ተረፍ፣ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ

መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት
ኣርታዒ፡ ሄኖክ ተስፋብሩክ
ደራሲ፡ ኣኸደር ኣሕመዲን
ቤት ማሕተም፡ ናለት
ዕለተ ሕትመት፡2014

መጽሓፍ ተረፍ፡ እንክተንብብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ነናቱ ጦብላሓታን ዝኽርን ዝገድፍ ዕዮ ዝሓቆፈት ኰይና፡ ኣስካላ ህይወት ናይ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ እና’ንጸባረኸት ተርኢ ኢያ። ነዛ መጽሓፍ ዝያዳ ተነባቢትን ተዘካሪትን ዘግብራ ድማ፡ ሓደ ደራሲ ብዝተፈላለየ ኣፈጻጽማ ቅዲታት ዛንታ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ኣካቲቱ ከቕርብ ምኽኣሉ እዩ። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ብጥምዛዜኣዊ ዛንታ (twisted end) ወይ እውን ዘደንቕ ሃንደበታዊ ዛንታ (surprise ending)፡ ትልሚ ኣልቦ (plotless story)፡ ሌላኣዊ ተመኵሮ (initiational story)ን ካልኦትን ኢዮም። [ኣስተውዕል፡ ኣብዛ መጽሓፍ ኢኒሸሽናል ስቶሪ (ሌላኣዊ ዛንታ) እኳ እንተዘይ ኣጠቓለለት “መልሲ ጐደና” እትብል ዛንትኡ ግን፡ ኣብ መጽሓፍ 12 ሓጸርቲ ዛንታታት ምውካስ ይከኣል።] ብ ቾኮቭያን ሞድ ዝፍለጥ ምስ መንፈሳዊን ስጋዊን ስምዒታትካ ብምዝራብ ዝዕየ ወይ ዝፍጠር ፈጠራዊ ዛንታ እውን ኣብዛ መጽሓፍ ተኻቲቱ ኣሎ። ብሓፈሻ ነዛ መጽሓፍ እናኸተንብብ፡ ብዙሓት ካብ ልሉያት ደረስቲ ዓለምናንን ዛንታታቶምን ከተዘኻኽረካ ትኽእል። (እዚ ውልቃዊ ትዕዝብተይ እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ብኸመይ ኣካቲትዎ ግን ቀዳማይ ክፋሉ እንሀ!)

20161026_032607

ነዛ መጽሓፍ ንዅለን ዛንታታት ንክድህስሰን’ኳ እንተዘይ ክኣልኩ፡ ናብተን ዝያዳ ዝዓጀባኒ ክድስስ ግን ክፍትን እየ። ንሎሚ ድማ በዛ ኣርእስቲ መጽሓፍ ዝዀነት ዛንታ ተረፍ ክጅምር።
ዛንታ ተረፍ በቲ ዝውቱር ዘይጽቡይ ሃንደበታዊ ኣወዳድኣ ( Surprise ending) እናተባህለ ዝግለጽ ቅዲ፡ ዝተዓየት ዛንታ ትዅን እምበር፡ ሓንቲ ካብተን እኑናት ዕዮ ናይዛ መጽሓፍ ኢያ።

ትልሚ ዛንታ ተረፍ፡ ሓንቲ ጐርዞ፡ ብሰንኪ ደሕረዋይ ውግእ፡ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ትነብረሉ ዓዲ ብጸላኢ ስለ ዝተታሓዘ፡ ንሳን ኣደኣን ድማ፡ ኣብቲ ዓዲ ስለ ዝጸንሓ፡ ከም ዝተዓመጻ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዛንታ ድማ፡ ዘገርም ሓዘኔታዊ ፍጻመ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ዅሉ ዛንታን ፍጻመን፡ በቲ ቀንዲ ጠባይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዀነ መንእሰይ እዩ ዝዝንቶ። እቲ መንእሰይ ምስ ኣሃድኡ ኣብቲ ከባቢ ብምንባሩ፡ ነታ ጓል ወትሩ ጸሓይ ክትጽሎ ብማዕዶ ዪሪኣ ስለ ዝነበረ፡ ፍቕሪ ምስኣ ስለ ዝሓደሮ ድማ፡ ከም ዘፍቕራ ክገልጸላ እሞ፡ እንተሰለጦ ከኣ፡ ነታ ብጽምዋ ተዋሒጣ ዘላ ወላዲቱ፡ ካልኣይቲ እንተዀነታ ብምባል ባህጊ ናይ ምውናን ኣሕዲሩስ፣ ክሓታ ምስ ከደ ግን፡ ከምቲ ዝበሃጋ ዘይኰነትስ፡ ተዓኒዳን ፍጹም ዘይትዛረብን ዕብስቲ ኰይና እያ ትጸንሖ።

ዋና ጠባይ፡ ካብቲ ኲናት ካብ መስዋእቲ ድሒኑ ብምውጽኡ፡ ነታ ንኽልተ ዓመታት ዝተፈለያ ወላዲቱ፡ እንታይ መሲሉን ሒዙን ከም ዝኸዳ ዝሓርበቶ እንክመስል ኣብሓሳብ ጥሒሉ እንከሎ’ዩ እቲ ዛንታ ዝፍልም። (ጥቕሲ ክጥቀም)

“እቲ ዲቕ ዝበለ መሪር ኵናት ዝግ ምስ በለ፡ ንኽልተ ዓመታት ዝተፈለዅዋ ኣደይ፡ ‘እንታይ መሲለን፡ እንታይ ሒዘን ክኣትዋ እየ?’ዝብል ሓሳብ ክትል ክብለኒ ጀመረ።” ኢሉ ንዝጀመሮ ዛንታ፡ ጌና እውን እቲ ኲናት ክቕጽል ድዩ፡ ክዛዘም ኣብ ዘይ ንጹር ኵነት ከም ዘሎ እና ኣእንፈተ፡ ናብቲ ቀንዲ ዛንታ እዩ ዘእትወና። ግን፡ እዚ ወዲ ነቲ፥ “… መሲለን ሒዘን…” ዝብል ኣዋጣሪ ሕቶ፡ እንታይ እዩ ኢልካ ንኽትመራመርን ኣብ ሓሳብ ምስኡ ከም እትጥሕልን እውን ይገብረካ ኢዩ። እቲ ‘ሒዘ?’ ዝበሎስ ገለ ነዛ ቡና ዝኸውን ገንዘብ ወይ እውን ኣስቤዛ ንገጽ ወላዲቱ ንምርኣይ ዝዀኖ ዶ ሓሲቡ ይኸውን? ትብል እሞ? እቲ “መሲለ?” ዝብሎ ከ ‘ንዓ ነቡኻ ምሰል እዚ ወደይ!’ እናበለትዶ ዀን ተሸግሮ ኰይና’ያ? እናበልካ ድማ ኣብ ካልእ ሓሳባት ከም እትሽመም እገብረካ።

ኣዘንታዊ፡ ነታ ጐርዞ ብሓንቲ ወስታ ከም ዝፈተዋን፡ ብዝያዳ’ኳ ጦፍ ሓዲሮም ንጕሆ ንጕሆ ብኣፍ-ደገ ገዛኣ ክሓልፉ እንከለዉ፡፥ ወትሩ ብምርኣይ መመሊሱ ከም ዝፈተዋን ኣብ ልቡ ከም ዝሓደረን ኣብዚ ዛንታ ይንበብ። ብሰንኪ ፍቕራ ድማ፡ ኣብ ትዕዝብቲ ሓለፍቱ ከም ዝኣተወ፣ ብሕማቕ ገምጋም ሃዳምነት ከም ዝተጠርጠረን ካብ ትዕዝብቶም ከም ዝተረደአን እውን የዘንትወልና ኢዩ። ብፍቕሪ እታ ጐርዞ፡ ኣዝዩ ከም ዝተሃስየ፡ ብውሽጡ ክምጕሳን ንበይኑ ምስ ነብሱ፡ ብዛዕብኣ ከዕልል ከም ዝጀመረን ድማ ይረአ። ንኣብነት ‘ንምንታይ ተሪፋ ንበይና ኣብዚ ዓዲ’ ኢሉ ምስ ነብሱ ክመላለስ እንከሎ፡ ምስ ደጋዊ ጽባቐኣ እናዛመደ ክገልጻ እዩ ዝስማዕ። (ጥቕሲ ክጥቀም ኢየ)

“‘እዚኣ ደኣ ግርማን ቅርስን ናይዚ ዓዲ ትዅን ኢሎም እዮም ገዲፎማ ዝዀኑ እምበር! ዓዲ ብዓዳ ነዛ ጽብቕቲ ከተትርፍ ኢላ እንተትዋጋእ’ውን መጸበቐላ። ውግእ እንታ’ዲኡ ትርጕምዶ ኣለዎ ኢዩ ካልእ? ንምንታይ ግዲ ኢና ንዋጋእ? ዶራን ሓመድ ከተኽብር ኢልካ ጥራይ ካብ ምውጋእ፡ ንኸምዚኣተን ጽቡቓት ከተትርፍን ከተኽብርን ኢልካ ምውጋእ ዝያዳ ሽም እንተ ዝወሃቦ ምሓሸ. . .'” እናበለ ምስ ሕልንኡ ዓቕሉ ክሳብ ዝጸቦ ክማጐት ይርአ። (እዚ ኵሉ ሓሳብ ዋርድያ ወጺሉ ኣብ ዝነበረ ለይቲ ኢዩ።)

እዚ ዋና ጠባይ ኣዘንታዊ፡ ብፍቕራ ኣዝዩ ከም ዝተስዓረ፡ ካብ ወትሃደራዊ ድስፕሊን ወጻኢ ሰዓታት ዋርድያኡ ኣእኺሉስ ንብጸቱ ከየተስኦም ብኣኣ ክሓስብ ብድሕሪኡ ዝነበሩ ተረኛታት ከም ዘየተስኦም እዩ ዘዘንቱ።

ኣብ መወድኣታ ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብቲ ጦፍ ወጺኦምሉ ዝሓደሩ ክምለስ እንከሎ፡ ተሓቢኡ ብምትራፍ ክሪኣን እንተ ውሓደ እውን ነዛ ገጻ ቀሪቡ ብምርኣይ ‘ገለ ድሃይ ድምጻ’ኳ እንተሰማዕኹ፥’ ብምባል ኢዩ ክተርፍ ወሲኑ። ንውሳኔኡ ከም ዘተግበሮ እውን ንዕዘብ። (ሕጂ እውን ካብ ጥቕሱ ክውከስ ኢየ)

“ከመይ ሓዲርኪ ናተይ ጽብቕቲ?” . . . በላ ኣይመለሰትሉን። ንዅሉ ኣካላታ ክጥምታ ዓቕሚ ምስ ረኸበ ከኣ እንትርፎ መናድቕ ጽባቐኣ፡ እምበር ኣካላ ከራፊሑ፡ ጸጉሪ ርእሳ ብፎሮፎር ከም ዝፋእፍአ፡ ኣጻብዕታ ብርስሓት ከም ዝተመልአ፡ ኣልባሳታ እውን ካብ ኣካላ ከይወጸ ነዊሕ ከም ዝገበረ እየ ተዓዚበ፡ ብምባል እዩ ዘዘንትወልና።

ኣዘንታዊ ዋላ እዚ ይተዓዘብ እምበር፡ ጐስዩዋ ክኸይድ ወይ ክምለስ ግን ኣይመረጸን። ዘይምምላሳ ስለ ዝገረሞ፡ ምስ ነብሱ ክካታዕ ኢና ንዕዘቦ። ‘ክዳነይን ዕጥቀይን ዶ ተፍኒግዋ እኸውን ወይስ ነቶም ድሃዮም ዘጥፍኡ ኣሕዋታን ደቂ ዓዳን ኣናፊቕዋ እዩ ዝኸውን’ ኢለ ገመትኩ። ይብለና እሞ፡ ከምዚ ክብል ድማ እስማዕ፡

“ናይ ኣደታትኪ’ባ ውሰዲ በጃኺ…! ጋሻ ተቐቢልኪ ኣይትኽእልን ዲኺ ኣቲ ድራር ዓይኒ…! ማይ በሊ ኣስትይና!” ከምዘይ መለሰትሉ ይሕብረና።
ቀጺሉ፡
“ክሳብ ክንድኡ እባ ደረቕ ልቢ ኣይሃልኺ፡… ንዓኺ ክብል እኳ’የ ካብ መስርዐይ ተሪፈ!…” ብምባል ብሰንኪ ስቕትኣ ዝነበሮ ቅልውላው ናይ ማዕዶ ቆላሕታዊ ፍቕሪ ክድሕድሓላ ብዝመስል ቃና፡ ነዛ ድምጻ ንኽሰምዕ ከዛርባ እናፈተነ፡ ብውሽጢ ዝመጸት ኣዲኣ፡

“ተረፍ እያ ‘ወ እንታይ ዝዀንካ ኢኻ ተረፈ… ዝተረፈ ትብል ዘለኻ?” እናበልኦ፡ ምስ ረኣየዮን ምስ ኣለለይኦን ግን፡
“ኣዲኻ ትደፋእልካ! ወድና ኢኻ ከኣ!” ከም ዝበልኦ የዘንትወልና።
እሞ እዚ ርህራሀ ኣደ ንተስፋን ተርባጽን እዚ ደላይ ጓለን ትምልሰሉዶ ትኸውን? ንሱኸ ተቢዑ ጓልክን ፈቴያስ ትህባኒዶ እብላ እኸውን? ወይስ ሓፊሩ እዩ ሕስይስይ ክብል? ብምባል መሊስካ ነታ ዛንታ ከተንብባ ትቕሰብ። ንሱ ጌና ከይተዛረበ ግን ድምጺ እታ ኣደ ጓል ይስማዕ፡

“ዘለና የብልናን እምበር ብርክኻ ስበር… ዝወደይ!”
ንሱ ድማ፡ ናብታ ጎርዞ እናጠመተ፡
“ቡን ተስትይና ዲኺ እሞ ንማማ ክንሰምዐን…?” ከም ዝበላ የዘንትወልና። ኣብ መንጎ ድማ፡ ነታ ካብ ልቡ ዘየግልላ ኣደኡ እናዘከረ፡ ‘ናይ ልበይ ኣፍቂረኪ፡ ናተይ ክትዀኒ፡ ብወግዒ ብኽብሪ፡ ናብ ኣደይ… ንገዛና ክወስደኪ’የ…ንስኺ ኢኺ በቃ ንስኺ ኢኺ መረስረሲተይ…’ ክብላ እንከለኹ ብኸመይ ዝምቅር ቃና ክትምልሰለይ ትኸውን…? እየ ዝሓስብ ነይረ።” ኢሉ ኣብ ሓሳብ ከም ዝኣተወ የሪኤና፡

“እህም! ኣይትሰምዓካን እያ ወደሺ! ኣይትሰምዕንያ… ኣይትምልስን እያ… መድፍዕን ሓሶትን እንታይዶ ገዲፉልና እዩ። ኣጽሚሙዋ እዩ። ካልእ እውን ኣሎ ካልእ… ልባ ኣበይ ከም ዝተሸርበኳ ኣዲኣየ… ዋይ ኣነ ጓለይ…!”
“ኣንትን ማማ እዚኣ ትመስል’ሲ… እሞ ገለ ዘይትገብራ…?”
“እንታይ እየ እሞ ክገብር ኣዴኻ?”
“ሕክምና… ዋላ ማይጨሎት ገለ ዘይትፍትናላ?
“እህም! ማይጨሎትዶ በልካ…! ኣይ ዓሚጾማ እንድዮም… እንታይዶ ገዲፎምላ እዮም… ርጉማት ዓመጽቲ…! ንዕምጽቲ ጓል ሄዋን ዝኸውን ፈውሲ እንተ’ለካ ደኣ ሓብር እምበር… ድሕሪታ ናይ ሽዓ ኣውያታ’ኳ ኣፋ ኣይተኸፍተን… ዋይ ኣነ ጓለይ፡” ምስ በለኦ ንብዓቱ ብምግታእ ንምስሊ ኣደን ጓልን ክሳብ ከለልዮ ዝጽገም ከይወሰነ ድማ ብሓይሊ ዝባኑ ሂብወን ናብ ኣሃዱኡ ከም ዘምርሐ ብምንጋር እዩ ዝዛዝማ።

ዛንታ “ተረፍ” ኣበሳ ኵናት ከቢድ ምኳኑ፡ ብምስሊ እዘን ኣደን ጓልን ንምርድኡ ይከኣል ኢዩ። ኣዘንታዊ ድማ ነዲኡ ካልኣይታ ክትዀና ዝተመነያ ጐርዞ ብዘይ ምስማሩ፡ ልቡ ከም ዝተጐዘ ንርኢ። ኣዲኡ ድማ በቲ ካልእ ህይወት ብጽምዋ ከም ዝተውሓጠት፡ ብሻቕላ ወላዳ ከመይ ከም ትህሉ ንምግማቱ፡ ካብዛ ዛንታ ንምግንዛቡ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣብዛ ዛንታ ዘሎ ቦታ ምከና ድማ ካብ ጻት ንጻት ወሰናስን ዶባት ዘለዋ ዓድታት እዚ ከምዚታት ታሪኽ ይጸልወንን ዝጸለወንን ብምኳነን ኣብ ተትፈልጦ ቦታ ነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ ኣብ ስእለ ኣእምሮኡ ክቐርጾ ኣይጽገምን።

በዚ ቅዲ እዚ ዝተዓዩ ሓጸርቲ ዛንታታት ሃገርና ዳርጋ ኵሎም ኢዮም። ይዅን እምበር ከምዛ ዛንታ መንፈስ ዘለዋ ዛንታ ግን ኣይረኸብኩን። ነዚኣ እትመስል ዛንታ ድማ፡ “ሕብእቲ መልኣኽ” ናይ ቢንያም ፍሳሃጼን ኢያ። እታ ብዓይኒ ማዕዶ ዘፍቅራ ሄዋን ምስ ራእያ ግን ስንክልቲ ዀይና ትጸንሖ።

ይቕጽል. . .

ተስፊት ኣብርሃም

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s