ባህታ ቅንኢ

ድሕሪ ዝኾነ፡ ስዕረተይ ኣሚነ

ቁስለይ ንዘይምርስ፡ ነድሩ ንምዕጋስ

ገጽኪ ንዘይምርኣይ ካብ ወዝቢ ንምእላይ

ፍቕሪ ከሲረ ካብ ቅንኢ ክሕባእ

ኣደራሽ ሓዲገ፡ ጎደና ቀይረ ኣርሒቐ ነጊደ።

 (እንታይ ንግደቱ እኳ ግዳ ተሰዲደ)

 

ንግደት ኣካል ቀልበይ ድሕሪት

ፈቲነዮ መቸም፡ ካብ ምሳኽስ

ምስ ውሽጠይ ምቅላስ።

 

ምቁማት ኣይሓደግኩን

ኣምሲለ ካብ ምሕታት

ደሃይኪ ንምርካብ

ዓዲ ኣይወዓልኩን።

(እዚ ዛንታ እዩ ንዓኺ)

 

ሕልፍ ክብል ብቐዳማይ

ታይ ምዃኑ እንድዕለይ

ግንብንብ ኢሉኒ

ወቓሕታ ሽታ ንውነይ

ዘማሪ ድምጺ ንእዝነይ፡

ቅርብ እንተበልኩስ

ተሕለውልዊ

ብሰቐጥቀጥ ትልለዊ

ኣይኣመነን ዓይነይ።

 

እሞ ክሓተኪ ……

ዝልቕ! ክብለለይ እምበር

ንታይ ክገብረልኪ፡

እቶም ተዓዘብቲቶም ዘጣቕዑልኪ

ይሓቱኺ መዓስን ከመይን

ሰረተሓይልኺ ምንጩ ንድፍረትኪ

ሜላታት ህርመትኪ

ምስጢረጽባቐ ቅለጻ ቃላትኪ፡

እንታይ ትምልሲ?

 

ዝቕጽል እንክትውጥኒ

ዘይተርፍ መቸም

ዝሓይሽ ክትሓልሚ፡

እሞ!

እንክትፈታትሺ ከተወራርዲ

እንከተነጻጽሪ እንከተወዳድሪ

ኣብ ምውዳን ሓሳብ ምጽሟቕ ንብርዕኺ፡

ኣብቶም ቃላት ጸንሓኪ?

ተድምጽዮ ሽመይ

ኣብ ዙርያ ወይ ማእከል

ነግሒ ሓረጋትኪ?

ውሽጥኪ እንታይ ይብል

እንታይ እባስምዓኪ!?

 
(ደሓን ኣይትንገርኒ
ካብ ዘቐንዙ ሓቂ፡
ዘለዂዎ ‘ሕሸኒ)
ፍቕረይ የማን
                      መስከረም 201620140811_104035.jpg

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s