ቅንኢ

ኣነ ምስ ‘ዓርከይ’ – ሳልሳይና ጽልኢ
ንዓርከይ ጓናኡ – ኣብ ውሽጠይ ነባሪ፡
ሰለስተ ጸወታ – መን ሰዓረ
ድራር ዝኸፍል – ጸወታ ጀመረ።
ሰሓብ! ደርቢ!
ደርቢ! ሰሓብ!
ማታ ባይስ ኣላሂመዮ።

ሰሓብ! ደርቢ!
ደርቢ! ሰሓብ!
ሕራነይ ወሲኸ
ማንካ ኡኖ!
……ሰበይቲ ዓርከይ ደዊላ ቴለፎን
እንታይ ተባሃሂሎም ኣይሰማዕኩን፡
ባና ብርሃን ገጹ ግን ደጒሑኒ
ሓይሉ መንፈሱ ክብርኽ ኣስተውዒለ
ቀልበይ ጠፊኡኒ።

ጽፍዒቱ ማታ ባይስ
ካልእ ጅሮ
ስሕበተይ ኣብ ጠልጠል
ደጊሙኒ ሓፋስ።

ከምኡ እንድያ ኢላቶ ከምቲ ዘርስነኒ
ምስ እምባ ዘቃልስ ሓዊ ዘዕትረኒ፡
በቲ ዘስናእንእ ድምጻ በቲ ዝለመድኩዎ
እናሰተኹዎ ዝጸምኦ ‘ሞ ዝሰኣንኩዎ፡
ብኡ ደሪዛቶ
ኣብ ቤታ ክንሳ ኣብ ቅድመይ
ሓይላ ደጊማቶ።

ቅድም፡ ፍቕረይ ከሲረ
ሎሚ፡ ድራር ተሳዒረ
‘ኸይድ ኣለኹ
ድርብ ስዕረት ጸይረ።

ፍቕረየ የማን
ኖርወይ 2015

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s