Posted on Oct 28, 2016Nov 13, 2016 by merebpoetry እቲ መጽሓፍ ካብ ጀርመናዊት ከተማ ነቒሉ ኣብዛ ዝቕመጠላ ከተማ በጺሑ ከምዘሎ ዝሕብር ቆጽሊ ወረቐት፣ ኣብ ሳጹን ቡስጣይ ምስ ጸንሓኒ፣ ከምቲ ኩሉግዜ ዝገብሮ ‘ናበይ ክኸደኒ’ሉ ቀስ ኢለ አምጻኦ’ ኣይበልኩን። ገዛ ከይኣተኹ ናብቲ ዝተላእከኒ ንብረት ዘምጽኣሉ ድኳን ኮይኑ ኣገልግሎት ቡስጣ ከኣ ዝህብ ድኳን ኣቕኒዐ። ምኽንያቱ ዘይርደኣኒ ታህዋኽ ‘ውን ነይሩኒ። ቀንጠ-መንጢ ዓዲገ፣ እቲ መጽሓፍ ዘዕቆበ ቡስጣ ‘ውን ተቐበልኩ። ነቲ ቡስጣ ገላቢጠ ብዝረኣዂዎ ኣብ ኖርወይ ምስ በጽሐ ከፊቶም ፈቲሸሞ ምንባሮም ተረድኣኒ። ‘ወይዞም ርጒማት ስደተኛ ምዃነይ ካብ ሽመይ ተረዲኦም እኳ’ዮም ሓሽሽ ከይህልዎ ፈቲሸሞ’ ኣቚረምረምኩ ንበይነይ። ገዛ ኣትየ፣ ተቐላጢፈ ተመጊበ። ድሕሪ’ዚ እየ ነቲ ቡስጣ ከፊተ፣ እቲ መጽሓፍ ክድህስሶ ዝበቓዕኩ። ገበሩ ደስ ስለዝበለኒ፣ ገላቢጠን ደጋጊመን ዳህሰስኲዎ። ከምቲ ልማደይ ከኣ ‘ኣብ ገብሩ እንታይ ኣስፊሩ ይኸውን’ ኢለ ክነብብ ጀመርኩ። ኣቐዲመ ዝፈልጦም ኣስማት፣ ቁሩብ ኣጋንኖ ዝተሓወሶ መሲሉ ዝተስምዓኒ ከምዝጸሓፉ ረኣኹ፣ ሓደ መንእሰይ ኮይኑ ዝተሰምዓኒ ድምጺ፣ ምስ ኣቦኡ ብምትሕሓዝ፣ ሓጠቕ ዝበለንን ዝፈተዂዎን ምሉእ ሓሳብ ከምዝጸሓፈ ነበብኩ። ካልእ ራብዓይ ሰብ፣ ከምቶምን ዝፈልጦምን ዝጸልኦምን ደጋጊመ ኣብቶም ኣስመራውያን መጻሕፍቲ ዝነብብኲዎምን ወደሳ፣ ኣብ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ ኣዕቊብዋ ምህላዉ ድሕሪ ንባበይ ዝፈጠረለይ ስምዒት እዩ ነጊሩኒ። ነቲ መጽሓፍ ደጋጊመ ብግዳሙ ገላበጥኲዎ። ውሽጢ ቅድሚ ምእታወይ ሓደ ብላዕሊ ክሪኦ ዝደለኹ ነጥቢ ኔሩ። ኰነ ድማ፣ እቲ ኣብ ብዙሓት መጻሕፍቲ ዓለምና ኣብ ዳሕረዋይ ገበሮም፣ ንኻልኦት ከኣ ኣብ ካልኣይ ወይ ራብዓይ ገጻቶም ክቕመጥ ዘለዎ ISBN ዝብሃል፣ ከም ሕጋዊ መጽሓፍ ዘፍልጦን መለለያኡን ዝዀነ ቁጽሪ (ምልክት) ከምዘይብሉ ፈለጥኩ። ተስፋ ከይቆረጽኩ፣ ናብቶም ክጸንሓኒ ይኽእል እዩ ዝብሎም ገጻት በጻሕኩ። ኣብኡ ‘ውን ኣይጸንሓንን። ኣብ ክንዳኡስ፣ እቲ ብዘይካኡ ትርጒም ክህልዎ ዘይክእል መጠንቀቕታ ደራሲ ንዘይሕጋዊ ምብዛሕን መሸጣን እየ ነቢበ። ዘይመስልን ዘይስማዕን መጠንቀቕታ እዩ ኢለ ከኣ ሓለፍኩ። ሕጂ ውን ከምቲ ልማደይ መወዳእታ ገጽ ረኣኹ። 568 ዝብል ቁጽሪ ድማ ነበብኩ። ብዝሒ ገጻት እቲ መጽሓፍ ምዃኑ እዩ። ንፈለማየይ እየ፣ ድሕሪ መጽሓፍ ቅዱስን እቶም ንትምህርታዊ ዕላማ ዝጥቀመሎም መጻሕፍትን፣ ክንድዚ ዝብዝሑ ገጻት ዘለዎ መጽሓፍ ክነቦ ኢለ ክሕዞ። ከምቶም ቀዲመ ዝነበኩዎም መጻሕፍቲ ምዕቡል ስርዓተ ጽሕፈት ከምዘይብሉ፣ ኣዒንተይ መስኪረን። ብተራ word ከምዝተጻሕፈ ካብ ኣቃውማ ፊደላቱን ምጭቕጫቖምን ክርዳእ ኣየሸገረንን። ክንድዚ ዝኸውን መጽሓፍ ሲ፣ ኣቖረምረምኩ። ሓሓሊፈ፣ ፈፍርቅን ኣብ ገሊኡ ከኣ ምሉእን ገጻት ነበብኩ። እዚ ውን ሓድሽ መጽሓፍ ኣብ ዝሕዘሉ ዘዘውትሮ ልማደይ እዩ። ከንብቦ ከምዘይስልችወኒ ድሮ ተኣማመንኩ። 568 ገጻት ዘለዎ መጽሓፍ እየ ከንብብ። ወኒ የድልየኒ እዩ። 45% ኣልኮል ዝዓቐኑ ሓደ ሊትሮ ቮድካ ከፈትኩ፣ ክልተ ድልዱልን ጥዑምን መተርኣስ ድማ ካብ ዓራት ናብ ሳሎን ኣምጻእኩ። ጀመርኩ። ትሽዓተ ገጻት ሒዙ ዘሎ መቕድም እቲ መጽሓፍ ኣብ ዝተፈላለየን ብዝተፈላለየን ኣጋጣሚ፣ ድሮ ካብ ጸሓፊ እቲ መጽሓፍ ሰሚዐዮን ነቢበዮን ምንባረይ ከክጅምሮ እንከለኹ ተረድኣኒ። ተጸሚመ ግን ነበብኲዎ። ጽሙቕ ኢሉን ቅርጡው ኮይኑን ካብ ክልተ-ሰልስተ ገጻት ዘይሓልፍ ምንባሩ ምስ ነብሰይ ተሰማማዕኩ። ገሊኡ ወይ እውን እቲ ዝበዝሕ ትሕዝቶ እቲ መቕድም፣ ኣብ ውሽጢ ዝርዝር ናይቲ መጽሓፍ ዝመጽእ ምዃኑ ስለዝተረድኣኒ ‘ውን፣ ንምንታይ ኣብዚ ክኸውን ኣድለየ በልኩ። ጸሓፊ እቲ መጽሓፍ፣ ‘ከምዚ ጌርኲም ንበቡለይን ተረድኡለይን’ ዝብል ዘሎ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ናጽነት ንባበይን ናይ ምርዳእን ምምዝዛንን ብቓዓተይ ከምዝገሃሰ ገይረ ውን ኰረኹ። ኣቐዲሙ፣ ኣብ ክልተ ሕታማት እቲ መጽሓፍ ዝወጸ፣ ምስዚ ናይ ሕጂ ሳልሳይ ሕታም ተደሚሩ ስለስተ ዓይነት መቕድም፣ ንምንታይ በበይኑ ኮይኑ ኣብዛ ሳልሰይቲ ሕታም ቀሪቡ ኣሎ ግን፣ ክሳብ ሕጂ ክግምቶ ዘይከኣልኩ እዩ። ኣብ ሓደ መጽሓፍ ሰለስተ መቕድም። ቀዳማይ ምዕራፍ፣ 12 ገጻቱ መሊኡ ዘሎ ምዕራፍ እዩ። ምስ ሓንቲ ስድራ፣ ካብኡ ናብኡ ከኣ ምስ ሓደ ሚናብ ዝሽሙ ደመ-ውዑይ ቆልዓ የላሊ። ጥዑምን ተነባብን ዛንታ እኳ እንተዀነ፣ ሓደ ቆልዓን ባህርያቱን ንምልላይ 12 ገጻት ምንባብ ግና ንዓይሲ ኣይማእማኣንን። ኣብዛ ምዕራፍ ካልእ ዘይፈተዂዎ ወይ ዝዀርኳሓኒ እንተነበረ፣ ሓሓሊፉ ዘጋጥመጠመኒ፣ ጌጋ ወይ ፈጺሙ ዘየለ ስርዓተ ነጥብን ግድፈት ፊደላትን እዩ። 568 ገጻት ዘስፈረ መጽሓፍ፣ ኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጌጋታት ክህልውዎ ክብሩ ዘቐንስ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ከኣ ብምዃኑ። ሞያውያን ዘይሓለፍዎ ዶ ደኣ ኮይኑ’ዩ ኢለ ውን ሓሰብኩ። ካልእ ኣብዛ ምዕራፍ ሰገጥ ዘበለኒ ነጥቢ፣ ድምጽን ቃናን እቶም ገጸ-ባህርያት እዩ። ደራሲ ብሓሳቡን ድምጹን ድዩ ዘዛርቦም ዘሎ ወይስ እዞም ሰባት ካድራትን ንኽዋስኡ ዝተዓለሙን እዮም፣ ኢለ ክሓስብ ተገዲደ እየ። እቲ ቀዲመ ዝነበብኩዎ ድሕረ-ባይታኦም፣ ናይ 50-70ታት ናይዚ ዝሓለፈ መዋእል ዝነብሩ ዝነብሩ ስድራቤታት ሕብረተሰብ ኤርትራ እዮም። ኣብ መንጎ፣ ብቢንያም ፍስሓጽዮን ዝብሃል ጸሓፊ ዝተጻሕፉ፣ ኣብ 2004-2006 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝነቦም ዝነበርኩ ዛንታታት ትዝ በሉኒ። እቲ መንእሰይ፣ ኣብ ርእሱ ተፈጢሮም ኣብኡ ዝቕመጡ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይነበሩ ገጸ-ባህርያት የቕርበልና ምንባሩ ዘከርኩ። ነቶም ዛንታታት ምስ ነበብኩ ኣብ ጎደናታትን ቤት ሻሂታትን ኣስመራ ከምኦም ዓይነት ሰባት ክረክብ ኮለል ዝበልኩዎ ውን ዝክር ኣቢለዮ ሰሓቕኩ። 568 ገጻት ዘለዎ መጽሓፍ ብኸምዚ መልክዕ ተጻሒፉ ከይከውን እናሰጋእኩ 2ይ ምዕራፍ ገንጸልኩ። ድሮ በዞም ልዕሊ ዝገለጽኩዎም ኣበራት ወነይ ጎዲሉ ብምንባሩን ንጽባሒቱ ዓርቢ ንጉሆ ክግስግስ ምዃነይ ምስ ዘከርኩን ግዳ፣ ነቲ መጽሓፍ ዓጸፍክዎ። ጥርሙዝ ቮድካይ ውን ኣስጢመ ብምዕጻው ኣብ ፍርጅ ኣቐመጥኩዎ። ተገምሰስኩ። ይቕጽል ፍቕረይ የማን Share this:ShareTweetWhatsAppLike this:Like Loading... Related
ናይ ሕማመይ ኣብዚ ከምዚ ግልጽነት ደኣ፣ ተሕምመኒ እንዲኻ!::
LikeLike
Can anyone tell me how and where I can get this book?
LikeLike