ንስኽን ‘ታ ወንበርን

እቲ ወንበር መደገፊ ማዕጾ

ቀትሪ ዝዕጾ ምሸት ዝርሖ፡
ካልኣይ ዕማሙ
ሸቐጥ ዝዝርግሖ
ሸቐጥ ምሸት ምሸት፡
ኣብታ ጸባብ ጽቕጦ።

እናሓለፍኩ ርእየዮ
ማእከሉ ጠምቢቑ
ገመዱ ደጊሉ
ላሕሊሑ ረቒቑ
ኣእኪለ ‘ይሉ በልዩ።

(ኣብ ዕራርቦ’ዩ እዚ)

ጸጉርኺ ተመሺጡ
ሸፋሽፍቲ ቅርኒብ
ብዂሕሊ ደቢኑ
ሕብሪ ከናፍርኪ
ካብ ማዕዶ ‘ረኣዩ፡
እንታይ’ኳ ዝረአ ኣለዎ
ሰለፍኪ ጥራዩ፡
ኣብ ምላሸይ
ኣብታ ወንበር ኔርኪ።

( ኣማሲኡ ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ)

መን ከላግስ! መንስ ክሓተኪ!
መን ክሃርፍ! ከመይ ከቕልበልኪ!
ትርኢት ወንበርኪ ዘህሰሰ ግዜ
እንታይ ምስ ገደፈልኪ!።

ፍቕረይ
2016

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s