ግጥሚ ትግርኛ፡ ግዳይ ብርዑ ነናይ ዘውተረ ጸሓፊ

መእተዊ፥
መሓመድ ወርዲ ዝብሃል ሱዳናዊ  ኩለንትናዊ ደራፊ (በታ ትስዓተ ዓሸር ሰና ወይ ሰበርታ ትብል ደርፉ እዩ ዝያዳ ኣብ ኤርትራ ዝፍለጥ) ንግጥምን ነቲ ዘስቆርቁር ቅዲ ሙዚቃ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሓደ ካብ ቃለ-መጠየቓቱ ከምዚ ኢሉ ነይሩ። ” ግጥምን ሙዚቃን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ባህላዊ ሂወት ናይቲ ተራ ህዝቢ ካብኡ ናብኡ ከኣ ታሕተዋይ ደረጃ መነባብሮ ዝነብር ህዝቢ እዩ ዝነቅል። ብኣረኣእያይን ኣረዳድኣይን ውን ዝያዳ ካብተን ኣብ ጽዑቕ ዕዮ ተጸሚደን ዳርጋ ብትሕቲ መልሓሰን ቁዘማ ዝዓይነቱ ውሁድ ድምጽን ንዕኡ ዘሰኒ ዝተወሃሃደ ቃላትን ከስምዓ ዝውዕላ ኣዴታት’ዩ ዝነቅል ዝብል እምነት ኣለኒ። ብህጻናትና ካብኣተን ስለንሰምዖ ድማ ብኡ ተጸሊና ሂወትና ቅኔኣዊ ይኸውን ስርሓትና ውን ንዕኡ የንጸባርቕ እመስለኒ።” በብሃህላ ወርዲ፡ ግጥሚ ንኹለንትናዊ ሂወትና ዘሰኒ ቀመም እዩ። ኣጽብብ ኣቢልና እንተረኣናዮ ‘ውን፡ መንቋሕቋሕታ ካብ ዝኸፈትናሉ ዕድመ ጀሚርና፡ ንፍቕሪ ኣደን ካልእ ስድራቤታዊ ሂወትን፡ ንፍቕሪ ጾታን ዕርክነትን፡ ሃገራውነትን ጅግንነት፡ ካልእ ማሕበራዊ ሂወትናን ብግጥምን ቅኔኣዊ ነግሕታት ግጥምን(ጥቕስታትን)፡ ክንገልጾ፡ ከነንጸባርቖ፡ ከነሰንዮ ክንፍትን ንቡር ተርእዮ እዩ።

ብንእሽቶ ኣፍልጦይን ተፍትሸይን ከምኡ ውን ጽብብ ዝበለ ርድኢተይ፡ ብዘለዎ ብዝሒ ህዝብን ዝርጋሐን ክግምገም እንከሎ፡ ድሕሪ ቋንቋታት ዓረብን ኣምሓርኛን ከም ትግርኛ ጌሩ ብስፍሓት ግጥሙ ዝስመዓሉን ዝንበበሉን ቋንቋ ዘሎ ኣይመስለንን። ከምዚ ዓይነት ባህላዊ ሰረትን ተቐባልነትን ዘለዎ ግጥሚ፡ ክበጽሖ ዘለዎ ደረጃ ምዕባለን ክህልዎ ዝግባእ መለሳታትን፡ ከመይ ክኸውን ትጽቢት ይግበር፡ ዝብል ሕቶ እምበኣር ብቐዳምነት ዝመጽእ እዩ።

መድረኻት ግጥሚ ትግርኛን ውጽኢቶም፥

ቴድሮስ ኣብርሃም (ጸሓፍን ጋዜጠኛን) ኣብ መእተዊ ናይቲ ንመጽሓፍ “ብድሕሪ ማዕጾ” ናይ ሃይለ ቢዘን ዝጸሓፎ ገምጋም(review) ንኣበሃህላ ናይ ሓደ ፕሮፌሰር ጠቒሱ ከምዚ ይብል። ” ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ኮሌጅ፡ ሓደ ፕሮፌሰር ስነ-ግጥሚ ንተመሃሮኡ፡ ያታውያን ገጠምቲ ንገጠምቲ ዘመናውነት ብኸምዚ ዝስዕብ ከም ዘባጭዉሎም ኣዕለሎም፥ “ዘመናዊ ግጥሚ ንንግጣም፡ ብርዒ ዘይኰነ መቕዝ’ዩ ዘድልየካ። ንሓንቲ ዓምዲ ጋዜጣ ንትኹል በታ መቐዝ ምስ እትቐዳ፡ ሓንቲ ዘመናዊ ግጥሚ ብቐሊሉ ኣብዛ ኢድካ ትረክብ።”
እቲ ፕሮፌሰር ንባዕሉ፡ ኣብ ልዕሊ ገጠምቲ እዋናት ሮማንቲክስ ከምኡውን ቪክቶሪያን ክቱር ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ፡ ጠመተ ተመሃሮኡ ኣብ ልዕሊ ዘመናውያን ገጠምቲ  ንኽሰፍሕ ክሕግዞም ኣይፈተነን። ከም ውጺእቱ፡ እቶም ተመሃሮ ተውሳኺ ጻዕሪ ብምግባር ግጥምታት ምንቅስቓስ ዘመናውነት ከመይ ይመስሉ ክፈልጡ እንተ ዘይፈቲኖም፡ እቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ዕላል ከም ቅቡል ክውስድዎ ልዑል ተኽእሎ ነይሩ። ኣብ ንባብ ግጥሚታት ዘመናውነት ንዝጠሓለ ግን፡ ገጠምቲ ዘመናውነት ካብ ያታውያን ገጠምቲ ዝተፈንጨልሉ ምኽንያት ብንጹር ቅርጺ ይሕዘሉ።” (ንምሉእ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ኣብ Soyra blog.com ምንባቡ ይከኣል)

ኣበሃህላ ቴድሮስ ነቲ “ቅንየት” ዝብል ስያመ እታ መጽሓፍን እቲ ገጣሚ ኣተኣታትይዎ ዝበሎ ውልቃዊ ጻዕሪ ዝምንጩ ናይ በይኑ ቅዲን ንምፍላይ እኳ እንተኾነ፡ ዝኾነ ግጥሚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ሓድሽ መለሳ፡ ዝኾነ ገጣሚ ንሱ ጥራይ ዝልለየሉ ሓድሽ ምህዞ(ፈጠራ ቅዲ ኣገጣጥማ) ክህሉ ከምዘለዎ እዩ ዘዘኻኽር። እዚ ኣብ ውልቃዊ ጻዕሪ ዝምርኮስ ምዃኑ ግዳ ኣነጺሩ የርኢ። ውልቃዊ ጻዕሪ ግና ካብ ባዶ ዝነቅልን ብሃውሪ ዝጒዓዝ ዘይኮነ፡ መወከሲ ዘለዎ፡ መራሕቲን መሃርትን ዘለውዎ ምስ ዝኸውን እዩ ውጽኢታዊ ዝኸውን። ንኣበሃህላ እቲ ፕሮፌሰር እንተሪእና ውን እዚ ኢና ክንግንዘብ ንኽእል።
በዚ መንጽር ክረኣዩ እንከለዉ፡ መድረኻውያን (ናይዚ ህሉው እዋን) ግጥምታትና ከመይ ኣለዉ? መድረኻውያን ገጠምትና ኸ? ዝብል ሕቶ ከልዕል እደሊ። ፍርዲ ከይሃብኩ፡ ርእይቶይ ቅድሚ ምስፋረይ ግዳ፡ ካበይ ክሳዕ ኣበይ ዘሎ’ዩ እቲ ዝዛረበሉ ዘለኹ መድረኽ ከነጽር ክፍትን እየ። ቅድሚኡ ዝነበሩ መድረኻት ብኣዝዩ ጸቢብ እንተነጸርኩዎም ‘ውን ኣይጽላእን።
ቅድሚ ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ ሂወት ግጥሚ ከይተንከፍኩ፡(ዓሚቚ መጽናዕትን ኣፍልጦን ስለዘድልዮ) ሰለስተ መድረኻት ይረኣዩኒ ንዓይ። እቲ ነቲ ቃልስን መሰነይታኡን ጥራይ ኣተኲሮ ሂቡ፡ ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ኣስመራ ይኹን ስደት ዝነበረ ምንቅስቓስ ግጥሚ፡ ከም ሓደ መድረኽ፡ ንሱ ሒዝዎ ዝመጸ መንቋሕቋሕታ ዘንበድበዶ ቅርጺ ኣልቦ ናይ 90ታት ምንቅስቓስ ግጥሚ ከም ካልኣይ፡ እቲ መድረኽ እቲ ዘፍረዮም እሞ ውዱን ብዝኾነ መልክዕ፡ ርኡይ ዝላን ምዕባለን ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ዝተራእየሉ ድሕሪ 1998 ዝነበረ እዋን ከም ሳልሳይ ይጠቕሶ። እዚ ሳልሳይ መድረኽ ዝብሎ ዘለኹ፡ ንግጥሚ ትግርኛ ዝተፈላለየ መለሳታት ኣልቢሱ፡ ሓፍ ዘበሎ መድረኽ ምዃኑ ብዙሓት ጸሓፍቲ ይጠቕሱ። ሓደ ካብኦም ኣብርሃም ተስፋልኡል ንኣበሃህላ በየነ ሃይለ ኣብ መጽሓፍ “ትጽቢት ባህጉ” ብምጥቃስ ብኸምዚ ይገልጾ። “ትጃር ካብዚ ምስተማህረ ካልእ ከስተባህል ጀሚሩ። ስነ ጥበብ ንመንእሰያት ንከመይ ይጠማመቱ ምዕዛብ ከምዘድልዮ ገሚቱ፣ ኣዒንቱ ቁሊሕ ኣቢሉ። ደረጃ ተዋስኦታትን ሓዋሩ ዕቑር ተስፋ’ኳ እንተሃሎዎ ገና ውሕልነትንብልሓትን ከምዘድሊ ፈሊጡ። ንስነጥበብ ዘአንግዳ ሓያሎ መድረኻት ከምዝቖማ ፈሊጡ። ኣብ ኣስመራ መድረኽ “ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት”: ኣብ ደቀምሓረ “ጋብላ ስነጥበብ”:  ኣብ መንደፈራ “ማህጸን ስነጥበብ”: ኣብዓሰብ “ኩስራ ስነጽሑፍ”: ኣብ ዓዲ-ቐይሕ “መኣዲ ስነጽሑፍ” ወዘተ ተዓዚቡ። ካብ መድረኽ ስነጥበባት ናብ መድረኽ ስነጥበባት ኣብ ዝዘረሉ ግዜ ዝረኸቦም ገጠምቲ መንእሰያት ልቡ መሲጠሞ። ቀዳሞት ግጥሚ ንግስቲ ስነ ጥበባት ኢያ ዝብሉዎ ዝነበሩ ዘኪሩስ ንግስና ግጥሚ ኣብ ሃገሩ ብምርኣዩ ኩርዓት ተሰሚዑዎ። እቶም ጉጅለ  91 ስነጥበባት ነቶም ኣብ ናይ ጥንቲ ዘመናት ነይሮም ዝብሃሉ ጕጅለታት ፍልጠት ኣዘኻኺረሞ።ኣብ እዋን ሶቅራጠ ንመኻትዕቱ ሶፊያውያንን ደቀመዛምርቱን ኣብ ኣደባባያት ከተማ ኰይኖም ብዛዕባ ሓቂን ጽባቐን ክመያየጡ እንከሎዉ ተራእዮሞ። ነቲ ኣዝዩ ዝፈትዎ ዛንታ ቡዳሃን ተመሃርቱን’ውን ብናፍቖት ዘኪሩ ብዛዕባ መወዳእታ ዘይብሉ ህልውና ንምስትንታን ሱባኤ ክኣቱ እንከሎዉ ተራእየሞ። እዞም መንእሰያት ሃገሩ ፍልይ ከምዝብሉ ግን ኣስተውዒሉ። ምኽንያቱ ናይዚኣቶም ምንጪ ፍልጠትካ ብመደረ ሓደ ወይ ካብ ዘተ ክልተ ፍሉጣት ሰብ ዝና ተጸቢኻ ዝወጽእ ሓቂ ዘይኰነስ ካብ ወግዒ መሳቱ ንመሓዙት ንምዃኑ ኣገሪሙዎ። ኣብ ጽምኢ ጸምጸም በረኻ ተራእዩና፣ ኣብ ጫፍ ጎቦታት ተሰሚዑና ኣብ ጽምዋ ብሕትውና ተኸሲቱልና ኣብ ኣድባራት ፍልጠት ተገሊጹልና ኣብ መኽዘን ምህሮ ተዋሂቡና ኢሎም ውርዝናኦም ንደቀመዛሙር ከላልዩ ዝፍትኑ ዘይምርኣዩ ኣገሪሙዎ። መዘና ንመዘና ብዘይቃልዓለም ክወዳደሩ ርእዩ። ሓደ ዝጸሓፎ ግጥሚ ዓው ኢሉ ኣንቢቡ ምስ ወድአ: እቶም ኣባላት መድረኽ ነቲ ግጥሚ ተቐባቢሎም ክትንትኑዎ ንከሀብትሙዎ ንዘቕርቡዎ ዝነበሩ ምኽንያታት ነንርእሱ እናተገራጨወ ክበልሕን ክተብዕን ብዓይኑ ርእዩ። ኣብ መንጎ መሳቱ ስነጥበባዊ ኣውሃህባ ርእይቶ ዘተባብዕ መኣዲ ፍልጠት መዓስ ተዘሪኡ መዓስ ከም ዝዓንበበ ደንጺዩዎ። ንሓዋሩ ብሩኽ ፍረ ክህብ ከምዝኽእል ድማ ኣይተጠራጠረን። (90-91)” (ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ፐን ኤርትራ ምንባቡ ይከኣል)

እዚ መድረኽ እዚ ክሳዕ ኣበይ በጺሑን ኣበይ ተቖጽዩን ቅድሚ ምዝራበይ(ወላ እኳ ጃምላዊ ማእሰርቲ ገጠምቲ ኣብ 2009 ምዃኑ ክግመት ዝከኣል እንተኾነ) ኣብቲ ልዕሊ 10 ዓመታት ዝኸዶ ጉዕዞ እንታይ ገበረ? ክብል እደሊ። ኣብቲ መድረኽ እቲ ዝነበሩ ገጠምቲ፡ ንግጥሚ ትግርኛ ብዝረቐቐ መለክዒታት ስነ-ጽሑፍ ክርእይዎን ክትንትንዎን ፈቲኖም እዮም። እዚ ግን ኣብ መንጎ ሕድሕዶም እምበር ሰነድ ኮይኑ ዝሓልፍ ኣይነበረን። ንሓድሕዶም ተበሃሂሎምን ተበላሊሖምን ናብ ፕሮፌሽናል ገጠምቲ ዝሰገርሉ መድረኽ፡ መጻሕፍቲ ግጥሚ ዝፈረየሉ መድረኽ እዩ። ኣብዚ እዋን በይኖም ኣይነበሩን ዘሰንይዎም ምሁራን ስነ-ጽሑፍ ኔሮሞም። እዚ ኣዝዩ ዝተወደበ ዝመስል፡ ” ለውጢ ስብ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ኣምጺኡ” ተባሂሉ ዝዝረበሉ መድረኽ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘምጽኦ ለውጥን ጠቕምን፡ ንዝቕጽል መድረኽ ሰጊሩ ክጠቅም ዝኽእል ስራሕ ሰርሐ ዶ? ኢለ ክሓትት ከለኹ ምረት እስመዓኒ።
ናይቲ መድረኽ ገጠምቲ ንልዕሊ 10 ገለ ዓመታት መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ዝበሓቱን ብዘይካ ገዛእ ግጥምታቶምን ኣስማቶምን ምቅላሕ፡ ፍልጠት ኮይኑ ንዝቕጽል መድረኽ ይኹን ወለዶ ክጠቅም ዝኽእል ምንም ስራሕ ኣይሰርሑን። አቲ እናሻዕ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዘይምቁራጽ ዝመጽእ ፍርያቶም ክንደይ ትሕቲኦም ዘለዉ መንእሰያት ገጠምቲ ክጸልዉ ይኽእሉ? እቶም ብጽልዋኦም ዝተቓነዩ መንእሰያት ከ ብልክዕ ንስርሓት እቲ ዝጸለዎም ገጣሚ ዝመስል ግጥሚ ከፍርዩ ይኽእሉ ዶ? ምስ በልኩ፡ ክልተ ሓሳብ ይመጽኡኒ።  እንተፍርዮም ግጥሚ ትግርኛ ብዘይመለሳ ይቕጽል። ከፍርዩ ዝኽእልሉ ኩነታት ኣዝዩ ድኹም ምዃኑ ምስ ኣስተብሃልኩ ግዳ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ደው ኢልና ምህላውና እዝክር። ከም ውጽኢቱ ግጥምታቶም ክንደግም ንውዕል ኣለና። እንታይ ክገብሩ ነበሮም!?

እቶም ዝሓሸ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምዘለዎም ዝፈልጦም ናይቲ መድረኽ ገጠምትን ምሁራትን ስነ-ጽሑፍን፡ ኪኖ እቲ ዕርክነታዊ ምትእኽኻቦም፡ ክእለቶም ዘይኮነ ፍልጠቶም ዘመሓላልፍሉ ሜላታት ክፈጥሩ ይኽእሉ ኔሮም። ከምቲ ንግጥምታቶም መጻሕፍቶም ገንጺልካ ድዩ ኣርካይቭ ተወኪስካ ዝርከብ፡ ናይቲ ሞያ ፍልጠቶም ውን ብመልክዕ ሌክቸር ድዩ ካልእ ሜላ ክስንድዎ ምኸኣሉ እሞ ጥቕሙ ምበዝሐ። እዞም “እገለ ብዛዕባ ግጥሚ ከምዚ በለ” እናበልና ጥቕስታቶም እነቕርብ ናይ ቀደም ይኹኑ ናይ ሕጂ ገጠምቲ ካልኦት ቋንቋታት፡ እቲ ኣበሃህላኦም ንበይኑ ዝበልዎ ኣይኮነን። ካብ መንጎ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘቕርብዎ ኣስተምህሮታትን ዘዳልውዎ ጽሑፋትን ዝተቖንጨለ እዩ። ሓደ ገጣማይ ገጣማይ ምስ ተሰምየ ክገብሮ ዘለዎ ውን ኣብቲ ንሱ ዘድምዓሉ ቅዲ ዘሎ ሜላታት እዩ ከጽንዕ፡ ኣጽኒዑ ብጽሑፍ ክትንትኖ፡ ተንቲኑ ከቕርቦ እዩ ዘለዎ፡፡ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣገባብ መተሓላለፊ ፍልጠት እዩ ኣብ ካልእ ቋንቋ ክብርእዮ እንከለና።
እዚ ሕጂ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ኮይኑ ዘሎ፡ ብስእነት መራሕን ሓጋዝን ብደርገፍገፍ ዝቕጽል ዘሎ፡ ብብርዖም ዘዘውተሩ ጸሓፍቲ “ፈጠራን ጽባቐን ዘይብሉ” ዝብሃል መድረኽ ከኣ ምርኲስን መወከስን ምረኸበ። ኣይገበርዎን። እቲ ዘጋጠሞም ብድሆታት ኣይዝክሮን ማለት ኣይኮነን። (ነዚ ኣብርሃም ተስፋልኡል poets are targeted because … ኢሉ ጽሒፍሉ ኣሎ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ምንባቡ ይከኣል። )

እዚ ናይ ሎሚ ዝነዝሐ ክፋሉ ምናልባት ውን ዳርጋ ኩሉ፡ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ገጠምቲ ዝተዓብለለ መድረኽ ግጥሚ ትግርኛ(ናይ ኤርትራ ክፋል) ንሓያሎን ‘ሓያላትን’ ጸሓፍቲ ” ‘ብ ላ ጀሚሩ ዓዲ-ዃላ – ላሊበላ’ ጥራይ ዝዘውር፡ ኣየናይ ናይ መን እዩ ክትፈልዮ ዘይከኣል ግጥምታት’ዩ ዘፍሪ ተባሂሉ ዝውቀስን ዝዂርመጅን ዘሎ መድረኽ፡ ውጽኢት ሕሉፍ ምዃኑን፡ ሓገዝ እቶም ኮርመጅቱ ውን የድልዮ ምህላዉን ምዝንጋዕ እምበኣር፡ ሓላፍነትካ ምዝንጋዕ ኮይኑ እስመዓኒ። ንእሽቶ ኣብነት፡ ሓደ ካብቶም ንሕስያ ዘይብሎም ነቐፍቲ (እዛ ቃል ኣብ ግጥሚ ክትሰርሕ ኣይግብኣን) ዘርኣየ ኣብርሃም ተስፋልኡል፡ (ነዚ መድረኽ ጠቕሊልካ ቀቲልካን ቀቢርካን ሓድሽ ትንሳአ ምፍጣር ውን ይብል እዩ፡፡) ንተበግሶ ናይ ኣማኑኤል ኣስራት ኣብ ከባቢ 2000 ዓ/ም ብኸምዚ ይገልጾ። “ኣማኑኤል ግን ናይ ማዕዶ ነቓፊ ጥራይ ኣይነበረን። ኲኖ ተዓዛቢ ብምዃን ከኣ ኣብቲ ተሃስዩ ዝመሰሎ ዓውዲ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ኣበርክቶ ንምግባር ባዕሉ ተሳታፋይ ኰይኑ መሪሑ።” ይብል፡፡ ነዛ ኣበሃህላ ናብ ነብሱ ገልቢጡ እንተዝርእያ፡ እንታይ ውጽኢት ኮን ምሃበቶ!? እቶም ካልኦት “የለኹምን” ዝብሉ ‘ዓበይቲ’ ገጠምትን ንነብሳቶም ‘ሃየስትን ነቐፈትን’ ዝሰየሙ ጸሓፍቲ ኸ ኪኖ ወቐሳኦም ዝወሰድዎ ንዕብየት ዝዓለመ ግብራዊ ተበግሶ ዘይምህላዉ፡ ኪኖ ፍርሕን፡ ክነቕፉ እምበር ከበርክቱ ዓቕሚ ከምዘይብልም ዘርኢ እንተዘይኮይኑ፡ ምስ ምንታይ ክውሰድ ይከኣል?

ሕጂ ውን ብጸቢብ ኣስተብህሎይ ክግምግሞ እንከለኹ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት ሓድሽ ዓይነት ግጥምን ገጣማይን ዝረኣና ኣይመስለንን፡፡ እዚ እንተኾይኑ፡ እቶም ቅድሚኡ ዝፈረዩ ዝፈረዩ ገጠምትን ጸሓፍቲ ብዛዕባ ግጥምን፡ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ሓቢሮም፡ ሓድሽ ንምቕባል ድልዋት ኣይነበሩን ወይ ቦታኦም ንምሕላው ዋርድያ ቆይሞም ኔሮም ማለት እዩ። (እዚኣ እናጸሓፍኩ ሓንቲ ናይ ሎሚ 10 ዓመት ዘጋጠመትኒ ፍጻመ ዘኪረ።) ኣብ 2006 ወርሒ ሚያዝያ መስለኒ። ናብ ፎርቶ ሚኒስትሪ ዜና ተዛዊረ። ብቐንዱ ኣብ መደብ ረምታ ግጥሚ ከቕርብ እኳ እንተነበረ ዝወሰደኒ፡ ንእግረ መንገደይ ንግርማይ ኣብርሃም (ብመንገዲ ሃብቶም ዓርከይ ተላልየዮ) ረኺበዮ። ሽዑ ግርማይ ኣብ ሬድዮ ናይ ግጥሚ መደብ ኔርዎ። ንሱን ካልኦት መሳርሕቱን ኮፍ ኢልና እናዕለልና መለስ ንጉሰ መጺኡ። ድሕሪ ሒደት ዕላል ዳርጋ ኣብ ምብጋስና፡ ግርማይ ንመለስ “ኣታ መለስ ዓርከይ ነዛ ናይ ጽባሕ መደብ ትኾነኒ ሓንቲ ግጥሚ ኣይትረኽበለይን” ኢልዎ። መለስ እንታይ መሊስሉ ኣይዝክሮን። ኣሉታ ምንባሩ እቲ መልሲ ግን በዛ “እንታይ ደኣ እየ ዝገብሮ ወደይ ግጥሚ እኮ ስኢነ” ትብል ዘይርስዓ ምቑርምራም ግርማይ ከገናዝቦ እኽእል እየ፡፡ ክልቴና ምስ ግርማይ እናኸድና፡ “ካብዚ ኩሉ ዝመጸካ ደብዳቤታት ግጥምስ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ጽብቕቲ ትስእን!?” ኢለዮ። ሽዑ ዝሃበኒ መልሲ ብድሕሪኡ ናብ ፎርቶ ገጸይ ደብዳቤ ከይሰድድ ኣወሲኑኒ እዩ። ኪኖ ትምህርቲ፡ ንሓደ ገጣማይ ምትብባዕ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ መራኸቢ ብዙሓን ሃገርና ዝሓስባሉ ኣይመስለንን። ንባዕሎም ነቲ መደባት ዘቕርቡ ስነ ጥበባውያን ውን እንተኾነ ካብኡ ዝፍለ ርድኢት ዘልዎም ኣይመስለንን።

ሎሚ ኸ? ኪኖ ነቐፌታን ምቚርምራምን ተበግሶ ንዕብየት ስነ ጥበብ ብሓፈሻ ንግጥሚ ከኣ ብፍላይ ኣብዚ ናይ ስደት ሂወት ዝወስዱ፡ ምሁራን ስነ ጽሑፍ፡ ገዳይም ገጠምትን ካልኦት ግዱሳትን  እንታይ ኮን ይገብሩ ኣለዉ? ኣብዚ ሓይሊ ሶሽያል ሜድያን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ገደብ ኣልቦ ዕድላት ንጽሑፍን፡ ግጥሚ ትግርኛ እንታይ ሒዙን ምስ መን ኮይኑን ይጒዓዝ ኣሎ?
ኣብ ጥቅምቲ 2001 እመስለኒ፡ ብመለስ ንጉሰ ዝምራሕ ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት፡ ንሳባ፡ ይርግኣለምን ፍርቱናን ከአንግድ ተዳልዩ ፍርቱና ኣይመጸትን። ሽዑ ይርግኣለም ዘቕረበታ፡ ” ኣበይ ኢና ንዘርኦ” ትብል ግጥሚ፡ ብሰንኪ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ስነ ጥበባውያን ስርሓቶም ዝዝርግሕሉን ሞያኦም ዘዕብይሉን መድረኽ ምጽባቡ ወይ ምጽልማቱ እተርኢ ግጥሚ እዝክር። መራኸቢ ብዙሓን ንዕቤት ስነ ጥበባዊ ኣመና ኣገዳሲ ምዃኑ ክልተ ሰባት ዝካትዕሉ ኣርእስቲ ኣይኮነን። ሎሚ ንይርግኣለም እንተዝረኽባ፡ ዝዝራእ ደኣ ተሳኢኑ እምበር መዝርእስ መሊኡ ኔሩ። ጥዕና ዘለዎም ኮስኮስቲ ከኣ ስለዝተሳእኑስ እቲ ዝርካቡ ውን ቀልጢፉ እናሃጎጎ ምበልኩዋ። ዘይምብርኳትን ዘራእትን ጸገማት ዘራኦን ውን መውካእኩዋ። እቶም “ፈጠራን ጽባቐን ኣልቦ ግጥምታት” ውጽኢት ሕሉፍን ግዳያት ህሉው ትዕቢትን ፍርሕን ምዃኖም ውን ብምረት ምተዛረብኩዋ።

ህሉው መድረኽ ግጥሚ ኣብ ፈይስቡክ፥

ወኒ ዝመንቀሊኡ ግጥምታት ፈይስቡክ፡ ነቲ ብሰንኪ ስደትን ህሉው ፖለቲካዊ ጸገማት ውሽጢ ዓድን ሓደ ጥፍኣት ዘንጸላለዎ ግጥሚ ትግርኛ (ናይ ኤርትራ) መድሕኑ እዩ ክብል እደፍር። ኣብዚ መድረኽ እዚ ብዓይኒ ንስሪ ዝኾነ ኣስተብህሎን ውልቃዊ ጻዕርን፡  ሓያላት መንእሰያት ገጠምቲ  ክፈርዩ ምዃኖም ጥርጥር የብለይን። ወኒ እምበር ፍልጠት ዘይብሎም፡ ካብ ሕብረተ ሰቦም ተነጺሎም ዝነበሩ፡ ንዝተፈላለየ ባህላውን ስደት ዘስዓቦ ብድሆታትን ዝተቓልዑ ብምዃኖም ዝተወደበ ሓገዝ ክኢላታት የድልዮም። ርኡይ ጸገም ናይተን ብውልቃዊ ጻዕሪ ወኒ ዘለዎም ገጠምቲ ዝቖማ ጉጅለታት ግጥሚ ፈይስቡክ እምበኣር እዚ እዩ። ስእነት ፍልጠትን ቀጻልነቱ ከየውሕስ ይገብሮ። ስእነት ሓገዝ መለሳ ኣልቦ ዕንክሊል ክፈጥር ይገብሮ። እንኮ ቀጻልነታ ኣውሒሳ ዘላ ጉጅለ ገጠምቲ፡ ብተበግሶ እቲ “ሓመድ ድበ ግጥምታት ትግርኛ ኣብ ፈይስቡክ መስኪረ” ዝበለ ስነ ጥበባዊ መኮነን ተስፋይ ዝቖመት ኮይና፡ ንሳ ውን ብገምጋሚ ዓይኒ ክሪኣ እንከለኹ፡ ብዘይካ እቲ ከም ሽማ ዝዛሪ ግጥምታትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ዘይስነጽሑፋዊ ርእይቶታትን ኣብ ግጥሚ ተምጽኦ ዕብየት እርኣየኒ የለን።
ዝጥቀስ ብዝሒ ነባብን ተሳታፍን ዘለዋ  ጉጅለ ከም ምዃና መጠን ትዕዝብተይ ብዛዕብኣ ኣስፍሕ ከብሎ ክፍትን እየ።
እዛ ግሩፕ ካብ ትምስረት፡ ንዕብየት ግጥሚ ኣብ ግምት ብምእታው ይጠቕሙ እዮም ዝበለቶም፡ ስለስተ ዓበይቲ መደባት ኣተኣታትያ።

1፥ ውድድር ግጥሚ፥
ኣብ ግጥሚ ዝግበር ውድድር ዘለኒ ዕቃበ ብድሙቕ ኣስሚረ (ካልእ እዋን ከስፍሖ እየ)፡ እቲ ንሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ዝተኻየደ ዓመታዊ ውድድር፡ ተመሳሳልነት ናይተን ዝተዓወታ ግጥምታትን ገጠምትን ኣረኣኢኻ፡ ኣብ ግጥሚ ዝመጸ ለውጢ ከምዘየለ ትግንዘብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተመሳሳልነት እተን ዝተዓወታ ግጥምታት፡ ኣብ ገጠምቲ ዝፈጥሮ ጽልዋን ደያኑ ብምንታይ ተጸልዮምን እውን ከተገናዝብ ትኽእል። ንሰለስተ ግዜ ሓደ ዓይነት ቅዲ ዝተኸተላ ግጥምታት ክዕወታ ዝረኣዩ ገጠምቲ፡ ምስቲ ብደያኑን ኣዳለውቲ እቲ መደብን ዘይቀርብ መብርሂ ተደሚሩ፡ ከምኣተን ግጥምታት ከፍርዩ ጥራይ እዩ ዝደፋፍኦም። ንሳተን ብቑዓት ነይረን ዶ ከኣ ካልእ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ይኸውን። ካልእ ኩርናዕን መልክዕን ግጥሚ ከምዘሎ ከስተብህሉ ኣይሕገዙን እዮም። ደያኑ ውን ጸቕጥን ጽልዋን እንተዘይብሎም፡ ካብ ዝቐደመ ዓመት ዝሓይሽ ፍርያት እንተዘይረኺቦም፡ ንሽልማት ዝበቅዕ ግጥሚ ኣይፈረየን ዝብል ፍርዲ ክህቡ ትብዓት ክህልዎም ይግባእ። ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ጥንታዊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ገለ ፍሉይ ስራሕ ኣምጺኡ ዝውስኾ እንተዘይብሉ፡ ካብ ዝነበሮ ኣይተንቀሳቐሰን ምባል ዘድሊ እመስለኒ። እቲ ዝዓበየ ናይ ዓለምና ናይ ስነ ጽሑፍ ሽልማት ኖበል ኮይኑ፡ ነቲ ሽልማት ዝበቅዕ ስራሕ ዝመምዩ ደያኑ፡ ድሕሪ እቲ ብዙሕ መሰናኽል ዝሓልፍ ናይ ተፍትሾም መስርሕ፡ ናይ መወዳእታ ዘቐምጥዎ ፈታኒ መምዘኒ፡ እዛ ጽሕፍቲ ወይ እዚ ጸሓፊ ንኽዕወት፡ ኣብቲ ንዘመናት ዝኸደ ዓውዲ ስነ ጽሑፍ እንታይ ሓድሽ ነገር ወሲኹ? ዝብል እዩ። ውድድራትና ነዚ ክመስሉ ትጽቢት ይግበር።

2፥ ቃለ-መጠየቕ ምስ ገጠምቲ፡
ብተበግሶኡ፡ ከምቲ ኣብ ዓዲ ኣይተገብረን ዝበልኩዎ ምትሕልላፍ ፍልጠት ንኽገብር ዝነቐለ፡ ብተግባር ግን ዝስመ ቀረብ ዘይብሉ መደብ ቃለ-መጠየቕ፡ ምስ ደረጃ ኣለዎም ዝበሎም ገጠምቲ ዝግበር እዩ። እዚ መደብ ብልክዕ እንተዝተሓዝ፡ እቲ እንኮን ዝበለጸን መወራረሲ ተመኲሮን ፍልጠትን ምኾነ። ይኹን እምበር፡ ዘቕርቦ ትሕዝቶ ግን ካብ ባዮግራፊ ናይቲ ቃለ-መጠየቕ ዝገብር ሰብ ዝሓልፍ እዩ ኢለ ኣይግምግሞን። ነዚ ኣመልኪተ ምስ ሓደ ኣብቲ መደብ ዝተዓደመ ገጣማይ ኣዕሊለ ኔረ።  ብዘይካ እቲ ” …… ግን እቲ ትብሎ ዘለኻ ክንገብር ዓቕሚ ኣለና ድዩ? ኪኖ ግጥሚ ምጽሓፍ ዝሓልፍ ክእለት፡ ፍልጠት ኣለና ድዩ? ኣብ ድሕሪ እቶም ግጥምታትና ደኣ ተሓቢእና ከይንህሉ……” ዝበለኒ ዋዛ ዝመስል ገለ ሓቂ ዘለዎ ዘረባኡ፡ ብቕዓቱ ዝፍትሹን ፍልጠቱ ዝብርብሩን ሕቶታት ከምዘይቀረብሉ ውን ኣዕሊሉኒ።
ነቲ መደብ ዘዳልዉ፡ ኪኖ ክእለት ገጠምቲ ዘንጸባርቑ ሕቶታት፡ ፍልጠቶም ፈቲሾም በርቢሮምን ዘውጽኡ ሕቶታት ከዳልዉ ምተገብአ። ሰባት ከኣ ብተፈጥርኦም፡ ፍልጠት እምበር ክእለት ከውርሱ ኣይክእሉን እዮም። ንኽእለቶም ክሰርሕሉን ከርእይዎን ጥራይ እዮም ዝኽእሉ።

3፥ እዚ ብኣዝዩ ንኡስ ከይዲ ዝቐርብ መደብ ህየሳ ክብሎ ዘይክእል ምስትምቓር ውን ዘይኮነ፡ ግጥሚ ኣልዒሉ ዝዛረብ፡ ሓሓሊፉ ውን ግጥሚ ጠቀስ ጽሑፋት ዘቕርብ መደብ እዩ። እዚ መደብ፡ ብዘይካ እቲ ብወኒ እምበር ክእለትን ፍልጠትን ዘይብሎም ጸሓፍቲ ዝኸይድ ምዃኑ፡ ሓደ ጎናዊ ማለት ኣዕናዊ ወይ ወዳሲ ሸነኽ ግጥምን ገጠምትን ስለዘልዕል፡ ካብ ጥቕሙ ኣብ ጸቢብ ርድኢታት ዝምርኮስ ምትፍናን ዝፈጥሮ ይበዝሕ። ክኢላታትን ምኲራትን ገጠምትን ሃየስትን ኣብዛ ኩርናዕ እዚኣ ተሳትፍኦም ክገብሩ ምተገብአ፡፡ ፍልጠት፡ ሓላፍነት ምዃኑ ዘኪሮም ‘ውን ፍልጠቶም ብቕኑዕ መንፈስ ከወፍዩ ምተገብኦም። ምስቲ ብግንዖ ምስራሕ ዝለመደ ባህርን ባህልን ትጽቢተይ ምህሙን እኳ እንተኾነ፡ ግጥሚ ብባህሪኡ ብዘይመኽሰብ ንኣእምሮኣዊ ዕግበት ዝሰርሕን ዝስራሕን ምዃኑ ኣሚኖም፡  “ብዘይግዛዕ ዶ ሰብ ይግዛእ” ከይበሉ፡ ንዕብየት ስነ ግጥሚ ኣበርክትኦም ዘይምግባሮም፡ ካብ ሓላፍነት ምህዳም ምዃኑ ከዘኻኽሮም ደስ እብለኒ፡፡ ኣካየድቲ እዛ ጉጅለ ነዚ ዝምችእ ኩነታት ፈጢሮም ዶ ኣይፈጠሩን ግን፡ እዚ ውን ካልእ ተዓዛቢ ዓይኒ ክርእዮ ዘለዎ እዩ።

መደምደምታ፥

እዚ ምስ በልኩ፡ ገጠምቲ እዚ መድረኽ ከ ኪኖ ሕድሕዳዊ ምውድዳስን ምውቕቓስን፡ ግጥሚ ኪኖ ስምዒትካ ጥራይ ትነግፈሉ፡ ብርዒ ምትካል ስለዝኸኣልካ፡ ድላይካ ቃላት ትሰርዓሉ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ሓላፍነት ዘሰክም፡ ንዋታዊ መኽሰብ ዘይርከቦ ግና ክቡር ሞያ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ዝገብርዎ ጻዕርታት እንታይ ይመስል? ቀዲመ ፍርዲ ኣይህብን እየ ስለዝበልኩ ርእይቶ ውን ዝህብ ኣይመስለንን። እቲ መድረኽ ባዕሉ ግን ምስክር እዩ። መዘኻኸሪ ግዳ ክህብ ምደለኹ። ንመዘኻኸርየይ ” ኣብ ግጥሚ እንታይ ኢኻ ትሓልም!?” ብዝብል ሕቶ ከሰንዮ ባህ እብለኒ። ከምቲ ትፈልጦ፡ ሕልምኻ፡ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ብግጥሚ ንግዳም ምውጻእ ጥራይ እንተኾይኑ፡ እዚ ልዕሊ 6 ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ኣኣብ ውሽጢ ብዙሕ ስለዘለዎ ሰማዒ የብልካን። ሕልምኻ ገጣሚ ክትሰመ እንተኾይኑ፡ እዚ ዝጠቐስኩዎ ኣሃዝ፡ እንታይ እምበር መን ከምዘየገድሶ ንስኻ ውን ትምስክሮ ኢኻ። ሕልምኻ፡ ግጥሚ ዝፈጥሮ ባህታ፡ ኣስተንትኖ፡ … ወዘተን ንሱ ዝፈጥሮ ልውጥን እንተኾይኑ፡ ለውጢ ዘገምታዊ እዩ እሞ ዘገም ኢሉ ዝሰርሕ ዘልኣለማዊ ስራሕ ክትሰርሕ ፈትን።
ከምቲ እቲ ጸሓፊ ዝብሎ “ክምህር፡ ክምዕድ፡ ክግስጽ ……ወዘተ” ትብል ትብል እንተለኻ ግን፡ እቲ ትምህርቲ፡ ማዕዳን ተግሳጽን ናብ ነብስኻ ኣቕንዓዮ።
ግጥሚ ንምግጣም፡ ተውህቦ፡ ወኒ፡ ተበግሶ፡ ፍልጠትን ጻዕርን ከምዘለዉኻ ምስ ኣረጋገጽካ ብርዕን ወረቐትን ሒዝካ ሜዳ ውረድ። ሜዳ ግጥም ዝካየደሉ ምዃኑ ግዳ ዘክር። ብዝብል መዘኻኸርየይ ክድምድም።

ፍቕረይ የማን
ሚያዝያ 2016
መወከሲ፥
http://www.peneritrea.com/blog/——-
http://soyra.blogspot.no/2014/04/bdihri-maetso-poems-of-profound-images.html?m=1
https://m.facebook.com/groups/107677896082681?ref=bookmarks
ከምኡ ውን ውልቃዊ ዝኽርታተይ

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s