…… ምስ በጻሕኩ፡ መሲሉኒ ዝተወድአ
ሻቕሎት ዘየሎ ስቓይ ውን ዘብቅዐ፡
ድሕሪት ንድሕረት ሂበ
ዝረኣኹዎ ዝወዓልኩዎ
ኣብ ታሪኽ ቀቢረ
ሂወት እንታይ ‘ጥዕም
ክርእዮስ ምንባሩ ጀሚረ።
ቃንዛ ሕሉፈይ እቲ’ኳ ከምቲ ናትካ
ዕድለይ ዝሰዓሮ ዕድልካ ዝኣበየካ
ብመታወን ፍቕሪ ተዋስኦ ሂወት
ወላዊለ ‘ረሳሲነ ክፍውሶ ፈቲነ።
ምስታ ኸማይ በዓልቲ ትማሊ
መቓኒቲ ሳህራ መዋዕልቲ ባሕሪ
ብሓደ ኔርና ነኻፊ ዝኽሪ
ዝኽሪ ትማሊ ናይ ሕሉፋት ምቕሊ፡
ኣብ ፈተነ ንፍወሳ ፍወሳ ኣበሳ
ኣበሳ ሕሉፍ ናይቲ ጉዕዞ ቃንዛ
ኣብ ባሕሪ ፍቕሪ ኣቲና
ተሰቒልና ጃልባ።
ወኒ ኣብ ምጅማሩ
ረስኒ ፍቕሪ ዓራት ኣብ ምሕኳሩ፡
ከለኹ ኣብ ቃጸሎት
ኣብ ሕቚፊ ፍትውተይ ንባህታይ ከሳሲ
“ጦምቦላሕ!” ሰሚዐ ገጪቡኒ ጸፍዒ።
ዛሕሊ ኣይነበሮ ዋዒ
ቅርጺ ኣይነበሮ ሕብሪ
ድምጺ ጥራይ’ዩ ነይሩ
ዘይፈለኹዎ ከኣ ስምዒት።
ከመይ ወሪደ እንድዒ
ነብሰይ ረኺበያ ኣብ እግሪ ዓራት
ተቕባሕብሕ ብፍርሒ።
ፍርሒ ውላድ ስንባደ
ስንባደ እቲ ልበይ ዘንደደ።
ብሉስሉስ ሕቚፋ ተቐናዪ ድምጻ
ተረርየ ተኣቢደ፡ ጋህዲ ተኣሚነ ዝገደደ፡፡
ለካ ሕልሚ’ዩ ወዲቑ
ኣብ ባሕሪ ዓሊቡ
ለካ ተስፋ’ዩ ነጢቡ
ቁልቁል ተነቚቱ ተሸሪቡ
ነድሪ ቃንዝኡ ንላዕሊ ጎሲዑ፡
ለካ ትጽቢት’ዩ ዓሪፉ
ነጸላ ማይ ቀዲዱ
ባዕሉ ተገኒዙ
ሃፈጽታኡ ጋዝ ፈጢሩ
ንውነይ ሸልቢቡ።
ክዉን ንዘይምእማን ርኡይ ንዘይምቕባል
ኣዒንተይ ዓሚተ ፡ ኣእዛነይ ለኲተ
ንሕቚፋ ኣሚነ ፡ ክሕባእ ፈቲነ።
” ስንባደ የደንዝዝ’ዩ
ቃንዛ ግን ጽባሕ’ዩ”
ድምጺ ፍትውተይ ሓቂ ኣቃሊሑ
ጽባሕ ኣየብጽሓንን ቃንዛይ ተፈርሺሑ።
ንብዓተይ እቲ ምኲሕ
ተፈንዩ ሎምስ ብጎርፊ ብጃሕጃሕ።
ነቢዐ … …
ስለ’ደ ነቢዐ
ስለ’ታ ንብዓታ ዝተወድአ፡
ስለ’ቦ ነቢዐ
ስለቲ ግርማኡ ምሳኻ ዝተቕልዐ፡
ስለ ኣሚን ነቢዐ
ስለታ ሕልማ ምስ ሕልምኻ ዘብቅዐ፡
ስለ ውሉድ ነቢዐ
ስለቲ ጽባሑ ኣብዛ ዕለት ዝኸፍአ፡
ነቢዐ ስለሓው ስለሓብቲ
ቀባሕባሖም ዘኪረ ኣብ ግዳም ኣብ ዓዲ፡
ነቢዐ ስለይ ስለባዕለይ
ጎደሎ በ’ያ ብንኡስ
ጎደሎ ብዓርከ-መሓዛ
ክነብሮ ምዃነይ
ሕብሪ ኣልቦ ሂወት
ዘየብሉ ላዛ፡፡
ነቢዐ… … ነቢዐ… … ነቢዐ … …
ምንባዐይ ወዲኤ፡
ስለኻ ንዘይምንባዕ
ዓይኒ ንብዓተይ ዓጽየ።
ፍቕረይ የማን
ሰነ 2016