እታ ጸሓይ፡ ከይዳ! ኣንቆልቊላ
ብርሃና ቀኒሱ
እቲ ቬትሮ ኸኣ ር…ስሕ ኢሉ
ነጸብራቕ ኣህሲሱ
ግን እዂል‘ዩ፡
ጥራይ ቁሩብ…ቁ…ሩብ
ምሽ ኣለኪ……
ኣብራኺ ዕጽፍ! ቁ…ሩብ ንላዕሊ
ቀምሽኪ ስብስብ! በቃ! ክምኣ‘ሞ በሊ
ዕራርቦይ‘ዩ ሎምስ! ጽንሕኒ‘ሞ
መቓምጦይ ከዕሪ!
…ኡፍፍፍ
በቃ! ………ዋው!
ድምጺ ዓይነይ ‘ዶ ‘ንቲ ሰሚዕኪ!?
እንታይ ከምጽኣልኪ?
ዋይን ዶ ኣሞሬላ? ኮክተይል ይሕሸኪ!
ምሸተይ ዘናውሕ ዝያዳ ዘርስነኪ፡
……ክላእ! ከዊሉኒ ገጹ ’ከወል!
ቦታ ስኢኑስ ኣብኡ ደው ይብል!
(ደቅስ ከኣ ‘ስኻ ኣይትነውንወኒ
ዓይነይ ስኢንዎስ ንስኻ ክትረኽቦ!?
ግደፍ‘ስኪ በጃኻ ኣይትሃውኸኒ)
ፍቕረይ የማን
ሓምለ 2016