ሰዓት ሓደ

 

ቅድሚ ዓሚ፡ ዓሚ

እንሆ ድማ ሎሚ፡

ዕለት ከየብኰረ! ደቒቕ ከይደሓረ

ልክዕ ሰዓት ሓደ

ኣብኣ ይመጽእ’ሞ ተተኺሉ ይጽበ።

 

ብጸጋማይ ኢዱ ሓቚፉ ሰታሪት፣

ዝኣሰራ ሰዓት ጸጸኒሑ ይምልከት

ግና ንሰዓቱ ዘይኣምና ክመስል

ሰዓት ክንደይ ኣሎ?” ይሓቶም

ነቶም ሽማግለ፡

ጫማ እናወልወሉ እንጀራ ክምእርሩ

ኣብታ እግሪ ሽባኻ፡ ተነጺፎም ዝውዕሉ።

 

ሰዓት ሓደመሊሶም ብቐስታ

ብትሕቲ መልሓሶም ይውስኹ ዘረባ።

 

ከምሰቦም ይሓምይዎ ይኾኑ

ወይ ኣደንጊጽዎም ይርህርህሉ

ዝፍለጥ የለን ስለዘይዛረቡ።  

 

ንዕኡ ደኣ፡

ሰኣን ልዙብ ሓታቲ

ጽን ኢሉ ሰማዒ፡

ግዳም ርእዮም ዝፈርዱ

ውሽጡ ከይፈለጡ

ዝኑብሰይሞሞ ዘሽክዖ ውንኡ፡፡

 

(ንባዕለይ ግዳ ሎሚ’የ ፈሊጠ)

 

 ጥዑይ ንሱ ግን

በዓል ምሉእ ውኖኡ፡

እምነት ዘሕደረሉ ቆጸራ ከኣ ኣለዎ

ረዚን ሰኸም ጸይሩ ረጊኡ ዝጽበዮ

 

ካሜራ ኣውቲሩ ኣነጻጺሩ፡

ዓይኑ ምስ ጸቐጠ ልቡ ዝተጸቕጠ

ከይተማትአ ሕቶ ምስ ኣቕረበ፡

 

ንሕቶኡ ብሕራይ

ንሕራያ ብተላይ

ከይትጠልምኢላ፡

ስዕሞ መጥያ መሰናበቲ

ቦታ ነጊራስሰዓት ሓደዝበለቶ

ከይፈለየት መዓልቲ።

 

ንዓኣ ወትሩ

ሰዓት ሓደ መጸ

ቆጸርኡ ኣኽቢሩ

ኣብታ ቦታ ዝጽበ።

 

እቶም ኣብ እግሪ እታ ሽባኻ ኮይኖም ጫማ ዝውልውሉ ሽማግለ ኣቦኣ እዮም፡፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስኦም ትሰርሕ ዝነበረት እሞ ሓደ መዓልቲ ኣብ እንዳ ስእሊ ነይራ እናተመልሰት ብሓደጋ መኪና ዝዓረፈት ጓሎም፡ ኣብኡ ቆጺራቶ ይመላለስ ከምዘሎ እንተዝፈልጡ እንታይ ምበሉ?

 

ፍቕረይ የማን

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s