ልክዕ!
ህይወት ዝርእየሉ
ነብሰይ ዝረኽበሉ
እንከንብቦ፡
ጽን ኢሉ ሰማዒ
ምስጢረይ ሰታሪ
ቃንዛይ ተኻፋሊ
ሓጎሰይ ጸንባሊ
እንክጽሕፎ፡
ግጥሚ’የ ዝኣምን
ናብ ደብሩ ዝነግድ
ክጽሊ ክሰግድ፡
ግጥሚ
ብርዒ ወላዲኡ
ደብተር መሕደሪኡ
ውነይ ዝጊላኡ፡
እንታይ ክጽሕፈሉ
እንታይ ከንብበሉ
ብህላወኺ ሃሲሱ
መቐረቱ ‘ጒድሉ፡
ግጥሚ ከንብብ ሓይለይ ክዕቅብ
ካብ ትዕድምኒ
ግጥሚ ክጽሕፍ ጾረይ ከራግፍ
ካብ ትነግርኒ
ጸሎተይ ከብጽሕ ክቕደስ ክባረኽ
ካብ ተዘክርኒ፡
ፍርሐይ ዝቐብረላ ትብዓት ‘ትበኒ
ሕልመይ ዝዘርኣላ ጋህዱ ትኾነኒ
ተስፋይ ዝነግራ’ሞ ኣጆኻ ትብለኒ
ሓጎሰይ ጸንባሊት ንባህገይ ተሕድሪ
እምነተይ ዝብለኪ ግጥመይ እንዶ ኲኒ።
ግጥመይ እንዶ ኲኒ
እናኸንብባ ትሕድሰኒ
ኣተዂ ወጻዂ እተሰንየኒ
ዘስተማቕራ’ሞ ህይወት ተርእየኒ፡