ዛንታታት ግርህነት፡ ብግርህነት

ዓሰርተው ሓደ ዛንታታት ሓቚፋ ዘላ መጽሓፍ “ሓድሽ መናፈሻ” ብመለስ ንጉሰ ደጋጊመ ከንብባ ዝገብረኒ፣ ምስቶም ኣብተን ዛንታታት ንባዕሎም ዛንታታት ነገርቲ ዛንታታት ኮይኖም ዝዋስኡ፣ ግርህነት ዘርእዩ ግሩሃት ገጸ-ባህርያት ምዕላል ኬፍ ስለዝህበኒ እየ። ገሊኦም ብሰሓቕ የፍልሑኒ እዮም፣ ካልኦት ብድንጋጸ ከብደይ ይበልዑኒ፣ ኣለዉ ከኣ ሂወት ግርህነት እንታይ ከምዝመስል እናረኣኹ ከስተንትን ዝገብሩኒ። ፍልስፍናዊ ሂወት እንታይ ምዃኑ ዘትንብሁለይ ውን ብፍልስፍናዊ ሂወት ዘይኮነ ብግርህናኦም እዮም።

እቲ ደራሲ፣ ኣብ መቕድም ናይታ መጽሓፍ ከምዚ ይብል፣

” እዞም ንማሕተም በቒዖም ዘለዉ ዛንታታት፣ ገሊኦም ኣብ እዋን ኲትትናይ፣ ዝበዝሑ ከኣ ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድመይ ዝተጻሕፉ እዮም። ዕስራ ዓመት ዘሕለፉ ምህላዎም እንክዝር ከኣ ግዜ ክሳብ ክንደይ ጐያዪ ምዃኑ የስተንክር።

ንኸሕትሞም ኢለ ሃሰው ኣብ ዝበልኩዎም፣ ነፍሲ-ወከፍ ዛንታ ናታ ዝኽሪ ቐጂላትለይ እያ። ቦታታት፣ ሰባት፣ ናይ እዋኑ ስምዒታትን ዛዕባታትን። ንገሊኡ ዛንታታት ብህሉው ተመኲሮይ ይርእዮ እሞ፣ እንደገና ተናኽፎ ይመጸኒ፣ ነቲ ደሮናኦም ክነግፍ ክብል ግን ነቲ ግርህናን ውዕዉዕ ስምዒት ናይ ጀማሪ ጸሓፍን ከይነኽኦ ብምፍራሕ ከምዘለዎ ክሕተም ገዲፈዮ።”

ነቶም ዛንታታት ነቢበ ናብዛ መቕድም ክምለስ እንከለኹ፣ ምናልባት ብግርህነት ስለዝተጻሕፉን ውርጹጽ ሜላታት ጽሑፍ ስለዘይተራኣየሎምን ይኾኑ ግርህነቶም ብማዕዶ ዝልለ እብል። ወይስ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ “ብድሕሪ ማዕጾ” ዘላ ግጥሚ ሃይለ ቢዘን ” ሃገግታት ንእስነት” ኣብ መወዳእታ ማይቤታ ትብሎ፣

“ንእስነት ብህብሩ ዝጻወት

ሕብራዊ ፈንጠዝጠዝ”  ከርእዩ ደልዮም እብል። ሕብሪ እቲ ኣብ ፈለማ ዕስራታት ኮይኑ ዝጸሓፎም መንእሰይን፣ ኣብተን ዛንታታት ተዘሪኦም ዘለዉ ሕብራውያን መንእሰያትን።

እቲ ኣብ ሆላንድ፣ “ናብ ዝመረጽካዮ ዓዲ ክንሰደካ” ዝተባህለ ማጆር ወዲ ባሕሪ፣ ሰኣን ኣፍልጦኡን ግርህነቱ ዝፈጠሮ ህንጡይነትን ንስዑዲ ክመርጽ እንከሎ ከብደይ እበልዓኒ። ምስታ ጓል ሃብታም ስዑዳዊ ዝገብሮ ፍቕራዊ ጸወታ፣ ክሳዱ ንሴፍ ዘውህብ ምዃኑ ዘይምግንዛቡ የደንግጸኒ።

እቶም ጋዜጠኛታት ተባሂሎም፣ ፍልጠቶም ሰፊሕ፣ ኣረኣእያኦምን ኣቀባብላ ንሓሳባት ይኹን ዝንገሮም ዛንታ በሊሕን ተዓጻጻፍን ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሎም፣ ነቲ ክልተ-ሰለስተ ትርር ዝበላ ሕቶታት ብምሕታት ክፍትሽዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ማጆር ወዲ ባሕሪ ሃህ ኢሎም ምስማዖምን ምእማኖምን አስሕቐኒ። ግርህነት ህጻን ማጆር መደንገጽ፣ ግርህነት እቶም ጋዜጠኛታት መስሓቕ።

“ሂወት ሓሶት’ያ፣ ዓሻ ወዲ ሰብ ድማ ንዘየላ ሓቂ ክደሊ ኮለል ይብል” ጥቕሲ ናይ ዛንታ ማጆር ወዲ ባሕሪ ኮይና፣ ተሕስበኒ እያ። “ሂወት ግን ሰሓቕ ጥራይ ኣይኮነትን፣ ብዙሕ ነገር እያ” ዝብሉ ኣብታ ዛንታ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ግዳ ካብ ሓሳበይ ኣበራቢሮም፣ ኤህ መሳኪን እንታይ ብዙሕ ነገር ኢለ ከምዝስሕቖም ይገብሩኒ።

“ብሓቂ ጽባቐ የሰንብድ እዩ”

” ካብዚ ዝዓቢ ድሙቕ ጽባቐ ኣበይ ክርከብ ትደልዪ፧ ጽብቐቲ ጓል ጥርሓ ርኢኽያ፣ ካብዚ ዝጽብቕ እንትያ ኣሎ፧ ዝተቐልዐ ጽባቐ እኮ ኢኺ ርኢኺ፣ ሰብ ከ እንታይ በለ፧”

” ሓቂ ‘ሓይሽ ሓቅን ጽባቐን ጎፍ እንተይሎምኻ ትሃድም ኢኻ”

ኣብ ዛንታ ” ጤለ-በዱ ብኸመይ ትንበር” ኣብ መንጎ ዶክተርን ተሓካሚትን ካብ ዝተገብረ ዝርርብ ዝቖንጨልኩዎ እዩ። እቲ ሓኪም በታ ቀዳመይቲ ሕቶኡ ብዝረኸቦ መልሲ እታ ተሓካሚት መንእሰይ፣ ግርህናኣ ስለዝተጋህደሉ፣ እናዘናግዐ ሕማም ከምዘይብላ ከርእያ ወይ ሕማማ ከረስዓ ዝገብሮ ሽጣራ እዩ። ምናልባት ከኣ ግርህነተይ ርእዩለይ … ይብል ይኸውን። ነታ መንእሰይ ግን ግርህንኣ ርእዩላ።

እቲ ፈለማ ዕስራታት ዝነበረ መንእሰይ መእሰይ ጸሓፊ፣ እቲ ውዑይ ዕድሚኡ ደፊእዎ ክበጽሖ ዝሓለነ ዕምቆት ” ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባና እዮም ቀለስትና” ዝብል ኣምር ከኣ እባ ከርእየና ዝደለየ ይመስል። በታ ግርህቲ መንእሰይ፣ ግርህነታ ነቲ ዶክተር…። ግርህነተይ ርእዩለይ …

wp-1474408021403.jpg

______________

ኢብራሂም! ብግርህነቱ ዓይነ-ስውርቲ ኣዲኡ ገዲፉ ንሳዋ ዝወረደ። ንሳዋ ምኻዱ ዘይኮነ፣ እቲ ብኻድራት ዝወሃብ፣ ወያኔን ኣሜሪካን ዝብል ጎስጓስ ካብ ልቡ ብዘይ ዝኾነ ተረፍ ኣሚኑ ምቕባሉ የድንግጸኒ። “ኣደይ ካብቲ ቦታ ኲናት ሃዲማ ክትወጽእ ኣይትኽእልን’ያ። ወያነን ኣሜሪካን ከኣ ኣይገድፍዋን እዮም” ኢሉ ምእማኑ፣ ንዕኡ ጸይሩ “የውግሓልና ጥራይ” እናበለ ተኣማኒ ኮይኑ ዝነብሮ ወተሃደራዊ ሂወት…

እቲ ወዲ ዕስራታት ጸሓፊ፣ ሕጂ ምስ ዓበየ እንቋዕ ኣይተንከፋ ንዛንታ “ፈውሲ ጭንቀተይ”። ከወርጽጻ ክብል መምጸጻ። ነቲ ግርህነት ዝመልኦ ኣተሓሳስባ ናይቲ እዋን ብልክዕ ኣይመርኣየትንን እሞ፣ ንዝኽሪቲ ብቖልዓይ ዝተጸንበርኩዎ ጥዑም ወተሃደራዊ ሂወት ምዘረገትለይ።

______________

ሲራክ፣ ንሕጸን መርዓን ዝበጽሐ ጎበዝ፣ ገና በቲ ናይ ጁንየር ኣተሓሳስባ ጓል ክኽሽክስ እንከሎ፣ ዘይብስለቱ እዩ ዘንጸባርቕ። ዘይምብሳል ከኣ ግርህነት እዩ። እባ ከኣ፣ ገጽ መተዓልልቱን ቃንኣን እኳ ከንብብ ዘይምኽኣሉ፣ ብሰንኪ እዚ ዘርእዮ ሃነፍነፍ ክሳብ ክንደይ ምዕንጅሉ ምዃኑ ክርእዮ እንከለኹ የስሕቐኒ።

ንሱ እቲ ዘይበሰለ ጸሓፊ ውን፣ እቶም ብክኢላ ሓካዪ (ኣዕላሊ) ዝንገሩና ዝነበሩ ናይ ጁንየር ዛንታታት ክሳብ ክንደይ ይንስጥዎ ምንባሮም የርእየኒ።

ንእስነት ብሕብሩ ዝጻወት

ሕብራዊ ፈንጠዝጠዝ

______________

” … እንተኾነ ሰንበት እንድዩ፣ ሰንበት ከኣ መቓብር ሕማቕ’ዩ! ንገዛኹም ኪዱ ከይትጒነፉ” እቶም ኣብ ብዝተባህሎ ባህላዊ እምነታት ዝምራሕ ግሩህ ህዝቢ፣ ዝተዀስኮሱ ሽማግለ ዋርድያ ናይቲ መቓብር፣ ነቶም በቲ ግሩህ እምነት ሳምራዊት፣ ንፍቱዋ ሳሙኤል ክትመክር ኢላ ናብቲ መቓብር ምስ መጹ፣ ዝበልዎ እዩ። ኣብ ዛንታ “ሓድሽ መናፈሻ”

“እውይ ኣቦይ ተኽለ እንሀለዉ! እቶም ጎረቤትና!” ሳሙኤል ኣብ መቓብር ኣቦይ ተኽለ ንዘሎ ስእሊ ምስ ረኣየ ብስንባደ ዘስምዖ ድምጺ እዩ።

ሳሙኤል እቲ መኪና ሒዙ ነስመራ፣ ኣለኹ ኣለኹ ዝብላን ዘብላን፣ ኣብ ጎደና ሓርነት እምበር ኣብ ካልእ ሲ …፣ እዚ ውን ኣብ ሂወት ዕሙቕ ዝበለ ኣረዳድኣ ዘይምህላዉ ዝመንቀሊኡ ግርህነት እዩ፣ እምበር  ከምዝሞቱ ንዝፈልጦም ኣብ መቓብሮም ስእሎም ርእዩ ክንድዚ ዘሰምብድን ቅዝዝ ዘብልን ኣይነበሮን።

” ደሓን ኣይትሻቐል፣ ኣይርእዩኻን እዮም። ደቂሶም እዮም ዘለዉ። እዚ ቦታ ሕሜት ዘየፍቅድ፣ በለካ ለኽዓካ ዘይብሉ ቦታ ሰላም እዩ። ሰባት ኣስተርሕዮም ንኹሉ ግዜ ዝነብርሉ፣ ነብሶምን ሓሳቦምን ዘዕርፉሉ ቦታ እዩ።”

ካብ ዕድመ ፍረሽ ወጻእኩ፣ ዓበኹ፣ በሰልኩ፣ ሓድሽ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባታት ኣምጻእኩ እትብል ሳምራዊት፣ ንኣፍቃሪኣ ሳሙኤል እትምልሰሉ እዩ። ክሳብ ሂወት ሕርሕራይ ተብላ ወይ ንሂወት ሕርሕርይ ትብለላ፣ ንሳ ውን ግሩህ ፍቕራዊ መንፈስ እዩ ከምኡ ዘብላ ዘሎ።

ምኣቶም ከኣ፣ እቲ ጆንትራ ዝቕምቀም ናይ መወዳእታ 90ታት መንእሰይ ጸሓፊ ኣብ ፈተነ ንሓድሽ ቅዲ ሓጺር ዛንታ።

____________

“ወረቐት ስሚንቶ” ክገልጾ ዘይክእል ቀዛሕታ ውሽጢ ትፈጥረለይ ነቢበ ዘይመንዋ መትኒ ናይታ መጽሓፍ እያ ንዓይ።

“ሄለን ቆንጆ” ነቶም ብማዕዶ ዝፈልጦም ፍቑራት ደቀስመራ ብተመስጦ ክርእዮም እንከለኹ እተዘክረኒ ዛንታ እያ። ዝኽሪ እታ ኩሉ ግዜ ጋሻኣ ትገብረኒ ኣስመራ ከኣ።

“ህያብ” መወዳእታ ዛንታ እታ መጽሓፍ ኮይና፣ ሽም እታ ዛንታ ኣብታ መጽሓፍ ውን ዘሎ እመስለኒ። ምስቶም ግሩሃት ዛንታታትን ግሩሃራት ፍጡራቶምን ብግርህነት ዘጓዕዘና ጸሓፊ፣ ንመጽሓፉ ፍዂስ ኢሉና እናሰሓቕና ክንፋነዋ ብምሕሳብ መወዳእታ ክገብራ ዝመረጻ ኮይና ትስመዓኒ። ንዓኣ ምስ ነበብኩ እናሰሓቕኩን ፍዂስ ኢሉንን ነታ መጽሓፍ ስለዘቐምጣ።

የቐንየና እስከ በሉ የራኽበና ከኣ!

ፍቕረይ የማን

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s