Posted on Oct 7, 2016Nov 13, 2016 by merebpoetry “ትፈልጥ ፍቕረ” ኢሉኒ ኣብ ሓደ ኮርስ መምህረይ ዝነበረ ኣብቲ ናይ 90ታት ውግእ ሕድሕድ ዩጎዝላቭያ ናብ ኖርወይ ዝተሰደደ ወዲ ሞንቴኔግሮ፣ ብኣስተንትኖን እህታታዊ ድምጽን ከኣ “ናይ ስደት እቲ ዝኸፍአ ጸገሙ ንዓይ፣ ክሓዝን ከለኹስ ግደፎ እሞ ክሕጎስ እንከለኹ እኳ ሓጎሰይ ዘካፍሎ እስእን ምንባረይ እዩ። ሓደ እዋን ሰበይተይ ምስ ሓረሰት እሞ ከኣ እቲ ዝሃርፎ ዝነበርኩ ወዲ ምስ ኮነ፥ ብታሕጓስ ሓቚፈ ዝስዕሞ ስኢነ ዝተሰምዓኒ ቓንዛ ክነግረካ ኣይክእልን እየ። ወላ ሕጂ ክዝክሮ እንከለኹ እዩ ዘቐንዝወኒ።” ኣስዒቡለይ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እንከሎ ይኸውን ወይ ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ንምስትንታን ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፥ ነዛ ደጒዓ ዝጸሓፈ። እዛ ብክልተ ማይቤት ዝቖመት ግጥሚ (ኣብ ተርታ እተን ካብ 1-10 ዝስርዓ ደጒዓታት እያ ትስራዕ) ብቴክኒካዊ ኣቃውማኣ፣ ቅድሚ እቶም ብጽሑፍ ሰፊሮም ዘለዉ ዛንታታት ካልእ ውሁብ ወይ ቀዲሙ ዝተነግረ ዛንታ ከምዘሎ ከተርኢ እትኽእል ጌራ እያ ተሃኒጻ። ድሕሪ እቲ ውሁብ ወይ ቀዲሙ ዝተነግረ ዛንታ ዝሰዓበ ተርእዮ እምበኣር እያ ትነግር። ጽባቐኣ ንዓይ ከኣ እዚ እዩ። እቲ ዝቐደመ ዛንታ ከይተነግረኒ ወይ ከይረኣዂዎ እንታይ ይመስል ኔሩ ከገናዝብ ተኽእለኒ። ቀዳመይቲ ማይ ቤት፥ መሊኸዮ ነይረ’የ ንብዓት ተኣኒንካ፡ ንጽል ድርብ ጀለምታ ተጠሊዕካ። ሓቚፈ ዝረርዎ ምስና’ግረይ ረምታ፡ ንዓይ ኮይነ ንኻልኦት መሰነይታ። ድምጺ ውን ነይርዎ መተሓፍስቲ ንቋደሶ ንቀባባበሎ ምስ መቛዝምቲ። ኣብዛ ቀዳመይቲ ማይቤት፡ በታ ቀዳመይቲ መስመር ኣቢሉ፡ ኣብ ዓዱ ከምዘይጠዓሞ ይነግር። “መሊኸዮ ኔረ ንብዓት ተኣኒንካ” ምንብዑን እቲ ንብዓት ክሳብ ምምላኽ ዝበጽሐ ቀጻልን ምንባሩ ምስ ረኣኻ ጥራይ ክንድምንታይ ሕሱም ዘንብዕ ኲነት ምንባሩ ምግንዛብ ይከኣል። ኣብተን ዝቕጽላ መስመራት ውን ነቲ ሕሱም ዘንብዕ ኩነታት እዩ ዘድምቕ። “ሓቚፈ ዝረርዎ ምስና’ግረይ ረምታ” ምባሉ ከኣ፣ እቲ ቐዲሙ ዝነገረና ቀጻሊ ስቓይ ከምዘይምሕረኒ ወይ ከምዘይወጸለይ ተረዲኤስ ሓቚፈ ይረርዎ ኔረ ይብል። ምናልባት ውን ሓቚፉ ምርራዉ፡ እንተተገዲፍዎን ክነጽጎ እንተፈቲኑን ሲ ካብኡ ንላዕሊ ክገዶ ከምዝኽእል ተረዲኡ ይኸውን። እዚ ይኹን እቲኦ ግን ሕሱም ሕሰም ምንባሩስ ርዱእ እዩ። በይኑ ዘይምንባሩን ብተዛማዲ እቲ ሕሰም ምስ ካልኦት ዝካፈሎ ብምንባሩ፣ ንኽጸሮ ከምዝቐለለሉ የርእየና። “ድምጺ ውን ነይርዎ መተሓፍስቲ/ ንቋደሶ ንቀባበሎ ምስ መቛዝምቲ” ምባሉ፣ ነቲ “ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ጋዓት” ዝብል ናይ ትግርኛ ባህሊ ምርኩስ ዝገበረ ይመስል። “መተሓፍስቲ” ክብል እንከሎ ኣብቲ ሓፊስ ዝብል ቃል፡ ከም መኻእልቲ፡ መጻውርቲ ተጠቒምሉ ንረኽቦ። “ንቋደሶ ንቀባበሎ” ዝብሉ ቃላት ውን ነቲ ሓቢርካ ነቲ ሽግር ምኽኣሉ ዘድምቕሉ ቃላት እዮም። ነተን ናይ መወዳእታ ክልተ መስመራት ብምርኣይ ኣብዚ ዝስዕብ ማይቤት ዝያዳ ዝንጽር እቲ ሕሰም ኣብ ዓዱ እንከሎ ቅልል ዝበለ ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ግዳ እቲ ሕሰም ዘይኮነ ቀሊል ኔሩ መኻእልትን መቐናዝውትን ስለዝነበሩኒ እዮም ይብል ኣብቲ ንንጽጽር። ምንጽጻር ሓደ ካብ ጥበባት ግጥሚ ኮይኑ ንኽልተ ፈጺሞም ዘይመሳሰሉ ወይ ውን ኣዝዮም ተመሳሰልቲ ብምንጽጻር ሓደ ውጽኢት ምርኣይ እዩ። ኣብዛ ግጥሚ ኳ ክንርእዮ እንተዀንና ግን፣ ከም “ምድርን ሰማይን፡ ከብድን ሕቖን ወይ ውን ማይን ጸባን ክርቢትን ላምባን” ዝኣመስሉ ኣበሃህላታት ምንጽጻር እንታይ ማለት እዩ ከረድኡና ዝኽእሉ እዮም። ንረኣያ እዛ ማይቤት፣ ሓድሽ ብልሓት መሊኸ ኣብዚ ዘለኹዎ፡ ተጐልቢበ ዘፍስሶ ኣንቃዕሪረ ዝኽዕዎ። ግና ኣይከም ናይዓደይን ዘዋራዚ፡ ሕንኲዂ’ሉ ነጻፊ ተዘቚቑ ወሓዚ። ህሩግ ዝብል ስግለት’ሎ መዐጠሊ፡ ዘርሞ ዘትርፍካ ከታሪ መንጣሊ። እቲ ሕሰም ኣብ ስደት ውን ኣይገደፈንን ኣብዛ ካልአይቲ ማይቤት። ብቓል እኳ ከምኡ ኢሉ እንተዘይ ኣስፈሮ፣ ኣብቲ ጥበብ ኣጻሓሕፍኡ ተኲርካ ብምንባብ ግዳ፣ ከምቲ ኣብ ቀዳመይቲ መስመር ናይ ቀዳመይቲ መስመር ዝረኣናዮ፣ “ሓድሽ ብልሓት መሊኸ ኣብዚ ዘለዂዎ/ ተጐልቢበ ዘፍስሶ ኣንቃዕሪረ ዝኽዕዎ” ክብል እንከሎ እቲ ምንባዕ ሲ ኣየቋትረጽኩዎን ሜላ ደኣ እየ ቀይረሉ እምበር እዩ ዘስምዕ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ዘንብዕ ሕሰም ገና ምስኡ ምህላዉ እዩ ዘርኢ። እቲ ፍልልይ ግዳ ኣብ ኣነባብዓይ እዩ፣ “ተጐልቢበ ዘፍስሶ፣ ኣንቃዕሪረ ዝኽዕዎ” ኣይከምቲ ናይ ዓዲን ተኣኒንካ ዝንባዕን ጀለም ኢሉ ዝውሕዝን። ኣባዲ ከምዘይብሉ ተረዲኡ ተጐልቢቡ ይንክነኽ። ብኣመና ወጥርን ስእነት መጸናንዕን ድማ “ዓሕ!” ኢሉ የንቃዕርር እሞ ንብዓቱ የማን ጸጋም መትልሑ ይክዖ። ሕሰም ናይቲ ሕሰም ከኣ ሽዑ ዝያዳ ይገዶ። መናብዕቲ መቐናዝውቲ ስኢኑስ ኣባዲ ውን ብምስኣኑ። ይዂን ደሓን ይንባዕ እስኪ ካብ ተዓደልኩዎስ፡ እቲ ንብዓት እንደሞ ምውጻእ ዝኣብየሉ ሰዓት ውን ኣሎ እዩ፣ ከኣ ይብል ኣብተን ዝቐጸላ መስመራት ናይታ ማይቤት። እቲ ንብዓት ውን ተዘቚቑ እኳ ከይወጸለይ ኡፍ ኢለ ከየስተንፍስ ሲ፣ “ህሩግ ዝብል ስግለት’ሎ መዐጠሊ/ ዘርሞ ዘትርፈካ ከታሪ መንጣሊ” ይድምድም። በዘን ክልተ መስመራት ሂወት ስደት ክንድምንታይ ሰንፈላል ጌርዎን ርግኣት ስኢንሉን ምህላዉ ሕሱም የስተንትን። እቲ ኣስተንትኖ ድማ ምቕንዛውን ምልቃስን ወዲኡ ክደጒዕ ዝገብሮ መስለኒ። ነቲ ጠንቂ ስቓዩን ንብዓቱን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ስርዓት ዘምጽኦ ስቅያት ምዃኑ ንነባቢ ክነግር ምፍታን ንቐባሪ ምርዳእ ከይከውን፣ ኣብ ስደት ከኣ ደኣ ማዕሪኡ ዘሳቒን እህህ ዘብልን እንታይ ዝመሰለ ሕሰም እዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግዳ ባህርያዊ መስለኒ። እቲ ገጣሚ ኣብ ካልእ ደጒዓ ካብተን ዓሰርተ “ነብዕ’ወ” ኢሉ ኣሎ። ዘንብዖ ምኽንያት ውን ምስኡ። ዝቕጽል ንባብና ክኸውን እዩ። የቐንየና እሞ የጋንየና። ፍቕረይ የማን Share this:ShareTweetWhatsAppLike this:Like Loading... Related
መሳጢ ጽሑፍ ብጣዕሚ ትዕዝብታዊ፡ ኣጆኻ ቀጽሎ!
LikeLiked by 1 person
aziu des zbl tsuhuf ms wuhlul agelalxa
LikeLike