ኣብ ድሮ ናይታ ካብ ዓዲ ዝወጻእኲላ መዓልቲ ዝነበረ ቅንያት፣ እንታይ ምዃኑ ካብ ንቡር ንላዕሊ እዩ ዝን ዘብለኒ ዝነበረ እሞ፣ ምስ ኣደይ ቡን ምስታይ ከኣ አዘውትር ነበርኩ። ኣዕላላይ ስለዘይኮኑ ኣደይ ትብሎ እሰምዕ ወይ ኣሕጺረ መልሲ ብምሃብ ወይ ድማ ርእሰይ ብምንቕናቕ ድማ እየ እከታተላ ምህላወይ ዘመልክተላ ዝነበርኩ። ዳርጋ ኩሉ ግዜ ኣብ ምውዳእ ናይታ ቡን ከኣ ከምዚ ትብለኒ ነበረት። “ፍቕረይ ወደይ፣ ምኻድ ሲ ክትከይድ እንዲኻ፣ ግና ዝወደይ ኣብ ዝኸድካዮስ እዋን ርኢኻ ትረግጾ ፈሊጥካ ደኣ ተንቀሳቐስ። ርግእ በል ዝወደይ፣ ብርቱዕ ውሕጅ እስኪ ስቕ ኢልካ ኣይትኣትዎን ኢኻ። ኣብ ድሑን ቦታ ተጸጊዕካ ኢኻ ክሳዕ ዝዝሕለልካ ትጸበ። ጋሻ ውሕጅ ከምዘይመጸካ ምስ ፈለጥካን፣ ውሕጅ ዝሓዘሎ ኣልደ-መልዲ ወቒዑ ከየውድቐካን ነብስኻ እናሓለኻን እዩ ዝስገር ዝወደይ” ትብሊ ነይራ። “ናብ ወላ ሓደ ኣይከይድን እየ” ንዝብል ተሪር ኣመላልሳይ፣ “ዋይ ዝወደይ” ብምባል፣ ንዓይ ዶ ጠፊኡኒ ትሓስቦ ዘለኻ ዘስምዕ ኣጣምታ ትጥምተኒ።
ወለድና፣ ልዕሌና ብዛዕባና ይሻቐሉ። ልዕሊ ነብሶም ብዛዕባና ይሓስቡ። ናብ ዝኸድናዮ ድማ፣ “መንገድኻ ከም መጽዓን ይጠቕልለልካ፣ ጽኑዕ ርገጽ፣ ወፊርካ እቶ፣ ጻዕዳ ይጻንሕካ” ዝብሉ ርህሩሃት ምርቓታት ኣሰንዮም የፋንዉና። ንሰናይና ይጽልዩ፣ ብሰናይና ይሕጎሱ፣ ብሕሰምና ከኣ ይጒህዩ።
ወለድና፣ ከመይ ኣቢልካ ብፍቕርን ስኒትን ይንበር፣ ንዘየሰማማዕካ ጒዳያት ከመይ ኣቢልካ ትላዘበሉን ፍታሕ ተናድየሉን ምሂሮምና። ምስ ጎረቤት፣ ምስ ከባቢ፣ ምስ ጎዶቦን ርሑቕን እንታይ እዩ ዘራኽበና እንታይ ከ ይፈላልየና፣ ኣርእዮምና። ብኡ መንጽር፣ ነቲ ዘራኽበና ከመይ ነካውኖ ነቲ ዝፈላልየና ከመይ ንውግኖ ውን ኣርእዮምና።
ልዝብ እንታይ እዩ፣ ክትዕ ከመይ እዩ፣ ምጒት ከ፣ ዝብሉ ምስ ሰባት ኣብ ምርኻብ ወሰንቲ ባእታታት ብተግባርን ብማዕዳን ምሂሮምና። ምስ ፈተውትና ጥራይ ዘይኮነ ምስ ጸላእትና ውን ጽልእና ክኢልና ክንነብርን ንጽልእና ከመይ ኣቢልና ንኽእሎን ኣርእዮምና።
መውስቦ ከመይ ይካየድ፣ ሓዳር ከመይ ይምራሕ፣ ናብ ፍትሕ ዝበጽሕ ሽግር ምስ ዘጋጥም፣ ብጭዋን ለባምን መንገዲ ከመይ ጌርካ ትፋታሕ ነጊሮምና።
ባእሲ ኣጋጢሙ ከመይ ይፍታሕ፣ ደም(ቅትለት) በጺሑ፣ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ሕነ ደረጃ ከይበጽሐ ከመይ ጌርካ ይድቅስ፣ ክገብርዎ ርኢናዮም፣ ኣኣብ ገዛና ውን ካብ ህጻንነትና ኣትሒዞም ነጊሮምና።
ድሕሪ እዚ ኹሉ፣ ንወለድና ነፍቅሮም ዶ!፧ ኢለ ክሓትት ምደለኹ። ኣይፋሉን ዝብል መልሲ ስለዘይጽበ ከኣ፣ እሞ ኣብ ዘዘለናዮ ብመንፈስ ምሳና ከምዘለዉ ሓሲብና ደኣ፣ እቲ ዘርኣዩና ኣገባብ ኣነባብራ እናነበርና፣ እቲ ዝመሃሩና ለባምን ጭዋን ባህርያት እናተግበርና፣ ምንጪ ርግኣቶምን ሓጎሶምን ዘይንኸውን፧ እዋን በዲሉና እምበር፣ ሃብሮማት ደቂ እዮም ዘለዉና ኢሎም ከምዝሕበኑ ዘይንገብሮም፧ ኢለ ክሓትት እደሊ።
ታሪኽ ከምዝምህረና፣ ነቲ ኣብ 50ታት ኣብ ኣስመራ ዘጋጠመ ግርጭት ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን፣ ባዕላቶም እቶም ዓበይቲ ዓዲ ናይ ክልቲኡ ወገን፣ ጋሕጋሕ ምድሪ ገዛ ኣስላምን ክርስትያንን እናኳሕኲሑ፣ ንደገ ከይወጹ ብምሕባርን ብምንጋርን እዮም ኣዕሪፎሞ። ንድሕሪኡ ከምኡ ዝኣመሰለ ጸገም ከየጓንፍ ድማ ብለባም ማዕዳታቶም ሰቦም ኣለቢሞም።
ከምኡ ውን፣ ብሰንኪ ጸገም ውልቀ-ሰባት ኣይተዓወተን እምበር፣ ኣብቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ፣ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕብያን(ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን) ንዘጋጠመ ግርጭት፣ ካብ ምሉእ ሃገር ዝተውጽኡን ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝወከሉን ዓበይቲ ዓዲ፣ ናብ ሜዳ ኤርትራ ወሪዶም ንኽዓርቅዎም ብዙሕ ፈቲኖም እዮም። እቶም ናጽነት ከምጽእሎም ዝለኣኹዎም ደቆም ንሓድሕዶም ተባኢሶም መፍቶ ጸላኢ ንኸይኮኑን እታ ዝሓለምዋ ናጽነት ከየምጽኡ ባዕሎም ንባዕሎም ከይጣፍኡን ስለዝፈርሕሎም ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዝኸዱ ይኺዱ መንፈስ ደቆም ኣብ ውሽጦም ሰፊሩ ብምንባሩ፣ ደቆም ኣብ መንጎኦም ሰላም ምስ ዘይህሉ ሰላሞም ውን ስለዝዝረግ እዮም ከምኡ ዝገበሩ። ፍቕሪ ወላዲ ንውሉዱ ኣርእዮሞም።
ኣብዚ ከምእንዕዘቦ፣ ኣብ መንጎ ደቆም ዘጓነፍ ጸገም ክሳዕ ክንደይ ከምዘጉህዮምን ድቃስ ለይቲ ከምዝኸልኦምን ኢና እንምልከት፣ እምበር፣ ካብ ንሕድሕዶም ምስቲ ዝነበረ ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ከተዓርቖም ይቐርቦምን ይቐሎምን ኔሩ። ናጽነት ከምጽእሎም ምዃኖም ልዑል እምነት ስለዝነበሮም ግና፣ ኣብ ኲናት ኣንጻር እቲ ገዛኢ ስርዓት ምስዋኦም ከም ቅቡል ወሲዶም፣ ንሓድሕዶም ምብኣስ ግና ዓቢ ሽግርን ድቃስ ዘይህብን ኮይንዎም።
ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ኣብ 2001 ዓ.ም ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዘጋጠመ ግርጭት፣ ንምፍታሑ ዝገበርዎ ፈተነ፣ ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ።
ካብዞም ዝረኣናዮም ኣብነታትን ካልእን ነቒልና፣ ኣብ ርሑቕ ንሃሉ ኣብ ቀረባ፣ ኣብ መንጎና ከም ከም ኤርትራውያን ስኒት ምስዘይህሉ፣ ልዕሊ እቲ ንሕና እቶም ዘይተሳነና ንጒድኦ መንፈሳውን ሞራላውን መጒዳእቲ፣ እቶም መንድና ከሕጽረልና፣ ጽኑዕ ክንረግጽን ወፊርና ክንምለስን መሪቖም ዘፋነዉና ወለድና እዮም መንፈሳዊ ዕረፍቲ ዝስእኑን ብኣና ዝጉህዩን።
ፍልልያት፣ ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎ ሰባት ካብ ዝፍጠሩ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። ንፍልልያት ይዂን ዘይምስምምዓት ንምጽባቦምን ናይ ሓባር መረዳእታ ንምፍጣርን፣ ልዝብ፣ ክትዕ፣ ምጒት ይካየድ። እዚ ምስ ዘይሰልጥ ሕጊ ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ሓፈሻዊ ኣገባባት ናይ ዓለም ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ግን፣ ልዕሊ ሕጊ ሰብኣውን ባህላውን ክብርታት እዩ ዝሰርሕ።
ምልስ ኢልና ነቶም ርሑቕ ዘይኮኑ፣ ሕግታት እንዳባ እንተተመልከትና፣ ኩሎም ንሰብኣውነት ክብሪ ይህቡ ንሰላማዊ ሂወት ከኣ ቀዳምነት ሂቦም ደው ይብሉ። እዞም ሕግታት፣ ብጽሑፍ ይስፈሩ ብኣፍ ይነገሩ፣ ኩሎም ብሓባር ግና፣ ምስ ጎረቤትካ፣ ምስ ከባቢኻ፣ ምስ ጎዶቦኻን ካብ ርሑቕን ቀረባን ምስ እትራኸቦም ሕብረተ ሰባትን ከመይ ኣቢልካ ብሰላም ትነብር እዮም ዘርእዩ። ሕጋዊ ኣቃውማኦም ውን መዓዲ እምበር ቀጻዕን ኣፍራሕን ኣይኮነን። ምስ ሰማዕካዮ ይኹን ምስ ነበብካዮ ፍትው ኣቢልካዮ እተኽብሮ እምብሮ እምበር እትፈርሖ ኣይኮነን። እዚ ዘርእየና ከኣ፣ ክሳዕ ክንደይ ብሰብኣዊ መንገድን ክብርን ተነዲፉ ምንባሩ እዩ።
እሞ፣ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ፣ ኣብ ዘመነ ጫካ እኳ ሰብኣዊ ኣነባብራን ክብርን ተኸቲሉ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ዝተወለድና ንሕና ደኣ ከመይ ክንከውን እዩ ዝግብኣና፧ ምስ ነብስና ተመሓሲብና ነንነብስና እንህቦ መልሲ እዩ ዝውስነና።
ኣብ መወዳእታ፣ ንወለድና ነፍቅሮም ዶ፧ ነኽብሮም ዶ፧ ንሕበነሎም ዶ፧ ኢለ ክሓትት እሞ፣ እወ እንተኾይኑ መልስና፣ ከመይ ኣቢልና ኢና ከም ነፍቅሮምን ከምነኽብሮምን፣ ብእኣቶም ከም እንሕበንን፣ ከምደቆም ከኣ ከነሕብኖም ከምእንደልን ከነርእዮም ዘለና፧ ኢለ ብምሕታት እናተፋነኹ፣ ነዛ ቅድሚ 60 ዓመታት ዝተደርፈት ደርፊ ኣቶብርሃን ሰጊድ ክትሰምዑ እጋብዘኩም።
ፍቕረይ የማን
ብውልቂ ዝወሃብ ሓሳብ ምስ ዝህሉ፡
ኣብ ፈይስቡክ Fikrey Yeman ኢልካ ምርካብ ይከኣል።