ንቕሎ፣ ንምብታኽ ክሳድ፣ ሓላዊ’ታ ወርቃዊት ገረብ(2)

 

ክርስትያንሳንድ ህዝባዊ ቤት ንባብ፣ ክንድቲ ኣብ ሳዋ ብርጌድ ምሉእ ንመበሉ ሃንገር ኮይኑ፣ ኣብ ስለስተ ደርቢ ንጡፍ ኣገልግሎት ይህብ ። ብዘይካቲ ተገልገልቲ ዘይድይብዎ ራብዓይ ደርብን ከም መኽዘን ካልእ ንጥፈታት ቤት ንባብን ዘገልግል ትሕቲ መሬት ዘሎ ኣደራሽን ማለተይ እየ። እቲ ቤት ንባብ፣ ንዂሎም ደረጃታት ዕድመ ዘለዉ ሰባት በብናቶም መጻሕፍትን ቦታን ቀሪቡ የእንግድ። ንምንባብ፣ ምጽሓፍ ወይ ምጽናዕ ጥራይ ዘይኮነ ግን፣ ኮፍ ኢልካ ንምዕራፍ፣ ምዕላል፣ ምሕማይ፣ ምድዋር እውን የገልግል እዩ። ዝበዝሐ እዋን ነቲ ናይ መወዳእታ ጠቒሰዮ ዘለኹ ክገብር እየ ዝኸዶ። ትማሊ ግን ንመጽሓፍ «ሓላዊ’ታ ወርቃዊት ገረብ ዘፍጥረት ውልቀ መላኺ» ሒዘ ነቲ ከንብቦ ዝቕነኹ ዳግማይ ክኽልሶ እየ ከይደ ነይረ። በቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝቐነየን ብመልእኽቲ ዝመጸንን ዕምቡረታት ከይጽሎ እሞ መንፈስ ስነ ጽሑፍ ኣጥፊኤ ብስምዒት ከይርእያ ብምባል እየ ከምኡ ዝገብርኩ።

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጠቕሰ፣ ጸገማት ግቡእ ኣቀማምጣን ኣብ ክህሉ ዝግብኦ ቦታ ጠቕሊልካ ዘይምህላውን ስርዓተ ነጥቢ፣ ኣብ ዝገንጸልኩዎ ገጽ ተደጋጊሙ ዘጓንፈኒ ግድፈት ፊደላትን ተጸሚመ እየ ንባበይ ዝቕጽል። ብኣሕተምቲ እንተዝሕተም ወይ ሞያውያን ኤዲተራት እንተዝሓልፍዎ እኮ ከምዚ ኣይምዀነን ኢለ ካብ ምሕሳብ ግን ዓዲ ኣይወዓልኩን።

ኣብ ሓያለ ከይድታት እቲ መጽሓፍ፣ ንነባቢ፣ ፍርዲ ክህብ፣ ስምዒቱ ከንጸባርቕ፣ ናጽነቱ ክጥቀም ዘይፈቅድ፣ ብስምዒትን ድሌትን ጸሓፊ ጥራይ ክትቅበሎ ዘገድድ ተርእዮታት ኣነጋግራ ዛንታ የጓንፍ። እዚ ከኣ፣ ጠባያት ባዕሎም ከይግለጹ ወይ በቲ ክነግረሎም ዝግባእ ነጋሪ ዛንታ ከይዝንተዉ ብምትእትታው ደራሲ እናተዓብለሉ ከምዝምእዘኑ ብምግባር ይካወን።

20161029_0133441

እቲ ጸሓፊ ኣብ ምህናጽን ምምዕባልን ገጸ ባህርያት ኣየናይ መንጽረ ዛንታ ተጠቒሙ ምህላዉ ንባዕሉ ውን ዝዝክሮ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ከም ውጽኢቱ ንባዕለይ ኣበየናይ መንጽር ተቐሚጠ ከንብብ ኣለኒ ኣመና እሽገር። ንገሊኦም ጠባያት፣ ኣብ ፍጻሜታትን ተግባራቶምን ተመርኲሰ፣ ማሕበራውን ስነ ኣእምሮኣውን ኣቃውማኦም ከለሊ እንከለኹ፣ ንኻልኦት፣ ጸሓፊ ሃንደበት ምጽእ ኢሉ፣ ስለዘቐምጠለይ ብምንታይ ለኪዐ ነቲ ዝብለኒ ዘሎ ከምዝቕበሎ እጽገም። ‘ከይፈተኻ እመን፣ እነግረካ እንድየ ዘለኹ፣ እንታይ ጭብጢ ደሊኻሉ’ ኢሉ ዝምጉተኒ ዘሎ ኮይኑ ከኣ እስመዓኒ። ባዕለይ ሕማቕን ጽቡቕን ኢለ ከይፈርድ ውን ይኽልክለኒ።

ንምንጽጻር፣ ካልኣይን ሳልሳይን ምዕራፋት እቲ መጽሓፍ ተማሲሖም ዘለዉ፣ ወራስን ዮናስን ክርኢ እንከለኹ፣ ደራሲ ነቲ ኣብ ወራሲ ዝተጠቕመሉ ሳልሳይ ኣካል ኣብ ዮናስ ዳርጋ ዝረስዖ ኮይኑ እሰመዓኒ። ከም ውጽኢቱ፣ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ብናቱ መግለጺታት’ዩ ምስ ዮናስን ኣመዓባብላኡን ወሲዱኒ። ብዘይዝዀነ ፍጻመን ተግባርን፣ ዮናስ ለባምን ኣስፊሑ ዝሓስብን ምዃኑ ከምዚ ብምባል ብቓላት ደራሲ ይፋለጦ።

«ካብ ርሑቕ ዘይፍራሕ፣ ሰብ ክዛረቦ ዝቐለሉ ጥዑም ሰብ። ፍቱው ተጋዳላይ። ገዘፍቲ ጫፋት መሓውርን ጥብቆታት ርእስን፣ ገዚፍ መልሓስን ጥራሕ ዘይኮነስ ገዚፍ ልቢ ነበሮ።» ይብሎ። ኣብ ከይዲ እቲ ሳልሳይ ኣካል ኣዘንታዊ እቲ « ገዚፍ ልቢ ውን ነበሮ» ዝብል ፈጺሙ ምኽኑይ ቦታ የብሉን። ድቦላ እዩ ዝመጽእ፣ ብግቡእ ከይማዕበለን ኮፍ ዝበለ ብህሎ እዩ። ገዚፍ ልቢ ክነብሮን ከይነብሮን ከርእየኒ እምበር ከነግረኒ ዋሕዚ እቲ ዛንታ ኣይፈቕደሉን እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሕጡበ-ጽሑፍ ብዛዕባ ዮናስ፣ « መፈጠሩ ካብ ሓደ ብደረጃ ኤርትራ ኣዝዩ ምሁርን ስልጡንን ከኒሻዊ ቤተ-ሰብ እዩ» ይውስኽ። ከኒሻዊ ቤተ-ሰብ ከመይ ኣቢሉ ካብቲ ካልእ ሕብረተ-ሰብ ዝሰልጠነ ከምዝዀነ ግን ኣየርእን ወይ ኣይነግርን። ከምሳዕቤኑ ንተኣማንነቱ ኣብ ሰናይ ድሌተይ ወይ ንዝበለኒ ከይፈተኹ ብምቕባል ክገብሮ ይፍትን ኣሎ። ኣብዚ ከኣ ‘ነቲ ዝብለካ ጥራይ እመን’ ዝብለኒ ዘሎ ኮይኑ እስመዓኒ ዝበልኩዎ ደጊሙ ይስኸኒ። የስዕብ፣ «ቤተ-ሰቡ፣ ብዓንተብኡ ካብ ብዙሕ ባህልን ልምድን እምነትን ሕብረተ-ሰብናን ደረታቱን በጢሱ ዝወጸ ማሕበራዊ ሽፍታ’ዩ» ይውስኽ። ጸሓፊ፣ ልቢ-ወለድ ምዃኑ ረሲዑ ናብ ኣዝዩ ውልቃዊ ዛንታ ቀይሩ፣ ካብ ኣዘንታዊ ኣካል ጠቕሊሉ ርሒቑ፣ ናብ ኣነ፣ ንሕና ወሲዱኒ። «ሕብረተ-ሰብና» ክብል እንከሎ ንነብሱ ኣብቲ ልቢ ወለድ ኣእትዩ ምዝራብ ጀሚሩ። ዝያዳ ሕንፍሽፍሽ ፈጢሩለይ። ብዛዕባ’ቲ፣ ንሕብረተ-ሰብ ጠቒሱ ዝሃቦ ፍርድን መደምታን ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ብኻልእ ኲርናዕ ከልዕሎ እየ።

  ናብ ዮናስ መሊሱኒ። በቲ ኣዘንታዊ ኣካል ዘይኮነ ብቓላት ደራሲ ባዕሉ። ምስ ምጭቋን ዮናስ ክብሪ ነባቢ ዝሰኣንኩ ኮይኑ ውን ክስመዓኒ ጀሚሩ። ንዮናስ ኣብ እዋን ትምህርቱ በቲ ፈሊጠ ኩሉ(ሳልሳይ ኣካል ነጋሪ ዛንታ) ኣቢለ ክከታተሎ ጸኒሐ፣ ትምህርቱ ከምዘቋረጸ እኳ ፈሊጠ። እንታይ ደኣ ኮይኑ ኢለ እናሓሰብኩ ሃንደበት ጸሓፊ መጺኡ፣ « ከመይ ዝኣመሰለ ጋኔን’ዩ ሰሪርዎ፧ ኩሉ’ቲ ክሳብ ሽዑ ዝነብሮን ዝተማህሮን ሓንቲ ድሕሪ ሓንቲ ሰበሮ። ወዲ መምህር ሸፊቱ ካን ዓቢዱ ዓለም ተገምጠለቶ። ኩሉ’ቲ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ዘምለጠ ብሓንቲ ኣፍታ ክገብሮ ደለየ። ካብቲ ዝፈልጦን ዝለመዶን ፈሊሉን ገበናዊ ስምዒት ኣሳቕይዎን ንኽልተ ዓመታት ኣብ ጓህሪ ብሕታዊ ገሃነም ተሳቐየ።» ብምባል ይፈርዶ። ንዓይ ከም ነባቢ ከኣ ከነግረኒ ደኣ እምበር፣ በቲ ነጋሪ ዛንታ ኣቢሉ፣ ከም ዝዓበደ፣ ዓለም ከምዝተገምጠለቶ፣ ገበናዊ ስምዒት ከምዝሓደሮ፣ ብጽምዋ ከምዝተሳቐየ ከርእየኒ ኣይከኣለን። ኣብ ዋሕዚ እቲ ዛንታ እዚ ልዒለ ዝገልጸኩዎ ርኡይ ምትእትታው ጸሓፊ እዩ።

ምስ ደራሲ ክማጎትን ውራይ ንባበይ ክገብርን እዋን ከይዱ። ቤት ንባብ ዝዕጸወሉ ሰዓት ውን ኣኺሉ ነበረ እሞ ንገዛይ ነቐልኩ። ኣብ መንገደይ ድማ፣ ድሕሪ ደጊም ብዛዕባ ኣብ ቴክኒካዊ ኣገባባትን ሰዋስውን ንዘጋጥሙኒ ጸገማት እዛ መጽሓፍ፣ ኣብ ሓያለ ካብ ምዕራፋታ ተደጋጊሞም ዘለዉ ብምዃኖም፣ ከም ውሁባት ክወስዶም እሞ፣ ጸኒሐ ኣብቲ ፍስፍናዊ ሸነኹ ከመይ ከርትዖ ፈቲኑ፡ ንታሪኽ ከ ብናጻ ዓይኒ ዶ ወገን ሒዙ ርእይዎ፣ ካብ ስምዒት ሓራ ዶ ነይሩ፣ ንሕብረተ-ሰብ ዝልክዓሉ መምዘንን ዝህቦ ፍርድን ኣብ ምንታይ ይምርኮስ ዝብሉ ኣቓልቦይ ዝሰሓቡ ነጥብታት ከተኲር ወሰንኩ።

ይቕጽል

One thought on “ንቕሎ፣ ንምብታኽ ክሳድ፣ ሓላዊ’ታ ወርቃዊት ገረብ(2)

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s