ምኽንያት ኲንኒ

 

ኣንቲ ዑፍ መስቀል
ወቕቲ መመሪጻ ናብ ልበይ ትቕልቀል
ጭውነታ ሓዲጋ ሃንደበት ትስወር፡
ንባህገይ ነቢባ ብኡ ትከናወን፣

ከምቲ ሕሉፍ ብጋህዲ
በቲ ልሙድ ማዕጾ
ሓንሳብ 'ባ ንዒ።

እተዊ እሞ ኣይተሕለውልዊ
ብደውኪ ደሓን ኮፍ ኣይትበሊ፣
ተቐመስለይ ምቕማስ፥ ግዳ ዓርዕሪ
ኣተንክፍኒ'ሞ፥ ኣሽዂ ተዋግኢ
ኣምዐ ኮይንኪ ቆርበተይ ለብልቢ፣

ኣሰምብድኒ ንሕጂ
'ንተዘይረሳዕኲኺ፥ እጸልኣኪ
ንምጽላእ ጸሊኤ እገድፈኪ
ምኽንያት ሰሪሐ ኣብኡ እቐብረኪ።

20140924_094915
    ፍቕረይ የማን
    መስከረም 2016

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s