዝጸንሐ በዓል ወተሃደራዊ ክዳን፣ “ዕሕሕ” ኢሉ ጎሮሮኡ ድሕሪ ምጽራግ፣

“እንታይ መስለካ ፍቕራይ” ኢሉ ጀመረ ብህዱእ ድምጺ። “ንሕና ካብ ኣምላኽ ተልእኾ ኣለና። ተልእኾና ከኣ፣ ነቶም ዘይኣመንቲ ኣብ ዝረኸብናዮምን ኣብ ዘለዉዎ ብምኻድን ተልእኾ ነብዪ መሓመድ ዓይልሁ ‘ሰላቱ ወሰላም፣ ምንጋርን ምስባኽን እዩ። ንሕና እመን ኢልና ኣይነገድደካን ኢና። ሎሚ ረኺናካ እንከለና ግን ኩሉ እቲ ተልእኾና፣ ክንነግረካ፣ ከነረድኣካ፣ እንሻኣላህ ከኣ ብሓይሊ ኣምላኽ ክምህረካ ግዴታና እዩ።” በለኒ።

 ኣብ ከምዚ ክትዕ እንከለና ሰዓታት ከደ። ደኺመ ውን ዘረባ ክጠፍኣኒ ጀመረ። ብዛዕባ ክርትስናን ምስልምናን ኣወዳዲርካ እዚ እዩ ቅኑዕ ኢልካ ምዝራብ፣ ብዘይካ እቲ ንዕኡ ከመላልስ ዝኽእል ዓረብ ዘይብለይ ምዃኑ፣ ኣብኡ ዘለኒ ኣፍልጦ ውን ዜሮ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን ክርትስና እዩ ቅኑዕ ምስልምና ቅኑዕ ኣይኮነን ኢልካ ምዝራብ፣ ናብ ዘየሰማምዕ ነጥቢ ወሲዱ ከነሃህረና ምዃኑ ኣቐዲመ ዝፈልጦ እዩ። ምስዚኦም ምንህሃር ከኣ ኣየውጽኣንን እዩ።

ደኺመ ኣብ ሓሳብ እንከለኹ፣ ነቶም ከም ሓዎም እምበር ከም ጓናን ከም ክርስትያንን ርእዮምኒ ዘይፈልጡ ኣዕሩኽተይን ፈለጥተይን ሱዳናውያን ዘከርኩ። ኣብ ዝሓለፍኩዎ ቦታ ዝተኻታዕኲዎም ዝጸረፍኲዎም፣ ንወተሃደራት እኳ ከይተረፈ ምስኣቶም ካርታ ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበርኩ እዋን፣ ብሕርቃን ካርታ ኣብ ገጾም ክድርብየሎም እንከለኹ ዝነብሮም ሕውነታዊ ኣመላልሳ ተዘከረኒ።

ኣብ ፖርት ሱዳን እናሰራሕኩ፣ ወናኒ ናይቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ትካል ጽርበት ዕንጸይቲ ዝበለኒ ኣብ ርእሰይ ኣቃጨለ። ምስ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ምስ ተብኣስኩ፣ ኣሕቢረ ንኹሎም ሱዳናውያን ክጻረፍ ምስ ሰምዓኒ እዩ። “ያ ፍቕረይ ያ ወለዲ” ኢሉኒ ቡን ኣዚዙለይ እናሰተና፣ “ኣሕቢርካ ህዝቢ ምጽራፍ ነውሪ እዩ። ደሓር ከኣ ሱዳናውያን ክትብል እንከለኻ፣ ንዓይ፣ ንዓሙ ዓብዱ (ኣመና ዘኽብሮ ዝነበርኩ ሰብኣይ እዩ) ንወደይ (ንወዱ ውን እፈትዎን አኽብሮን ነይረ) ንኻልኦት ኣዕሩኽትኻን ፈተውትኻን፣ ነዞም ምሸት ምሸት ምስኦም ካርታ ትጻወት መንእሰያት፣ ነዘን ኣብ ጣውላኻ ብኣኽብሮት ቡን ዘምጽኣልካ ኣንስቲ ወዘተ ኢኻ ትጻረፍ ዘለኻ። ሕማቕ ጌርናካስ ይትረፍ ብደስ ዘይብለካ ዓይኒ ጠሚትናካ ንፈልጥ!? ከማኻ ገይርና ነኽብሮ ሰብ እኳ ዘየለ። ሓቂ እዩ ክብረትካ ሓሊኻ ስለዝትኸይድ እዩ፣ ግን ህዝቢ ሱዳን ጥዑም ህዝብን ተቐባልን ኣኽባርን ጋሻ እዩ። ብፍላይ ከኣ ንዓኹም ንሓበሻ። እዚ ዝብለካ ዘለኹ ናብ ዝኾነ ኣንፈት ብዘይካ ናብ ዓድኻ እንተወጺእካ ክትዝክሮን ሓቂ ምዃኑ ክትኣምንን ኢኻ። ደሓር ካብ ዓድኻ ርሕቀት ኣብ ዝወሰኽካሉ ዝያዳ ገንዘብ ትረክብ ትኸውን ግን ዘይሰማማዓካ ህዝቢ እናረኸብካ ኢኻ ትኸይድ። ርሕቀት እናወሰኸ ብዝኸደ ከኣ ምስኡ ሕማቕ ፈታንን ተጓንፎታት እናወሰኸ ይኸይድ” ክብለኒ ብዓይኒ ዝኽሪ ሰማዕኲዎ። ንሱ እኳ ፈጺሙ ተንኪፉለይ ኣይፈልጥን፣ ኣዕሩኽቱ ወይ ካልኦት ሱዳናውያን ሃይማኖት ኣልዒሎም ክዛረቡኒ እንከለዉ ድማ ብሜላ ካብቲ ዝርርብ የውጽኣኒ ወይ የውጽኦም ነበረ።

ብሓፈሻ ኩሎም ዘጓነፉኒ ሱዳናውያን፣ ፍቓደኛ ክሳዕ ዘይኮንኩ፣ ሃይማኖት ኣመልኪቶም ክሰብኲንስ ኣይኮነን ክዕልሉኒ ውን ፈቲኖም ኣይፈልጡን።

“ጽቡቕ ኣለኻ፣ ዘረባኻ ውን ደስ ዝብል እዩ። ይዂን እምበር ክትሰብኩንን ክሰብከኩምን፣ ክልተ መሰረታውያን ነገራት ይጎድሉኒ እዮም። ቀዳማይ ጽሑፍ እናንበብኩ ከነጻጽረሉ ዘይክእል ክእለት ቋንቋ ዓረብ ስለዘይብለይ፣ ካልኣይ፣ ንስኻትኩም ኣብ ዓድኹም ኣነ ኣብ ስደት እሞ ከኣ ኣብ ማእሰርቲ ኮይነ ኢና ንዛረብ ዘለና። ከምድሌተይ ክካትዓኩም ኣይክእክልን እየ።” በልኩዎም።

“ላእ!” በለ እቲ በዓል ጀለብያ ከምቲ ኣመሉ ብነድሪ። “እዛ ዓለም ናይ ኩሉ ኣስላማይ እያ፣ ንስኻ ከኣ ሞስሊም ኣብ ዝኾንካሉ እዚ ዓድኻ እዩ። ስደተኛ ኣይኮንካን።” በለኒ። ዝበልኩዎ ድዩ ብግቡእ ዘይተረድኦ ወላ ኮነ ኢሉ እንድዒ፣ ዘረብኡ ግን ምስቲ ዝበልኩዎ ዘራኽብ ኣይነበሮን።

“ኣይተረዳእካንን መስለኒ” በልኩዎ።

“ኣነ ተረዲኤካ ኣለኹ” በለ እቲ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድነ። ኣስዒቡ “ዘረባኻ ናይ ምሰቐፍ (ምዕቡል) ሰብ ዘረባ እዩ። ሓቅኻ ኢኻ፣ ይኹን እምበር፣ ንሕና ንድሕነትካ ደኣ ኢና ኣብዚ ሒዝናካ ዘለና እምበር፣ መሬት ምስ ወግሐ እንተደለኻ ናብዞም ኣሕዋትካ እንተደለኻ ናብ ስራሕ ክትከይድ ኢኻ። እዚ ንነግረካ ዘለና ከኣ ተልእኾናን ግዴታናን ኮይኑ እምበር ኣይነገድደካን ኢና። እንተዀነ ኣምላኽ ሓንሳብ እዩ ዕድል ዝህብ፣ እዚ ሕጂ ረኺብካዮ ዘለኻ ዕድል ከኣ ዳግማይ ዘይክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ” በለኒ። ዘረብኡ ብትሕትና ምልክታቱ ውን ኣኽብሮት ነበሮ። እቲ ሓቂ ኣብ ልበይ ዘሎ ክዛረብ ውን ተተባባዕኩ።

“እመነኒ ሕጂ ዝዀነ መልሲ ኣይህበኩምን እየ። ግን ምሽ ኣምላኽ ኩሉ ዝገብር፣ ኣብቲ ኣምላኽ ዝፈቐዶ እዋን እዚ ትብልዎ ዘለኹም እንተተረዲኡኒ እምስልም እኸውን፣ እንተዘይኮይኑ ግን ክርስትያን ኮይነ ክመውት እየ”

“ላእ! ከምኡ ኣይትበል” እቲ በዓል ጀለብያ ነደረ። እንታይ ምዃነይ እንድዒ ብዛዕባ እምነት ኣብ ዝዛረበሉ እዋን ክርስትያን ኮይነ እየ ዝመውት ዝብል ዘረባ ካብ ዘዘውትር ነዊሕ ገይረ ነበርኩ። ነዚ ከኣ ብዓረብ እምበር ብትርግኛስ ዘኪረዮ እኳ ኣይፈልጥን።

“እንሻኣላህ! ክትብል ኣለካ” ኣትሪሩ ተዛረበ። ነቲ ኣብ ህድኣት በጺሑ ዝነበረ ዝርርብና፣ ናብ ካልእ ናህሪ ከይወስዶ ሰጋእኩ። “እንሻኣላህ” ከኣ በልኩዎ ብሓፊስ ድምጺ። “ሕጂ ግን ደኺመን ድቃስ መጺኡንን ኣሎ ክዛረብ ዝኽእል ውን ኣይመስለንን” ከኣ ኣስዓብኩ። ከባቢ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ናይ ምሸት ዝጀመርናዮ ዝርርብ፣ ሰዓት ኣርባዕተ ወጋሕታ በጺሑ ነበረ። ናይ ብሓቂ ከኣ ደኺመን ድቃስ መጺኡንን ነበረ።

“ክትድቅስ ኢኻ፣ ንግሆ ክንመጸካ ኢና እሞ ክንዘራረብ ኢና” እቲ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድነ እዩ። እዚ ተዛሪቡ ከኣ ብድድ በለ። ንሕና ውን ምስኡ ተንሳእና።

ኣብቲ ኮንተይነር ኣእትዮምኒ ድማ ማዕጾ ከይዓጸዉ ገዲፎምኒ ከዱ።

ክኸዱን ክድቅስን ፍልልይ ኣይነበሮን። ድሮ ኣብቲ ኮፍ ኢለሉ ዝነበርኩ ውን ፍግም እናበልኩ እየ ጸኒሐ። እቲ ኮንተይነር ንገዛ ተባሂሉ ብግቡእ ዝተሰርሐ እኳ እንተነበረ፣ ጸሓይ ምስ ሃረሞ ግን ሃሩር ይገብር እዩ። ኮነ ከኣ፣ ሃሩርን ብፍኒስትራ ዝኣትወ ጸሓይን ኣበራበሩኒ።

ኣበይ ኮይኖም ክርእዩኒ ከምዝጸሑ፣ ትብርብር ከብልን ክልተ ቅድሚኡ ዘይረኣኹዎም መንእሰያት ወተሃደራት መጺኦም ብምልክት ክጽውዑኑን ዳርጋ ሓደ ነይሩ። ብዘይ ድምጺ ናብ ሓደ ኣንፈት ኣመልከቱለይ። ኣንጎሎ ናይቲ ኮንተይነር ተጠዊና ድማ ማይ ክሕጸብ ናብቲ ቡንባ ኣመልከቱለይ። ብዙሓት መንእሰያት ሊብያውን፣ ጸሊም ማለት ንዕኦም ጥዑይ ሰብ ኣይኮነን። ጸሊም እንተኾይንካ፣ ክሃርሙኻ እንተዘይኮኖም ናብ ጥቓኻ ኣይቀርቡን። ብማዕዶን ብምፍንፋን እናረኣዩኻን እዮም ዝዛረቡ። ብዙሕ እዋን ውን ብምልክት እምበር ብዘረባ ክነግሩኻ ኣይደልዩን።

ኣእዳወይን ገጸይን ተሓጺበ ምስ ወዳእኩ፣ ዘመልክቱለይ ክርኢ ደው ኢለ ተጸበኹ። ኣብ ፊትና ኣብ ዝነበራ ኮንተይነራት፣ ቤት ጽሕፈት ናይቶም ወተሃደራት ምዃነን እዩ፣ ኣመልቱለይ። ኣብ ኣፍደገ ምስ በጻሕና ድማ፣ እቶም ምሳይ ዝሓደሩ መሻይኽ ወጹ። ጽቡቕ ደቂሰ እንተኾይነን ካብ ሕማመይ ይሓዊ እንተለኹን ሓተቱኒ። ኩሉ ብኣወንታ መለስኩ።

“እሞ ሕጂ ናብዞም ኣሕዋትካ ዶ ክትኣቱ ወላ ናብቲ ዘምጽኣካ ስራሕ ምንዳይ ክትከይድ?” እቲ በዓል ወተሃደራዊ ክዳን ሓተተኒ።

“ክሰርሕ እምበር ኽኸይድ”

“ኣብዚ ሰዓት፣ እዚ ከተማ ህዱእ ኣይኮነን” እቲ ብዓል ጀለብያ ተጸዊጉ እናጠመተኒ ተዛረበ። ጽውግታኡ ብጽልኢ ድዩ ወላ ብነብሱ እንድዒ፣ ድምጹ ግን ህድኣት ነበሮ።

“ዕድለይ እርኢ” በልኩ።

“እንካ እዚ ጃኬት፣ ‘ትወከል ዓለ’ላህ (ኣምላኽ ምሳኻ ይዂን) ወተሃደራት እንተኣሲሮምኻ ካብ ሂላል ኣሕመር (ማሕበር ቀይሕ ወርሒ) እየ መጺኤ በሎም፣ ናባና ከምጽኡኻ” ኢሎም ንሓደ ካብቶም መንእሰያት፣ “ኣልፈንድቕ (ማእከል ከተማ እዩ) ኣብጽሓዮ” ኢሎም ሓበርዎ።

ብሓባር ከኣ ” ‘ትወከል ዓለ’ላህ” ኣድመጹ።

“ሽኲረን (አቐንየለይ)” መሊሰ፣ ነቶም ኣብ ርሕቀት ናይ ሚእቲ ሜትሮ ኮይኖም ተኣኪቦም ዘማዕዱውኒ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ካልኦትን ኢደይ ኣወዛወዝኩሎም። ምናልባት ንጋንፉዳ ወይ ሰብሃ እዮም ዝወስድዎ ዘለዉ ኢሎም ሓሲቦም ይኾኑ። ኣብታ ካልቸሎ መኪና ዝተሰቕለ ሰብ ናይ ሓዲኡ ዕድል ከጓንፉ ድሮ ተመኲሮሞ ዝነበሩ እዩ።

ፍቕረይ የማን (Fikrey Yeman)

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s