ሕደማ “ኣንጉዐይ ፍስስ” ልዕሊ ክልተ ዕቍድ ጌራ ክንሳ ንእዝኒ ሰማዒ ግን ወትሩ ናይ ሓዳሽ ስራሕ ኢያ። ኣንጉዐይ ፍስስ ኪንዮ “ምቕናይ፥ ሸው ከብለኒ’ሉ፥ ጉማየን ካልኦት ዕዮታቱን” ብዕምቆታን ብኢስተቲካዊ ጽባቐኣን ጸብለል ዝበለት ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ከም ሕደማዊት ግጥሚ ድማ ፍጹም ክልቸ ዘይርኣያ ኢያ።
“ኣንጉዐይ ፍስስ” ካብ ሃበስ-ቀደስ ብምግላል፡ ኣጠቃቕማ ቃላታ ብስነጽሑፋዊ ቍንቚኛ ዝተመልአት፡ ላዛን ወዝን ዘለዎ ኣሰራርዓ ብምጥቃም ወይ ብምርኣይ፡ ኣብ ወኒን ልቢን ኣፍቃሪ ብምስፋር እናኽትደጋገም ድምቀት፡ እናኸተስተማቕራ ፍትወት፡ እናኸተስተንትና ዕምቆት እተርኢ ስራሕ ብምዃና ድማ ሓንቲ ካብተን ነበርትን ተዘከርትን ሕደማታት ትግርኛ ክትኸውን ኣኽኢልዋ ኢዩ። ንስነ ጥበበኛ ኪሮስ ኣለማዮህ ድማ፡ ርቀቱን ሓይሊ ጥበቡን ዘርኣየላ ስራሕ ኢያ።
ውነይ ዝምት
ኣንገዖይ ፍስስ
ልሳነይ ልጉም
ስነይ ክምስ
መማሳናይ
መስቆርቆሪ
ኣውራ ሕማመይ
ለካስ ፍቕሪ
ፃውራ ሕማመይ
ናትኪ ፍቕሪ።
ኣብ ኣዝማች ዘለዋ ነግሕታት፡ ቃል ብቓለን ምስ እነላዕለንን እነስተንትነንን ነናተን ትርጕምን ዕምቆትን፡ ላዛን ወዝን፡ ቃናን ዜማን ብምሓዝ እናኽትደጋግመን ብትርጕመንን ዕምቆተንን ፍልይ ዝበላ ኢየን። ብፍላይ ብፍላይ እኳ፡ እቲ ወሓዚኣዊ ረምታኡን ናዕታኡን ብዉሁድ ሜተር ዝተዓየ ብምዃኑ፡ ነታ ደርፊ ነባሪት ወይ ተዘካሪት ክገብራ ኪኢሉ ኢዩ። እዚ ዓይነት ኣገባብ ኣነዳድቃ ሕደማ ምስቲ ናይ ሃንሳዊ ወዲ ዘሞ ዝመሳሰል ኢዩ። ዋላ’ኳ ናይ ሃንስ ወዲ ዘሞ ደጕዓዊ ወዝ እንተለዎ፡ ኣብ ሜተር ግን ክልቲኦም ዝመሳሰሉ ኢዮም።
“ውነይ ዝምት”፡ ውነኡ ዝተዘምተ ኣፍቃሪ፡ እሞ ድማ ናብ ምዕዛምን ምልካትን መድረኽ ዝተሰጋገረ እንተዀይኑ፡ ናይ ምዝንባል ባህርያት ከም ተማዕብል፡ ናይ ስነ ልቦና ጽሑፋት ይእምቱ ኢዮም። እሞ ኣዘንታዊ ኣበየናይ መድረኽ ናይ ምዝማት ኰን ይርከብ ይኸውን? ኣብዛ ግጥሚ ኸ ክርአ ወይ ክንጸባረቕ ይኽእልዶ ይኸውን? ቀጺሉ ከኣ፡
“ኣንጉዐይ ፍስስ” ስውያኣዊ ንግግሩ ወዝ ዘለዎ ኣባህላ ብምዃኑ፡ ኣብ መስርሕ ምፍቃር ዘሎ፡ ፍርሕን ምጅላሕን ንምርኣይ ዝእምት ሓረግ ኢዩ። እዚ ኣባህላ ምስቲ ‘ሓመቱ ፈሲሱ፡ ነብሱ ተሓጺቡ፡ ማይ ኰይኑ፡’ ብፍርሒ ክዛረባ ወይ እውን ሓሳቡ ብምእካብ ድሌቱን ባህጉን ክገልጽ ዘይምኽእሉ ነቲ ምልክታትን ዘለዎ ኵነት ኣእምሮን ከርኢ ወይ ከንጻባርቕ ዝፍትን ኢዩ።
“ልሳነይ ልጉም/ስነይ ክምስ” እዘን ነግሕታት ድማ፡ ነተን ልዒለን ዝተመልከትናየን ነግሕታት ዝድርዓን ዘድምቓን ኢየን። ንቃንዛ ፍቕሪ ዝመረሮ ባህጊ ውሽጡ ከይደርጕሐ ከም ዝተዓንደን ከም ዝተለኽተን የቃልሕ።። በዚ ከኣ ኣብዛ ሕደማ ዘሎ ገጸ ባህሪ ሕሱም ፍቕሪ ብዝመዘዙ ናብ ናይ ጽላለ መድረኽ ከይሰጋገር እና ፈርሓኻ፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ እናተመሰጥካ ከተንብባ ወይ እውን ክትሰምዓ ዝያዳ ትደፋፋእ። ነታ ከምኡ ዝገበረት ጓል ሄዋን ውን ብስእለ ኣእምሮ ክትሪኣ ትፍትን።
ፍቕሪ ዘምጽኦ ወይ እውን ፍቕሪ ዝመዘዙ ፍቕሪ እታ ጐርዞ፡ ኣብ ምምሳንን ምስቊርቋርን ብምእታው ናብ ሕማም ወይ ናብ ጽላለ ከም ዘድህበሉ፡ ጠንቂ ናይዚ ድማ ፍቕሪ ምዃኑ “ለካ ሕማመይ ናትኪ ፍቕሪ” ብምባል ነታ ማይ ቤት ይዓጽዋ። እዚ ናብ ጽላለ ዘሰጋገረ መድረኽ ግን ኣብቲ ዝቕጽል ብኸመይ ኢዩ ከንጸባርቖ? ዝብል ሕቶ ከበግስ እውን ዝኽእል ኢዩ።
ስነ ጥበብ ወይ እውን ስነ ጽሑፍ ኵሉ ግዜ ነጸብራቕ ናይቲ ሕብረተ ሰብ ጽሓፋይ ኢዩ። እዛ ሕደማ ድማ፡ ካብቲ ባህልን ልምዲን ሕብረተሰብ ደራሲ ከይርሓቐትን ከይተገለለትን ንባህርያት ኣፍቃሪ ወይ እውን ‘ምልክታት ቃንዛ ፍቕሪ’ ከመይ ምዃኑ ብምትንባህ’ያ፡ ነቲ ጠንቂ ዘይንቡርነት ባህርይ በቲ ክውንነታዊ ሓቂ ከርእየና ዝፍትን። እቲ ናብ ጽላለ ዝቐረበ ዝመስል ኣገላልጻ ድማ ምስቲ ዓቃባዊ ባህሉ ተመሊስካ ብምርኣይ ብልክዕ ከም ዝገለጾ የሪአካ።
ውህብቶ መልክዕኺ ዓዳማይ
ፉሉይ ቃላትኪ ፅሩይ ማይ/2/
ኣብ ባህርያዊ ጽባቔኣ ብምድሃብ፡ ኩልንትንኣ ማለት ውህበቶ ፍረ-ኣካላ፡ ተኽለ-ሰብነታ ዓዳማይ ወይ እውን ሰላባይ ብምዃኑ፡ ንኸይርስዓ ወይ እውን ካብ ልቡ ንኸየገልላ ዘግበሮ ሰሪ ጽባቔኣ ምዃኑ ይእምት፡ ሓለፋ ኵሉ ድማ ቃና ቃላታ ብጽሩይ ማይ ብምምሳል ንሰማዒ ይኹን ንኣንባቢ ሕደማ ከም ዝስሓብ ዝገብር ኣጠቓቕማ ኢዩ።
ኣቤት ኣካላ ተብሃጊ
ከይሓሰብካዮ ዘጋጊ
ኣቤት ቁንጅና ተብሃጊ
ከይሓስብካዮ ዘጋጊ
ጨናኺ ዕምበባ ሰምሃል
ቀባሕባሕ/2/ ትብሊ
ነቲ ዘለኪ ቁሞና
ንኹሉ እዩ ዝኣሊ
ሽኳይ ዶ ኣነ ወድሰብ
ኣናህብ ኢኺ ተዕስሊ
ቍንጅና፡ መጋገዪ ኢዩ። (ከይሓሰብካዮ ኣብ እንዳ ሰይጣን ዘእቱ። በቲ ካልኢ መዳይ እንክርአ ከኣ ብጥበብ ዝተፈጥረት ቝንጅውቲ ሄዋን ትረክብ እሞ፡ ብምህናን ትጋገ። ኣነ’ኳ. . . ሃሃሃሃ)
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነግሒ፡ ነፍሲ ወከፍ ጽባቐን ዕምቆትን ኣሎ። ዝያዳ ኵሉ ግን፡ ይትረፍ ሰብ ‘ኣናህብ ኢኺ ተዕስሊ’ እትብል ነግሒ ደጋጊምካ ክትሰምዓን ክትደጋግማን ኣይተሰልክን። “ኣናህብ ኢኺ ተዕስሊ” ዝብል ውክልና፡ ብብዙሕ ክውከልን ክትርጐምን ይከኣል ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ከም “ንግስቲ ንህቢ” ክትውሰድ ወይ ክትትርጐም ይከኣል ኢዩ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ብዕምባባ ወይ እውን ብኣምጸምጸ ብምውካል ክትርአ እትከኣል ዕዮ ኢያ። ንግስቲ ንህቢ ብምኳና ኵሉ እዓስላ፡ ብህላውነታ ድማ ህላውነት እቲ ዕስለ ውሑስ ይኸውን። ናይ ሄዋን ድማ፡ ዓይኒ ደቂ ኣዳም ኣብ ትርኢታ ተዕስል፡ ልቢታት ትገፍፍ፡ ጠማቲ ከኣ፡ ህላውነት ልቡን ዓይኑን ኣብ ከብሓ ብምዕራፍ ንምውናን ይጓየ። ከም ዕምባባ እንክትምሰል ድማ ተመሳሳሊ ባህጊ ጽቡቕ ተስፋ ብዘንቀሎ ደላዪ ጽቡቕ፡ ተመናዪ ጽቡቕ, ንዕምባባኡ ንምሕቛፍ ሃረርታኡ የዛይድ።
ዓይንኺ ትብል ስልምልም/2/
ስንኺ ስሕቕ ኢላ ጥልም
ሰሪ ሰለምለማ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዝገደፈሉ ዝኽሪ ዝተደመሮ ፍሽኽታ ኣስናና፡ ናብ ዝላዕለ ጽላለ ከም ዝወሰዶ ንምግላጽ፡ ነቲ ተቢዑ ኣብ መንጽራ ኰይኑ ክዛረበሉ ዘይበቐዐ፡ ነቲ ፍሽኽ ኢሉ ጥልም ዝብሎ ፍሽኽትኣ ናብ መድረኽ ልዕለ-ክውንነት (Supper Realism) ብምድያብ እዛ ትነኣድን ትድነቕን ዘላ ሄዋንን፡ እቲ ዝጽለለላ ዘሎ ገጸ ባህሪ ኣፍቃርን ውጽእ ኢልካ ምስ እትምልከቶ እንቛዕ’ኳ ፈጠራዊ ዕዮ ኰነ ብምባል ንምስማዕኻ ወይ እውን ንንባብካ መደምደምታ ናይ ዘልኣለማዊ ምድዕዓስ ንውሽጥኻ ክትገብረሉ ትግደድ።
ኣነ ከይዛረብ ደኒነ
ብሕሱም ፍቕሪ ሃኒነ
ንኽጥምጦሞ ሽምጥኺ
ቋፅርኒ ኣብ መቐነትኪ
ወይ እሰርኒ ኣብ ክሳድኪ
ስጥሕ ክብል ኣብ ደረትኪ
ኣብ ዓይነይ ኣብዚሕኪ ሕልውልው
ልበይ ኣቢልክዮ ቅልውልው /2/
ብምልኣት ንምሉእ ኣካል እታ ጐርዞ ብምራኣይ፡ ጠንቂ መህነኒኡን መድነኒኡን ፍቕርን ቍንጅንኣን ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። ንባህጊ ሽምጣ ንምሕቛፍ ወይ ንምድህሳስ፡ ኣብ ቅናታ ክቑጸር ብምብሃግ፡ ነቲ ኣባህላ ክድርዖ ይርአ። ቅናት ንኣደታትና ይዅን ንኣሓትና ከም ሓይልን ውሑሱነት ሕቖአንን ከምኡ እውን ከም ንልብሰን ኣብ ምጽባቕን ውቃበ ኣብ ምሃብን ዘኽእል ክፋል ናይ ልብሲ እዩ። ኣብ ቅናታ ክቝጸር ምሕታቱ ድማ ንዙርያ ጽባቐኣ ንዝያዳ ውሑስ ክገብሮን ንኽቋጻጸሮን ስለ ዝደለየዶ እኸውን? ከማኡ እውን፡ ንደረታ ንምድህሳስ ድማ ኣብ ክሳዳ ከም ማዕተብ ክንጥላጠል ብምብሃጉ ንምልኣት መልክዕ እታ ሄዋን ከርእየና ኢዩ ዝፍትን። ማዕተብ ከም እምነተ ኪዳን ብምርኣይ እሙና ክኸውን ድሉው ንምዃን ክገልጸላ ስለ ዝደለየዶ ይኸውን፧ ኣብ ዓይኑ ብምምልላስ እናሕለውለወት ከም ዘናወጸቶ፡ ልቡ ድማ ከም ዝቐላለወቶን ከም ዝተስዓረን ኢዩ ዘሪአና።
መሪር ሓሞተይ መቂሩ
ቆፅሊ ከንፈረይ ሓሪሩ /2/
ንሰብኣውነቱ ዝፈታተን፡ ከም እኒ፡ ‘በዓል መሪር ሓሞት’ ንዝበሃል ብሂል ብምድምሳስ ኣብ ፍጹም ስዕረት ብምእታዉ ሓመቱ ድማ ካብቲ ሰብኣውነት ብምውራድ፡ ካብቲ ንቡርነት ከም ዝወጸ የሪአና። ሕሉፍ ተስፋታት ብዘንቀሎ ሃንቀውታ ድማ ምራቕ-ፍቕሩ ከም ዝነቐጸ ብምሕባር ወይ ብምርኣይ፡ ነታ ማይ ቤት ይዓጽዋ።
ጥጡዕ ማዓንጣይ ላሕሊሑ
እቲ ወዛም ገፀይ መጊሑ
ሽላን ጎላጉል ሽምጥኺ
ኣብ ሓንጎለይ ተዘርጊሑ።
ኣብዛ ማይ ቤት ንምስልን ድውንነትን ኣዘንታዊ ብምርኣይ፡ ንስፍሓት ኣካላ ተፈቃሪት ብ ‘ሽላን ጐላጉል’ ብምውካል፡ ኣብ ኣእምሮ ኣፍቃሪ ንዘለዋ ተራን ዓብላልነት ስእላዊ ኣእምሮ የርኢ።
እቲ ኦርጂናል ምላእ ተረኺቡ ክስማዕ እንተዝከኣል…..
ኣንጉዖይ ፍስስ
(ብኪሮስ ኣለማዮህ)
ውነይ ዝምት
ኣንገዖይ ፍስስ
ልሳነይ ልጉም
ስነይ ክምስ
መማሳናይ
መስቆርቆሪ
ኣውራ ሕማመይ
ለካስ ፍቕሪ
ፃውራ ሕማመይ ናትኪ ፍቕሪ
ውህብቶ መልክዕኺ ዓዳማይ
ፉሉይ ቃላትኪ ፅሩይ ማይ/2/
ኣቤት ኣካላ ተብሃጊ
ከይሓሰብካዮ ዘጋጊ
ኣቤት ቁንጅና ተብሃጊ
ከይሓስብካዮ ዘጋጊ
ጨናኺ ዕምበባ ሰምሃል
ቀባሕባሕ/2/ ትብሊ
ንቲ ዘለኪ ቁሞና
ንኹሉ እዩ ዝኣሊ
ሽካይ ዶ ኣነ ወድሰብ
ኣናህብ ኢኺ ተዕስሊ
ዓይንኺ ትብል ስልምልም/2/
ስንኺ ስሕቕ ኢላ ጥልም
ኣነ ከይዛረብ ደኒነ
ብሕሱም ፍቕሪ ሃኒነ
ዋይ ብሕሱም ፈቕሪ ሃኒነ
ንኽጥምጦሞ ሽምጥኺ
ቋፅርኒ ኣብ መቐነትኪ
ወይ እሰርኒ ኣብ ክሳድኪ
ስጥሕ ክብል ኣብ ደረትኪ
ኣብ ዓይነይ ኣብዚሕኪ ሕልውልው
ልበይ ኣቢልክዮ ቅልውልው ዋይ /2/
ኣዝማች /2/
መሪር ሓሞተይ መቂሩ
ቆፅሊ ከንፈረይ ሓሪሩ /2/
ጥጡዕ ማዓንጣይ ላሕሊሑ
እቲ ወዛም ገፀይ መጊሑ
ሽላን ጎላጉል ሽምጭኺ
ኣብ ሓንጎለይ ተዘርጊሑ
ተስፊት ኣብርሃም Tesfit Abraham
ፍቕረይ~ቅሱን ሓዱሽ ዓመት ንኽኾነላ እናተመነኹ፣ብዛዓባ እታ ነቒፍኩማ ዘሎኹ ናይ ኪሮስ ኣለማዮ ደርፊ ኣገዳሲ ርእይቶ ስለ ዘሎኒ ርኸበኒ።በየነ
LikeLike