ምስ ተመሃርኩ

  “ፍቕረይ ወደይ ተማሂርካ ምስ ወዳእካ እንታይ ኢኻ ትገዝኣለይ?” ” ንዓኽን ጥራይ ድዩ ንዓይ ሲ ክገዝኣለይ እንድዩ ዝወደይ መዓረይ” ዓባየይን ኣደይ ለተድንግል ሰይቲ ሓወብኡ ነቦይ ትምህርቲ ክጅምር እንከለኹ ዝብላኒ ዝነበራ እዩ። ኣነ ኣይወዳእኩን ንሰን ውን ኣይተጸበያንን፡ ዓዲ እዝግሄረን ከይደን።
” ክመሃሩ እናደለዩ እዚ ትምህርቲ ዝኣብዮም እኮ ምሳኻ ትርእዮም ኣለኻ፡ ክፉት ርእሲ ሂቡካ እንከሎስ ዘይትመሃር ንዓኻ ኮይንካ ንኻልእ ትኸውን፡ እዚ ሕጂ ዝብለካ ዘለኹ ጽባሕ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸልካ ኣጸቢቑ ክርደኣካ እዩ፡ ሃገር ናይ ዝተማህሩ እያ ክትከውን” መምህር ግርማይ ከም ወላድን ዓርክን ኮፍ ኣቢሉኒ ተላዚቡኒ። ወዲ 15 ዓመት እንከለኹ እዩ።

  ” እሞ እዚ ዓዲ ጸሊእካዮ እንተኾይንካ ኣስመራ ኮይንካ ተመሃር፡ 100 ቕርሺ ንወርሒ ተቖራጺ ክገብረልካ እየ መሐሸሺኻ፡፡ መስሓቕ ሰብ ኣይትግበረና። ጽባሕ ንጉሆ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸልካ ከጣዕሰካ እዩ እዚ ሕጂ ትገብሮ ዘለኻ።” ኣቦይ ብመግናሕትን ምስግዳድን ምስ ተሓለሎ ዝበለኒ እዩ። ኣደይ ውን “ስምዓና እንዶ ዝወደይ” ብዘስምዕ ዓይኒ ትጥምተኒ ኔራ። ከምቲ ዝበልዎ እንተፈተኑ እኳ ኣስመራ ኮይንካ ምምሃር ውን ዝምእምኣኒ ኮይኑ ኣይጸንሐን።

  መምህር ኣብርሃም(ኣቦይ ትግርኛ)፡ ሞኬ (ናይ ታሪኽ መምህርና)፡ መምህር መዝገብ (በታ ቆራጽ ኢዱ ርእሰይ እናደራረዘ)፡ ካልኦት ፈተውትን ኣዝማድን፡ ንብሩህ መጻእየይ ኣብ ትምህርቲ ኣመልኪቶም ክመሃር ምዒዶምኒ። ኣነ ኣይተመሃርኩን፡ እቲ ንሳቶም ዝሓለምዎን ዝተመነይዎን መጻኢ ውን ብሂወቶም እንከለዉ ኣይመጸን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዝነብርዎ ዝነበሩ ውን ሕጂ የለን።

 ነዚ ዘለኹዎ ሂወት ስደት፡ በዚ ዘለኒ ክገጥሞ ዝኽእል እኳ እንተኾንኩ፡ ግን ክመሃር እየ። ነቲ ዝተመነዩለይ ደረጃ ውን ክበጽሖ እየ። ገሊኦም ይርእይዎ ይኾኑ። ነቲ ዝተመነዩለይ ሂወት እነብሮ ዶ ኣይነብሮን ግን እንድዒ፡፡ ድሮ እኳ ብዙሕ ካብቲ ክነብሮ ዘለንስ ሓሊፉ ኣሎ።

 ሎሚ፡ ቅድሚ 16 ዓመት ክጅምሮ ዝነበረኒ ትምህርቲ ጀሚረ ኣለኹ። ድሕሪ 19 ዓመት ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሰ ማለት እዩ። ንገሊኡ ብስሩዕ ንገሊኡ በቋራጭ፡ እቲ በቲ ስሩዕ መሳልል ናይ ዓድና ክበጽሖ ዝነበረኒ፡ ኣብ ዝሓጸረ ክበጽሖ እየ። እንተሓጸረ 5 እንተነውሐ 7 ዓመት ክወስደለይ እዩ። ሽዑ “ዝተማህረ” ክበሃል እየ።

ንእሽቶ ሕጫጨ

ሕጂ ዘተሓሳስበኒ ዘሎ፡ ክሳብ ሽዑ ኣብ ፈይስቡክ ለውጢ ከይመጽእ እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ፈይስቡክ ለውጢ እንተመጺኡ፡ እቲ “ምሁር” ምዃነይ ክምስክረለይ ዝኽእል ዝተሓላለኸ እንግሊዘኛይ ኣበይ ክጽሕፎ እየ?

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s