ልበይ ‘ዚ ሃላሊ
ምስ ፍቕሪ ኮብላሊ
ኣበይ ዘይወዓሊ፡
ዝሕሾ ክደሊ።
ንሳ፡
ማርያም ተነጺፋ
ዓቐብ ማይጃሕጃሕ
ኣቢላ ሃቲፋ።
ተራኺብና ወዝቢ
ኣብቲ ገምገም ባሕሪ
ዝኽርና ‘ሓዲስና
ኣብ ሽፋን ጥልቀቱ
ተቛዲስና ፍቕሪ።
ብዘይፋነዋ ከምቲ ኣመላ
ጣዕሚ ቐቢራ ተዓዚራ
ትነብር ግንኣላ
ኣብ ዝኽረይ ሰፊራ።
እንድዒ ዘላቶ
እንድዒ ትኾኖ
ግና፡
ኣበይ ከይትረግእ
እፈልጦ ‘ንድየ ልባ፡
ብጽሕና ቀቢራ
ብዝኽሪ ሕሉፍና
ትብህርር ትህሉ’ ያ።
ልበይ’ዚ ሃላሊ
ምስ ፍቕሪ ኮብላሊ
ባህታኡ ክደሊ
ኣበይ ዘይወዓሊ፡
እቲኣ፡ ዋሕዚ ኒል ረሪኣ
ክዕዘር ትደሊ ልበይ ተማሊኣ።
ሕልማ ዘይተገርሐ
ልሳና ዝነውሐ
ደርፋ’ዩ ኣብዚ እኒሄ
“ኒልየ ቅናት ኣደይ
ቁጻር ዶ የብልካ’
ዝዕንግል ንኸብደይ
ተዕሙዀኒ ኣብ ኢደይ
ምልእ ኣቢልካ ከኣ
ዝሽፍን መንገደይ”
ተዚም ወግሐ ጸብሐ።
ተዓዚራ ምስ ኒል
ዝኽራ ግን ኣለኒ
እናሻዕ ዝቕልቀል
ባህታ ዝፈጥረለይ
ምሽታትና እንክዝክር።
ልበይ’ዚ ሃላሊ
ምስ ፍቕሪ ኮብላሊ
ኣበይ ዘይወዓሊ
ዝሕሾ ክደሊ፡
“ክንነቅል ‘ንተኾይንና
ኣቦይ ቀሺ ኣለዉ
ነስሓ ዘእትዉና፡ ሕሉፍና ነጽሪ
ቆሪባን ተቐቢልና ንእተዎ ንፍቕሪ
ዋሕስ ንጽባሕና ፍዳ ንትማሊ”
ምስበለትኒ
ተፈልየያ!
ምሸታትና ግዳ ዘይፍለዩ
ይነብሩ ኣለዉ
ኣብ ልበይ፣ ሰሪሖም ኣጓዱ።
ልበይ’ዚ ሃላሊ
ምስ ፍቕሪ ኮብላሊ
ኣበይ ዘይወዓሊ
ዝሕሾ ክደሊ።
ልዕሊ ኤቨረስት ሓዂሩ
ዕምቆት ማርያትረንች
ከይዓጀቦ
ጫካ ኣቦርጂንስ ደፊሩ፡
ንኣእዛን ኣእሚኑስ
ካብ ሰሜናዊ ዋልታ
ኣብ ዶብን ደቡብን
ዓለምና ሓዲሩ፡፡
ርውየት ኣእዛን
ብውትራን ልሳን
ክጥዕም እባ ብኸምኡ
ምክዋን፡
ኣበይ’ሞ
ሕቚፊ ኣእዳው ደንጒይዎ፡
ካልእ ኣእዛን ሓዊሱ ልሳን
ካባይ መንዚዕዎ።
ልበይ’ዚ ሃላሊ
ምስ ፍቕሪ ኮብላሊ
ኣበይ ዘይወዓሊ
ዝሕሾ ክደሊ
ክኸይድ እምበሪ
ክሳዕ ወኑ ዝበሊ
ወይ ዝቕበር ብፍቕሪ።
ፍቕረይ የማን
ታሕሳስ 2015