Posted on Nov 6, 2016Nov 7, 2016 by merebpoetry መጽሓፍ ምስ ወዳእኩ ቅድሚ ናብ ሕትመት ምስዳደይ ናብ ህቡባት ሰባት ክርእዩለይ ክሰዳ እየ። ኣብ ዳሕረዋይ ገብራ ዝሰርፍ ጽሑፍ ክጽሕፉለይ ውን ክሓቶም እየ። እቲ ህቡብ ገጣምን ክኢላ ስነ-ጽሑፍን፣ ምስቲ ዘለና ናይ ብዙሕ ዓመታት ሌላ ሓዊሱ፡ መጽሓፈይ እጹብ ድንቂ ትሕዝቶ ዘለዋን፣ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ርኡይ ዝላ ዝተራእየላን ኣብነታዊት መጽሓፍ ምዃናን ክጽሕፍ እዩ። ናይ ኣበይ ዓድን ብቛንቋ እንታይ ዝተጻሕፈን ምዃኑ እቲ ንዝልኣ መወዳደሪ ዝተጠቕመሉ እንተዘይጠቐሰ ውን ንዕዳጋ ናይታ መጽሓፍ ኣድላዪ ኮይኑ ስለዘይተሰምዖ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ንነዊሕ እዋን ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሐን ልዑል ህዝባዊ ተፈላጥነት ዘለዎን፡ ዓርከይን ቤተሰበይን፣ ካብ ገለ ናይ እንግሊዘኛ ጽሑፋት ገልቢጡ፣ “ነዛ መጽሓፍ ምንባብ ማለት ኣብ ገዛኻ ኮፍ ኢልካ እንከለኻ ንዘመናት ቅድሚቶምን ድሕሪቶምን ምርኣይ፣ ንኣህዛብ ስምዒታቶምን ጠባያቶምን ምፍታሽን ምስትምቓርን እዩ” ኢሉ ክጽሕፈላ እዩ። ካብ ትሕዝቶኣን ገለ ርድኢቱን ኣስተብህሎኡን ወይ ምስትምቓሩን ምስፋር ኣየድልዮን እዩ። ምኽንያቱ ብምኽንያት ሕጽረት ግዜ ጽቡቕ ጌሩ ኣየንበባን። ኣባይ ስለዝተኣማመን እዩ እቲ ጽሑፍ ውን ጽሒፍዎ። “ኣብ ከብሕታትኩም ዘይምህላዋ፣ ንገዛኹምን ስድራኹምን ሓደ ሃጓፍ ኣብ ሂወት እዩ” ብምባል ውን ሰብኣይ ሓፍተይ ዝብጽሓኒ በረኸትኣብ ክጽሕፍ እዩ። ናይ ስነ-ጽሑፍ ኣፍልጦ ዘይብሉ ውን እንተኾነ ግጥምታተይን ካልኦት ጽሑፋተይ፣ ስድራቤታዊ ግብኡ ንምፍጻም ብዘይምቁራጽ እዩ ዝከታተሎምን ኣብ ፈይስቡክ ሼር ዝገብሮምን። እታ መጽሓፍ ንሱ ከምዝመወላን ማሉ ከተማልሰሉ ከምዝተኣማመንን፡ ጽሒፍዎ ዝነበረ ኣብኡ ምስፋር ኣየድልዮን እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ምስጋና ኣስፊሐ ከስፍረሉ እየ። ስለዚ ነታ ጽሕፍቱ ንገበር መጽሓፈይ ብዝምችእ ጌረ ባዕለይ ከጻፍፈሉ እየ። እታ መጽሓፍ ተሓቲማ ምስ ምስ ተዘርግሐት ተስፊት ኣብርሃም ዝብሃል ዓርከይ “ኣታ ፍቕረይ ዓርከይ እታ መጽሓፍ ጽብቕቲ እንተኾይናስ ባዕላ ክትዛረብ ዘይምሓደግካያ፣ ኣብቲ ገበራ ዘሎስ ኣመና ተጋኒኑ” ኢሉ ክጽሕፈለይ እዩ ኣብ ኢመይል። ምኽንያቱ ሽዑ ኣብ ፈይስቡክ ንዝጽሕፉለይ ክምልስ ግዜ የብለይን። ንዓኡ ውን ኣይምልሰሉን እየ። እምበርከ ሕስድና እዩ ዘዛርቦ ዘሎ። ሽዑ፣ ሓደ ሰውራ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን ፍቕራዊ መንእሰይ፣ “ገበር መጽሓፍ ብሞያዊ ዶ ብፈታዊ” ዝብል ኣርእስቲ ጌሩ ከምዚ ክብል እዩ። ኣብ ገበር መጻሕፍቲ፣ ብዝተፈላለዩ ጸሓፍትን ኣሕተምትን፣ ትካላት ዝርግሐ መጻሕፍትን ጋዜጣታትን ሓጺርን ገላጽን ጽሑፍ ክሰፍር ንቡር ኮይኑ፣ ከም ኣካል ምውዕውዋዕ እናገልገለ ንዓዳጊ ወይ ነባቢ መጽሓፍ ውን ጽማቕ ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ክርዳእ ዝሕግዝ እዩ። ይኹን እምበር፣ ንምውዕዋዕ ስለዝዀነ ጥራይ ብኣጋንኖን ንትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ብዘይውክልን መልክዕ ክቐርብ፣ ናይ ስነ-ጽሑፍ ስነ-ምግባር ከምዘይፈቅድ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይሰማምዑ። ኣብ ገበር እቲ መጽሓፍ ዝጽሕፉ ሞያውያን ስነጽሑፍ ኮይኖም ነቲ ዝብልዎ ክትንትንዎን ክራትዕሉን ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ክኾኑ ውን ትጽቢት ይግበር። እንተዘይኮይኑ፣ ዝተጋነን ነቲ መጽሓፍ ዘይምጥንን ብሽም ፈታውን ቀራብን ምጽሓፍ፣ ዘይ ስነምግባራውን፣ ንነበብቲ ምትላልን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ብመንጽር እዚ ልዒልና ዝገለጽናዮ ክንርእዮም እንከለና፣ ኣብ ገበር መጻሕፍቲ ትግርኛ ዝጸሓፉ ጽሑፋት ከመይ ይመስሉ፧ ጸሓፍቶም ሞያውያን ድዮም፧ ንሞያዊ ስነ-ምግባር ተማእዚዞም ዶ ይጽሕፉ፧ ነቲ ዝጽሕፍዎ ኸ ይኣምንሉን ምስ ትሕዝቶ እቲ መጽሓፍ እናነጻጸሩ ክትንትንዎን ይኽእሉ ዶ፧ ፍቕሪ እቲ ሞያን ተምሳጥ እቲ መጽሓፍን ድዩ ዘጽሕፎም ወይስ ክጽሕፉ ስለዝተሓተቱ እዮም፧ መን ከ እዩ ጽሓፉ ዝብሎም፧ ስለምንታይ፧ ዝብሉ ሕቶታት ከልዕል እደሊ። ነዞም ሕቶታት ከልዕል ዘገደደኒ ምኽንያት፣ ኣብ ብዙሓት ገበራት መጻሕፍቲ ትግርኛ ኣዝዩ ዝተጋነን ከንብቦ እንከለኹ ዘሕፍረንን ጽሑፋት ስለዝርኢ እየ። ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን ኢለ ክሓስብ ዝግደድ። ከም ኣብነት፣ ብኣማተር መንእሰይ ጸሓፊ ዝተጻሕፈት፣ 13 እኩብ ሓጸርቲ ዛንታት ዝሓዘት መጽሓፍ፣ ኣብ ገበራ ኣብ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ሽሞም ድምቕ ዝበለ ጸሓፍትን ሰራሕቲ ፊልምን ዝጸሓፍዎ ርእየ፣ ነታ መጽሓፍ ከንብብ ተሃንጥየ ነይረ። ደሓን ይእቶ ባዕሉ እቲ ጸሓፊ ንገለ ካብቶም ሓጸርቲ ዛንታታት ኣብ ገለ ዌብሳይታትን ናይ ፈይስቡክ ገጻትን ስለዝዘርግሐ ግን ተገላጊለ። ገንዝበይ እንቋዕ ኣይከሰርኩ ኢለ ጥራይ ዘይኮነ ግን እቶም ሰባት እንታይ ወሪድዎም፧ ዶ ጽሒፎምን ሰሪሖምን እምበር ገምጊሞምን ኣስተማቒሮምን ኣይክእሉን እዮም፣ ኢለ ኣስተንኪረ። ኣብ ካልእ ብሓንቲ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ውን ብተመሳሳሊ፣ ሓደ ኣብ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ኣዝዩ ዓቢ ሽም ዘለዎ ደራስን ዳሬክተርን ዝጸሓፎ ርእየ ነይረ። ነቲ ጽሑፍ ምስ ነበብኩ ኤርትራና ዶ ሃንደበት ማክሲም ጎርክን ኒኮላይ ጎጎልን ተወሊዶምላ ኢለ ዘይሓሰብኩ ኣይኮንኩን። እዚኣቶም ከም ኣብነት ጠቒሰ እምበር፣ ብዘይካ እቶም ብኣሕተምቲ ሕድርን ሬድሲ ፕረስን ዝሕተሙ መጻፍቲ፣ ኣብ ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ካብ መጻሕፍቲ ትግርኛ ዘሎ ናይ ዳሕረዋይ ገበር ትሕዝቶ ነቶም መጻሕፍቲ ዘይምጥንን ኣዝዩ ዝተጋነን እዩ። እንታይ እዩ ግን እቲ ከምኡ ክኾኑ ዝቐሰበ፣ ኢልካ ምሕታት ከኣ ንቡር ይኸውን። ብዘይካ እቲ ንትርጉም ኣብቲ ገበር ዝጸሓፍ ዝወሃቦ ዝተዛብዐ መረዳእታ፣ ሞያውንን ንሞያኦም ክግዝኡ ዝኽእሉን ብቑዓት ሃየስቲ ዘይምህላው እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ፣ ንዕኣቶም ማእከል ገይሩ ዝሰርሕ ናይ ኣሕተምቲ ስእነት ውን ካልእ ተወሳኺ ጠንቂ እዩ። እምበር ሃየስቲ ሃልዮም ንዝተሓትመ መጽሓፍ ሞያዊ ገምጋም ሂቦም ክጽሕፍሉ ዝኽእሉ እንተዝኾኑ፣ እቶም ደረስቲ ውን ናብ ደረጃ ጎስጓስ ወሪዶም ኣብ ጸሓፈለይ ኣይምወደቑን። ይዂን እምበር፣ እቲ ምርጫ ብዓንዳ ርእሱ ናቶም ናይ ደረስቲ ደኣ’ምበር ናይ ካልእ ኣይኮነን። ከም ንቡር እውን መጽሓፍ ቀዳማይ ሕታም፣ ብገምገምቲ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኣብ ገበሩ ክሰፍረሉ ቅኑዕ ኣይከውንን። ካብ ትሕትዝቶ እቲ መጽሓፍ ቆንጪልካ ክግበር ምተኻእለ እሞ ኣብ ካልኣይ ሕታሙ እቶም ዘንበብዎ ሰባት ዝህብዎ ሞያዊ ገምጋም ምሰፈረሉ። ፍቕረይ የማን ካብ ሰውራ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ! Share this:ShareTweetWhatsAppLike this:Like Loading... Related