Posted on Oct 6, 2016Nov 4, 2016 by merebpoetry ኣንቲ ዑፍ መስቀል ወቕቲ መመሪጻ ናብ ልበይ ትቕልቀል ጭውነታ ሓዲጋ ሃንደበት ትስወር፡ ንባህገይ ነቢባ ብኡ ትከናወን፣ ከምቲ ሕሉፍ ብጋህዲ በቲ ልሙድ ማዕጾ ሓንሳብ ‘ባ ንዒ። እተዊ እሞ ኣይተሕለውልዊ ብደውኪ ደሓን ኮፍ ኣይትበሊ፣ ተቐመስለይ ምቕማስ፥ ግዳ ዓርዕሪ ኣተንክፍኒ’ሞ፥ ኣሽዂ ተዋግኢ ኣምዐ ኮይንኪ ቆርበተይ ለብልቢ፣ ኣሰምብድኒ ንሕጂ ‘ተዘይረሳዕኲኺ፥ ‘ጸልኣኪ ንምጽላእ ጸሊኤ ‘ገድፈኪ ምኽንያት ሰሪሐ ኣብኡ እቐብረኪ። ፍቕረይ የማን መስከረም 2016 Share this:ShareTweetWhatsAppLike this:Like Loading... Related