እቲ ወንበር መደገፊ ማዕጾ
ቀትሪ ዝዕጾ ምሸት ዝርሖ፡
ካልኣይ ዕማሙ
ሸቐጥ ዝዝርግሖ
ሸቐጥ ምሸት ምሸት፡
ኣብታ ጸባብ ጽቕጦ።
እናሓለፍኩ ርእየዮ
ማእከሉ ጠምቢቑ
ገመዱ ደጊሉ
ላሕሊሑ ረቒቑ
ኣእኪለ ‘ይሉ በልዩ።
(ኣብ ዕራርቦ’ዩ እዚ)
ጸጉርኺ ተመሺጡ
ሸፋሽፍቲ ቅርኒብ
ብዂሕሊ ደቢኑ
ሕብሪ ከናፍርኪ
ካብ ማዕዶ ‘ረኣዩ፡
እንታይ’ኳ ዝረአ ኣለዎ
ሰለፍኪ ጥራዩ፡
ኣብ ምላሸይ
ኣብታ ወንበር ኔርኪ።
( ኣማሲኡ ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ)
መን ከላግስ! መንስ ክሓተኪ!
መን ክሃርፍ! ከመይ ከቕልበልኪ!
ትርኢት ወንበርኪ ዘህሰሰ ግዜ
እንታይ ምስ ገደፈልኪ!።
ፍቕረይ
2016