ምኽሪ ፈለግ ኣዋሽ ንኤርትራውያን

ኣስተንትኖይ ምስ ግጥሚ “ኣዋሽ ኣብ መቕድምካ”

ገጣሚ፣ ቦኽረ ገብረእየሱስ

ኣብ ከባቢታት ቀላይ ጋራጎሪ ጀሚሩ፣ ኣብ ሰፊሕ ምብራቓዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተዃሊሉ፣ ዶብ ጅቡቲ ተንኪፉ፣ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ብምምላስ፣ ኣብ ክልል ዓፋር፣ ቀላይ ኣብሐ(Abhe) ዘለኣለማዊ ዕረፍቱ ዘዕርፍ እዩ፣ ፈለግ ኣዋሽ። ሓደ ካብ ዝዓበዩ ፈለጋት ኢትዮጵያ። እዚ ፈለግ ሓደ ካብ ሒደት ኣፍላጋት  ናይ ዓለም ኣብ ውሽጡ ዓዱ ጀሚሩ ኣብ ውሽጡ ዓዱ ጎዕዞኡ ዝዛዝም ፈለግ እዩ።

ከም ኣርማ እምነት፣ ልቦና፣ ትዕግስቲ ክውሰድ ዝኽእል ፈለግ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ።

ነዚ ዘስተብሃለ መስለኒ ገጣሚ ቦኽረ ገብረእየሱስ፣ ኣብዛ “ኣዋሽ ኣብ መቕድምካ” ትብል ግጥሙ ውክልና ዝተጠቕመሉ። ውክልና ንትዕግስትን ምስጢርን ናይዚ ትዕግስቲ እዝን። እንታይ ዓይነት ምስጢር ምዃኑ እቲ መሬት ዓዱ ዘፍተዎ ሓቲትዎ። እንተኾይኑሉስ ምስጢሩ ተለቂሑ፣ ነቶም ካብ መሬት ዓደቦኦም ተተነቒሎም ኣብ “መን ዶ በልዎ” ዝዝረዉ ዘለዉን ግዳይ ባህርያውን ሰብ ሰርሖን ሓደጋታት ዝኾኑ ዘለዉን ደቂ ሃገሩ ከድሕነሉ።

“ዝብሎ፥ ዝገብሮ ምስ ጠፍኣኒ

 ወዝቢ ዘኪረካ

ነቒለ ከብቅዕ ሓደ’ይለ ከንብበካ

ከቢድካኒ ኣዋሽ ገና ኣብ መቕድምካ፡፡”

የስተንትን እዚ ኣዘንታዊ። በቲ ዛራ ስደት ምስ ኣስካሕከሐን እንታይ ደኣ እዩ ዝግበሮ ኢሉ ምስ ሓሰበን። ጸገሙ ዝተረድአ ኣዋሽ ድማ፣ ከምዚ ብምባል ይምልሰሉ።

‘”ኣብ ባሕሪ ፈሲሱ፡

ታሪኸይ ምስ ተቘጽየ

ዝሞቶ’ማውታ ብኣጋኡ ርእየ

ጕዕዞይ ኣቋሪጸ፥ መሬት ዓደይ ሓርየ፡፡”‘

ከም ተርእዮ ዳርጋ ኩሎም ወይ ዝበዝሑ ኣፍላጋት ዓለም ነዊሕ ምስ ተጓዕዙ፣ ኣብ ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ፈሲሶም እዮም ዘብቅዑ። እዚ ከኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ህላወ ንኻልእ ንምግልጋል ወይ ኣብ ካልእ ንምምርኳስ ምዃኑ ኣርእዩ፣ ምሉእነት የጥፍኣሎም። ወይ ብሰብ እንተመሲልናዮም ሓበን ዘይብሎም ይኾኑ። ኣዘንታዊ በዚ ኣቢሉ እንታይ እዩ ክብል ደልዩ? ኢልካ ድማ የሕስብ። ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተኻዕዩ ዘኽትም ሂወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ደኾን እዩ፣ ክፉእ ኣማውታ እዩ እሞ መሬት ዓድኹም እባ ሕረዩ ዝብል ዘሎ፣ ኢልካ ክትሓስብ ይገብር።

“በዓል ፍሕሹው ሓወይ – ተምሳሌት ናይ ፍቕሪ

ውላዳ ‘ና’ጥበወት ሓፍተይ ‘ታ ፍዮሪ፥

እቶም ደቂ ፍቕሪ

ከናድዩ ፍትሒ፥ ከናድዩ ፍቕሪ

ዘይ ሰብ ርሑቕ – ደቂ ቀይሕ ባሕሪ

ኣብ መን ዶ በሉዎ – ኣብ ማእከላይ ባሕሪ!”

ኣብዛ ማይቤት ነቲ ግምት ናብ ርጉጽነት እዩ ይወስደና። ነቲ ኣስተንትኖ ወሊዱ ፍታሕ ንምንዳይ ምስ ፈለግ ኣዋሽ ክላዘብ ዝገበሮ ታሪኽ ይነግረና። ሓው፣ ሓፍቲ ህጻናት ከይተረፉ ዝጸንትሉ ዘለዉ ኣስካሕካሂ ትርኢት ንኸርእየና፣ ሓንቲ መስመር ግና ምስ ከቢድ ትርኢት እዩ ተጠቒሙ። ” ውላዳ ‘ናጥበወት ሓፍተይ’ታ ፍዮሪ” ትብል መስመር፣ እንታይ ዓይነት ጓል ኣንስተይቲ ትስእለልና? “ዘይሰብ ርሑቕ – ደቂ ቀይሕ ባሕሪ” ዝብል ከ ንምንታይ ኣምጺእዎ? “ኣብ መን ዶ በልዎ – ኣብ ማእከላይ ባሕሪ” ምባሉ ኸ? ነዞም ክልተ ባሕርታት ንምንታይ ኣነጻጸሮም?

ኣብ ዝስዕብ ማይቤት፣ ንዝዓበዩን ዝናውያንን ኣፍላጋት ዓለም እናጠቐሰ እዩ ምስ ኣዋሽ ዘነጻጽሮም። ሚሲሲፒ (ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዝዝርጋሕ ብዝፈጥሮም ጨናፍርን ዘፍርዮ ሕርሻዊ እቶትን መትኒ ኣሜሪካ ተባሂሎም ካብ ዝጽውዑ ኣፍላጋት) ከምኡ ውን ኣማዞን ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ካብ ዘለዉን ብዝሕዞ ዓቐን ማይ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ፈለግ ተባሂሉ ዝስመን እዩ። ፈለግ ኒል ድማ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ጀሚሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝውድእ ብዝጒዓዞ ንውሓትን ዝሽፍኖ ዝርጋሐን ናይ ዓለም ዝነውሐ ፈለግ ይስመ። ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኤስያ ማለት ዒራቕ፣ ሶርያ፣ ቱርኪ፣ ስዑዲ ዓረብን ኲወይትን ዝዝርጋሕ፣ ብታሪኻውነቱን ጥንታውነቱን ኣብ ዓለም ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እዩ ኢይፍራጢስ። ንምንታይ ነዞም ኣፍላጋት እዚኣቶም ጠቐሶም ኢልካ ምሕሳብ ባህርያዊ ይኸውን። ዝናን ብሉጽነትን ነቲ ከም ኣርማ ክጥቀመሉ ዝደለየ ፈለግ ኣዋሽ ንምዕባይ ግድን ነዚኦም ምጥቃስ የድልዮ። እዚ ገጣሚ፣ ኣርእዩ እምበር ነጊሩ ከምዘየእምን ውን ከም ሓደ ብልጫ ክውሰድ ዝከኣል እዩ። እዞም ናይ ዓለምና ጎባልል ዝኾኑ ኣፍላጋት እኳ ምስዚ ኹሉ ዓርሞሸሿዊ ሓይሎም፣ ከካብ መሬቶም ተነቒሎም ናብ ባሕርን ውቅያኖስን ካብ ምፍሳስ ኣይተናገፉን። ናትካስ በይኑ እዩ ኣዋሽ ክብል ዝደለየ ይመስል። እሙን ኢኻ ኣዋሽ ካብ መሬት ዓድኻ ዘይትወጽእ፣ ኢሉ ከድንቖ ዝደለየ ይመስል።

ኣብ መመዛዘሚ ናይታ ማይቤት ዝኾና ክልተ መስመራት ግዳ፣ ናብቲ ቀንዲ ዛንትኡን ኣስተንትኖኡን ይምለስ። “ጸግዑ ብዘይርኢ ዓይኒ ተጠሊመ / እነዂልካ ኣዋሽ / ከም ነዳይ ንመልኣኽ ኣብ ትሕቴኻ ቆይመ።” ብምባል፣  ምስጢር ናይ ዘይምውጻእ ካብ ዓዱ እንታይ ምዃኑ ክነግሮ ይምሕጸኖ።

ኣብ ዝሰዓበ ማይቤት ዛንታ ናይቶም ዘስተንትነሎም ዘሎ ኣሕዋቱ እዩ ዝነግር። ኣብዚ ከኣ ንነባቢ፣ ምሉእ ስእሊ ናይቲ ዝዛረበሉ ዘሎ ኩነታት ከትሕዞ ይፍትን። እዞም ዝዛረበሎም ዘሎ ሰባት መን እዮም? ንዝብል ሕቶ ይምልስ እሞ፣ መንነቶም ፈሊጥካ ምስኦም ክትደናገጽ ዝገብር ዛንታ ከኣ ይነግር።

“ካብ’ታ ጸረ-ነብሳ እታ ተኸሳሲት

ኣስመራ ዓይኒ ማይ፥ እታ መበገሲት

ገስጊሶም ንምዕራብ ‘ናጠፍኡ

ኻርቱም ፉል ቀሚሶም

ካብ እንዱርማን ሰሜን እናበልዑ

ቃል ማእከላይ ባሕሪ እናሰምዑ

እናተበልዑ፥ እናተባልዑ

ብትእዛዝ ‘ቲ ባሕሪ እናተመንዑ፥

ኣብዛ ማይቤት መንነት እቶም ዘስተንትነሎም ዝሓዝነሎምን ዘሎ ሰባት ጥራይ ኣይኮነን ኣርእዩ። ጠንቂ ናይ ካብ ዓዶም ምብራሮምን ጒዕዞኦም እንታይ ይመስልን ውን የርኢ እዩ። “”ካብ’ታ ጸረ-ነብሳ እታ ተኸሳሲት/
ኣስመራ ዓይኒ ማይ፥ እታ መበገሲት” ክብል እንከሎ፣ ስለምታይ እያ ጸረ-ነብሳ ኮይና? ጸረ-ነብሳ ክንሳ ደኣ ኸ ስለምንታይ “ተኸሳሲት” ትኸውን? ኢልካ ክትሓስብ ይቕስብ። ጸረ-ነብሳ ብዘይደቃ ኣብ ጽምዋ ትተረፍ  ስለዘላ ኢለ እምልሶ ኣነ። ክንዲ ትሓቚፎም ተባርሮም ስለዘላ ከኣ ትኽሰስ ኢለ ድማ ይውንጅላ። ግዳ እንታይ ኮይና እያ ኣብ ክንዲ ትሓቚፎም ሲ ተባርሮም ዘላ? ብምባል ከተስተንትን ግን የገድድ።

 “ንምዕራብ እናጠፍኡ” ክብል እንከሎስ ነቲ መኣዝን ድዩ ወይስ ካልእ ትርጒም ኣለዎ እዩ? ኢለ ካብ ምስትንታን ውን ዓዲ ኣይወዓልኩን። ነቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘሎ እምነት፣ “ኣብቲ መወዳእታ ዘመን ሰብ ንምዕራብ ክኸይድ እዩ እሞ ኣይምለስን ከኣ እዩ” ዝብል ዶ ደኣ ከዘክረና ደልዩ ኢለ ውን ዘይሓሰብኩ ኣይኮንኩን።

ጒዕዞም ከመይ ይመስል? እዚ ኣዘንታዊ ኣመራርጻ ኲርናዕ ድዩ ዝኽእል ወይስ ነቲ ጒዕዞ ነይርዎ እዩ፣ ከይደንጸወኒ ኣይተረፈን።

ኻርቱም፣ እታ ልዕሊ 13 ሚልዮን ነባሪ ዘለዋ ሱዳናዊት ከተማ፣ ኣብ ሂወት ኤርትራውያን ታሪኽ ክስንዶ ዘለዎ ጸዊኻ ዘይውዳእ ዛንታ እዩ ዘለዋ። ነዚ እዩ እዚ ኣዘንታዊ ኣብ ክልተ መስመር ዘርእየና ዘሎ። ጒዕዞ ሰሃራ ንምጅማር፣ ኣብ ኻርቱም ንጉሆ ፉል ቆሪስካ ትዳሎ እሞ፣ ኣጋግዜ ኡምዱርማን ብምምጻእ ኢኻ ነቲ ጒዕዞ ትጅምሮ። ንምንታይ ግዳ ከም ቁርሲ “ፉል” መረጸ? ኣብ ካርቱም ዝሓሰረን ዝኾነ ሰብ ብቐሊል ክረኽቦ ዝኽእልን መግቢ፣ ፉል እዩ። እዚ ኣዘንታዊ ንሕሰም ናብራ ናይቶም ተጓዓዝቲ ንምንጽብራቕ ዶ ይኸውን ፉል ዝመረጸ? ስእነቶም ዝመንቀሊኡ ደኣ ካብ ፉል ሓሊፎም እንታይ ክቖርሱ ይኽእሉ ዶኾን እዩ ዝብል ዘሎ? ወይስ ነቲ መሪር ጉዕዞ ናይ ምድረ-በዳ ሰሃራስ ፉል ጥራይ በሊዕካ ትነቕሎ፣ ብምባል እዩ ምድንጻዉ ዝነግር ዘሎ?

“እናተበልዑ፣ እናተባልዑ / ብትእዛዝ’ቲ ባሕሪ እናተመንዑ” ምባሉ ኸ? ነቲ ኣብ መንገዲ ዘጓንፎም ሓደጋታትን ብሰንኩ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ሞትን ካልእን፣ ኣብ መንጎኦም ዝፍጠር ባእስን ምጥልላምን ንምንጽባራቕ ዶ ኾን እዩ? ኢልካ ክትሓስብ የገድድ ከም ነባቢ። ነቲ፣ ፈጺሙ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ሓደጋ ባሕሪ ግዳ፣ ኣነጺሩ ” ብትእዛዝ’ቲ ባሕሪ እናተመንዑ” ይብሎ እሞ ነቲ ከይሓሰብዎ ዝወርዶም ሓደጋ ኢዶም ሂቦም ክሃልቁ ይርኣዩኻ እዮም የሕዝን።

photo0268
ስእሊ፡ ማእከላይ ባሕሪ 25 ሓምለ 2013። ሰኣሊ ፍቕረይ የማን

እሞ ደኣ፣ እቶም ዝናውያት ኣፍላጋት እኳ መወዳእትኦም ኣብ ባሕርን ውቅያኖስ ተዃዒኻ ምትራፍ ካብ ኮነ፣ እዚ ኹሉ ሓደጋታት ዝመልኦ ጒዕዞኡ እንታይ እዩ ሽንኑ? የስተንትን ኣዘንታዊ። ኣብዛ ትስዕብ ማይ ቤት

“ይትረፍ ፈለግ ምምሳል
ፈለግ ምዃን ጽዋ ንዘይብሉ
ክንዲ ዝኸደ ከይዱ ባሕሪ መቓብሩ፥
ንልቦና ፈለግ – ንመምሃሪ
ኣዋሽ ‘ናሃሎኻ እንኮ ዳኛ ምድሪ
ፈለግ ተቐይሮም
ዘይ ሰብ ርሑቕ – ደቂ ቀይሕ ባሕሪ
ኣብ መን ዶ በሉዎ – ኣብ ማእከላይ ባሕሪ!”

“ፈለግ ምምሳል” ብምባል ነቲ ዘየቋርጽ ጒዕዝኦም ከርእየና እንከሎ፣ ፈለግ ምዃን እኳ፣ ካብ ኣብ ባሕርን ውቅያኖስን ፈሲስካ ምትራፍ ካልእ ጽዋ የብሉን፣ ብምባል ምስ ተፈጥሮ እናነጻጸረ ይዛረብ። ነቶም ኣብ ላዕሊ ዘርኣየና ፈለጋት ምስቲ ዂሉ ሓይሎም፣ ኣብ ባሕርን ውቅያኖስን ፈሲሶም እዮም ዘብቅዑ ይብል እሞ፣ ናብቲ ኣርማ እምነትን ጽንዓትን ጌሩ ዝሰየሞ ኣዋሽ ይምለስ። “ንልቦና ፈለግ – ንመምሃሪ / ኣዋሽ ‘ናሃሎኻ እንኮ ዳኛ ምድሪ” ብምባል፣ ዓድኻ ምዃኑ ጥዑምስ ካባኻ ዶ ኣይመሃሩን ኣዋሽ! ዝብል ዘሎ ይመስል።

ነቲ ደው ዘይብል ዝመስል ሓይሊ ኣዋሽ ንምንጽብራቕ ድማ፣

ከም ዘይተጻደፍካ፥ ኣብ ጉራጌን ሽዋን
ከም ርቡጽ መጓቲ – ዝቀዳደም ንበትርን ነጸላን፥
ክልተ ሳዕ ሓሲብካ
ከይበደልካ ‘ይቕሬታ’ ንምባል
ርስትኻ ብሂግካ
ሓይልኻ ቀቲልካ
ደኒንካ ትነብር ኣብ ጫካ መሬት ዓፋር
ብሃበ-ተረኽበ ከንቱ ንዘይምድፋር፡፡”   ይብሎ።

 ምስዚ ዂሉ ሓይልኻ፣ ኣብ ድሌትካ ክትብጸሕ ትኽእል ኔርካ እንዲኻ፣ ግን ኣዋሽ፣ ልቦናኻ ድዩ ክልተ ሳዕ ክትሓስብ ጌሩካ እሞ ዝተፈጠርካሉ መሬት መሪጽካ ይብሎ። በዚ ኣቢሉ እቲ ኣዘንታዊ፣ ነቲ ዋሕዚ ስደት ዘለዎ ቅሬታ ውን ይገልጽ።

“ብሃበ-ተረኽበ ከንቱ ንዘይምድፋር” ኣብ ትብል መስመር ግና፣ ዝያዳ ቃንዝኡ ዘንጽር ዘሎ መስለኒ እቲ ኣዘንታዊ። ነቲ ኣብ ጒዕዞ ስደት ዘጓንፍ፣ ወጽዓታት ደኾን እዩ፣ ሰብ ካብ ዓዱ ምስ ወጸ ኲሉ እዩ ዝደፍሮን ዝብድሎን፣ ክብሩን ሓይሉን ኣብ ዓዱ ጥራይ እዩ፣ ድዩ ዝብል ዘሎ፣ ኢለ ክሓስብ እግደድ። ሓቁ እዩ ኢለ ውን ኣብ ትሕቲ መልሓሰይ የድምጽ እየ።

ነየናይ እዩ “ሰብ ሰርሖ ፈለግ ሰብ እንከስእነኒ” ዝብል ዘሎ? ኢልካ ተሕስብ መስመር እያ፣ ናይዛ ትቕጽል ማይቤት ቀዳመይቲ ነግሒ። ንስደት ሰብ ድዩ ፈጢርዎ? ኢልካ ክትሓትት ውን ተገድድ። ነዚ እናሓሰብኩ፣ ናብ 5ይቲ ማይቤት እታ እዛ ግጥሚ ክምለስ እየ ተገዲደ ብሓሳብ። ነቲ፣ “ካብታ ጸረ-ነብሳ እታ ተኸሳሲት / ኣስመራ ዓይኒ ማይ እታ መበገሲት” ዝበሎ ኣስተንቲነዮ። ተኸሳሲት እታ ከተማ ዘይኮነት፣ እቶም ኣብኣ ኮይኖም ሰብ ዝሰጒ ዘለዉ እዮም፣ ነቲ ናይ ሰብ ፈለግ ዝሰርሕዎ ውን ንሳቶም እዮም፣ ኢለ ክድምድም ተገዲደ። ልክዕ ዶ ይኸውን?

ሰብ ዝሰርሖ ፈለግ፥ ሰብ እንከስእነኒ
ኣዋሽ መቕድምካ ውን ሰብ ምዃን ኣብዩኒ
ንሰብ ሰብነቱ ኣብ ዝተሓለሎ
ምስ ፈለግነትካ
ሰብ ምዃን ከመይ ከም ትኽእሎ
ስለምንታይ ዛንታኻ
ከም’ቶም ካልኦት፥ ብታህዲድ ከም ዘይተካፍሎ
ንገረኒ ኣዋሽ
ኪንዮ መቕድም፥ ብራናኻ መታን ክቕጽሎ፡፡

“መሬት ዓድኻ ምምራጽካ ከመይ ከም ዝኸኣልካዮ ንገረኒ እሞ፣ ኣነ ከኣ ክትግብሮን ኣሕዋተይ ክመኽረሉን እባ፣ በጃኻ ንገረኒ።” ነቲ ኣብ ቀዳማይ ማይቤት ዝጀመሮ ዕላል ምስ ፈለግ ኣዋሽ እዩ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ማይቤት ዝኣስሮን ቅርጺ ዘትሕዞን።

ከም ኣርማ፣ እምነት፣ ልቦናን ትዕግስትን ጌሩ ከቕርቦ እንከሎ ድማ በዚ ዝስዕብ ቃላት ኣቢሉ ይትንትኖ ንፈለግ ኣዋሽ።

ንልቦና፥ ንብልሒ
ንጅግንነት፥ ንለውጢ
ኣብ ቀረባ ከሎኻ መምሃሪ
ክሳብ መዓስ ድኣ ደቂ ፍቕሪ
ዘይ ሰብ ርሑቕ – ደቂ ቀይሕ ባሕሪ
ኣብ መን ዶ በሉዎ – ኣብ ማእከላይ ባሕሪ!!?

ንምጥቕላል፣ ግጥሚ “ኣዋሽ ኣብ መቕድምካ” ብውሕልነት ዝተሃንጸት ግጥሚ ኮይና፣ በቲ ንነገራት ሰባዊ ባህሪ ኣልቢስካ ኣብ ሂወት ምውካሎም እሞ፣ ብኡ ኣቢልካ ብዝፍጠር ኣስተንትኖ መልእኽትኻ ምሕላፍ ዘሎ ጥበብ እያ ተሃኒጻ።  እዚ ጥበብ እዚ ውዲ ሰብ ሂወቱ ከመይ ኣቢሉ በቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ተፈጥሮ ክውክሎ ከምዝኽእልን ካብኡ እንታይ ክመሃር ከም ዝኽእልን የርኢ። ብወሓለታት ጸሓፍቲ ምስ ዝትግበር።

 እዛ ግጥሚ እምበኣር፣ ነቲ ምስ ጀመረ፣ ዛጊት ዝግ ዘይበለ ዘሎ ማዕበል ስደት ኤርትራውያን ከም ፈለግ እናመሰለት፣ ፈለግ ብፈለጉ ከኣ ከምቶም ኣብ ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ፈሲሶም ዝዓርፉ ኣፍላጋት ትገልጾ። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኽኸውን ይኽእል ወይ ውን ኣብቲ ናይ ስደት ባሕሪ። ትዕግስቲ ጌርካ ኣብ ዓድኻ ኮፍ ምባል፣ ግዳ ከም ኣዋሽ፣ ምልክት ክብረትን ልቦናን ምዃኑ ከኣ ተስተንትን።

 ኣብ መን ዶ በልዎ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምጥሓልን፣ ናብቲ መንነትካ ተጥፍኣሉ ውቅያኖስ ስደት ኣቲኻ ካብ ምጥፋእን …………..

 

ፍቕረይ የማን

ብውልቂ ዝወሃብ ሓሳብ ምስ ዝህሉ ኣብ ፈይስቡክ (Fikrey Yeman) ኢልካ ምርካብ ይከኣል።

ንምሉእ ንባብ እንሀት እታ ግጥሚ፣

1012541_515246335259386_727803874_n1
ገጣሚ ቦኽረ ገብረእየሱስ

ኣዋሽ ኣብ መቕድምካ

ዝብሎ፥ ዝገብሮ ምስ ጠፍኣኒ ወዝቢ ዘኪረካ
ነቒለ ከብቅዕ ሓደ’ይለ ከንብበካ
ከቢድካኒ ኣዋሽ ገና ኣብ መቕድምካ፡፡
“ኣብ ባሕሪ ፈሲሱ፡ ታሪኸይ ምስ ተቘጽየ
ዝሞቶ’ማውታ ብኣጋኡ ርእየ
ጕዕዞይ ኣቋሪጸ፥ መሬት ዓደይ ሓርየ፡፡”
በዓል ፍሕሹው ሓወይ – ተምሳሌት ናይ ፍቕሪ
ውላዳ ‘ና’ጥበወት ሓፍተይ ‘ታ ፍዮሪ፥
እቶም ደቂ ፍቕሪ
ከናድዩ ፍትሒ፥ ከናድዩ ፍቕሪ
ዘይ ሰብ ርሑቕ – ደቂ ቀይሕ ባሕሪ
ኣብ መን ዶ በሉዎ – ኣብ ማእከላይ ባሕሪ!

ኣፍላጋት ናይ ዓለም ክድህስስ ዓሊመ
ብዝና ሚሲሲፒ ምስ ኣማዞን ፈሊመ
ትዕቢት ኢይፍራጢስ ኣኳሊመ
ንውሓት ናይል ክዕቅን ተዳኺመ
ጸግዑ ብዘይርኢ ዓይኒ ተጠሊመ
እነኹልካ ኣዋሽ
ከም ነዳይ ንመልኣኽ፥ ኣብ ትሕቴኻ ቄይመ፡፡
ዘይ ሰብ ርሑቕ – ደቂ ቀይሕ ባሕሪ
ኣብ መን ዶ በሉዎ – ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፥
ካብ’ታ ጸረ-ነብሳ እታ ተኸሳሲት
ኣስመራ ዓይኒ ማይ፥ እታ መበገሲት
ገስጊሶም ንምዕራብ ‘ናጠፍኡ
ኻርቱም ፉል ቀሚሶም
ካብ እንዱርማን ሰሜን እናበልዑ
ቃል ማእከላይ ባሕሪ እናሰምዑ
እናተበልዑ፥ እናተባልዑ
ብትእዛዝ ‘ቲ ባሕሪ እናተመንዑ፥
ይትረፍ ፈለግ ምምሳል
ፈለግ ምዃን ጽዋ ንዘይብሉ
ክንዲ ዝኸደ ከይዱ ባሕሪ መቓብሩ፥
ንልቦና ፈለግ – ንመምሃሪ
ኣዋሽ ‘ናሃሎኻ እንኮ ዳኛ ምድሪ
ፈለግ ተቐይሮም
ዘይ ሰብ ርሑቕ – ደቂ ቀይሕ ባሕሪ
ኣብ መን ዶ በሉዎ – ኣብ ማእከላይ ባሕሪ!

ከም ዘይተጻደፍካ፥ ኣብ ጉራጌን ሽዋን
ከም ርቡጽ መጓቲ – ዝቀዳደም ንበትርን ነጸላን፥
ክልተ ሳዕ ሓሲብካ
ከይበደልካ ‘ይቕሬታ’ ንምባል
ርስትኻ ብሂግካ
ሓይልኻ ቀቲልካ
ደኒንካ ትነብር ኣብ ጫካ መሬት ዓፋር
ብሃበ-ተረኽበ ከንቱ ንዘይምድፋር፡፡

ሰብ ዝሰርሖ ፈለግ፥ ሰብ እንከስእነኒ
ኣዋሽ መቕድምካ ውን ሰብ ምዃን ኣብዩኒ
ንሰብ ሰብነቱ ኣብ ዝተሓለሎ
ምስ ፈለግነትካ
ሰብ ምዃን ከመይ ከም ትኽእሎ
ስለምንታይ ዛንታኻ
ከም’ቶም ካልኦት፥ ብታህዲድ ከም ዘይተካፍሎ
ንገረኒ ኣዋሽ
ኪንዮ መቕድም፥ ብራናኻ መታን ክቕጽሎ፡፡
ንልቦና፥ ንብልሒ
ንጅግንነት፥ ንለውጢ
ኣብ ቀረባ ከሎኻ መምሃሪ
ክሳብ መዓስ ድኣ ደቂ ፍቕሪ
ዘይ ሰብ ርሑቕ – ደቂ ቀይሕ ባሕሪ
ኣብ መን ዶ በሉዎ – ኣብ ማእከላይ ባሕሪ!!?

6/6/2016
Bokre Gebreyesus

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s