ቅንጥብጣብ

  ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኮነ ቤት መግቢ ኣቲካ፣ `ቅንጥብጣብ` ምስ ትእዝዝ ፡  ካብ  ዝተፈላለየ ዓይነት ስጋ ዝተሰርሐ ጸብሒ`ዩ  ዝመጻካ።  `ንተ ሎሚ ሰንኪ  ስደት ከም ናይ ሃገርና ንበልዖ  ቅንጥብጣብ  `ተስኣና ፣  ሳላ LYE.tv , Ella Records, Habesha Poetics, Halenga Eritrea , ATA Meda . . .   (ይቅሬታ! ሳሕቲ ከም`ዚ እንዳ ኩፖን `ድኳን  ሕድሪ`  ኮይነን`የን ዝስምዓኒ)ደው ይበላ ፡ ብርከን ይጽናዕ እንሆ ብፍልይ ዝበለ ቅንጥብጣብ  ግጥምን ዜማን ካብ ዘስምዓና ሓያለይ ኮይንወን ኣሎ።  በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ከይረሳዕክዎ፣ `ናይ ህዝቢ`  `ናበልካ ብኣልማማ ናይ ሰባት ዜማ ኮነ ፡ ያታዊ ዜማታት ምስ ስምካ ለቂብካ ዝግበር ዘሎ ግህሰት ምስ ምኳኑ፣ ብኣግኡ  ክእርምኦ ብጥብቂ የተሓሳስብ! (ኣየ ኸየ ናተይ ነገር፣ ሓቀይ`ዶ ኣብ`ዚ መወድእታ`ሲ፣ ሓውሲ ዶማንዳ  ኣምሲለዮ። ሓያለ ብከምኡ  ዝተሰርሓ ደርፍታት የዋህልል`የ ምስ ምህላወይ፣ ተስፋ  ይገብር ንዐዐን ዝምልከት ርእሱ ዝሓኣለ ካልእ ግዜ ከቅርቦ )

 

   መዓስ ምኳኑ`ኳ ብልክዕ ኣይዘክሮን ፣ ግን ንዓሰርተ ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ጎደል`ዩ ዝኸውን። ብምክንያት መዓልቲ ` ነጻነት` ኣብ ኤርትሮ  ጀርመን ዓቢ  መኣዲ ስነጥበብ ኣብ ዝተኻየደሉ ግዜ፣  በሃር ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብ ንመድረክ ተዓዲሙ ክደርፍ ምስ ደየበ። ሽዑ ዝተዛረቦ  ቃል ምስ ዝህሉ፣ `ዚ ሕጂ ብተለምዶ `ኣምሃሪክ ህርመት`  ቢልና እንጽውዖ (`ጎንደረኛ ` ምኳኑ`ዩ )፣  ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ናህና ከም ዝነበረ ፡ ሱር  መሰረቱ ኣብ ኤርትራ ምኳኑን ደረትና ነፊሕና ክንጥቀመሉ ከም ዘለናን  ብምሕባር`ዩ  ” ሕነሽም ሕነሽም ፡ ወዲ ደቂ ተሽም ”  `ናበለ ፡  ቀደም ዘመን በዚ ህርመት ትድረፍ ዝነበረት ደርፊ ክራሩ ብምቅናይ ዘስምዓና። ብዘይካ`ዚ ኢንጂነር ኣስገዶም`ውን ኣብ ገለ  ኣጋጣሚ ከም`ኡ ከም ዝበለ፣ ወዲ ትካቦ  ምስ Eri-tv ዝገበሮ  ቃለመሕተት  ናይ ቀረባ ተዘክሮይ`ዩ።  ከም`ኡ ከይ`ኮነ ኣይተርፍን`ዩ፣ ገለ ደረፍቲ ነቲ ህርመት ክሳፈይዎ  ዝተርኣዩ። `ዚ ይኹን `ምበር ዳርጋ መብዛሕትኡ`ቲ ዜማ ካብ ናይ ኢትዮ ደርፍታት ሓደ ሓደ ግዜ እናቀድሑ ፡ ሓደ ሓደ  ግዜ  ከኣ እናገለሉ ደርፍታቶም  ዝተፍኡልና።

 

   እስኪ ንሎሚ ነዚ ሶሻል ሜዳ ዓብሊላቶ ዝቀነየት  ብሮቤል ምካኤል ተገጣጢማ    ዝተደርፈት። ከምኡ`ውን ዜማ ሮቤልን ናይ ህዝቢን ብምባል ከይተሓነኸለይ ስሙ ብምቅዳም ፣ ብምልቅቃብ ተለቃቂባ ዝተዓየት ስራሕ ክንሳ ፡ ንምንታይ`ዩ ስሙ ክሳብ ክንድ`ቲ ክጎልሕ ተደልዩ  እናገረመኒ`የ ዝጽሕፍ ዘለኩ። ግን! ኣበየናይ`ዩ  ክፋል`ዩ`ባ እጃሙ ዘበርከተ ኣብ`ዛ ስራሕ  `ዚኣ፧  እንተ`ቲ ዜማ`ሞ  ኣበየ ቦትኡ ዝድረፍ ዝነበረ`ዩ። ግዳ ንሕጂ `ቲ ጫሕ ጨርባሕባሕ ክብል ዝቀነየ ናይ ብክልተ ሃገራት ዘለፋታት ኮነ ጨብጨባ  ፡ ከምኡ`ውን ከም`ቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኽዎ  ጉዳይ ህርመት ናይ`ቲ ዜማን ዜማን ንጎኒ ኣወንዚፈ ኣብ ግጥማዊ መዳያ ክርምስሳ ክፍትን`የ።

 

የኔ ቆንጆ ፡ የኔ ወለላ

ምልኣት ልበይ ምንም ዘይጎድላ

ኩሉምላ ነብሲ ነገር

እወድሻለው  የኔ ፍቅር

 

ከም`ቲ ንጉስ ዳዊት ዝበሎ`ዩ ` ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ፡ ሓድሽ ነገር የለን` ። ሓቂ ዘረባ ኣነ`ውን  ኣብ ቀረባ ግዜ  ናይ ሮቤልን መሰልቱ ማለት ናይ`ዞም ድያስፋራ (ድያስፖራ ንምባል`የ)ዝተዓዘብክዎ እንተሎ ፡ ከም ድፍረት ድኣ ኣይቆጸረለይ ይኸውን `ምበር፣ ሓድሽ ኣልባሳት ነቲ ቪድዮ ክሊፕ ቢሉ ዝተወድየ ፡ ከምኡ`ውን ሓደሽቲ ብሪቅሪቅ ዝብላ  ናይ እዝንን ተዘይ`ኮይኑ፣ ሓድሽ ነገር ዳርጋ ካብ ዘይይ ንሪኢ`ሲ ከም`ዛ ዋዛ ዓመታት ነቁጽር ኣለና`ኮ(ብኢድ ዝቁጸራ ኣዝየን ጽቡቃት ከም ዘለዋ ግን ኣይዘንጋዕኩን)።

 

  ብዝኾነ ናብ`ዛ ጽብቅቱ ወይ  ሽኮሩ ንመለስ ፣ `ዛ ሽኮሩ (`ዚ ሰብ`ዚ ምስ ባዶ  ትሽዓተ ርክብ ከይሃለዎ ዝተርፍ ኣይኮነን፣ ዋላ ቋንቋ ቀይሩ ተተብሃለ ፡ ካብ ስርዓተ ሻሂ ከናግፈና ኣይከኣለን ዘሎ። መን ይፈልጥ ሎም`ስ ናብ ሊፕቶን ግዲ  የሰጋግረና `ባ ይኸውን። )ምልኣት ልቡ ምኳናን ዋላ ሓደ ዝጎድላ ከም ዘየለን ፣ ኩሉምላ ነብሲ ነገሩ ምኳና ክነግረና ከም ዘይጸንሐ ፡ ሃንደበት ግዲ ተጥዒሹ  `እወድሻለው የኔ ፍቅር` ብምባል ምስ ምንታይ`ኮን ኢና ክንቆጽረሉ። ምክንያቱ ኣብ ላዕሊ ምሳና`ዩ ዘዋግዕ ዘሎ፣ ስለ`ዚ `እወድሻለው` ዘይኮነ ` እወዳታለው` ክብል`ዩ ዝግብኦ። `ቲ ምንታይ ብቀጥታ ምሳና `ምበር ምስ`ዛ ቆንጂቱ  ስለ ዘይኮነ`ቲ ወግዒ። ምስ`ኣ እንተ ሓሲብዎ `ቲ ወግዒ ግን ከም`ዚ`ዩ  ክኸውን ዝግብኦ ነይሩ።

 

የኔ ቆንጆ ፡ የኔ ወለላ

ምልኣት ልበይ ምንም ዘይጎድለኪ

ኩሉምልኪ ነብሲ ነገር

እወድሻለው  የኔ ፍቅር

   ድሓን ነገር ሓድሽ መተርኣስ ምኳኑ`ዩ ምውሓጡ ይሓይሽ። ትሕት ቢልና እስቲ ንቀጽል!

ቆንጂየ ንጻወት ብሓጎስ ብደስታ

`ዛ ዓለም ጎደሎ ፡ ሰሓቅ`ዩ መቀረታ

ፍቅሪ ተኪላ ዋሕስ ክልቴና

ኩሉ ምሉእ`ዩ እንታይ ከይጎድለና

 

ዝኾነ ዜማ ኣብ ኣእምሮካ ምስ ተሰላስሎ ፡ `ቲ ዜማ  በዓሉ ስለ ዝመርሓካ ብኡኡ እናተቀየድካ ዝኾነ ግጥሚ ምስ ትሶኽዓሉ ደርፊ ከም ዝኸውን ርሑቅ ከይከድና  ናይ ቀረባ ኣብነት ክትኮነና እትኽእል ደርፊ`ያ ተዘይ በልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ንኣብነት ኣብ`ዛ ማይቤት ተጠቂሙላ ዘሎ ዜማ ብራብዓይ ስለ ዝተኣስረ ራብዕ ብዝውድእ ኢካ ክትሰፍዮ እትግደድ። ብከምኡ  ከኣ`ዩ ክልተ ደፋኢ ክልተ ተቀባሊ ተጌሩ ዝተዓየ። ግዳ `ዚ ጠባይ ቆንጆ ዲዩ ዘይቆንጆ ዛጊት `ኳ እንተዘይፈለጥናዮ፣  ግን ንቆንጂቱ `ዛ ዓለም ፡ ጎዶሎ ምኳናን ሰሓቅ ከም ዝኮነ መቀረታ  ሓንቲ ከይሓብአ ምስ ነገራ። ክነግራ ዝጸንሐ ኣወንዚፉ ሓደ ፍቅሪ ዝብሃል ንሓዲኦም ድዩ ወላ ንክልቲኦም እንድዒ ፣ እዝጊ ዋንኡ ! ግን ዘመዶም`ዩ ዝኸውን ፡ ኣነ `ውን ጠርጢረዮ ኣለኩ። ብዝኮነ ተማዊቱ ዋሕስ  ስለ ዝኮኖም ኩሉ ከም ዝመልኣሎም ይዋኣዮ (መን`ኢኻ`ዚ!`ይር**ዮ` ዝበልካ ፣ እዎው ሰበብ! እዚኣ ኣይበልኩን ፡ ኣነ `ዘልኩ’ሲ` ይዋኣዮ`የ ኢለ!)ክንዲ ዘርእየና ብተዘዋዋሪ ክነግረና ህርድግ ዝብል ዘሎ።

 

ፍቅሪ ጥዑም`ወ ወገን ዘይፈላሊ

ፍቅሪ ሙቁር`ወ እንታይ በሃሊ

ጸሊም ጻዕዳ እንከይበለ ልብታት ይጠምር ንኩሉ ብማዕረ

ኣብ`ዛ ማይ ቤት  ዝተዘንግዐ ኮይኑ ዝርኣየኒ ዛዕባ `ተሎ፣ ኣብ ሞንጎ  ሰባዊን ሰብኣውን ዘሎ ዛዕባ ክትንክፎ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ። ሰባዊ ንሓደ  ግኡዝ ነገር ክትዛረበሉ ኮነ ከተዛርቦ ምስ እትደሊ ግነት ሓዊስካ ከም ሰብ እናገለጽካ  እትሃንጾ ሓደ ካብ ዓይነታት ግጥሚ`ዩ። ናይ ቀረባ  ኣብነት ክኾነና ብቴድሮስ ሓጎስ `ኣስኳቡሊ` ከምኡ`ውን  ብሙሴ  በርሀ `ህዋሰይ` ዝብላ  ደርፍታት ክቀርባ ዝኽእላ`የን። እንተ`ዛ ደርፊ ግን! ሰባዊን ሰብኣውን ክልቲኡ  ከተጣምር ትህቅን ምስ ምህላዋ ካብ ሓዲዳ ወጺያ ትህውትት`ያ  ዘላ። ምክንያቱ ኣብ ላዕሊ ዘሎ  ማይቤታት ፡ `ዚ ጠባይ ምስ ሰብኣዊ ማለት ምስ ቆንጂቱ`ዩ ዝኽልም ዘሎኖ።

 

መግቢ  ሕልና  ሰናይ እንከሎ

እንታይ መጺና ግና ዘይንክተሎ

መፍትሒ ኩሉ ስኒት እንከሎ

ንጽልእን ቂምታን ብፍቅሪ ዘይንስዕሮ

 

    ሕጂ ብዙሕ ሕቶታት ከልዕል ዝግደድ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ  ፡ ምክንያቱ `ዚ ገጸ ጋህሪ (እናተገገኒ እንድዩ  ፡ ግዳ! ገጸ ባህሪ ንምባል`የ ዝኸውን ፣ ምኳን ንዓቅመ ገጸ ባህሪ ዝበጽሐ ኣይመስለንን ብኸም`ዚ ዘላቶ  ትጽናሕ  ) ምስ`ዛ ቆንጂቱ መዓስ`ዩ ቂምታን ጽልእን ኣራኪቡሉ፧ በየናይ መለኪዕታት`ዩ ስኒት መፍትሒ ኩሉ ዝኾነ፧ መግቢ ሕልና ሰናይ ምኳኑ ዝነግረና  ዘሎ ፡ እንታይ ክብለና ስለ`ዘሎ`ዩ፧  ዘይተመለሱ ሕቶታት ከም ርዱእ ዶኾን ተሓሲቦም፧ እምበኣር እዝን ወዲ ከም`ዝን`ዩ ሓንቲ ካብ`ተን ቅንጥብጣብ ዘብላ `ዛ `ደርፊ`።  ሕጂ`ዶ`ሞ  ዛዕጎል ጌረ ክፈትሖም ኮይነ፣ በዚ ኣጋጣሚ `ዛ ማይቤት ግጥሚ በዓልካ ኣሲርካ በዓልካ ክትፈትሖ ከም ዘይትኽእል እተስተምህር ጽብቅቲ ኣብነት ኮይኮነት ኣይትተርፍን`ያ በሃላይ`የ።

 

የኔ ቆንጆ

ኣብነት ንሁን የሰላም ኣርማ

መዋደድ ይሁን የኛ ኣላማ

መተሳሰብ ይንገስ ብኣለም

ለሰው ከፍቅር ፡ የሚበልጥ የለም

 

`ዚ ዛጊት መንነቱ ዘይተፈልጠ፣ ነዛ ሽኮሩ ናይ ሰላም ኣርማ  ኣብነት ንክኾኑን ፡ እቲ ፍቅሮም ብዝበለጸ ዓለም ብዙሪኣ ፣ ልዕሊ ሮሜን ጁሌትን ብዘቅንእ ፍቅራዊ ሂወቶም ንዓና ንሓበሻ ከኣ ብቅንኢ  ሕምስ  ከብልዋ ሎሚ `ኳ ኮይኑ ተርኣየኒ። `ምበኣር ነዘን ከም ሊፕቶን እናኣተዋ ዝወጻ ዘለዋ ሓረጋት ተጠቂምካ ኢካ  ኣምሒር ደሪፈ ዝብሃለለይ ዘሎ። ኣየ ከየ!

 

ኣብነት ንኩን ፡ ኣብነት ሰላም

ሕብሩ ክቅይር `ዚ  ጸላም እዋን

ተከባቢርና ነንግሶ ፍቅሪ

ሰላም ቅሳነት ክህበና ፈጣሪ

 

       እዚ`ኣ `ውን፣ ካብ`ዛ ልዕል ኢላ ዘላ ዘፍሊ `ተለዋ ብትግርና ስለ ዝተለቃቀበት ተዘይ ኮይኑ ፡ ክልቴኤን ሓደ`የን። ኣብ መወዳእት ክብሎ  ዝደሊ እንተሎ ኩሉ ክዛረብ ዝክእል ክደርፍ ይኽእል`ዩ፣ ኩሉ ክደርፍ ዝኽእል ግን ክገጥም ከም ዘይክእል ሕርሕራይ ጌሩ ሎሚ መቸም በሪሁለይ ኣሎ።

 

ማማይ ምሕረትኣብ

21\11\2016

 

 

4 thoughts on “ቅንጥብጣብ

  1. ማማይ ነብሲ ቀዳማይቲ መዓልቲ ዝተላለኹኻ በታ “ባባ” ትብል ግጥምኻ እዩ። ሚስጢራ ነፊዐ ዘይኮንኩስ ናይ ነገር ወዝቢ ብቕልጡፍ ተፈቲሓትለይ። እቲ ኣልጀብሪክ ኣተሓሳስባኻን ዋሕዚ ቀመማዊ ቃላትካን ሪአ ኣብዚ ድኹም ዓይነይ ተወሊዕካ። ብድሕሪኡ ውን ኣብ ዛራን ካልእ ቦታታትን ትቀላቐል ስለዝኾንካ ኣየጸመኻንን።
    ብዛዕባ እዚ ጺሒፍካዮ ዘለኻ ናይ ሮቤል ደርፊ ዘመልከተ ግን ብወገነይ ብቕርዑይን ጽሩይን ኣጠማምታ ጠሚትካ ዝገለጽካዮ ኣይመስለንን። ከመይሲ ኩሉ እቲ ብዛዕባ ሞዛይካዊ(ጉሩማይለ ንምባል እየ) ግጥሚ እታ ደርፊ ሂብካዮ ዘለኻ ትንተና ሓሳብ ቅንዕና ከንጸባርቐሉ ስለዘይተራእየኒ። ከም ነቐፌታ እንታይ ምበልኩ፣ ከምዚ ክትጽሕፍ ጊዜኻ ምጥፋእካ እቲ ቀዳማይ ክሳራ ኪንየው ሙኻኑ፣ ብዛዕባ ግጥሚ ክትንትን ግን መጀመርታ ምልከት ጉሩማይለ ግጥሚ ክህልወካ ኣድማዒ እዩ ምበልኩ።

    Like

  2. እቲ ክበሃል ዝከኣል ኩሉ ኢልካዮ ኢኻ
    ናይ በሓቂ መስተውዓሊ ነቓፋይ’ዶ ክብለካስ ወላ ኣራሚ ኩሉ ናትካ’ዩ ኣይ ሆፕ ኣብ ቀጻሊ ነዚ ኣንቢቦም እቶም ካልኦት ደረፍቲ ንበሎም ደሓን ክእረምሉ ማለት ከምቲ ዝበልካዮ ኩሉ ዚዛረብ ደራፋይ ኮይኑ ስለ ዘሎ

    Like

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s