ንቕድሚት ገቲርኪ፡ ዝዋግኡ ኣቕርንቲ
ክዓልቡኻ መስታ ክትጠቕስዮም ወስታ
መላሕቲ ውነ፡ ተቐነይቲ ‘ዒንቲ፡
ሕስይስይ ግደፊ ክትሓልፊ ክት‘ተርፊ
ጽምአይ እናረኣኺ ዓይንኺ ኣይተዕግቢ
ባህታኺ ክትረኽቢ ባህታይ ኣይተጽድፊ።
ውረዲ ኣብቲ ሩባ እንተለኪ ዘረባ
ዘረባ እንካ–ሃባ ዝሕለቦ ጸባ፡
ጸባ እዚ ረጋኢ ዝህበና ቅብኢ
ቅብኢ እዚ መኣዛ ንኣካልና ላዛ፡
ኣካልና እዚ ቅዱስ
ወላህ ኢሉ ልስልስ
ሕድሕድና ዘሕጒስ፡
ንለዋወጠሉ ማዕበል ተዳፋኢ
ካብ ውሽጢ ንውሽጢ
ብሕልኮ ኣብ ጸግዒ፡
ረስኒ ተተኳሲ ኣድራጋ ኣጒራሲ
ንዕምቆት ኣዕጋቢ ግና ዘይመላኢ፡
ኣብ ውህደት ሕድሕዶም
ባህታና ዝሳሲ
ንሱ ክንገብርሲ
ሓሊፈልኪ ኣለኹ
ደድሕረይ ሰዓቢ።
ቅብኢ እዚ መኣዛ ንኣካልና ላዛ፡
ንለዋወጠሉ ማዕበል ተዳፋኢ
ካብ ውሽጢ ንውሽጢ
ብሕልኮ ኣብ ጸግዒ፡
ረስኒ ተተኳሲ ኣድራጋ ኣጒራሲ
LikeLiked by 1 person