ምስ ተፋነኽኒ፣
ቁሩብ ንኸዕርፍ መንፈሰይ ከህድእ
እናሻዕ ዝግንፍል ባህታ ውነይ ከርግእ
ርስዕ! ከብለኪ ካብ ዝኽሪ ክሕባእ፣
ማይ ጨው ካብ ባሕሪ
ሓቒቕ ፈለግ ዝጎርፍ ዝዛሪ፣
ብሳሙና ብሽብጢ፣ ብሑጻ ብስልኪ
ፋሕፊሐ ለቓሊቐ፣ ጸላልየ ኣንቂጸ፣
ጨና ኣዳም ዕጣን
ካብ ፍረታት ለሚን
ካብ ፓሪስ ጨና ፈረንጂ
ብልቃጥ ዕጣን ከርበ
ካብ ቻይና ካብ ህንዲ
ተለኽየዮ።
ገደደኒ ደኣ ‘ፍንጫይ ተሰርሰረ
ኣብኡ ተሓቢኡ ሽታኺ ዓመረ
ደቅስ ዝበልኩዎ ብጽምኢ ነድረ
ምሸትና ክደግም ጎፍታኺ ሃረረ፣