ተረፍ፡ ነጸብራቕ ሓደ መንእሰይ

ተስፊት ኣብርሃም

4ይ ክፋልን መደምደምታን
መጽሓፍ ተረፍ ንዅሉ መዳይ ህይወት ማለት ካብ ግዜ ቝልዕነት ክሳብ ግዜ ንእስነትን ኣብ ምልላይን ምድህሳስን ትርጉም ህይወትን እተርኢ መጽሓፍ ኮይና፡ ኣብ ኣሰራርዓ ዛንታታት ድማ መስርዖም ሒዞም እናዓበዩ ዝኸዱ ዛንታታት እዮም።

እቲ ዘገርም ጽባቐ ናይዛ መጽሓፍ ብዝተፈላለዩ ቅዲታት ዝተዓዩ ኰይኖም፡ ኵሎም ድማ ነጸብራቕ ናይ ሓደ መንእሰይ ኣብቲ ሕብረተ ሰቡ ዘንጸባርቖን ዘለዎ ግደን ብምርኣይ እዩ እቲ ዛንታታት ተዓዩ። ይዀን እምበር፡ ብዝተፈላለዩ ቅዲታት እዞም ዛንታታት ምዕያዮም ንደራሲ ሓደ ካብቲ ሓያል ጎድንታቱ ዘብሎ ይኽእል እኳ እንተኰነ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ሓደ ካብቲ ድኹም ጐድንታቱ ከብሎ ዝኽእል ኢዩ። ምኽንያቱ ዝዀነ ጽሓፊ ናቱ መለለዪን መንነትን ቅዲን ባህልን ልምድን ክህልዎ ስለ ዘለዎ። ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጽሓፍቲ ዓለምና፡ ነናቶም ቅዲ ብምሓዝ ንቡዙሓት ጽሓፍቲ ክጸልዉን ተዘካሪ ዕዮ ክገድፉን ኪኢሎም ኢዮም። ደራሲ መጽሓፍ ‘ተረፍ’ እዛ መጽሓፉ ብዅልንትንኣ ተዘካሪትን ነባሪት ስራሕን ከብላ ዝኽእል ብዙሕ እኳ እንተሃለወ። ብናይ ብዙሓት ጸሓፍቲ ጽልዋ ድርሳኑ ከሪኤና ይኽእል እምበር፡ ፍሉጥ መለለዪ ክገድፈልና ግን ኣይከኣለን። ንኣብነት “መልሲ ጐደና” ብ ኢኒሸሽናል ስቶሪ ዝተዓየት ስራሕ ኢያ። “ዓራዪ ሰዓት” ብ ፕሎትለስ(ትልሚ ኣልቦ) ዝተዓየት ኢያ። “ዕርቂ” ብቾኮቭያን ሞድ ዝተሰርሐት ኢያ። ብጥምዙዝ ዛንታ ዝውድኡ እውን ኣለዉ። ብኸምዚ ምጽሓፉ ማዕረ እቲ ኣድናቖታዊ መልሰ ዕንጋለ፡ ነቐፌታዊ መልሰ ዕንጋለ ክዘንቦ ከም ዝኽእል ግን ፍሉጥ እመስል። ዋላ’ኳ ጽሓፍቲ ሃገርና ብሓደ ቅዲ ብጥምዙዝ ወይ ድማ ብኣደናቂ ኣፈጻጽማ (twisted end/ surprise ending) ጥራይ ዝፍለጡ እንተዀኑ፡ ቅዲታቶም ግን ከነለልዮ ኪኢልና ኢና። ዋላ’ኳ እቲ ትሕዝቶ ዛንታ ኣሰልካዪን ተደጋጋሚን እንተዀነ። ደራሲ መጽሓፍ ተረፍ ግን ዋላ’ኳ እዚ ዝተጠቕሰ ከም ድኹም ጐድኒ ክዝረበሉ ይከኣል እንተዀነ፡ ሓንቲ ካብተን መወከሲታት መጽሓፍቲ ሃገርና ከይዀነት ግን ኣይክትተርፍን ኢያ።

ብዘይካ እዚ ልዒለ ዝጠቐስክዎ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ብዙሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ሓንቲ ዛንታ ግን፡ ናይ ኣሰራርዓ ድኽመት ተንጸባሪቑ ይረአ። ኣብ ዛንታ “ጻማኣ” ዘሎ ምስ እንምልከት ድማ ብኸምዚ ተሰሪዑ ይርከብ። ንቐደም ኣምር ናይቲ ዛንታ ንምትሓዝ ዝኣክል።

ጻማኣ፡ ንገጻት ህይወት ፍቝራት እተዘንቱ ኰይና፡ ማክዳ እትባሃል ፍቅርቲ ቀንዲ ጠባይ፡ ንዕኡ ብምግዳፍ ንሓደ ኣብ ደገ ዝነብር ብፈይስቡክ ዝተላለየቶ ክትምርዖ ትውስን። ወሲና እውን፡ ኣይኰነላን እምበር። እቲ ብፈይስቡክ ዝተላለየቶ ሰብ ካብ ደገ (ወጻኢ) መጺኡ ኣስመራ ምስ ኣተወ እንተርኣየቶ፡ ዝሸምገለ ካብ ንዘለዎ ምንባር ንሞት ከም ዝቐርብ ምስ ረኣየቶ፡ ምምርዓው ከም ዘቋረጸቶ ኣብ እቲ ዛንታ ኣሎ።

“ኡፍ!. .  ዘረባ ደኣ መን ክኽእለካ፡በጃኻ ኢለካ ሕጂ ክንረዳዳእ ኣይንኽእልን ኢና. . . ፈይስቡክ ከኣ ከፊተ ኣለኹ።”

“እንታይ እዩ ፈይስቡክ ከ?”

“. . . ድሒርካ ኢኻ ኮ ዘለኻ. . .! ዘየለኻ. . .! ኣብ ዓመት ሓንሳብ እናመጻኻ ደኣ፡ ተስፋኻ ኣይኰነን ርእስኻ እውን ክኣርግ እዩ…!”

ኣብ በረኻ ምሕዳር፡ ኣብ ስንጭሮታት ምንባር፡ ተስፋኻ ከም ዝሃፍፍ፡ ዕድመ ንእስነትካ ከም ዝረግፍ ኢያ ኣመታ እናሃበት ትርአ። እቲ ዝዓበየ ነገር ድማ ካብ ምዕባለ ዓለም ተገሊሉን ተቐይዱን ከም ዘሎ እናውካእትሉ ይንበብ።

ፈይስቡክ ምኽፋታ እውን፡ ንሱ ጥራይ ኣይኰነን እቲ ቀንዲ ዋና ነገር፡ ብፈይስቡክ ሓደ ሰብ ተላልያ ከም ዘላ ክትነግሮ ስለ ዝደለየት ኢያ። ነጊራቶ ድማ። ዕድመ ንእስነታ ብዘይ ውዳእ ተስፋ ጥራይ ምስ ኰና፡ ከም ዝወሰነት ከኣ ትነግሮ።

እሞ እቲ ድኹም ጐድኒ ናይዛ ዛንታ ደኣ ኣበይ ኢዩ? ኣብ ኣዘናትዋ? ኣብ ፈሓዚ ሓሳባት? ኣብ መቓን ግዜ? ወይስ ኣብ ኣፈጻጽማ? መወከሲ ብምውሳድ ክድህሰስ ይሓይሽ።

20161026_032607

ኣዘንታዊን ማክዳን መዓስ ኢዩ ሌላኦም? ኣበይ?
“ኣብ ሓደ ዓመት ክረምታዊ ማእቶት ተማሃሮ፡ከካብ ቤት ትምህርትና ምስ ወፈርና ኢና ፈለማ ተላሊና። ሽዑ ኣነ ናይ ካልኣይ ዓመት ተማሃራይ ቤት ትምህርቲ ስነ ኪነት፡ ንሳ ድማ ናይ 10ይ ክፍሊ ተማሃሪት ቤት ትምህርቲ ሰማእታት እያ ዝነበረት።” (105) እዚ ኢዩ መበገሲ ሌላኦም።

ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ገጻት ህይወት ክልተ ፍቝራን ግን ኣብ ምውኃድ ዛንታ ዘለቕለቕ ክብል እርአ። ኣብነት ንምውካስ ኣብ ገጽ 108 ከምዚ ይንበብ።

“ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክወፍር እንከለኹ፡ ንሳ ግን ስፖርተኛ ተባሂላ፡ በቲ ዓውዲ – ኵዕሶ ሰኪዐት ኣጐልጉሎታ ክትፍጽም ምስ ተገብረ፡ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣይበለትን።”

እዚ ግዜ ብመቓን ዓመተ ትምህርቲ 1992/93 ምንባሩ ሌላኦም የብርህ። ዓመተ ትምህርቲ 993/94 ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛም ናብ ሳዋ ከም ዝወረደ ከኣ የረድእ። በዚ ግንዛበ እዚ ድማ፡ ክረምታዊ ማእቶት ቅድሚ ሳዋ ድዩ ኔሩ? ብምባል ኣብ ሕቶ ኰለል ክትብል ትግደድ። በዚ ከኣ እዛ ዛንታ ናይ ምውህሃድ (Arrangement) ጸገም ከም ዘለዋ ተንጸባሪቑ ኣሎ።
ካብዛ ዛንታ ብውልቀይ ዝተማሃርክዎ ወይ ዝተዓዘብክዎ እንተሎ፡ ኣብ ተኣኒንካ ዝሰርሓኻዮ ዕዮ እውን ጌጋ ክርከብ ከም ዝኽእል ኢየ ኣእሚነያ ንነብሰይ።
***
ተስፊት ኣብርሃም

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s