ድሕሪ‘ቲ ዝኾነ፡ ስዕረተይ ኣሚነ
ቁስለይ ንዘይምርኻስ፡ ነድሩ ንምዕጋስ
ገጽኪ ንዘይምርኣይ ካብ ወዝቢ ንምእላይ
ፍቕሪ ከሲረ ካብ ቅንኢ ክሕባእ፥
ኣደራሽ ሓዲገ፡ ጎደና ቀይረ ኣርሒቐ ነጊደ።
(እንታይ ንግደቱ እኳ ግዳ ተሰዲደ)
ንግደት ኣካል ቀልበይ ድሕሪት
ፈቲነዮ መቸም፡ ካብ ምሳኽስ
ምስ ውሽጠይ ምቅላስ።
ምቁማት ኣይሓደግኩን
ኣምሲለ ካብ ምሕታት
ደሃይኪ ንምርካብ
ዓዲ ኣይወዓልኩን።
(እዚ ዛንታ እዩ ንዓኺ)
ሕልፍ ክብል ብቐዳማይ
ታይ ምዃኑ እንድዕለይ
ግንብንብ ኢሉኒ
ወቓሕታ ሽታ ንውነይ
ዘማሪ ድምጺ ንእዝነይ፡
ቅርብ እንተበልኩስ
ተሕለውልዊ
ብሰቐጥቀጥ ትልለዊ
ኣይኣመነን ዓይነይ።
እሞ‘ባ ክሓተኪ ……
ዝልቕ! ክብለለይ እምበር
‘ንታይ‘ኳ ክገብረልኪ፡
እቶም ተዓዘብቲ ‘ቶም ዘጣቕዑልኪ
ይሓቱኺ‘ዶ መዓስን ከመይን
ሰረተ–ሓይልኺ ምንጩ ንድፍረትኪ
ሜላታት ህርመትኪ
ምስጢረ–ጽባቐ ቅለጻ ቃላትኪ፡
እንታይ ትምልሲ?
ዝቕጽል እንክትውጥኒ
ዘይተርፍ‘ዩ መቸም
ዝሓይሽ ክትሓልሚ፡
እሞ!
እንክትፈታትሺ ከተወራርዲ
እንከተነጻጽሪ እንከተወዳድሪ
ኣብ ምውዳን ሓሳብ ምጽሟቕ ንብርዕኺ፡
ኣብቶም ቃላት‘ዶ ጸንሓኪ?
ተድምጽዮ ዶ ሽመይ
ኣብ ዙርያ ወይ ማእከል
ነግሒ ሓረጋትኪ?
ውሽጥኪ እንታይ ይብል
እንታይ እባ ‘ስምዓኪ!?
(ደሓን ኣይትንገርኒ
ካብ ዘቐንዙ ሓቂ፡
ዘለዂዎ ‘ሕሸኒ)
ፍቕረይ የማን
መስከረም 2016