ተድላ ዕቝቢት ብቛንቋ ዘውዴ ረታ

ተድላ ዕቝቢት ብቛንቋ ዘውዴ ረታ
ኣብ መጽሓፍ “የኤርትራ ጉዳይ” ብደራሲ ዘውዴ ረዳ ዝሰፈረ
ብቦኽረ ገብረእየሱስ ዝተተርጎመ

(ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘውዴ ረታ (1935-2015) “የኤርትራ ጉዳይ” ኣብ ዝብል መጽሓፎም መወዳእታ ከባቢ፡ “የተድላ ዕቁቢት ትራጀዲ” ዝብል ኣርእስቲ ይንበብ፡፡ ካብዚ ቀጺሉ ዝቐርብ ጽሑፍ እምብኣር ትርጉም ናይ’ቲ ምዕራፍ እዩ፡፡ ከም ኣድላይነቱ ተጸሚቑ ክቐርብ እንተዘይኰይኑ፥ካልእ ለውጢ ወይ ምትዕርራይ ኣይግበረሉን፡፡ ምንጩ፡ ትረኻኡ፡ ቅኒቱ ወዘተ ኵሉ ናይ ጸሓፊኡ እዩ፡፡ ኣብ ምትርጓሙ እተገብረ ለውጢ ምናልባት ኣብ ቅንፍ ዝኣትዉ ገለ መብርሂታት ከምኡ ውን ስርዓተ ነጥብታት እዩ፡፡ ሰናይ ንባብ፡፡)
* * * * * * *

ኣብ ዘመነ መንግስቲ ተድላ ባይሩ፡ ፖሊስ ኤርትራ ብኣዛዝነት እንግሊዛውያን ይምራሕ ነበረ፡፡ ኣብ 1955 ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ዋና ኣመሓዳሪ ምስ ኰኑ ጀሚሩ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፥ ብእንግሊዛዊ ኮሎኔል ራይት (Wright) ተታሒዙ ዝነበረ ቦታ ሻለቃ ተድላ ዕቝቢት ብዝተባህለ ኤርትራዊ ተተኪኡ፡፡ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ፡፡ ኣብ ምምሕዳር እንግሊዝ ብፖሊስነት ዝሰልጠነ ተድላ፥ ትግሃቱን ስነ-ምግባሩን ብላዕለዎት ኣካላት ከይተረፈ ስለዝተመስከረሉ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ንምዃን ብፓርላማ ዝተወሰነ ናይ ኮሎኔልነት ማዕርግ ናይ ምርካብ ዕቤት ረኸበ፡፡

ተድላ ዕቝቢት ናይ ኣንድነት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣባልን ተቓላሳይ መኰንንን ተባሂሉ እተመስከረሉ ብምዃኑ፡ ኣብ ዘመነ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ንፈጻሚ ኣካል ቀረባን እምነት እተገብረሉን ሰብ ነበረ፡፡ እዚ መንእሰይ መኰንን ጃንሆይ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ግዜ ዝገብረሎም ናይ ሓለዋ ምድላውን ዘርእዮም ንቑሕ መንፈስን፥ ግሩም ኣረኣእያን ኣድናቖትን ስለዘሕደረሎም፥ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንግብጃ ካብ ምዕዳሞም ንላዕሊ ሓንቲ ግንጽልቲ/ቅልዕቲ ተሽከርካሪትን ኣመና ብዘፍቅሩዎም ውላዶም ልኡል መኰንን እተጠምቀ (እተሰምየ) ፍሉይ ሽጉጥን ብሽልማት መልክዕ ኣበርከቱሉ – ንተድላ ዕቝቢት፡፡
ሰነ 1962 ንጉሰ ነገስት ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ይገብሩ፡፡ ብጽፈት ስርሑን ናይ ሕብረት መንፈሱን ንዝተሓጐሱሉ ተድላ “ናይ ብርጋዴር ጀነራልነት” ማዕርግ ከም ዝግብኦ ይሓስቡ’ሞ፥ ናይ ክብሪ ልብሱ ብፎርማ ጀነራላት ፖሊስ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ቅዲ ተሰፍዩ ምስ ሽመቱ ክወሃቦ ይውስኑ። ኣብ’ቲ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ይካየድ ዝነበረ ምብጻሕ ናይ ሪፓብሊክ ጊኒ ፕረስደንት ኣሕመድ ሰክቱሪ መዝነት ምስ ተፈጸመ፥ 26 ሰነ 1962 ንጉሰ ነገስት ናብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈቶም ይምለሱ፡፡ ኮሎኔል ተድላ ተጸዊዑ ሹመቱ ክቕበል ድማ ናብ እንደራሴኦም ቀጥታዊ ትእዛዝ ኣውረዱ፡፡ ጀነራል ኣቢይ ኣበበ ብወገኖም ተድላ ተጸዊዑ ሽመቱ ንኽቕበል፡ እቲ ትእዛዝ ምክትሎም ናብ ዝነበሩ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል መሊሶም የውርዱዎ፡፡
ኣብዚ ህሞት ኣስፍሃ ኣመና ይበሳጨዉ፡፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ናይ ምሕደራ ስልጣኖም ንተድላ ዝወሃቦ ዘሎ ሹመት ግቡእ ዘይምዃኑ ንጃንሆይ ክነግሩዎም ምስ ነብሶም ተረዳድኡ፡፡ ኣብ’ቲ ሰዓት እቲ ኣነ (ዘውዴ) ናይ ዜና ስራሓተይ ብዝምልከት ጉዳይ ምስ ሓለቓይ ብላታ ግርማቸው ተክለሃዋርያት ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈት ነይረ፡፡ ቢትወደድ ኣስፍሃ ሃንደበት ዲጕ ዲጕ እናበሉ ይኣትዉ፡፡ “ንተድላ ክወሃብ ተሓሲቡ ዘሎ ማዕርግ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ከም ምዃነይ መጠን ፈጺመ ኣይቅበሎን” ብምባል ክማጐቱ ዝነበረ ክውነት ናይ ምርኣይ ዕድል ረኸብኩ፡፡ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል በዘራርባኦም ኰነ ኣቀራርባኦም ንንጉሰ ነገስት ክዳፈሩ (ክሳፈዩ) ዝረኣኹሉ ንመጀመርታ ግዜ ስለዝዀነ፡ ንጉሰ ነገስት ንኣመሓዳሪ ኤርትራ ናይ ምጽልጻል ቀጥታዊ ስልጣን ዋላ ኣይንበሮም፥ ኣስፍሃ “ቢትወደድ” ዝብል ብሰናይ ፍቓድ ጃንሆይ ዝረኸቡዎ ማዕርግ ተቐንጢጡ “ኣቶ” ናብ ዝብል ተራ ጥብቆ ከይወርዱ ስግኣት ኣሕዲሩለይ፡፡
ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፥ ንተድላ እተሓስበ ማዕርግ ግቡእ ዘይምዃኑ ንምረዳእታ ፈለማ ዝደርደሩዎም ሰለስተ ምኽንያታት ነይሮም፡፡

ሓደ፥ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ብደረጃ ኮሎኔል ንክኸውን ብፓርላማ ስለዝተወሰነ፥ ጃንሆይ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዘይፈቕደልኩም ጉዳይ ኣቲኹም ደምቢ ምስ ተፍርሱ፡ ንኣማኸርትኹም ቅር ከየበለ ዘይተርፍ እዩ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ውን፡ ስም ናይ ጃንሆይ ዝጠቓቕስ ፕሮፓጋንዳ ንምንዛሕ፡ ንጸላእትና ዕድል ክህቦም እዩ፡፡
ክልተ፥ ንተድላ ዕቝቢት ካብ ሻለቃነት ኣልዒለ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ እንክገብሮ ዝረኸቦ ናይ ኮሎኔል ማዕርግ ብቕልጡፍ ዕቤት ስለዝዀነ ሎሚ ንጀነራልነት ኣይበጽሐን፡፡

ሰለስተ፥ ግርማዊነቶም ናይ ጀነራል ማዕርግ ይግብኦ ቢልኩም እንተ ወሲንኩም ግን፡ ተድላ ብርጋዴር ጀነራልነቱ ተቐቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክግዕዝ ኣለዎ’ምበር ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኰይኑ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ….ብምባል መረዳእታኦም ኣቕረቡ፡፡

ጃንሆይ ብሕርቃን ተቓጸሉ፡፡ “…ኣባላት ፓርላማ ንስኻ ክትጥቁመና ንሕና ክንሓስበሎም፥ ራስ፡ ደጃዝማች፡ ፊታውራሪ፡ ቀኛዝማች…እናበልና ክንሸውም ኣይጸናሕናን ዲና? በዚ መገዲ ንኣዛዚ ፖሊስ ናይ ማዕርግ ዕቤት ብምሃብና ንፓርላማ ቅር ዘብሎም እንታይ እዩ? እዚ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ፍረ ዘይብሉ ምኽንያት ብምዃኑ ኣይተቐበልናዮን…” ብምባል ብቑጥዐ ተዛረቡ፡፡ ጀነራል ኣቢይ እቲ ነገር ንምዝሕሓል ናብ ኣስፍሃ ግልጽ ቢሎም፡ “ቢትወደድ! ኣባላት ፓርላማ ናይ ጃንሆይ ሓሳብ ንኽርድኡዎ፡ ብዘለኩም ጥበብን ሜላን ዘይትፍትኑዎም?” ብምባል ሓተቱዎም፡፡ ጃንሆይ ዝበኣሰ ይቝጥዑ፡፡ ገጾም ናም ጀነራል ኣቢይ ብምቕናዕ “እንታይ ኢኻ ተቀባጥር ንስኻ ድማ? እዚ ናይ ፓርላማ ነገር ባዕሉ ዝፈጠሮ ስለዝዀነ ከምዘይንቕበሎ ነጊርናዮ’ለና፡፡ ትእዛዝና ሕጂ ይፈጸም” ብምባል ካብ ወንበሮም ብድድ በሉ፡፡ ዓይኖም ግን ኣብ ገጽ ኣስፍሃ ተተኺሉ ተረፈ። ኣብ’ዚ ህሞት ቢትወደድ ኣስፍሃ ውን ብጣዕሚ ይስንብዱ፡፡ “ናይ ጃንሆይ ትእዛዝ’ሞ ክኽበር ኣለዎ፡፡ ሕቶ የብሉን፡፡ ኣነ እሙን ኣገልጋሊኹም፡ ሓሳበይ ከይሓባእኩ ንኽዛረብ ዘሐንቀቕኩምኒ (ዘልመድኩምኒ) ባዕልኹም ኢኹም፡፡ ስለዚ ዝመሰለኒ ድኣ’የ ዝገለጽኩ’ምበር ናይ ጃንሆይ ትእዛዝስ ኣየኽብርን ኣይበልኩን…” ቢሎም ኢዶም ብዝነስኡ ሰላም ኰነ፡፡

ድሕሪ ቍሩብ ደቓይቕ፥ ኮሎኔን ተድላ ናብ ቤት ጽሕፈት እንደራሴ ይጽዋዕ እሞ ብሰናይ ፍቓድን ትእዛዝን ግርማዊነቶም ናይ ብርጋዴር ጀነራልነት ማዕርግ ዝተዋህቦ ምዃኑ ተነግሮ፡፡ ከይደንጐየ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ፥ ኣዛዚ ሰራዊት ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ድረሴ ዱባለ ብዝኽደኑዎ ዓይነት ፎርማ ንዝተዳለወሉ ናይ ማዕርግ ልብሲ ካብ ፍሉይ ሹም ቤተ-ዙፋን ብላታ ኣድማሱ ረታ ተቐቢሉ ለበሰ። ድሕሪ ምልባሱ ናይ ጃንሆይ ጫማ ስዒሙ እንክወጽእ ቅድሚ ንጀነራል ኣቢይ፡ ብጉያ ከይዱ ኣብ ክሳዶም ብምጥምጣም ሓጐሱ ዝገለጸሎም ንቢትወደድ ኣስፍሃ ነይሩ፡፡ ብርግጽ እቲ ሽሞት ናይ ጃንሆይ ይኹን እምበር፥ ነዚ ደረጃ ዘብቅዑኒ ቢትወደድ ኣስፍሃ እዮም ኢሉ ብምእማን እዩ፡፡

ተድላ ዕቝቢት ብርጋዴር ጀነራል ተባሂሉ ድቢዛ ጀነራላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዝለብስ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ፈደረሽን ይፈርስ፡፡ ምስ ቢትወደድ ኣስፍሃን ካልኦት ኣንድነታውያንን ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ዝተሰምዖ ሓጐስ ወሰን ኣይነበሮን፡፡ ጽባሕ ምፍራስ ፈደረሽን – ሓሙስ 16 ሕዳር 1962 ናይ ግርማዊነቶም እንደራሴ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዉዎ ናይ ምሳሕ ግብጃ ኣብ ጐኒ ጀነራል ተድላ ዕቝቢት ኮፍ ክብል ቦታ ተዋህበኒ፡፡ ሕውነትን ምቅርራብን ስለዘለና ‘ሓደ ነገር ክሓቶ’ ብምባል ሓሰብኩ።
“ጀነራል! ነዚ ፌስታና እንታይ ዝብል ስም ንሃቦ? …ዓቢዪ(ክቡር) መዓልቲ ኣንድነት እንተበልናዮ ከመይ ይመስለካ?” …ቢለ ሓተትኩዎ፡፡

“…የለን… የለን…ናይ ኣንድነት ነገር ቀደም ውን ሓደ ኢና፡፡ ናይ ሎሚ ዓሰርተ ዓመት ውን ስለ ኣንድነት ኣኽቢርና ኢና፡፡ ብዛዕባ ኣንድነት ብዙሕ ተዛሪብና፡፡ ናይ ሎሚ ጉዳይና፡ ዓባይ ኢትዮጵያ እንደገና መጺኣ። ናይ ኣኽሱም ታሪኽና እንደገና መጺኣ። ሕጂ፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና ኣብ ሞንጎና ምንም ነገር ዘይብሉ ኵሉ ሰብ ኢትዮጵያ ጥራይ ኰይኑ ክነብር ተገብረ፥ እናበልና ንሓስቦ መዓልቲ እዩ…” በለኒ፡፡ ኣዘራርባኡ ብርሱን ስምዒትን ዕትብ ብዝበለ መንፈስን ብምዃኑ ካልእ ሕቶ ኣይወሰኽኩን፡፡ ንዝሃበኒ ርእይቶ ኣድናቖተይ ገሊጸሉ፡ ዕላልና ናብ ካልእ ጉዳይ ኣዘዋወርኩዎ፡፡

ንምፍራስ ፈደረሽን ከምኡ ውን ውሁድ ምምሕዳር ምስ ኢትዮጵያ ካብ ልቡ ዝኣመነሉን ክንድኡ ዝኣክል ሓጐስ እተሰምዖን ሰብ፥ ውሑዳት ኣዋርሕ ጸኒሑ ህይወቱ ንምጥፋእ ዘብቅዖ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ካብ ቢትወደድ ኣስፍሃ ዝረኸብኩዎ ሓሳብ ከምዚ ዝስዕብ ከቕርቦ እየ፡፡

“ተድላ ብተስፋዮሃንስ በርሀ ምኽንያት እዩ ህይወቱ ኣጥፊኡ” ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡፡

“ተድላ ብተስፋዮሃንስ በርሀ ምኽንያት እዩ ህይወቱ ኣጥፊኡ” ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡፡
“20 ጥሪ 1963 ምኒስተር ፍርዲ ንምዃን ተሰይመ ካብ ቤተ መንግስቲ እንክወጽእ ኣብ መውጽኢ ኣፈፌት ንዋና ኣዛዚ ፖሊስ ኢርትራ (ንተድላ) እረኽቦ፡፡

“ጀነራል፡ እንታይ ድኣ እንቋዕ ሓጐሰካ ኣይትብለንን ዲኻ? በልኩዎ
“እናፈለጠ፡ “እንታይ ተረኺቡ?” ይብለኒ፡፡

” “ናይ ኢትዮጵያ ንጉሰ ነገስት ምኒስተር ፍርዲ ኰይነ” እብሎ፡፡

“ስሓቕ ብምቕዳም ርእሱ እናነቕነቐ፥ “ንሕና ኢና ሃገረይ፡ ሓድነተይ፡ ወገነይ ንብል ኔርና፡፡ ንሳቶም ግን (ኣምሓራ) ወንበረይ፡ ናይ ግዝኣት ወንበረይ ይብሉ ምንባሮም ኣርእዮምና” በለኒ፡
“ካብ ተድላ ዘይጽበዮ ዘረባ ስለዝዀነ ብጣዕሚ ሰንቢደ፡፡ ግንፉል ሓሳባቱ ንምቕያር ሓድ-ሓደ ምኽሪ ክልግሰሉ ፈቲነ፡፡ ናይ ምስማዕ ቅሩብነት ብዙሕ ኣይነበሮን፡፡
“ነዚ ራቢጣ ተስፋዮሃንስ ከ ንስኹም ዲኹም ምክትል እንደራሴ ክኸውን ኣብቂዕኩምዎ?” ክብል ሓተተኒ።
” “ኣንታ ተድላ እንታይ እዩ ምሕሳብ ተሳኢኑካ? ብናይ ንጉስ ኣንደበት እንድዩ ዝንገር ዘሎ፡፡ ሹመት እኮ ካብ እግዚኣብሄር እዩ ዝመጽእ” በልኩዎ።

” “እግዚኣብሄር ስራሕ ኣይሰኣነን ነዚ ራቢጣ ምክትል እንደራሴ ክገብሮ” ኢሉኒ ካብ ፊተይ ተኣልየ፡፡
“ድሕሪ ሰሙን፥ ናብ ቤተይ መጺኡ ቁሩብ ርግእ ብዝበለ መንፈስ ኣዘራረበኒ፡፡ “ኣብ’ዚ ሰዓት እዚ ንዓኹም ካብ’ዚ ኣልዒሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምውሳዶም ሸዋውያን (ደቂ ሸዋ) በላሕቲ ዘይምዃኖም ተቓሊዖም። ብህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ፍቱው ምዃንኩም፡ ንዝተጀመረ ናይ ፍጹም ኣንድነት ጐደና መሰረቱ ምትሓዝ ትኽእሉ ምዃንኩም፥ ጃንሆይ ዝፈልጡ ይመስለኒ ነይሩ፡፡ ብጣዕሚ ተጋግየ፡፡ ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተኸተሉዎን፡፡ ንሶም ብስልጣን ዓዊሮም’ዮም፡፡ ሕጊ ፈደረሽን ስለዝተቐደደ ጥራይ ኵሉ ሽግር ዘብቅዐ መሲሉዎም፡፡ በዚ ምኽንያት ብዙሕ ስሕተት ሰሪሖም፡፡ ተፈጺሙ ብዘሎ ስሕተት እዚ ሃገር ድሕሪ ሓደ ዓመት ሃገር ኣይከውንን እዩ…” ይብለኒ፡፡ ኣነ ውን ነዚ ሰሚዐ ስቕ ክብል ኣይከኣልኩን፡፡ ምኽረይ ቀጺለ፡፡ “ስማዕ ተድላ! በጃኻ ኣይትበሳጮ፡፡ ከም ቀደምካ ተጊህካ ስራሕ፡፡ ተኣማንነትካ ኣይተጕድል፡፡ ጃንሆይ ክሳብ ክንደይ ከም ዝፈትዉኻ ትፈልጥ ኢኻ። ሓደ ንገር ምስ ዝገጥመካ ኣዲስ ኣበባ መጺእካ ሽግርካ ትነግሮም፡፡ ኣነ ውን ኣብ ማንም ጉዳይ ማሳኻ ኣለኹ፡፡” ኢለዮ፡፡ “በጃኹም! ተኣማንነት ይኹን ትግሃት ንሸዋውያን ዋጋ ከም ዘይብሉ ሕጂ ብእተገብረ ነገር ተገንዚበዮ ኣለኹ፡፡ ንመጻኢ ውን ተስፋ ዝብሃል ነገር የሎን፡፡ ንስኻትኩም ውን ስቕ ኢልኩም፡ እናፈለጥኩምን ዓይንኹም እናረኣየን፥ ንራቢጣ ኣረኪብኩምና ምኻድኩም እዩ። ደጊም እዋኑ ናይ ራቢጣውያን ብምዃኑ፡ ናትና – ናይ ኣንድነታውያን ጉዳይ ዝጸልመተን መዓልቱ ዝጽበን እዩ…” ኢሉኒ ካብ ቤተይ ወጺኡ፡፡

“ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምብጋሰይ እንደራሴን ተድላን ኣብ ህልኽ ኣትዮም ርእየ ኣመና ሰጋእኩ፡፡ ግዜ ከየጥፋእኩ ንጀነራል ኣቢይ ፍሉይ ቆጸራ ገይረ ተድላ ብዛዕባ ዘለዎ ሓሳብ ነገርኩዎም። “ተድላ ብተስፋዮሃንስ እናተኣዘዘ ምንባር ኣይቅበሎን እዩ፡፡ ንናይ ኤርትራ ኢትዮጵያውነት ኣብ እተገብረ ገድሊ፡ ተድላ ዕቝቢት ብዙሕ ዝሰርሐን እተኸብረ ታሪኽ ዘለዎን ሰብ እዩ። ፍቓድኩም እንተዀይኑ ንዓና ከም እተገብረልና ንዕኡ ውን ብመጠን ደረጃኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተዘዋዊሩ ከም ዝሰርሕ እንተ ዝግበር ዓቢዪ ግልግል ምዀነ፡፡ ዘይከኣል እንተዀይኑ ግን ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ቀጥታ ብኣኹም ከም ዝእዘዝ ግበሩ’ምበር፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ተስፋዮሃንስ ኣይትመድቡዎ…” ቢለ ለመንኩዎም፡፡ ኣብ ዕላልና ጀነራል ኣቢይ፡ ተድላ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምዝውዋር ጉዳይ ከም ዘይማእምኦም ተገንዘብኩ፡፡ ኰይኑ ግን እቲ ሽግር እናፈለጡዎ ተድላ ብተስፋዮሃንስ ከም ዝእዘዝ ይገብሩ ዝብል ጥርጣረ ኣይነበረንን፡፡ ጀነራል ኣቢይ ብዝሃቡዎ ውሳኔ መሰረት ናይ ክልቲኦም ሰባት ባእሲ እናኸረረ ከደ፡፡ ተድላ ንተስፋዮሃንስ ዘለዎ ጽልኢ ብግልጺ ኣርእዩ፡፡ እንደራሴ (ጀነራል ኣቢይ) ብወገኖም መርገጺ ኣዛዚ ፖሊስ ካብ ስነ-ምግባር ዝወጸ ምዃኑ ገሊጾም፡፡ ኣብ’ዚ ህሞት ተድላ ኵሉ ነገር ጸልመቶ፡፡ ‘ተስፋዮሃንስ ኣብ ልዕለይ ኰይኑ ብዘጻወደለይ መሳርያ ጸላእተይ እናተቐባበሉ ከጥፍኡኒ እዮም’ ዝብል ስምዒት ሓዲሩዎ፡፡ ‘ፈደረሽን ንኽፈርስን ፍጹም ውህደት ክኸውንን ዝገበርኩዎ ተጋድሎ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኢድ ጸላእተይ ይድርብየኒ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን’ ብምባል ምሒር ተጣዕሰ፡፡

“በዚ መንገዲ፥ ‘ስልጣን ራቢጣ ካብ ዝቐትለኒ ቀዲመ ህይወተይ ኣጥፊአ ክገላገል’ ብምባል፥ ፈደረሽን ብዘፍረስናሉ ልክዕ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ፡ ሰነ 1963 ህይወቱ ኣጥፍአ፡፡ ሞት ናይ’ዚ እሙን መኰንን ኣንድነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተሰምዐ ጃንሆይ ጸዊዖም ሓሳበይ ክህብ ሓተቱኒ፡፡ “ተድላ ንጃንሆይ ወይ ንትዮጵያዊት ኤርትራ ከዲዑ ኣይኰነን ነብሱ ኣጥፊኡ፡፡ ንተድላ ኣብ ትሕቲ ተስፋዮሃንስ ክሰርሕ ካብ ምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ምዝውዋሩ ከም ዝሓይሽ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ ኣይተሰምዓለይን። ሕጂ ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ፡፡ ሎሚ፡ ብናተይ ሓሳብ ቀብሩ ብማዕርግ ጀነራል ኣወቂብና ድሕሪኡ ስድራ-ቤቱ ምሕጋዝ እዩ ዝሓይሽ፡፡ ንቐብሩ ውን ጃንሆይ ንዓይ እንተትልእኩኒ ግቡእ ይመስለኒ…” ቢለ ሓሳበይ ከይሓባእኩ ነገርኩዎም፡፡ ጃንሆይ ብዘሕዝን ሞት ተድላ ከም እተተንከፉ ይርአ ነይሩ፡፡ ኰይኑ ግን ብዛዕባ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ጸሓፊ ትእዛዝ ኣክሊሉ፡ ጀነራል ኣቢይ ክሕተት’ሞ ንሱ እንታይ ሓሳብ ከም ዘለዎ ምፍላጥ የድሊ በሉ፡፡ “ተድላ ነብሱ ዝቐተለ ካባይ ንላዕሊ በዓል ስልጣን የሎን ብምባል እዩ፡፡ እዚ ምስጢር ኣይኰነን፡፡ ማንም ዝፈልጦ እዩ፡፡ ስለዚ ብማዕርግ ጀነራልነት ፍሉይ ቀብሪ ምግባር ኣየድልን…” ቢሎም ሓሳቦም ሃቡ – ጀነራል ኣቢይ፡፡ ስለ ቀብሩ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ ተቐባልነት ኣይርከብ እምበር፥ ስድራ-ቤት መዋቲ መሰል ጥሮታ ክኽበረሎም፡ ብመንግስቲ ተዋሂቡዎ ይነብረሉ ዝነበረ ቤት ስድራ-ቤቱ ክጥቀሙሉ ንጃንሆይ ኣፍቂደ፥ በዚ ተፈጺሙ…..”

* * * * *

ተድላ ዕቝቢት ብተፈጥሮኡ ቍጡዕን ኣብ ስርሑ ጨካንን ምንባሩ ብሰፊሑ ይዝረበሉ። ንሓድነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቃወሙ ኵሎም ብመብራህቲ እና’ሳደደ የጥፍኦም ነይሩ፡፡ ናይ ተድላ ሓሳብ፡ ‘ክርስትያን ዝዀኑ ተቓወምቲ ብፍላይ ብናይ ደገ ጸላእቲ ዝተገዝኡን ንዕኦም ዝተዓስቡን ስለዝዀኑ ርህራሄ ኣየድልን’ ዝብል ነበረ፡፡ ቤተ-ሰብ ተሰማ ኣስመሮም ንኣብነት፡ ኢትዮጵያ ብምጽላእ ንኤርትራ ሓንሳብ ንጣልያን ሓንሳብ ንእንግሊዝ ንምሃብ ክፍትኑ ነቢሮም፡፡ ተስፋዮሃንስ በርሀ ካብ’ዞም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝዀኑ ቤተ-ሰብ ሓደ እዩ፡፡ እዚኣቶም ዝመስሉ ብኣጠቓላሊ፥ ጸላእቲ ኢትዮጵያ ተባሂሎም ክጋለጹ ከም ዘለዎም ተድላ ዕቝቢት ካብ ልቡ ከም ዝኣምን ቢትወደድ ኣስፍሃ ብሰፊሑ የረድኡ።
ምስ ፕረስደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ሰራየ ናይ ዝነበሩ ራእሲ ሃይለ ተስፋማርያም ወዶም ፊታውራሪ ኪዳነማርያም ሃይለ 7 ሓምለ 1993 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺብና ኔርና፡፡ ብዛዕባ ተድላ ዕቝቢት ዝነገሩኒ ብብዙሕ ሸነኻት ምስ መግለጺታት ቢትወደድ ኣስፍሃ ዝመሳሰል እዩ፡፡
“ጀነራል ተድላ ነብሱ ቅድሚ ምጥፍኡ – ቅድሚ ውሑድ መዓልታት ብፍሉይ ቆጸራ ምስ ጀነራል ኣቢይ ተዘራሪቡ እና ተመልሰ ስምዒቱ ዝገለጸለይ፥ ብመሪር ብስጭት እዩ ዝነበረ” ክብሉ ኣጻዊቶምኒ ነይሮም፡፡
” “ክቡር ጀነራል! ንኢትዮጵያ ጣልያን ምስ ወረራ ንስኹም ንነጻነት ሃገርኩም እተዋጋእኩምን እተሰደድኩምን ኢኹም፡፡ ኣነ ውን ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን “ኢትዮጵያ ወይ ሞት” ቢለ እተጋደልኩን እተሳቐኹን ሓርበኛ እየ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ባንዳ ነጊሱ ሓርበኛ እናለቐመ ከጥፍእ ስልጣን ኣይተዋህቦን፡፡ ኣብ ኤርትራ ግን ራቢጣ ነጊሱ ኣንድነታውያን ንሞት ክፍረዱ እርኢ፡፡ ጸላኢ ኣንድነታውያን ተስፋዮሃንስ በርሀ፥ ካባኹም – ካብ እንደራሴ ንጉሰ ነገስትና ዝልዕል ስልጣን ተቐቢሉ ዝፍጽመልና ግፍዒ ተረዲእኩምዎ ዶ? ወይስ ብፍላጥ ትኽክል’ዩ ብምባል ኣሚንኩሙሉ ኢኹም? ክቡር ጀነራል፡ ትህቡኒ መልሲ ንዓይን ንህይወተይን ንኽውስን ብጣዕሚ እዩ ዝጠቕመኒ…” ቢለ ለመንኩዎም፡፡”

” “ፊታውራሪ ተስፋዮሃንስ ብጠባዮምን ክእለቶምን እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኖም ንምፍላጥ፡ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ፋይናንስ ጸሓፍን ቀረባ ሓጋዚኦምን ገይሮም ንዘዕበዩዎም ቢትወደድ ኣስፍሃ ምውካስ ጠቓሚ እዩ፡፡ ኣነ ንፊታውራሪ ተስፋዮሃንስ ብስራሕ ጥራይ እየ ዝፈልጦም፡፡ ክሳብ ሕጂ ከም ዝረኣኹዎም፡ ሕጊ ዘኽብሩን ሓላፍነቶም ብትኽክል ዝፍጽሙን ጠንካራ ሰራሕተኛ ምዃኖም እዩ፡፡ ብሰናይ ፍቓድ ግርማዊነቶም ምክትል እንደራሴ ንምዃን ምሻሞም ኣይቅበሎን ቢልካ ዘሸገርካ ንስኻ ኢኻ፡፡ ብወገኖም ግን “ጀነራል ተድላ ካብ ስልጣኑ ይተኣለየለይ፥ ወይ ውን ኣጥፊኡ (በዲሉ) እዩ’ሞ ይቀጻዕ” ቢሎም ዘቕረቡለይ ነገር የሎን፡፡ ስምካ ኣልዒሎም ሓንቲ መዓልቲ ውን ሕማቕ ክዛረቡ ኣይሰማዕኩን፡፡…ኢትዮጵያ ብጸላኢ ተታሒዛ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ብዛዕባ ዝነበሩ ባንዳን ካብ ሞንጎኹም ኣብ ግዜ ቃልሲ ራቢጣ ነይሮም ብዛዕባ ዝብሃሉ ሰባትን ዝጠቐስካዮ ታሪኽ፥ ስርዓተ-ምምሕዳር እናጠሓስካ ‘ካብ ልዕለይ ትእዛዝ ኣይቅበልን’ ንእትብሎ ጉዳይ ዝሕግዘካ ኣይኰነን፡፡ ኣነ ብኣተዓባብያይ ኰነ ብውትህድርናዊ ሞያይ ኣብ ስነ-ምግባር ስለዝኣምን ንስልጣን ምክትል እንደራሴ(ተስፋዮሃንስ ማለቶም’ዩ) ብዘይኣገባብ እንክትንውንው ምሳኻ ደው ኣይብልን፡፡ ኰይኑ ግን ምክትል እንደራሴ ከጥቅዑኻን ስራሕካ ክብድሉን ክፍትኑ ምስ ዝርእዮም ምሳኻ ደው ክብል እየ”…ኢሎምኒ፡፡

” “ትርጉም ኣዘራርባ ጀነራል ኣቢይ፥ ‘ካብ ጸላኢኻ ተስፋዮሃንስ ከላቕቐካ ኣይክእልን እየ’ ስለዝዀነ ንህይወተይ ካብ ተስፋዮሃንስ ከላቕቓ ዘለኒ ኣነ-ባዕለይ እየ” ኢሉኒ ካብ ጥቓይ ርሒቑ፡፡ ኣነ ውን ኣሰሩ ስዒበ ከጸናንዖን ክምዕዶን እኳ’ንተ ፈተንኩ ክሰምዓኒ ኣይከኣለን፡፡ ተቐላጢፎም ክመኽሩዎን ከዝሕሉዎን ንብዙሓት ፈተውቱ ነጊረ፡፡ ንሳቶም ውን ኣይከኣሉን፡፡ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሞት ተድላ እንክሰምዕ ብጣዕሚ ሓዚነ፡፡ …ተድላ ዕቝቢት ኣብ ዘመነ ስልጣኑ እዚ ዅሉ ጸላኢ ምፍራዩ ብሰንኪ ጭካነኡ እዩ፥ ብምባል ዝኣምኑ ሰባት ውሑዳት ዘይምዃኖም እፈልጥ እየ፡፡ ንናይ ኣንድነት ተቓወምቲ እና’ሳደደ የሳቒ ምንባሩ ኣነ ውን ኣይክሕዶን፡፡ ይኹን እምበር እዚ ኵሉ ዝፈጸሞ ብኣረሜናዊ ጠባይ ዘይኰነስ ንኣንድነት ክብል እዩ…” ክብሉ ፊታውራሪ ኪዳነማርያም ሃይለ ርእይቶኦም ኣካፊሎምኒ፡፡

ብ12 ሰነ 1963፡ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ምክትል ህዝባዊ ጸጥታ ደጃዝማች ክፍለ እርገቱ ናብ ቤት ጽሕፈተይ ስልኪ ይድውሉ። “ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ጀነራል ተድላ ዕቝቢት ህይወቱ ኣሕሊፉ” ተባሂሉ ብራድዮ ክንገር ድማ ይሕብሩኒ፡፡ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣነ ኣብ ራድዮ ኢትዮጵያ ሓላፊ ሃገራዊ ፕሮግራም ነይረ። ብወገነይ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ክሳብ ክንደይ ዘሰንብድን ትጽቢት ዘይግበረሉን ምዃኑ ንደጃዝማች ክፍለ ገለጽኩሎም፡፡ ድሕሪኡ፥ ንህቡብ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ብድፉኑ ‘ነብሱ ኣጥፊኡ’ ቢልካ ወረ ምሃብ ኣብ ህዝቢ ብዙሕ ትርጉም ስለዝፈጥር ኵነታት ኣማውታኡ እንታይ ምዃኑ ምግላጹ ከም ዝሓይሽ ኣተንቢሀሎም፡፡ ደጃዝማች ሓንሳብ ምስ ሰምዑኒ፥ “ሓሳብካ ቅቡል እዩ፡፡ ናይ ኣማውታኡ ምኽንያት ግን ኣሸጋሪ ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ፡፡ ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ፡ እስኪ ኣስመራ ደውል’ሞ ንጀነራል ኣቢይ ኣማኽሮ” በሉኒ፡፡ ብቕጽበት ናብ ኣስመራ ደዊለ እቲ ሓሳብ ንእንደራሴ ኣመልኪተዮ፡፡ “ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ንላዕለዋይ ሓላፊኡ ኣይእዘዝን ብምባል ስለዘሸገረ ካብ ቦታኡ ክዘዋወር ከም ዘለዎ ነጊረዮ ነይረ፡፡ ነዚ ነጺጉ ክዕምጽ ኣብ ምድላው ምህላዉ ተበጺሑ፡፡ ኣብ’ዚ ህሞት ሕልናዊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ምዃኑ ስለዝፈለጠ ኣብ ውሽጢ ቤት-ጽሕፈቱ ኰይኑ ብመሳርያ ህይወቱ ኣሕሊፉ፡፡ ታሪኹ ብሓጺሩ እዚ እዩ። ቅድሚ ምሟቱ፥ ነዚ ዘብጽሖ ምኽንያት ብጽሑፍ ዝገደፎ ነገር ከይህሉ፡ ወይ ውን ንናይ ቀረባ ጸሓፊኡ/ቱ እተዛረቦ ቃል ከይህሉ ምርመራ እና ተገብረ እዩ፡፡…ብኣይ ወገን፥ ሎሚ ምሸት ብራድዮ ክንገር ዘለዎ፡ ህይወቱ ከም ዘጥፍአን ምኽንያት ሞቱ ንምፍላጥ ፖሊስ ምርመራ ይቕጽል ምህላዉን ጥራይ እዩ” ቢሎም ጀነራል ኣቢይ ኣበበ ብዝነገሩኒ መሰረት እቲ ዜና ብሓጺሩ ንህዝቢ ተገሊጹ፡፡

ጀነራል ተድላ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ፡ በዚ መልክዕ ብራድዮ ምስ ተነግረ፥ ብህዝቢ ዝቃመሙ ዝተሓዋወሱ ሓበሬታታት ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣዕለቕሊቖም፡፡ ካብ ሞንጎኦም ናብ ሓቂ ዝቐረቡ ተባሂሎም ዝግመቱ ክልተ ዓይነት ሓበሬታታት ነይሮም። እቲ ቀዳማይ፥ ተድላ ዕቝቢት ብምፍራስ ፈደረሽን ብጣዕሚ ብምሕዛኑ ነብሱ ኣጥፊኡ ክብል ከሎ፡ ካልኣይ ድማ ንኽእሰር ወታሃደር ምስ ተላእከሉ ኢደይ ኣይህብን ብምባል እናተታዀሰ ተቐቲሉ ዝብል እዩ፡፡

ኣብ ሃገርና፥ ብዙሕ ግዜ ሓድ-ሓደ ፍሉጣት ሰባት ምስ ዝሞቱ ወይ ምስ ዝእሰሩ እቲ ሓቂ ተቐሊዑ ብራድዮ ስለዘይሕበር ህዝቢ ዘዝመሰሎ እናፈብረኸ ምዝራቡ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን፡፡ ብመሰረቱ፥ ናይ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ትኽክለኛ ኣማውታ፡ እቶም እንደራሴ ኣብ ራድዮ ኢትዮጵያ ንሹም ሃገራዊ ፕሮግራም ዝሃቡዎ ሓበሬታ እዩ፡፡ ብርግጽ ተድላ ዕቝቢት ህይወቱ ቅድሚ ምጥፍኡ፥ ኣመና ተበሳጭዩ ቤት-ጽሕፈቱ እናዓጸወ “ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጊናዮ ኢና፡፡ ኵሉ ዝሰራሕናዮ ትኽክል ኣይኰነን…” ዝብል ቃል ምዝራቡ ተወርዩ እዩ።

ንስልጣን ምክትል እንደራሴ ኣይቅበልን ብምባሉ፥ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክዘዋወር ከም እተወሰነ እንደራሴ ምስ ነገሩዎ ካብ’ዚ ንድሓር ምስ ማንም ኣይዛረብን ኢሉ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዩ ማዕጾ ይዓጽዎ፡፡ ዝወሰዶ ስጕምቲ ከም ተግባር ዓመጽ ስለዝተቘጽረ ክእሰር ተወሲኑ፡ ዝሕዙዎ ወተሃደራት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ተላእኹ፡፡ ተድላ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈቱ ኣጻዊዱ ብምንባሩ እተላእኹ ወተሃደራት እቲ ኵነታት ኣስጊኡዎም እተኣዘዙዎ ከይፈጸሙ ተመልሱ፡፡ ኣብ’ዚ ህሞት (ንጀነራል ኣቢይ) ሓደ ሓሳብ መጺኡሎም፡፡ ናብ ተድላ ስልኪ ደዊሎም መንፈሱ ንምርግጋእ ደጋጊሞም’ኳ እንተ ፈተኑ ተድላ ግን ክምልሰሎም ኣይከኣለን፡፡ ምስ ጨነቖም፡ ንሓላፊ ናይ’ቲ ቤት ጽሕፈት ክንፈ ተስፋጋብር ጸዊዖም “በጃኻ ምኸሮ’ሞ ኣነ ውን ከዘራርቦ” ክብሉ ሓተቱዎ፡፡ ክንፈ ብወገኑ ፈቲኑ ግን ኣይሰመረሉን። ተድላ ቤት ጽሕፈቱ ዓጽዩ ‘ኣይትሓዙኒ’ በለ፡፡

ድሕሪ ገለ ሰዓታት ናይ ካልኣይ ክፍለ ጦር ላዕለዋይ መኰንን ኮሎኔል ከበደ ያዕቆብ (ድሒሩ ሜጀር ጀነራል) ምስ ምክትል ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል ዘርአማርያም ኣዛዚ ከምኡ ውን ሓላፊ ናይ ተድላ ቤት ጽሕፈት ክንፈ ተስፋጋብር ኰይኖም ናብ ቤት ጽሕፈት ተድላ የምርሑ፡፡ እንታይ ንምግባር? ተድላ ኢዱ ክህብ ንኽመኽሩዎ? ኣሻፈረኝ እንተ በለ ኸ? ካልእ ስጕምቲ ብእንደራሴ ይውሰን፡፡ ብኮሎኔል ከበደ ያዕቆብ ዝምርሑ ልኡኻት ናብ ቤት ጽሕፈት ኣዛዚ ፖሊስ ከይቀረቡ ብርቱዕ ተዅሲ ተሰምዐ፡፡ ተድላ ቤት ጽሕፈቱ ዓጽዩ ብዝፈንጀሮ ‘ኡዚ’ ህይወቱ ኣሕሊፉ ጸኒሑዎም፡፡

ተድላ ዕቝቢት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክዘዋወር ከም እተወሰነ እንክነግሩዎ፡ ካብ ሽግር ተገላጊለ ብምባል ደስ ይብሎ’ምበር ብኸም’ዚ ብስጭቱ ረሲኑ ህይወቱ ክሳብ ምጥፋእ ይበጽሕ ቢሎም ኣይሓሰቡን፡፡ ኣቐዲሙ፡ ተድላ ብስልጣን (ትእዛዝ) ተስፋዮሃንስ ይበሳጮ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ “ንዓኻን ንስራሕካን ዝብድል ነገር ክሰርሑ እንተ ርእየዮም ምሳኻ ደው ክብል እየ” ክብሉ ጀነራል ኣቢይ ዝሃቡዎ ቃል ዝዝከር እዩ፡፡ ኣብ መጨረስታ ልክዕ እንደራሴ ንጉሰ ነገስት ከም ዝወሰኑዎ ነቲ ዝውውር ተቐቢሉ ኣዲስ ኣበባ እንተዝመጽእ ነይሩ፥ ንጉሰ ነገስት ብጣዕሚ ስለዝፈትዉዎ ብዙሕ ደስ ዝብሎ ነገር ከም ዝረክብ እዩ ዝነበረ፡፡ እሞ’ንታይ ይኹን? ህልኸኛን ትዕግስቲ ዘይብሉን ሰብ ብምዃኑ፡ ንበይኑ ክሓስብ መጻኢ ህይወቱ ብዅሉ ጸልሚቱዎ።
እቲ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ፍጹም ሕብረት ካብ ልቡ ዝኣምን ተቓላሳይ፥
እቲ ንንጉስ ሃይለስላሴ ምስ ፈጣሪ እና’ወዳደረ ዘምልኾም ሰብ፥
እቲ ሕብረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝቃወሙ ኵሎም ብወረጦ እናለቐመ ዘጥፍእ ሓያል መኰንን… ካብ ዝውለድ ኣብ ሓምሳ ዓመቱ፡ ባዕሉ ብዙሕ ዝለፍዓሉ ፍጹም ውህደት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ተፈጸመ ኣብ ሻውዓይ ወርሑ፡ መወዳእታኡ ዘሕዝን ፍጻመ ብምዃኑ ካብ ወገናት ኣንድነት ብፍላይ ዘይሓዘነሉን ዘይተጣዕሰን ኣይነበረን፡፡

ንሞት ናይ ተድላ ቀንዲ ምኽንያት እዮም እተባህሉ ተስፋዮሃንስ በርሀ ግን ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ንቀዳማዊ ሃይለስላሴ እሙን ኰይኖም፡ ናይ ኤርትራ ናይ ‘ምክትል እንደራሴ’ ስልጣን ንዓሰርተው ክልተ ዓመታት ሒዞምዎ ጸኒሖም፡፡ ኣብ’ዚ ውን ደው ኣይበሉን፡፡ ኣብ ፍጻሜ ዘመነ መንግስቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ይብድሁ ንዝነበሩ ካቢነታት ልጅ እንዳልካቸው መኰንንን ልጅ ሚካኤል እምሩን፡ ተስፋዮሃንስ በርሀ ምኒስተር ማዕድን ኰይኖም ነበሩ፡፡

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s