ኣብ ልዕለይ ደበና ሓቂ
ዘነብኩ ዘነብኩ
ኣብ ቅድመይ ዝሓለምኩዎ ባህጊ
ቀረብኩ ቀረብኩ
ንምቕባሉ ከቢድ ሓቂ
ትጽቢቱ ነዊሕ ባህጊ፣
ንሓቂ ከመይ ክውግኖ
ንባህጊ ከመይ ከካውኖ፣
እቲ ዘይተርፍ እቲ ዘይሓልፍ
ንድቃሰይ ገይሮምኒ ጓና
ንመዓልተይ ይውዕሎ ጽሞና፣
ምስ ጨነቐኒ …!
ንባህጊ ቀቲለዮ
ኣብ ጉድጓድ ዝኽሪ ብቓንዛ ቐቢረዮ።
ሓቂ ምስ መጸ ዝኽወን እርእዮ።
ፍቕረይ የማን