ካብ ምዕራብ ምብራቕ
ሰጣሕ ሰንጢቑ ባሕሪ ሰጊሩ
ህርፋን ሓዚሉ ቅንኢ ‘ከቲሉ
ካብ መን ሰኒፈ ኒሕ ኣዐስኪሩ
ዝመጸ ንፋስ ምዕራብ ሃገሩ
ሞሞናና! ኣባኻ ዶ ‘ዕሪፉ
ግዜ ተመዂልዩ እርጋንካ መዝሚዙ!
“ንስዑዲ ዲኻ ንፎሮ
ኣማኽረኒ’ባ ዝገብሮ”
ተባጭዩልካ መፋነዊ፣
ጐሲኻዮ ከምዘይሰማዒ
“መሬት ጋዕቤን ተኣማኒ
ሓምሊ ክህበኒ እዩ መኽረሚ
ሓጋይ ክሓልፎ’የ ብጸሎተ-ዓቕሊ”
ተስፋ ተቐኒትካ ኣጽሒኻዮ ደርቂ
እምነትካ ኣሚንካ ምስ መስቀል በራቒ፣
“ስዑዲ ኔርካስ ንሓንቲ ጎልፎ
ግደፎ ግደፎ
ሑመራ ኔርካስ ንሓንቲ ሳእኒ
ከይትረኣየኒ”
ባጫ ተገልቢጡ ነቲ ዝገሸ
ሕግይ ሓግይዎ ክርም ከሪሙ
ጥርሑ ምስ ተመልሰ።
ረዚን ተሰሚኻ ኣማኒ መሬቱ
ጽላል ንዓደቦ ግርማ መንነቱ
ከምኡ ኢሉ ሓሊፉ።
“ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ዝሞተ”
ተጋዊሑ ድምጺ ዓዲ ዘጸልመተ፣
“ሞት ‘ተኾይኑ ኣብ ጋዕቤን
ሂወት ማለት ዓዲ’ዶ ኣይኮንነን
ክብሪ ማለት ሲ መንንት’ዶ ኣይኮነን
ኪኖ ጋዕቤን መንነት ብምንታይ’ዩ ዝትመን!፧”
ኣድሚጽካ፣ እዚ ውን ሓሊፉ
ዝውሰድ ወሲዱ በሰላ ገዲፉ።
ንቕሎ ንእንጀራ ንቕሎ ብፍርሒ
ንቕሎ ካብ ሕመረት ሰሚኻዮ “ነውሪ!”
ንፋስ ሎሚ መልኣኽ ዝሃደሞ
ደንበ ሰጊሩ ውሻጠ ዝኣቲ
ቅንኢ፡ ስኑፍ ኒሕ፡ ነውሪ
ሕመቕ፡ ስዕረት ‘ተሰከሞ፣
ኣቑጽልትካ ኣርጊፉ ንንፋስ ዘዘርዩ
ቃርፋኻ መንጢሉ ኣብ ሓመድ ደድብዩ፣
ኣብ ሕመረትካ ምስ ሰራውርካ
ኣብታ እምነትካ ምስ መንነትካ
ቆሪርካ ዶ ሎሚ ተዳሂልካ
ብዘይቆጽሊ ብዘይ ቃርፋ
ዝናብ ኣልቦ ሂወት
ተስፋ ዝሃደሞ ዕጫ በጺሑካ።
ጋዕቤን እታ ጋዕቤን
ዕድሜኣ ዕድመ ዘመን
ብዘይ ሞሞናኣ ንስኻ ብዘይብኣ
ጋርጋር ኮይኑ ሂወት ተጸሚኣ።
ፍቕረይ የማን