ፈጠራ ኣብ ግጥሚ

ብሓፈሻ ግጥሚ ኩለንትናኡ ፈጠራ እኳ እንተኾነ፣ ጽቡቕ ፈጠራ ወይ ልዑል ፈጠራ ኣብ ሓንቲ ግጥሚ ተንጸባሪቑ ክብሃል እንከሎ ግን ከመይ ዝበለ እዩ፧ ኢልካ ምሕታትን ምስትንታንን ግን፣ ንጸሓፊ ግጥሚ ፈጠራውነቱ ንጽቡቕ ግጥሚ፣ ንነባቢ ግጥሚ ድማ ዕምቆት ምስትምቓሩ ንግጥሚ ዘዐቢ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ፈጠራ ኣብ ግጥሚ ብብዙሕ ሸነኽ ክርአ ይኽእል እዩ። ንሕጂ ግን ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን ኮይኖም ዝተሰምዑኒ ነጥብታት ፈጠራ ክትንትን ክፍትን እየ።

ቀዳማይ፣ ፈጠራ ኲርናዕ እዩ። እዚ ዓይነት ፈጠራ፣ ሓደ መልእኽቲ ከተሕልፍ ወይ ሓደ ዛንታ ክትነግር ወይ ውን ስምዒትካ ከተካፍል ምስ ደለኻ ብግጥሚ፣ ብቐዳምነት ዝመጽእ እዩ። ኣብ ኣእምሮኻ ሓሳብ መጺኡካ። ከመይ ጌርካ ትብሎ ወይ ተንጸባርቖ፧ መረጻ ኲርናዕ ውን ክንብሎ ንኽእል ኢና።

ንኣብነት ብዛዕባ ሳዕቤን ኲናት ክትዛረብ ደሊኻ፣ ሓፈሻዊ ጌርካ ብዛዕባ ጒድኣት ኲናት ምዝርዛር ወላ ጽቡቓት ግጥማውያን ኣበሃህላታት ይሃልዉኻ፣ ሓተታ እምበር ግጥሚ ክኸውን ኣይክእልን። ብሓንቲ ዓረር ወይ ብሓንቲ ንጣብ ደም ኣብ ጫማ ናይ ሓደ ወተሃደር፣ ወይ ውን ብስባር መንገብገብ ናይ ሓንቲ ኣብቲ ኲናት ዝተሃርመት ዑፍ ኣቢልካ፣ ንኣስካሕካሕነት ኲናት ምርኣይ ልዑል ግጥማዊ ፈጠራ እዩ። እንፈጥሮ ኲርናዕ ዝንተዋ፡ ብዘይካ እቲ ዛንታ ወይ ከነሕልፎ ዝደለና መልእኽቲ፡ እቲ ኲርናዕ ንባዕሉ፡ ንኽዝከር፡ ንኽስተንተነሉ፡ ንኽድነቕ፡ ተምሳጥ ንኽፈጥር ወዘተ ልዑል ተራ ዘለዎ እዩ።

ሕጥቦ ሽኮር እትብል ግጥሚ ሳባ ኪዳነ ንኣብነት፣ ቅድሚ ኩሉ ነቲ ኣብኣ ዘሎ መንእሰይ እያ ኣብ ኣእምሮ ነባቢ ተስፍሮ፡፡ ድሕሪ እዚ ኢና፡  ውጻእ መዓት፡ ስደተኛታት ተጓዓዝቲ ባሕሪ፡ ኣብ ኣእምሮም ጸይሮሞ ዘለዉ ስንባደን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቓይን ክንድምታይ ከቢድ ምዃኑ፡ ክሳዕ ውንኦም ምስሓት ዘብጽሕ ምዃኑ ክንግንዘብን ከነስተንክርን እንግደድ። ነቲ ንሱ ዘርእዮ ባህርያት እናዘከርና ከኣ፡ ብሳዕቤን እቲ ሓደጋ ነስተንትን። ኣብ ክንዲ ብሓፈሻ በቲ ውልቀ ሰብ ኣቢላ ንምረት እቲ ጒዕዞ ከተርኢ ምኽኣላ እምበኣር ኣዝዩ ልዑል ጥበብን ጽቡቕ ኣብነት ንፈጠራ ኲርናዕን እዩ። ኣብዚ ሊንክ ብምጥዋቕ ነታ ግጥሚ ምንባባ ይከኣል። http://www.peneritrea.com

“ሰብ ጠፊኡና” እትብል ግጥሚ መለስ ንጒሰ ንኣብነት እንተተመልከትና፣ ንሓደ ክፉእ ባህሪ ዘለዎ ሰብ ንምርኣይ ዝተጠቕመትሉ ኲርናዕ ኣዝዩ ዝድነቕ እዩ። እቲ ሰብ ርስሓቱ ክጸሪ ኢሎም ናብ ሓደ ቀላይ ምስ ኣጥለቕዎ፣ ኣብ ክንዲ ዝጸሪ ተገልቢጡ ነቲ ማይ ክብልሎ ወይ ከርስሖ ኢና እንርኢ። ክንዲ ምንታይ ክፉእ ሰብ ምዃኑ ከኣ ነስተንትን።

%e1%88%b0%e1%89%a5-%e1%8c%a0%e1%8d%8a%e1%8a%a1%e1%8a%93

ካልእ ግጥሚ፣ “ኣየ ወደ`ስመራ” እትብል ናይ ኣማኑኤል ኣስራት ምስ እንርኢ፣ ንሳዕቤን ኲናትን ንሱ ዝፈጥሮ ሕሰም መነባብሮን ርኢና፣ ከነስቆርቊር ንኽእል ንኸውን። እታ ግጥሚ ሓደ ወተሃደር ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንዕረፍቲ ምስ መጸ ዝህልዎ ቁጠባዊ ኲነታት ብኸምዚ ዝስዕብ ተንጸባርቖ፣

“ምስ ድጉል ናፍቖተይ
ምስ ኩሑል ትዝታታተይ
….ነስመራ ምስ ተቐልቀልኩ

ካብ እግርን ትርኣስን
በሪኽን ጎልጎልን
እንተላይ ካብተን ሚእትን ሓምሳን
….ተለቓቒሑ

ዓርከተይ ቢራ ኣንቂዑለይ
ጥርሙስ ኣብ ልዕሊ ጥርሙስ
ኣነ ከዕልሎ ንሱ ክሕጎስ”

( ሽሻይ ሹመንዲ ነዛ ግጥሚ ኣመልኪቱ ዝጸሓፎን ንባዕላ እታ ግጥምን ኣብዚ ሊንክ ምንባብ ይከኣል። https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=1601419180152521&id=1473785936249180

ካልእ ተመሳሳሊ ብልዑል ፈጠራ ኲርናዕ ክጠቕሳ ዝደሊ ግጥሚ፣ “ድሕሪ ሕጽኖት” ናይ ሃይለ ቢዘን እያ። እዛ ግጥሚ፣ ነቲ ኣብ ፈለማ እዋን ናጽነት ኤርትራ ዝተራእየ ፈንጠዝያን ታሕጓስን፣ ድሕሪኡ እቲ ስርዓት ዝናታቱ ጥራይ ክዝርዝርን ብኡ ክንየትን ናይ ዘሕልፎ ዘሎ እዋንን እያ፣ ከም መርዓት ንመርዓዊ ኮይና ትዛረብ። ነቲ ዓቢ ዛዕባ፣ ብመርዓውን መርዓትን ድሕሪ ሕጽኖት ዘሎ ሂወቶም ኣቢላ፣ ሂወት ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ፈለማ ናጽነትን ስዒቡ ዘሎ እዋንን ተስተንትን።

12604681_1555059294815292_4343513487666879916_o

እቲ ካልእ ፈጠራ ኣብ ግጥሚ፣ ኲርናዕ ምስ መረጽካ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ግጥሚ እተምጽኦ እዩ። ግጥማውያን ኣበሃህላታት ምፍጣር ክንብሎ ንኽእል። ግጥማውያን ኣበሃህላታት፣ ብዘይካ እቲ ዘለዎም ምኡዝ ጣዕሚ፣ ዜማውያን ውን ስለዝኾኑ፣ ንክትዝክሮም ቀለልቲ እዮም። በዚ ከኣ ነባቢ ነታ ግጥሚ ኣብ ዘንብበሉ እዋን፣ ብጣዕሞም ኣብ ኣእምሮኡ ጦብላሕታ ይፈጥሩ እሞ ንኩሉ ግዜ ክዝክሮም ይኽእል። ብተወሳኺ እዞም ግጥማውያን ኣበሃህላታት ካብታ ግጥሚ ወጺኦም ንበይኖም ውን መልእኽታውያን ስለዝኾኑ፣ ሰብ ኣብ ዝተፈለላየ ኣጋጢማታት ሂወቱ፣ ከም መመሰሊ፣ መመቀሪ ዘረባኡ ወይ ጽሑፉ፣ ከም መድመቒ ሓሳቡ ወዘተ ክጥቀመሎም ይኽእል። ብኡ ኣቢላ እታ ግጥሚ ዘለኣለማዊትን ኣድማሳዊትን ትኸውን። ከምኡ ውን ኣብቲ ተጻሒፋትሉ ዘላ ቋንቋ (ንኣብነት ኣብ ትግርኛ)፣ ኣብ ምህብታም እቲ ቋንቋ ተራኣ ተበርክት ኣላ ክንብል ንኽእል።

በዚ መንጽር እዚ ካብ ዘንበብኲዎም ግጥምታት ትግርኛ፣ ናይ በየነ ሃይለማርያም ቀዳምነት ይመጹኒ። ኣብ ሓያሎ ካብ ግጥምታት በየነ ዘለዉ ግጥማውያን ኣበሃህላታት፣ ከም ጥቕሲ፣ ምስላን ኣብነትን ኮይኖም ካብቲ ግጥሚ ወጻኢ ንበይኖም ክሰርሑ ዝኽእሉ እዮም።’

“ጸማልያ መብራህቲ
ሽሮ’ታ ድስክልቲ”

ካብ ግጥሚ “ሃብቱ ነዳቓይ ዝተወስዱ እዮም። እዞም ክልተ መስመራት፣ ንሕሰም ናብራ ክንገልጽ ምስ እንደሊ ንበይኖም ክንጥቀመሎም ንኽእል።

“ተርስኽ ዝኣመሉ

ኪሕ ዝብል ዕላሉ”

ካብ ግጥሚ “ሳላ ዕስራ ቕርሺ” ዝተወስዱ እዮም። ዕላሉ ንዘይተብርሃካ ሰብ፣ ክትገልጸሎም እትኽእል እዮም። ግድን ኣይኮነን ኩላ እታ ግጥሚ ከተድልየካ።

“ፈቲሐ ዶ ክምርዓወኪ” ልክዕ ከም “ድሕሪ ሕጽኖት” ግጥሚ ሃይለ ቢዘን፣ ነቲ ድሕሪ ናጽነት፣ እቲ ሰውራዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተቓለስሉ ሰውራውያን ዘርኣዮ ጥልመት፣ እተንጸባርቕ ግጥሚ ኮይና፣ ብመረጻ ኲርናዕን ሒዛቶም ዘላ ኣስተንትኖ ዝፈጥሩ ኣበሃህላታትን ሃብታም ግጥሚ እያ። ንኣብነት፣ እታ ኣርእስቲ ንባዕላ “ፈቲሐ’ዶ ክምርዓወኪ” ተሃን መርዓ ንዘይወጸላ ብዓልቲ ቤት፣ ሓድሽ ፍቕሪ ንዘብህጋ በዓልቲ ቤት፣ ወዘተ ከም ስምዕታ ክትቀርብ እትኽእል እያ።

  “ኣቋሚትኪ ዘሕለለወ
ረሲዕክዮ ዝሓለወ”

ሓደ ብባህርያት ብፍቕርቱ ዘይተሓጎሰ ሰብ ንፍቕርቱ ስምዕታ ከቕርበላ ክጥቀመሎም ዝኽእሉ ነግሕታት እዮም።

ከም ቆሎ መሸላ እንተወሰድና ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ነግሒ ወይ ውን ነፍሲ ወከፍ ማይቤት ንበይና ደው ኢላ፣ ተምሳጥ ብምፍጣር፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዓላ ክውዕል ዝኽእል ኣበሃህላታት እዩ ዘለዋ። ገለ ካብኦም፣

ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ

ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ

እዋን’ሎ ወርሓት’ሎ

ዝወድቀካ ሓሳብሎ

ኣልቦ መዓት ነይተሎ

ሂወት ምጥዕዓም ክትኣብየካ እንከላ፣ ክተስተንትነሎም እትኽእል ነግሕታት እዮም።

ብሓፈሻ ክንርእዮም እንከለና፣ ፈጠራዊ ኣበሃህላታት ኣብ ግጥምታት በየነ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ብቕዓት ዝሓለፎም እዮም። ንፉዓት ሃየስቲ ንግጥምታት በየነ እንተዝድህስስዎም፣ ከምቶም ኣበየ እዋኑ እንረኽቦም ሃብታማት ኣበሃህላታት ሼክሲፔርን ካልኦት ህቡባት ሰባትን፣ ንቛንቋ ትግርኛ መኣዛ ዝህቡ ሃብታማት ኣበሃህላታት ምወጽሎም።

ኣብ ሳልሳይ ዝመጽእ ፈጠራዊ ቃላት እዩ። ቃላት ምፍጣር ማለት ግን ኣይኮነን። ምስ መረጻ ቃላት ውን ምትሕውዋስ ከይገብር። ፈጠራዊ ቃላት፣ ምምስራሕ ቃላት ክንብሎ ንኽእል እመሰለኒ። ኣብቶም ቃላት ብምምርማር፣ እናሻዕ ደጋጊምካ ቅርጺ ብምቅይያር መሰጥቲ ጌርካ ምቕራቦም ሓደ ፈጠራ እዩ። ካብቲ ልሙድ መዓልኦም ኣውጺእካ፣ ኣብ ካልእ መዓላ ምውዓሎምን ምስቲ ኣልዒልካዮ ዘለኻ ኣርእስቲ ከምዝሳነዩ ጌርካ ምቕራቦምን እውን ካልእ ፈጠራ እዩ።

በዚ መልክዕ ግጥምታት ሃይለ ቢዘን ካብ ግጥምታት ትግርኛ ብቐዳምነት ዝስርዑ እመስሉኒ። በየነ ሃይለማርያም፣ ንቓላት ዝህቦም እናነበብካዮም ብድምጺ ትሰምዖም ዘለኻ ኮይኖም ክስምዑኻ ዝገብር ጥበብ ውን ሓደ ፈጠራ ኣብ ቃላት እዩ።

ኣብ ሓያለ ግጥምታት ሳባ ኪዳነ ዝርአ፣ ክድመጽ እምበር ክጽሓፍ ከቢድ ዝመስል ስምዒታት ዘንጸባርቕ፣ ኣጠቓቕማ ቃላት ውን ካልእ ጥበብ ኣብ ፈጠራ ቃላት እዩ።

ንኣብነት፣

“ኣብ ክንዲ ንሰዓዓም

ናፍቖትና ንምሑ

ኣዒንትና ኣርሒና

ንብዓትና ንኽዑ”

ኣብ ግጥሚ “ናፍቖት ንጐደና” ናይ ሃይለ ቢዘን እንረኽቦም ነግሕታት እዮም። “ንምሑ፣ ኣርሒና፣ ንኽዑ” ዝብሉ ቃላት ካብቲ ልሙድ መዓልኦም ኣውጺኡ ምስ ሓሳባት እታ ግጥሚ ብዝሰማማዕ መንገዲ እዩ ኣስፊርዎም ዘሎ። ናፍቖትና ነውጽእ፣ ክብል ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ዓሚቚን ሱር ዘለዎን ናፍቖት ምዃኑ ንምርኣይ ግን፣ “ምምሓው፣ ብርቊቚ ኣቢልካ ምውጻእ” ዝብል ግሲ ክጥቀም ንሪኦ። ከምኡ ውን፣ “ኣዒትና ኣርሒና” ክብል እንከሎ፣ ኣዒንቲ ፍቕሮም ተዓጽዩ ጥራይ ዘይኮነ፣ ተሸጊጡ ምህላዉ የርእየና እሞ፣ ምኽፋት ጥራይ ዘይኮነ፣ “ምርሓው፣ ጋህ ኣቢልካ ምኽፋት” ከምዘድልዮም ንግንዘብ። “ንኽዑ” እውን ብተመሳሳሊ፣ ነቲ ጽልኢ ጸሊኦም፣ ክኽዕውዎ፣ ሻሕ ኣቢሎም ክጒሕፍዎ ዘለዎም ባህጊ የንጸባርቐልና።

ኣብ ካልእ “ተድላ ፍቕሪ” እትብል ግጥሙ ድማ፣

 “ኣፍ ንኣፍ

ግና ውቅያኖስ ዘሕልፍ

ራሕቂ”

ይብል። ብሓንሳብ እንከለናስ ምርድዳእ ስኢና ንምባል እዩ ከምዚ ዝብል። ፈጺሞም ምርዳዳእ ስኢኖም ከምዘለዉ ኣብ መንጎኦም ውቅያኖስ ዘሕልፍ ራህቂ ምህላዉ ብምርኣይ የስተንክረና።

“እስከልካ… እስከልካ
እስከሉ… ክሳድካ”

ካብ “ምሕል ጥልም” ናይ በየነ ሃይለማርያም ዝተወስዱ እዮም። እቶም “እስክልካ” እናበሉ ዝደጋገሙ ቃላት፣ ኣብ ስምዒት ኣቲኻ ከምተንብቦምን ከምተድምጾምን ኮይኖም እዮም ቀሪቦም ዘለዉ። እቲ ናይ ምግራም ወይ ምድንጻው ስምዒት ክሓድረካ ከኣ ይገብሩ።

ሓያለ ግጥምታት ሳባ ኪዳነ ውን፣ ክድመጽ እምበር ክጸሓፍ ኣሸጋሪ ዝኾነ፣ ስምዒት ዘንጸባርቕ ቃላት ይርከቦ። ግጥምታታ ኣብ ቀረባ ክረክብ ብዘይምኽኣለይ ሕጂ ኣብነት ከቕርብ ግን እጽገም።

ኣብ ተመሳሳሊ ግጥማዊ ጽሑፍ ኣብ ቀጻሊ፣ ብሓንሳብ ንሃሉ።

ፍቕረይ የማን
ጥሪ 2017

One thought on “ፈጠራ ኣብ ግጥሚ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s