“ትጽቢት ጎዶት”

ግዜ እንታይ ኣለዎ

ግዜ እዚ ጎያዪ

ሓደ ዘመን ኮይኑ፡

ዘይረኣኽያ፡ ዘይትፈልጥያ

ባቡር  ክትጽበዪ!

ባቡር ፍትሒ

ጽዕነታ ሓርነት

ተበሃጊት! ተሓላሚት

መዓስ ከምትበጽሕ ዘይትፍለጥ፡፡

ትጽቢት ካብ ተዀብቲ

በሊዕዎ ሓዊ ድሕሪ ሓንቲ ለይቲ፡

ሃረርታ መጎትቲ

ዘሪግዎ ንፋስ ኣይሰሙን ሳልስቲ፡

ንፋስ በዓል ሕማም

ሓድጉ ዘራጊቶ ለኪሙ ንሰላም።

ሃንቀው ንወፋሮ

‘ሎሚ መጻእና ጽባሕ ተጸበዩና፡’

ዕድመ ክርስቶስ ዝሰተየ ጉዕዞ

“ምስጢረ ስላሴ” ኣብ ውሽጡ ዝሓዞ!

ዓመት መጸ  እንቅዓ መብጽዓ

ዕጒስ ትም ‘ንተበለ ተሓሲቡ ዓሻ፡

ክርቢት፡ ካብ ከብዲ እኖኣ ወጺኣ

ከብዲ እኖኣ ወቒዓ።

(እንታይ ረኸበት! ተቓጺላ!)

መብጽዓ ተበሊዓ፡

እንድዒ መን ከምዝበልዓ፡

“ኣላ” ይብሉና እቶም ዘለዉ

“የላን” ይብሉና ክህልዉ ዝደልዩ፡

“ኣበይ ኣለዉ” ነድምጽ ነቶም ዘየለዉ፡

ንስኺ ኣብ መንጎና ትጽበዪ

ትግረሚ ናይ መን ምዃንኪ

ንመን ከም ትኾኒ።

ሕልማዊት ባቡር ከኣ ተሕልመና

ንዕኦም፡ ንዓኣቶም፡ ንዓኺ ንዓና

እንድዕላ ናበይ ከምትወስደና፡

የግዳ! ምሓሸና

ርጒጽ እንተዝኸውን ትመጽኣሉ መገዲ

ወረ እንተንፈልጥ! ምዃና ህልውቲ!

ፍቕረይ የማን
ግንቦት 2016

NB.

“ትጽቢት ጎዶት” (Waiting for godot) ብኣየርላዳዊ ስነ-ጥበበኛ ሳሙኤል በከት ዝተጻሕፈት ድራማ ኰይና፡ ቭላድሚርን ኤስትራጐምን ዝተባህሉ ክልተ ገጸ-ባህርያት፡ ንሓደ እንታዋይ ምዃኑን፡ ካበይ፡ መዓስን በየን ኣቢሉን ከምዝመጽእ ዘይፈልጥዎ፡ ጎዶት ዝተባህለ ጋሻ ዝጽበዩላ ድራማ’ያ።

17211909_1079829998787655_1244595668624418653_o

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s