ኣብ ግጥሚ እንታይ ነንብብ

“እዛ ግጥሚ ኣይተረድአትንን፣ ገጣሚ እንታይ ማለቱ እዩ? እዛ ቃል እዚኣ፣ እዛ ሓረግ እዚኣ ወዘተ” ካብቶም ኣብ ቦት ርእይቶ ግጥምታት ብብዝሒ ዝጸሓፉ ርእይቶታት እዮም። ካብዚ ንምግልጋል፣ ብዙሕ ኣብ ግጥሚ ክፍለጡን ክስትብሃለሎምን ዘለዎም ረቛሒታት ከምዘለዉ ምዝካር የድሊ። እዚ ማለት ገለ ብዘይካ ግጥሚ ብዛዕባ ግጥሚ ዝተጻሕፉ ውን ምንባብ የድሊ ማለት እዩ። ካብዚ ኩሉ ግን ንግጥሚ ብኹለንትንኡ ክንርድኦ ኣብ ክንዲ ምፍታን ኣብኡ እንታይ ባህ ዝብለና ነገራት ኣለዎ ብምፍታሽ ጥራይ ውን ክንዓግበሉ ንኽእል ኢና።

ብወገነይ ኣብቶም ብብዝሒ ግጥምታቶም ዝነበብኩ ገጠምቲ፣ በበይኑ ጽባቐ እየ ዝረክብ። ንኣብነት፣ ግጥምታት ሃይለ ቢዘን፣ ኣብ ቃላት ብዝፈጥርዎ ጥበብ ይረውየሎም። እዚ ማለት፣ እቲ ገጣሚ ኣብ ግጥሙ ዝጥቀመሎም ቃላት፣ ልክዕ ከም ሓደ ነዳቓይ ወይ ጸራቢ ዕንጸይቲ ዝግብርዎ፣ ንሓደ እምኒ ወይ ዕንጸይቲ ጸሪቦም ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘትሕዝዎን ኣብ መዓላ ዘውዕልዎን ኮይኑ እስመዓኒ። ከምኡ ውን ሓደ ቃል ኣብ ስራሕ ከውዕሎ እንከሎ ምስቲ ዛንታ ዝፈጥሮ ውህደት የደንቐኒ። ነቲ ዓይነት ጥበብ ኣብ ቃላት ክርኢ ከኣ ዕምቆት እቲ ግጥሚ ይኣትዎ። እቲ ግጥሚ ከመይ ኣቢሉ ነባቢኡ ክሕዝ ከም ዝኽእል ድማ ይግምት። ተምሳጥን ካልእ ተረኽቦን ድማ፣ ሒዙ ክትነቦ ምስ ገበረካ ዝመጽእ ስለ ዝኸውን ድርብ ጽባቐታቱ ይዓጅበኒ። በዚ መንጽር ካብ ዝሪኦም ብዙሓት ግጥምታት ሒደት፣

ናፍቖት ንጐደና ኣብ እትብል ግጥሚ ካልአይቲ ማይቤት ከምዚ ክትብል ትጅምር፣

“ኣክንዲ ንሰዓዓም

ናፍቖትና ንምሑ” ነቲ መሓወ ወይ ምምሓው ዝብል ቃል ከመይ ጌሩ ኣቐሚጥዎ ክርኢ እንከለኹ ድንቕ ይብለኒ።

ኣብ ካልእ ” ዛንታ ተባዕ” ዝተሰምየት ግጥሚ፣

“ንጉድጓድ ከፈስህ

ተጓሕጒሑ ነዝዐ

ንጉድጓድ ክመልእ

ተተኽቲኹ ፈዝዐ” ይብል። እዛ ግጥሚ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ክውለድ እንከሎ ጻንሖቱ ኣብ ምድሪ ክመውት እንከሎ እንታይ ይመስል እተርኢ ኮይና፣ ነቲ ጸታዊ ስምዒት ኣብ ምውዳእ “ተጓሕጒሑ ነዝዐ” ክብሎ እንከሎ ነቲ ሞቱ ኣብ ጉድጓድ ዝዓልበሉ ትርኢት “ተተኽቲኹ ፈዝዐ” ኢሉ ይገልጾ። ኣብ ምሉእ እታ ግጥሚ ኣእትየ እንክርእዮም፣ ነቲ ቃል ኣብ ስራሕ ከውዕሎ እንከሎ ምስቲ ዛንታ ዝፈጥሮ ውህደት ደስ እብለኒ ዝበልኩዎ የርእየኒ።

“ምስጢር ዕርክነት” ኣብ ዘርእስታ ግጥሚ ድማ፣

“እቲ ዓርከይ

ጎደና በሊዑ

ጎደና ኮይኑ ባዕሉ” ትብል  መወዳእታ ማይቤት እታ ግጥሚ ክትጅምር እንከላ፣ ንጎደና ከመይ ኣቢሉ እዩ በሊዕዎ? ከመይ ኣቢሉ እዩ ኸ ጎደና ኮይኑ ባዕሉ? እናበልኩ ክሓስብ ደስ እብለኒ እሞ እታ ግጥሚ ክደጋግማ ደስታ ትፈጥረለይ። ብኡ ኣቢለ እቲ ዓርኪ ዝተባህለ፣ ፈለማ ምስ ነብሱ ዝገብሮ ምስሉይነት፣ ጸኒሑ ባዕሉ ንባዕሉ ዝፈጥሮ ትዕቢትን ብኡ ዝስዕብ ቅልውላው ውሽጥን፣ ደሓር ውን ሰብ ዝበለ ይበል እናበለ ምስ ነብሱ ዝገብሮ ምጉት ኣብ መወዳእታ ነቲ ዓርኩ ኣብ መንገዲ ምስ ረኸቦ ዘርእዮ ጸልፋዕፋዕ ወዘተ ክርእዮ ትገብረኒ።

ካልእ ኣብ ግጥምታቱ ዘኸይፈኒ እንተሎ፣ እቶም ግጥምታት ካብቲ ዝተጻሕፍሉ ወጻኢ ንኻልእ መዓላ ውን ከውዕሎም ዝኽእል ኣበሃህላታት ዝረኽበሎም ምዃኖም እዮም።

ጓል ንምኽሽካሽ ወይ ፍትውተይ ንምውዳስ ዘድልዩኒ ጥዑማት ኣበሃህላታት፣ ካብታ ውግእን ምስሊ ውግእን እተርኢ ህብብቲ ግጥሚ “መዝሙር ናቕፋ” እጥቀም። ነታ ሃነይነይ ዝበልኩላ ጎርዞ ንምምጓስ፣

“ተዝህሉ

ንጠፈር ክሳብ ዓንቀሩ

ገዚፍ በገና

ብዝሒ ጩራ ጸሓይ ኣውታሩ

ንሕልሚ ዘሕልም

ዘውጽኦ ድምጺ ቅኒቱ፣

መዝሙሩ፣

ንዮ ዝስማዕ

ንግዝኣት ፈጣሪ ኪንኡ።

ንሱ ሓቚፈ፣

ንመዝሙር ኩሎም ኣህዛብ

ፈቲገ ደጋጊመ ነፍየ

ብኣፍ ኩሎም ኣህዛብ

ስምኪ ተዘስምዕ ውዳሰ፣

ስለዘይገልጾ ንተኣምርኪ ጫፉ፣

ዩኒቨርስ ውን መስፈሪ ተገይሩ

ካብ ቅያኺ ስለዘየልዕል ፈይታ፣

ካልእ መግለጺ ስለዘይብለይ

ሰግድ ሰግድ ሰግድ’የ

ዘለኹ ናባኺ — ብስቕታ።

ብምባል ንዓይ መዳርግቲ ኣልቦ ጽባቐ፣ ክገልጾ ዘይክእል ጣዕሚ ፍቕሪ እትህበኒ ምዃና እየ ዝነግራ።
ንሳ ብግዲኣ፣

“ኣብ ልበይ፣

ብድንቂ እምነ-በረድ ቀሪጸ

ብስምካ ዝዕጠን ቤት መቕደስ ሃኒጸ፣

ደወል ሰቒለሉ፣

ንፋስ ውን ነኺእዎ ዘድምጽ ብዓውታ

ግዜ ተዘይተወዲኡ ዘይነጽፍ ግሊውታ።
ናብኡ ሰግድ

ኣብኡ ዝምር

ንበረለይ’ለ ጽሊ

ምእንቲ ኣነ ኽነብር።

እናበለት ልዕሊ እቲ ዘፍቅራ ከምተፍቅረኒ ትነግረኒ። ነዘን ክልተ ማይቤት ካብታ ኣብ መጽሓፍ “ብድሕሪ ማዕጾ” ዘላ ንሳ ውን ውግእ ዝካየደሉ ቦታ እንታይ ከምዝመስልን ውሒጥዎ ዘሎ ትንፋስን እተዘንቱ ግጥሚ “ድፋዕ” ከምዘውጸአተን ምስ ፈለጥኩ መሊሰ ብጥበብ እቲ ገጣሚ እድነቕን ነቲ ኣብ ላዕሊ ” ካልእ ኣብ ግጥምታቱ ዘኸይፈኒ እንተሎ፣ እቶም ግጥምታት ካብቲ ዝተጻሕፍሉ ወጻኢ ንኻልእ መዓላ ውን ከውዕሎም ዝኽእል ኣበሃህላታት ዝረኽበሎም ምዃኖም እዮም።” ዝበልኩዎ የራጉዶን።
ናይ እኒ በየነ ሃ/ማርያም፣ መለስ ንጉሰ፣ ርእሶም ሃይለ፣ ሳባ ኪዳነን ካልኦትን ውን ካልእ ዝፈጥረለይ ተምሳጥ ኣለዎ። ቀነይቲ ይበለና እሞ የራኽበና።

ፍቕረይ የማን

20160905_205747

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s