ንግርማ ደበና ም’ምራኸይ
ምስ ንፋስ በናኒ
ንእምባ በረድ ምጽግዐይ
መኻኺ ብረስኒ፡
ፍርቁ ግርህነት ፍርቁ ዕሽነት።
ድሕሪ ዝናብ ዝሓፍሶ ምህርቲ
ድሕሪ ሓጋይ ዘሎ ሓምላይ ወቕቲ
ርእየ ምትስፋወይ
ንእምነት ኣሚነ ምጽባየይ፡
ፍርቁ ቅንዕና ፍርቁ ባህጊ፡፡
ደበና ተስፋ ኣብ ምህፋፉ
ህንጡይ እምነት
ቁልቁል ኣብ ምህታፉ፡
ዘሎ ህሞት፡ እንታይ ይስመ!?
ፍቕረይ የማን
12/2016