ተረፍ፣ ነጸብራቕ ጽበት “ወደ’ስመራ”

ኣብ መቕድማ «ስነ-ጽሑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዕደመን ደረጃን ንዝርከቡ ሰባት ውሽጦምን ደጊኦምን ቀሊዑ ብምርኣይ ንኽንስሑ፡ ክማጐቱ፡ ከስተንትኑን ንሂወት ክጽንብሉን ወዘተ፡ ይድርኾም። ብዛዕባ መንፈሳውን ነገራውን ባህግታቶም ብሓያል ስውጠት ክፍትሹን ክመራመሩን፣ ንድነታት ድንቁርና ከባህርሩ፣ ምእንቲ ሓድሽ ኩርናዕን ኣንፈትን ህይወት ክጥምቱ ሓይልን ብልሓትን ይፈጥር ወዘተ።

 ብሓፈሻ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ሕብረተ-ሰባዊ ለውጢ ዘለዎ ግደ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ክኢላታት ኣጽናዕትን ሓሰብትን ብዙሕ ተንቲኖሙሉ እዮም። ከምዘለዎ ኣድላዪ ኰይኑ ከኣ ይስመዓኒ።» ዝብል ኣስፊራ ትርከብ። 11 እኩብ ሓጸርቲ ዛንታታት ሓቚፋ ዘላ መጽሓፍ «ተረፍ» ብኣኸድር ኣሕመዲን።

ጽባቐ ኣጸሓሕፈኣ፣ ምስ ተገንጸለት ኣይዕጸፍን ኢላ እትሕዝ፣ ጥራይ ኣይኮነትን። ዝኽሪ ቁልዕነት፣ ስምዒት ኲትትና፣ ሕልምን ህንጡይነትን ንዝተፈላለየ ተረኽቦታት፣ ተስፋን ንዕኡ ዘሰኒ ሓቦን ጻዕርን፣ ቅንእን ንሱ ዝፈጠሮ ነብሰ ምጒትን፣ ኲናትን ሳዕቤናቱን ወዘተ፣ ኣካቲታ ኩሎም ስምዒታት እናተሰምዑዃን ብተመኲሮኦም ነብስኻ ትኾኖ እናተራእየካን እትንበብ መጽሓፍ እያ። ንተነባብነታ ዝምልከት፣ ሳንድያጎ ኣብ ገበራ «ገለ ካብዘን ዛንታታት ከም ግጥሚ ደጋጊምካ ንከተንብበን ይድርኻኻ’ሞ፣ እንደገና ሓድሽ ሓሳብን ዓሚቚ ትርጒምን ትርጒምን ትረኽበለን» ዝበሎ ብልክዕ ዝገልጻ ‘መስለኒ።

ይዂን እምበር፣ ኣብቲ ከም መጽሓፍ ሓቚፋቶ ዘላ ፍልስፍናን ጽሙቚ ኣቢላ ንሕብረተ-ሰብ እተርእየለኡን እትርእየሉን መዳይ ግና፣ ዘይከምቲ ኣብ መቕድም ደራሲኣ ዝበሎ፣ ድነ ድንቊርና ጋሊሃ እተብርህን ድርኺት ለውጢ እተምጽእን ዘይኮነት፣ ንጸቢብነት ልዑል ክብሪ ሂባ፣ ንሕብረተ-ሰብ ናብ ቀውሲ ርእሰ-ምትሓትን ምስሉይነትን እትወስድ፣ ኣብ ክልተ ገሚዓ ምዕቡል ድሑርን ኢላ እተርኢ፡ ብኡ መንጽር ድማ እቲ ድሑር እንታይነቱ ገዲፉ ነቲ ምዕቡል ዝብሃል ከምልኽን ክምለኽን እትጒስጒስ፣ ክብርታት እቲ እትገልጾ ሕብረተ-ሰብ ብግጒይን ዘይብስሉን ሚዛን እትዕይር፣ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ክብለጹ ንዝደልዩ ባእታታት ምቹእ ባይታ እተንጽፍ መጽሓፍ እያ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ነቲ ምዕቡል ኢላ እትገልጾ ክፋል ውን እዂል ኣፍልጦ ዘይብላ፣ ተገንዝቦ ሕብረተ ሰብ ዝወሓዳ፣ ኣብ ውሽጢ ጸባብ ከተማ እናዕነይነየት፣ ጸቢብነት ኣስማሪኖን ንሃገር ምልእቲ ከመይ ብጸቢብ ዓይኑ ይርእያን ብጸቢብ ርእሱ ይመዝናን፡ ክብሕታ ይደልን እተርኢ፡ ብምቁር መርዚ ክስመ ዝኽእል ፍልስፍና ዘለዎ ትሕዝቶ ዝሓቖፈት መጽሓፍ።

 ዓሰርተ ሓደ ዛንታታትን ሀ ሁ ……… ኢሉ ዝጅምር ሕሉፍ ሂወት ጸሓፊ ዘስተንትን መእተዊ እታ መጽሓፍን፣ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ኤርትራ ይጀምሩ፣ ብዝኾነ ደረጃ ማሕበራዊ ኣነባብራን ኣተሓሳስባን ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ይንቀሉ፣ ምልእትን ጽባቐን ክህልዎም እንተኾይኑ፣ ናብ ኣስመራ ክኣትዉ ወይ ወደ’ስመራ ክሕወሶምን ከማእዝኖምን፣ እንተዘይኮይኑ ምስ ኣስመራን ሂወት ኣስመራን ዘራኽቦም ሰንሰለት ከምዝህሉን ኮይኖም እዮም ተሰሪሖም። ብውሕሉል ኣጸሓሕፋ ፣ ንነባቢ ተምሳጥ ኣስመራን ኣስማሪኖን ከምዘሕድር ይገብርዎ። ብውስጠዘኣዊ ኣዘራርባ ድማ፣ ነቲ ምስ ኣስመራን ኣስማሪኖን ቅርበት ዘይብሉ ሰብ ምልኣት ዘይብሉ ጌራ ትሑት ሚዛን ትህቦ።

20161026_032607

«ዝፈለሰ ፍቕሪ» እትብል ዛንታ ምስ እንምልከት ንኣብነት፣ ክልተ ናይ ብዙሕ ዓመታት ኣዕሩኽን መተዓብይትን ደቀ’ስመራ፣ ኣብ ተሰነይ ተራኺቦም፡ ሓደ ነቲ ካልእ ተረኽቦኡ እናዕለሎ ትስራሕ ዛንታ እያ። ዘዕልሉ ቦታ ኣብ ሓንቲ ካብ እንዳ ስዋታት ናይ ሕለት-ኲናማ ተሰነይ ኮይኑ፣ ንውሽጣዊ ኣቃውማ እታ እንዳ ስዋ ክገልጾ እንከሎ «እታ ገዛ ነቶም ሰባት ኣውጺእካ ብዕርቃና እንተትርአ፣ እንዳ መንን እንዳምንታይን ምዃና ክግምት እቃለስ’የ ኔረ። ነታ እትቕዳሕ ዝነበረት ቡን ዝዓጀበ ዕጣን፣ ምስ ትኪ ሽጋራ ተሳንዩ ንብርሃን ናይቲ ገዛ በሪዝዎ እኳ እንተነበረ፣ ‘ሰብ ጠፊኣትኒ’ ዝብል ስእሊ ድምጻዊ ዘለዎ ፖስተር ተጠቂዑ ረኣኹ። ብፍላጥ ድዩ ብገርሂ፣ ‘ረስዓኒ’ ትብል ድምጻዊት ሄለን ድማ ኣብ ፊቱ ተጠቂዓ ነበረት ትርአ ነበረት።» ይብል። ኣብዛ ጽሕፍቲ፣ እቲ ወደ’ስመራ ኣብ ተሰነይ እሞ ከኣ ኣብ ሕለት-ኲናማ ንስነ-ጥበብ ከስተማቕርን ክርዳእን ዝኽእል፣ ብኡ መንጽር ከኣ ነቶም ተመስጦ ከሕድሩ ዝኽእሉ ብስሩዕ ኣገባብ ከቕምጦም ዓቕሚ ዘለዎ  «ምዕቡል» ሰብ ክህሉ ይኽእል ኢሉ ክሓስብ ከምዘይደለየ ወይ ፈጺሙ የለን ኢሉ ከምዝኣምን ንርኢ። ምኽንያቱ፣ ነተን ክልተ ፖስተራት በቲ ልክዕ ትርጒመን ተረዲኡ ወይ ኣመዛዚኑ በቲ ተምሳጥ ዝፈጥራሉ መንገዲ ተሰቒለን ምርኣዩ፣ «ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ» ብምባል፣ ናብ ምጒት እዩ ኣትዩ።

በቲ ምስ ምብራቕ፣ እታ ኣብ ሰንከትክናብ ኣብ ሓደ ኣግነት ቡን ኣፍሊሓ እናሸጠት እትናበር ምልኣት ጽባቐን ብስለትን ዘለዋ ጎርዞ ዝገበሮ ዕላል፣ ጸቢብ ምዃኑ ባዕሉ ዝተኣመነ፣ ኣስማሪኖን ዝተማህረን ገጸባህሪ ናይ ዛንታ «ምብራቕ» ናጽነት እምነቱ ብደራሲ ተመንጢሉ። ምብራቕ እታ ንበረኻ ሰንከትክናብ ከም መፈጠራ ተቐቢላ እትግልገለሉን እተገልግለሉን ተፈታዊት ጎርዞ፣ ፈለማ እቲ ጸቢብ ኣስማሪኖ፡ ኣብ ዕላሎም ንእተቕርቦ ሓሳባት ክቕበሎ ዝጽገመሉ ዝነበረ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኣብዚ በረኻ እዚ ከምዚ ክትሓስብ ትኽእል ሰብ ክትህሉ ኣይትኽእልን እያ ዝብል እምነት ስለዝነበሮ እዩ። መዓስ ንሓሳባ ጥራይ ንሽማ ውን ክቕበሎ ኣይከለን። ኣመና ጥዑም ሽም ኮይኑ፣ ምብራቕ። ኣብ ርሑቕ ገጠር እሞ ከኣ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ዝቕመጡ ሰባት ምብራቕ ዝብል ሽም ከውጽኡ ኣይክእሉን እዮም። ብርድኢት እቲ ጸቢብ እሞ ከኣ ዝተማህረ ኣስማሪኖ። ድሕሪ ብዙሕ ክሰግሮ ዘይከኣለ ምጒት ግዳ ብውሽጡ ተቐቢልዋ። እታ ዘዕበየቶ ከተማ ዘልበሰቶ ባህሩ ክሓድግ ስለዘይከኣለ ግን ከምዝተቐበላን እቲ ትብሎ ዝነበረት ከምዝኣመነሉን ክነግራ ኣይደለየን። ኣብ ውሽጡ ሒዝዎ እዩ ከይዱ። ነቲ ብውሽጡ ኣሚኑ ተቐቢልዎ ዝነበረ ‘ውን፣ ደራሲ ዘሪግዎ። «ጽቡቕ ኣለኻ እምበር፣ ከምዚኣ ዝኣመሰለት «ምዕብልቲ» ኣብዚ ገጠር እዚ ክትፍጠር ወይ ውን ክትዓቢ ኣይትኽልን እያ። ምብራቕ ጓል ከሰላ እያ። ኣብኡ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ከሰላ ከኣ ምዕብልቲ ከተማ እያ።» ኢልዎ ብረቂቕን ኪኖ እቶም ተጻሒፎም ዘለዉ ቃላት ሓሊፍካ ብዝርአ ቃናን። ንነባቢ ውን «ለካ እንዶ ግዳ ኣመና ማዕቢላ» ኢሉ ከምዝሓስብ ጌርዎ።

«ስነ-ጽሑፍ ናይ ህዝቢ እዩ» ዝብል ጽኑሕ ሌኒናዊ ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ፣ ስነ ጥበባውያን ነጽብራቕ ዝተፈላለየ ኲርንዓት ሂወት ህዝቦም ምዃኖም የረድኣና። ዛንታታት ተረፍ፣ ነጽብራቕ እቲ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ  ክኾኑ ይኽእሉ ዶ ኢለ ክሓስብ እንከለኹ ግን ኣመና ይጸቡኒ። ውሱን ኲርናዕ፣ ቁልዕነት፣ ኲትትናን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝስዕብ መንእሰያዊ ሂወትን፣ ብዓቢኡ ከኣ እቲ መናብርቲ ኤርትራውያን ዝዀነ ኲናትን ሳዕቤናቱን ከዘንትዉን ከርእዩን ፈቲኖም፣ ብሰንኪ ጽበት ደራሲኦም ዝመኸኑ ዛንታታት ኮይኖም እስምዑኒ።

ደራሲ፣ እትረፍ ዶ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኩለን እተን ዛንታታት መሪሕ ጠባይ ጌሩ ከንጸባርቖ ዝፈተነ «ኣስማሪኖ» ‘ውን ጽቡቕ ጌሩ ዝፈልጦ ኣይመስለንን። ኣብዛ ልዒለ ዘልዓልኲዋ ዛንታ (ምብራቕ) ዘሎ መሪሕ ጠባይ እንተተዓዘብና ንኣብነት፣ ምብራቕ «እንታይ ደኣ ኣምጺኡካ ናብዚ ዓዲ፧ ጋሻ ኢኻ ትመስል!» ኢላ ምስ ሓተተቶ፣ « ክንርኢ ኖ! ዓድናን ደቂ ዓድናን ንርኢ….ውጽእ ኢልካ ምርኣይ ከኣ ኣገዳሲ እንድዩ…. ! ንዕዘብ ከኣ……. ኣብቲ ኣስመራ …. ኣሳፊሕና እናወዓልና መስኮት-ልቢ ኣጽቢብና…..መስኮት ተረዲኡኪ ኣሎ ይኸውን እዩ’ኖ! መተንፈሲ ወይ መርኣዪ ቀዳድ ማለተይ እየ እየ ….» ክድብድባ ጀመርኩ። ንሳ ግን ብናይ ጋሻ ኣጠማምታ ተዋህልለይ ጥራይ እያ ነይራ። ኣነ ከኣ ካብቲ ዝቛጸርኲዎ ስንቂ እየ ከህልኽ ጀሚረ» ይብል። ኣብዛ ነጥብን ኣብቲ ኣብ መእተዊ እታ ዛንታ ዘሎን ቃል እቲ መሪሕ ገጸ-ባህሪ እንተሪእና፣ ክፉትን ብዙሕ ነገራት ከመዛዝን ዝኽእልን መንእሰይን ኢና ንቐርጽ። ይዂን እምበር፣ እናሻዕ ብደራሲ ናጽነቱ እናተሓድገ ኣዝዩ ጸቢብ ከምዝዀነ ዘርኢ ባህርያት ከኣ ይንጸባረቖ። ኣብታ ፍርቃ ገጠር ዝዀነት ኣስመራ፣ ሓደ ኣብ ወጻኢ ተወሊዱ ዝዓበየ ዝመስል መንእሰይ ክንረክብ መቸም ዘይሕሰብ እዩ። እዚ «ውጽእ ኢልና ክንርኢ ዓድናን ደቂ ዓድናን» ዝብል መንእሰይ፣ ስዒቡ ውን «ኣብ ትምህርቲ ኢና ጸኒሕና በጃኺኢለኪ! ሕጂ ከኣ ነቲ ዝተመሃርናዮ ታሕቲ ወሪድና ክንደልዮ … ኖ ምሽ ኣሎ»  ብምባል ንሕብረተ ሰብ ኤርትራ ላዕልን ታሕትን ፍልልይ ናይ ደርብታት ከምዘለዎ ኣምሲሉ ዘቕርብ ኣስማሪኖ ኣብዚ መዋእል እዚ ኣበየነይቲ ኣስመራ ዝዓበየ ይኸውን!፧ ብዘይካ እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ደራሲ ዘሎ ሕልማዊ ኣስማሪኖ።

ደጋጊመ፣ እዚ ደራሲ እምበር ዶ ነቲ መዕበያኡ ዝዀነ ኣስማሪኖነት ውን እፈልጦ እዩ፡ ክብል ዝገብረኒ ካልእ ነጥቢ፣ ኣብ መእተዊ ናይታ መጽሓፍ ዘሎ፣ ንሂወት ደራሲ ዘስተንትን ሀ ሁ ዝተሰምየ ጽሑፍ እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ፣ እቲ ኣብኡ ዘሎ መንእሰይ ነቲ ኣብ ንእስነቱ ብዙሓት ኣዋልድ ዘዝውር ዝነበረ እሞ ጸኒሑ ወጻኢ በጺሑ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ኣስመራ ዝተመልሰ ሰብኣይ፣ ብዛዕባ እቲ ተፈላልዮምሉ ዝነብሩ እዋን ከዕልሉ እንከልዉ፣ «ድሕሪ ክንደይ ዓመት፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ስደት መጺኡ  ኣብ ገዛውትና ምስ ተራኸብና፣ ‘ካብዘን ኲለን ብጸውዓለይ ዘረብርባና ዝነበራ ኣዕሩኽትኻስ፡ ንሓንቲ ከይተመርዓኻ ኣለኻ’  ኢለ ንእዋን ንእስነትና ዘኪረሉ።»  ይብል እሞ፣ ድሕሪ ካብቲ ኣብ ስደት ዝነበረ ዝረኸቦ ኣሉታዊ ምላሽ፣ «‘ስማዕ’ባ! እሞ’ቲ ኩሉ ዝሃለኽናዮስ ትርጒም ዘይብሉ ኮይኑ ተሪፉ ባቃ’ ኲሉ ተራእዩኒ ተገሪመ ሓተትኲዎ። ‘እቲ ኲሉ ዝተለኸኻዮ፡ ዝተመሸጥካዮ ዝተኸደንካዮ ….፣ ኣዝማሪኖ ብምስሊ እንታይ ከምዝመስል’ኮ ኣባኻ እየ ርእየዮ!» ይብሎ። ኣስማሪኖ ማለት፣ ዘዋር፡ ክብሪ ደቂ ኣስንስትዮ ዘይብሎ፡ ሽምጠይ መርቚለይ ጥራይ ዝዀነ ጸኒሑ ውን ኣሰር ኣልቦ መንእሰይ ማለት ድዩ ኣብ ዓይኒ እዚ ደራሲ ክብል እግደድ። ንባዕሉ እቲ ኣብ መእተዊ ዘሎ መሪሕ ገጸ-ባህሪ ከም ሓደ ኣስማሪኖ እንተወሲድናዮ፣ ኣስማሪኖ ማለት፣ ነቶም ግዜን ኲነታትን ክፈጥሮም ዝኽእል ለውጥትታትን ምዕባሌታትን ክቕበል ዘይክእል ጸቢብ ድዩ ኢልና ክንሓስብ ንግደድ። ምኽንያቱ 10 ዓመት ኣብ ወጻኢ ጌሩ ንዝመጸ ሰብ ዘርኣዮ ለውጢ ምቕባል ከጸግሞ ኢና ንዕዘብ።

«ኣታ ከይተጣዕሰኒ በል ፋራ ኢኻ መስለኒ… ኣበይ ዲኻ ተወሊድካ፧»

« ናይ ዝተወለድኲሉ ፋይል ሕክምና ኣብ ሆስፒታል ብኣገባብ ተቐሚጡ ኣሎ’ሎ እንተ ኢለኪ መቸም ኣበይ  ከምዝተወለድኩ ኣይጠፍኣክን ይኸውን!»

እዚ ዝርርብ ኣብ ገጽ 96 ናይታ መጽሓፍ ካብ እትጅምር ዛንታ «ጻማኣ» ዝተቖንጨለ እዩ። እዛ ዛንታ ብዘይካ’ቲ ዘለዋ ናይ መቓን ግዜ ንሕድሕዱን ምስ ዕደመን ኣነባብራን ናይቶም ገጸ ባህርያትን ዘይምስናይ ጸገም፣ ደራሲ ንሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዘለዎ ደርባዊ ኣጠማምታ ኣነጺራ እተርኢ ዛንታ እያ። ከምዚ ልዒልና ዝርኣናዮ ምልክት ምዕቡል መንእሰይ ኣብ ከተማ ምውላድን ምዕባይን  እሞ ከኣ ኣስመራ ገይሩ ከቕርቦ እንከሎ፣ እቲ መሪሕ ገጸ ባህሪ ኣብ ካልእ ዝንተዋኡ ብዛዕባ እታ መንእሰይ (ማክዳ) ዝብሎ ምስ እንርኢ ውን፣ ነቲ መለለዪ ክብርታት ብዙሓት ካብ ሕብረተ ኤርትራ ካብኡ ናብኡ ከኣ ሕብረተ ሰብ ትርግኛ ዝዀነ፣ ንኣደብ ጓል ኣንስተይቲ ዝጥቀመሉ መለክዒ «ሒደት ፋራታት እንብሎም ዝነበርና ዓይነት ተመሃሮ ግን፣ ከምዘይእድብቲ፡ ዘይስትርቲ … በብዝርድኦም ይገልጽዋ ነበሩ።»   ብምባል ከከሻምሾ ኢና ንዕዘብ። እቲ ናይቲ ሕብረተ ሰብ ዓቃባዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያትን ኣወናትዊ መለክዕን ከምዘለዎ ዝፈልጥ ኣይመስልን እዚ ደራሲ።

ልዒለ፣ ስነ-ጽሑፍ ነጸብራቕ ሕብረተ ሰብ እዩ ኢለ ኣለኹ። በዚ መንጽር እዝን በቲ ደራሲ ኣብ መቕድም እታ መጽሓፍ ክብሎ ዝፈተነን ምስ እንርኢ፣ ስነ ጽሑፍ ድነ ድንቊርና ጋሊሁ መንቋሕቋሕታ ኣድማሳውነት ክትቅበል እውን ዝድርኽ ባእታ እዩ ክንብል ንኽእል። ኣብ ገጽ 129 እትጅምር ዛንታ «ፊጎ» ምስ እንምልከት ግን ካልእ ጽበት ኣተሓሳስባ እቲ «ኣስማሪኖ» ኢና እንረክብ። ነታ እኽልቲ ጓል ገዛውቱ ወይ ሓፍቲ ዓርኩ «ካብ ዓቃብ ሰላም ወሊዳ» ብዝብል ምኽንያት ዝወርዳ ተነጽሎን ጸለመን፣ ኣብታ ዛንታ ዘሎ ኣዘንታዊ ገጸ ባህሪ ነዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ ዝስምዖ ጓህን ምስ ረአና፣ ፍቕሪ ውን ዶ ዶብን ዓሌትን ኣለዎ እዩ ኢልና ክንሓስብ ንግደድ። ብዘይካ እዚ ኣብ ውስጠ ዘ እታ ዛንታ፣ እቲ ደራሲ ነታ እኽልቲ መንእሰይ ማህጸና ንመን ትሃቦ ንመን ክቆጻጸሮ ምድላዩን፣ ‘ንሕና ኣብ በረኻ ሰፊርና ኣሕዋትና ከኣ መጻወቲ ዓቃብ ሰላም ኮይነን’ ዝብል ስምዒቱን ክሳብ ክንደይ ንሕበረተ ሰቡ ዘይፈልጦን ኣጽቢቡ ከምዝርእዮን ክንግንዘብ ንኽእል።

ንምጥቕላል፣ ዛንታታት ሓድሽ ጸወታ፣ ቶም ኣብ ገዛና፡ ዓራዪ ሰዓት፡ እተን ጫማን ዕርቅን እንተነበብና እውን እዚ ጽበት ኣተሓሳስባን ጸቢብ ኣፍልጦ ንሕብረተ ሰብ ኤርትራን ኢና ንረክብ። ምስኡ ድማ ስፍሓት ዘይብሉን ኣብ ውሻጠን ሻውላትን ኣስመራ ጥራይ ዕንክሊል ዝብል ዝደስከለ ኣተሓሳስባን ጥራይ ኢና ንዕዘብ። ካልእ ኣብ ጽሑፈይ ከማእክሎ ዘይደለዂ ጎስጓሳዊ ወይ ቃና እቲ ኣብታ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፣ ኣብ ዛንታታት ምብራቕ፣ ጻማኣ፣ ተረፍ፣ እተን ጫማን ሓቂ ንሓቂን ዘሎ ፍልስፍና፣  ምትላልን ክሕደትን ንኤርትራዊ ሂወት ኮይኑ እስመዓኒ።

 ይዂን እምበር ካልእ  ኣወንታ ኣብዛ መጽሓፍ  የለን ማለት ግን ኣይኮነን። ንገለ ክፋሉ ቴድሮስ ኣብራሃም፣ «ተረፍ፣ ህያብ ነቲ ብተመኲሮ ኲናትን ድሕረ-ኲናትን ኣብ ምሕላፍ ዝርከብ ወለዶ ኤርትራ» ዝብል ጽሒፉ ኣሎ፣ ኣብዚ http://soyra.blogspot.no/2014/08/blog-post.html ምንባብ ይከኣል እዩ።

 

ፍቕረይ የማን

ጥቅምቲ 2016

 

Advertisements

One thought on “ተረፍ፣ ነጸብራቕ ጽበት “ወደ’ስመራ”

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s