መንቀሊ ጽሑፈይ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ፈይስቡክ ዘንብቦ ሓሳባት ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ርእይቶታትን ኮይኑ፣ ቀንዲ ድርኺተይ ግና እዛ ትስዕብ ርእይቶ ሓደ ሓው ኣብ ትሕቲ ፖስት ናይ ኻልድ ዓብዱ ዘንበብኲዋ እያ።
” እቲ መሰረታዊ ነገር እኮ ናይቶም ሳዕሳዕቲ ጸገም ኣይኮነን ፡ናይቶም ደረፍቲ ብሓፈሻ ስነጥበባውያን’ዩ፡፡ ስነጥበባውያን ኤርትራ ዓቢ ትምህርቲ የድልዮም ኣሎ ንመጻኢ ፡እንታይን ኣብ ከመይ ኩነታትን ይድረፍ ዝብል ኣስተምህሮ ምዃኑ’ዩ!!!! እዚ ድማ ገና ዘይተላቐቕናዮ ናይ ሽፍትነት ሳሕል ስንቂ’ዩ፡፡ ”
እዛ ርእይቶ፣ ኻልድ ዓብዱ “ማማ ትሓመና ‘ላ” እትብል ደርፊ ምሕረትኣብ ምኪኤል ኣመልኪቱ እቶም ሳዕሳዕቲ ዝፈጠርሉ ኣግርሞት ምስ ጸሓፈ ዝተዋህበት ርእይቶ እያ። ንወሃቢ ርእይቶ ፈጺመ ዘይፈልጦ ይኹን እምበር፣ ካብዛ ርእይቶኡ ነቒለ ብዛዕባ እቶም ዘናሽዎም ዘሎ ደፍታት ሰውራ ኤርትራን ደረፍቶምን ሰራሕቲ እቲ ደፍርፍን ምንም ኣፍልጦ ዘይብሉ እዩ፣ ኢለ ክግምት ግን ኣይጽገምን።
ምኽንያቱ እዞም ደርፍታትን ደረፍቶምን፣ ኣይኮነን ዶ ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነብሩ መንእሰያትን ሓፋሽ ህዝብን፣ ነዚ ሎሚ ዘሎ ምንም ብዛዕብኦም ኣፍልጦ ዘይብሉ መንእሰይ እኳ፣ ተዘዝ ቀዘዝ ኣቢሎም ከቕንዝውዎ፣ ንዘይፈልጦ ዛንታ ክትክዘሉ ክገብርዎ፣ ዘኽእል ዓቕሚ ዘለዎም ልዑል ርቀት ዝሓለፎም፣ ንዝደልይዎ ዕላማ ከስልጡ ዝተስርሑ እሞ ሰሪሖም ከኣ ዘስለጡ ደርፍታት እዮም።
ወላ እኳ ቋንቋ ትግረ ኣጸቢቐ ዘይመልኽ እንተኾንኩ፣ ነታ ብ “ስዒድ ሑየ ምስል መን ትሓድገኒ ህሌካ” ትብል ሙዚቃዊት ድራማ ክርእያን ክሰምዓን እንከለኹ ግና፣ ኣዒንተይ ብንብዓት እናተሓዝጽበ ፈጺመ ዘይቆጻጸሮ ተዝዝታ እናተሰምዓኒ እየ ዝከታተላ።
ብተመሳሳሊ፣ ደርፊ “ለሚንለሚነይ” “ይከኣሎ” ናይቲ ንወዲ ትዂል ኣማእኪሉ ዝድረፍ ደፍታት ከምኡ ውን ናይ ፊሒራ፣ “ሓሬና” ካልኦት ናይ ብዓል ወዲ ሸኽ፣ ስዒድ ዓብደላ፣ ዑቚባጋብር፣ ጓል ኣንከረን ካልኦትን ሰሚዑ ዝሕርን ኣብቲ ሽዑ እዋን፣ ሰሚዑ ዘስተንትንን ዝትክዝን ከኣ ሎሚ፣ እምበር ሰሚዑ ዝስዕስዕ ሰብ ኣይነበረን የሎን ድማ።
እዚ ነዛ ርእይቶ እኳ ዝጸሓፍ ሰብ ውን እንተኾነ ነዞም ደርፍታት እዚኦም ክሰምዕ እንከሎ፣ “ኔው በሎ” ኢሉ ከምዘየጥፍኦም እግምት። ነቶም ደረፍትን ነቲ ሰውራን፣ ተጠሊዖም ብተመልከተለይ ክጻረፉን ከናሽውን ዝውዕሉን እኳ፣ ነዞም ደርፍታት እዚኦም ክሰምዑ እንከለዉስ ኣዒንቶም ንብዓት ክቛጽርን ከስቆርቊርን ኣዒንተይ መስኪረን እየን። እዚ ከኣ ሓይሊ እቲ ስነ ጥበባዊ ስርሓት፣ ከይፈተኻ ኣብ ውሽጥኻ ከምዝእቱ ክዕዘብ ኣኽኢሉኒ እዩ።
እቶም ነዚ ስርሓት እዚ ዘፍረዩ ሰባት፣ ንባህልን ያትን ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ፣ ህርመት ሳዕስዒቱ እንታይ እዩ፣ ጻውዒት ኲናት ዝሃርመሉ ቅኒት ከመይ እዩ፣ ሓዘኑ ዝገልጸሉን ፍቕራዊ ዜማታቱን ፈላልዮምን ኣስተውዒሎምን ዝፈልጡ ሰባት እዮም። እቲ ሰውራዊ ቃልሲ ክዕወት ካብ ዝገብርዎ ሓደን ቀንድን ረቛሒታት ውን፣ ነቲ ዝፈለቐሉ ህዝቢ ብዂለንትናኡ ዝፈልጦን ከመይ ጌሩ ከምዝቐርቦ ዝፈልጥን ስለዝነበረ እዩ።
በዚ መንጽር ክንሪኦ እንከለና፣ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብቛንቋ ትግርኛ ዝፈርዩ ዘለዉ ደርፍታት፣ ሓደን ቀንድን ጸገሞም፣ ህዝባውን ባህላውን ሰረት ዘይብሎም፣ ከም ቃንጥሻ ብራሕሲ ለይቲ ክራማት ፈሊቖም፣ ምስ መሪር ጻሓይ ቀትሪ ዝቕምስሉ ምዃኖም እዩ። ክንቀፉ ዘለዎም ከኣ፣ ብናቶም ጒድለት እምበር፣ በቶም ኣብ ጥቓኦም እኳ ዘይቀርቡ ታሪኻውያን ደርፍታት ብምምኽናይ ኣይኮነን።
ውልቃዊ ርእይቶን ካልእ ምስ ጸሓፊኡ ምርኻብን ተደልዩ? ኣብ ፈይስቡ Fikrey Yeman ኢልካ ምርካብ ይከላል።
ፍቕረይ የማን