ዝኽሪ ሃገግታኺ

ምስ ተፋነኽኒ፣

ቁሩብ ንኸዕርፍ መንፈሰይ ከህድእ

እናሻዕ ዝግንፍል ባህታ ውነይ ከርግእ

ርስዕ! ከብለኪ ካብ ዝኽሪ ክሕባእ፣

 

ማይ ጨው ካብ ባሕሪ

ሓቒቕ ፈለግ ዝጎርፍ ዝዛሪ፣

ብሳሙና ብሽብጢ፣ ብሑጻ ብስልኪ

ፋሕፊሐ ለቓሊቐ፣ ጸላልየ ኣንቂጸ፣

ጨና ኣዳም ዕጣን

ካብ ፍረታት ለሚን

ካብ ፓሪስ ጨና ፈረንጂ

ብልቃጥ ዕጣን ከርበ

ካብ ቻይና ካብ ህንዲ

                  ተለኽየዮ።

 

ገደደኒ ደኣ ‘ፍንጫይ ተሰርሰረ

ኣብኡ ተሓቢኡ ሽታኺ ዓመረ

ደቅስ ዝበልኩዎ ብጽምኢ ነድረ

ምሸትና ክደግም ጎፍታኺ ሃረረ፣

 

ኣብ መንገዲ ኣርብዓ

 ኣብ መጸበይ ባቡራት

ኣብ ዕሙር ዕዳጋ

ኣብ ለይታዊ ትልሂታት

ክደልየክስ ውዒለ ሓዲረ

እንተፈተኺ ንደግሞ

እንተዘይኮነ ክነግረኪ

ናይታ ምሸት ዝኽረ’።

20160717_163521

ፍቕረይ የማን

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s