ዝወሃብ ሃብኒ

ንቕድሚት ገቲርኪ፡ ዝዋግኡ ኣቕርንቲ

ክዓልቡኻ መስታ ክትጠቕስዮም ወስታ

መላሕቲ  ውነ፡       ተቐነይቲዒንቲ፡

ሕስይስይ ግደፊ ክትሓልፊ ክትተርፊ

ጽምአይ  እናረኣኺ ዓይንኺ ኣይተዕግቢ

ባህታኺ ክትረኽቢ ባህታይ ኣይተጽድፊ።

 

ውረዲ ኣብቲ ሩባ እንተለኪ ዘረባ

ዘረባ እንካሃባ ዝሕለቦ ጸባ፡

ጸባ እዚ ረጋኢ ዝህበና ቅብኢ

ቅብኢ እዚ መኣዛ ንኣካልና ላዛ፡

 

ኣካልና እዚ ቅዱስ

ወላህ ኢሉ ልስልስ

ሕድሕድና ዘሕጒስ፡

 

ንለዋወጠሉ ማዕበል ተዳፋኢ

ካብ ውሽጢ ንውሽጢ

ብሕልኮ ኣብ ጸግዒ፡

ረስኒ ተተኳሲ ኣድራጋ ኣጒራሲ

ንዕምቆት ኣዕጋቢ ግና ዘይመላኢ፡

 

ኣብ ውህደት ሕድሕዶም

ባህታና ዝሳሲ

ንሱ ክንገብርሲ

ሓሊፈልኪ ኣለኹ

ደድሕረይ ሰዓቢ።

 

 

 

20140924_092900
ፍቕረይ የማን
መስከረም 2016

One thought on “ዝወሃብ ሃብኒ

  1. ቅብኢ እዚ መኣዛ ንኣካልና ላዛ፡

    ንለዋወጠሉ ማዕበል ተዳፋኢ
    ካብ ውሽጢ ንውሽጢ
    ብሕልኮ ኣብ ጸግዒ፡
    ረስኒ ተተኳሲ ኣድራጋ ኣጒራሲ

    Liked by 1 person

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s