ኩሉ ግዜ’ባ ንሓምብስ!

20140811_104035.jpg

ክትበቂ ሲ!
ካብ እንላለ ብደገ ደጌና
ዓራት ከይበጻሕናነዊሕ ተጓዒዝና።
ብዝማእማኣኪ ፍቕረይ ክትምገቢ
እቲ ዝሃርፎ ግን ፍጹም ዘይትህቢ፡
ነገር ባህርን ባህልን ክትከዋውልዮ
ኣፍኢሙ ዝሓብእ ክዳን ትኸድንዮ፡
ክዳን ብግዲኡ፡
ንድሌትኪ ድዩ ተረዲኡ
ወይስ ከርእየኒ ክእለት ሰፋይኡ
የወናውነኒ ቀቀንዱ ሓቢኡ።
ንሱ ‘ሓይሽ
ድሓን ይእቶ ባሕሪ
ጽባቔኡ ዘይብሉ መስፈሪ
“ረኣያ” እምበር “ረኣየኒ” ኣይበለን
ካብቲ ዝሃርፎ ቅንጣብ ኣይከወለን
ጋቢዙኒ እቲ ዝጋበዝክዮ
ሕቚፈይ ‘እትዩኪ ምስ ተሓቖፍክዮ፡
ዓይነይ ተመሲሑ
ብዘይ መቃልዒ
ውሽጠይ ውን ዓጊቡ
ጽባሕ ዝብሎ እንድዒ።
እሞ ‘ባ ዝብለኪ፡
 ምሕንባስ ብቐንዱ
ሕቡኣትና ኸኣ ‘ላመዱ
ኩሉ ግዜ እባ ንሓምብስ!
ፍቕረይ የማን

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s