ገምጋማዊ ጽሑፍ ንግጥሚ “ተዝካር”

ኣርእስቲ ግጥሚ፣ ተዝካር
ገጣሚ፡ ቦኽረ ገብረየሱስ

 

ድራማዊ ትረኻ ተኸቲሎም ዝህነጹ ግጥምታት ዝፈጥርዎ ስእለ-ኣእምሮን ተምሳጥን ዝለዓለ ሓይሊ ኣለዎ ዝብል እምንቶ ኣለኒ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ሜዳ (ሰውራ ኤርትራ) ፈርዮም፡ ብሙዚቃ ተሰንዮም ዝቐርቡ ግጥምታት ዝፈጠርዎ ስእለ-ኣእምሮ፡ ኣብ ዝሓለፍናዮ ኣጋጣሚታት ብዋዛን ቁምነገርን ክንደጋግሞም ምርኣይ ከኣ ሓደ ህያው ኣብነት እዩ።ምናልባት ብድምጽን ስእልን ተሰንዮም ስለዝቐርቡ ዝያዳ ተዘከርትን ጸለውትን ክኾኑ ጌርዎም ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ናብ ጽሑፍ ቀይርካ እንክርኣዩ ውን ልዑል ሓይሊ ፈጠራ ስእለ-ኣእምሮ ከምዘለዎምስ ዘይከሓድ እዩ። ብጽሑፍ ጥራይ ዝቐርብ ድራማዊ ትረኻ ዝሓዘ ግጥሚ፡ ብዘይሓገዝ ድምጽን ተንቀሳቓሲ ምስልን ስእለ-ኣእምሮ ንኽፈጥር ኣብ ነባቢኡ ስለዝምርኮስ፡ ገጣሚ ነዚ ተረዲኡ ብዝከኣሎ  ግጥሙ ንጹራት ገጸባህርያትን ምከናን፡ መንጽረ ትረኻን ቋንቋን ተጠቒሙ ከቕርቦ ትጽቢት ይግበር።

ብንውሓቶምን ድራማዊ ቅዲ ዝኽተል ዝንተዋኦምን(ኣቃውማኦም) ዝልለዩ ግጥምታት ቦኽረ፡ ኣብዛሕኡ ኣብ ማሕበራዊ ክውንነት(social realism) ኣተኲሮም ዝህነጹ፡ ሓንሳብ ምስ ተነቡ ቅልጡፍ ጦብላሕታ ዘሕድሩ ግጥምታት እዮም ክብል እደፍር። ከም ግጥሚ ብዓይንኻ ርእይ ኣቢልካ፡ ብሰንኪ ንውሓቶም ንምንባቦም ዘይድፈሩ ይኹኑ እምበር፡ እንተጀሚርካዮም  ድሮ ኣብ መወዳእታ ነግሒ በጺሕካን ዛንታ ዛዚምካን ምህላውካ ዝነግሩ፡ ማግነታዊ ስሕበት ዝፈጥር ዝንተዋ እዩ ዘለዎም። እዚ ከኣ፡ ሓደ እዋን ቦኽረ ባዕሉ ንነዋሕቲ ግጥምታት ኣመልኪቱ፡ ” ነዊሕ ግጥሚ ንብሎ ውን ኮ ዋሕዙን ወዙን ዓቂቡ ዝጓዓዝ እንተዀይኑ፡ ከጸልለናን ልዕሊ እቲ ሓጺር ንብሎ ክሓጽረናን ኣብ ዋሕዙ ኣጥሒሉ ከዕብደናን ይኽእል እዩ” ዝበሎ ብተግባር ከምዝሰርሓሉ የርኢ።
ብድምጽን ምንቅስቓስን ሓደ ገጸ-ባህሪ፡ ክልተ ቀጥታውያን ተዋሳእቲ ኣካታቲታ ምህላዋ እትነግር ግጥሚ “ተዝካር”፡ ኣመለኻኽታን ፍልልይን ኣብ ፍቕሪ ክልተ ደረጃታት ዕድመ’ያ ተርኢ። ክልተ፡ ውዑይ ዕድመ ንእስነት ወዲኡ ኣብ ደረጃ ርግኣት (maturity) ዝበጽሐን ዕድመ ቁልዕነት ወዲኡ ዝዂትት ዘሎ መንእሰይን፡ ዝፍጠር ግርጭትን ተገባብሮኡን’ያ ከተርኢ እትፍትን።
ብዓብላልነት ድምጽን ተግባርን እቲ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ኣቢላ፡ ሓደ ዛንታ እናነገረት ካልእ ዝካወን ዘሎ ዛንታ ተርኢ። ኣብ ውሽጢ ዛንታ ዝፍጠር ካልእ ዛንታ፡ መብዛሕትኡ እዋን ብምልሰት(flashback) ክኸውን እንከሎ እኳ ዝያዳ ህያውነት ዝለብስ እንተኾነ፡ እዛ ግጥሚግን ቀጥታዊ ዝንተዋ እያ ትኽተል። እዚ ከኣ ገጣሚ ህየላዊ ሜላ ንምንጽብራቕ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ ክኸውን ከምዝኽእል እግምት።
ዛንታ እዛ ግጥሚ፡ ኣብ ውሽጥኻ፡ ጠባያት ፈጢርካ፡ ባህርያቶም፡ መልክዖምን ተግባራቶምን እናተራእየካ፡ ብዘይፍርድን ድፍኢትን ገጣሚ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ(ምስትምቓርካ) ብምምርኳስ፡ ጸግዕን ተደናጋጽነትን ክህልወካ ዘኽእል ሓያል ውሽጣዊ ረምታ(ዕርፈተ ሓሳብ)ን  ናዕታን፡ ዝፈጥሮ ስእለ ኣእምሮ (imaginary) ከሕድር ዝኽእል እዩ። ዜማ እናፈጠረ ዝሰርጽን ጸኒሑ ዝዝከረን ግዳማዊ ረምታን ናዕታን ኣለዋ ክትብል ግን ዘድፍር ኣይኮነን። ኣብዚ ከኣ፡ ገጣሚ፡ ሓያል ምስሊ(imagery) ዝፈጥር ዛንታን ኣዘናትዋን እምበር፡ ብውሕልነት  ቃላትን መስመራትን (words and lines) ኣብ ዝፍጠር እሞ ጸኒሑ ተዘካሪ ዝኸውን ለካታት(idiomatic expression) ከምዘይሰርሐ የርኢ። ነዚ ሓያል ምስሊ ክፈጥር ዝኸኣለ ኣገባብ ኣዘናትዋ፡ ብለካታት ኣሰንይዎ ኔሩ እንተዝኸውን ክንድምንታይ ጽባቐ ክፍጠር ምተኻእለ ግን ዘወናውን እዩ።

ግምገማዊ ጽሕፎይ እምበኣር ኣብ ሰለስተ ደሚቖም ዝተራእዩኒ ኣወንታውያን ረቛሒታትን ዝተራእየኒ ንኣሽቱ ጉድለታትን ኣተኲሩ ከርኢ ክፍትን እዩ።

1፡ ገጸ-ባህርያት

ምስሊ ክልተ ሕድሕዶም ዝተተፋነኑ ሰባት ንምርኣይ ኣብ ሓንቲ መስርመርን ሰለስተ ቃላትን ከተርኢ ዝበቕዐት ግጥሚ፡ ምስኣ ብቐጥታ እያ ኣብ ህንጡይነት ተእትወካ።
(ዋይ ብገለ ተቐዘፍ) ትብል ብውሽጡ ዘድመጻ ነግሒ ቅድሚኡ ኣብ ሓያል ነድሪ ዘለዎ ክርክር ምጽንሖም እያ ትምስክር። እንደገና ንቓል መዛርብቱ ብሓውሲ ትሕቲ መልሓሱ ደጊሙ “ቅዙፈይ’ያ” ምባሉ ውን ካልእ ድሙቕ ስእሊ ነቲ ቀዲሙ ዝጸሖም ነዳር ምልልስ እዩ። ኣብዛ ቃል፡ ንዝጸንሖም ምልልስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕድመን ደረጃ ኣተሓሳስባን መዛርብቱ ውን ኣላልዩና እዩ። ኣብ ውዑይ ዕድመን ዘመናዊ ቋንቋ ኣብ ምጥቃምን ዘሎ መንእሰይ ምዃኑ።
“ኣንታ ጽቡቕ ወዲ” ብዕድመ ከምዝዓብዮን ዝረግአ ኣተሓስባን ከምዘለዎ ምስ ነብሱ ንምልላይ እተኽእል ነግሒ እያ። ብዛዕባ መን እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ?
“ንዓይ ከኣ ሕጽይተይ’ያ።” ቀዲሙ ዓርኩ ምዃና ካብ መዛርብቱ ከምዝተነግሮ ክሕብር እዩ ነዛ ነግሒ ኣምጺእዋ። ዛዕባ ዝርርቦም ኮይና ዘላ ባእታ ከኣ እባ ኣላልዩና። ኣብ ኣርባዕተ ነግሕታት፡ ዛዕባ ዝርርቦም፡ ኩነታት ዕድሚኦም፡ ባህርያቶም፡ ዘለዉዎ ኩነተ ኣእምሮ ክንርኢ ክኢልና። ሓደ ድራማዊ ዝንተዋ ዝኽተል ትርኢት፡ ገጸ-ባህርያቱን ኩነታቶምን ንምርኣይ ዝጥቀመሉ ቅርጡው መእተዊ ኣካቲታ ምህላዋ እምበኣር ሓደ ርኡይ ብልጫኣ እዩ።

2፡ ተምሳጥን ስእለ-ኣእምሮን፡
“ሓይሊ ስእለ ኣእምሮ (visual mind) ኣብ ስነ ጽሑፍ ብፍላይ ኣብ ግጥሚ ንምንጽብራቕ፡ ፈጠራ ገጣሚ ወሳኒ እዩ። ኣብ ምፍጣር ስእለ ኣእምሮ ምውካል ብቃላት  ሓያል ስራሕን ጥበብን ይሓትት።  ሓሳባት ስእለ ኣእምሮ ብጽሑፍ ከመይ ውሂዶምን ተራእዮምን ምርኣይን ምልላይን ወሳኒ ተራ ይጻወት። ናይ ስእለ ኣእምሮ (The Imagination of mind) ሓሳባት ብቃላት ምስ ተወቕረ እቲ ወዝን ሓሳብን ብዝኣምን ጥበብ ዶ ተኸናዊኑ? ናብ ክውንነታዊ ሓቂ ዝቐረበ ዶ እመስል? ስእለ ኣእምሮ ነዚኦም መሊሱ ጽባቔኡ እንተሪኡና እቲ ዝተፈጥረ ጥበብ ናይ ብሓቂ ጥበብ ተሰሪሑ እዩ ክንብል ንኽእል።” ይብል Ralph Waldo Emerson ኣብቲ “Poetry and Imagination” ዝብል ኣብ 1872 ዝጸሓፎ ነዊሕ ጽሑፉ።
ግጥሚ “ተዝካር” በዚ መንጽር እንክሪኣ፡ ሓይሊ ኣዘናትዋ እቲ ዝርአ ገጸ-ባህሪ ነቲ ዘይርአ ገጸ-ባህሪ ክንሪኦ የኽእለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓይሊ እቲ ዛንታን፡ እቲ ድራማዊ ዝርርብ ተኸቲሉ ዝወርድ ዋሕዚን፡ ነቲ ዘየለናሉ ሂወት ክልቲኦም ክንስእሎን ኣባና ዝወረደ ኮይኑ ክስመዓናን ዘኽእል ኮይኑ እስመዓኒ። ሂወት እቶም ክልተ ንኣሽቱ መንእሰያት (ዓርኩ ዝምንጠል ዘሎን ዓርኩ ነበር ባዕላን) እንታይ ይመስል ክትርኢ ኣይትጽገምን። ኣታዊ ዘይብሎምን ገና ኣብ ናብያ ስድራቤት ዝምርኮሱን ምዃኖም ንምግንዛብ ድማ፡
“ተቓጢብካ ድዩ መናጢልካ
ኬክን ካፑቺኖን ትጋብዛ ምንባርካ፤” ክብሎ ከሎ ይሰኣለካ። ሂወት ናይ ኩሎም ኣታዊ ዘይብሎም ንኣሽቱ መንእሰያት ዓለም ከምኡ ኣይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብር መንእሰይ ሳልሳይ ዓለም ንፍቕሪ ዝኸፍሎ ዋጋን ብሰንኪ ንመዛወሪ እኳ ዝኸውን ገንዘብ ዘይምርካቡ ዝዂለፎ ፍቕራዊ ሂወትን ውን ክትስእል ትኽእል። ኣብ ውልቃዊ ባህርኻ ዝምርኮስ ከም ድንጋጸ፡ ሕርቃን፡ ካልእ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ጦብላሕታዊ ስምዒት ክስመዓካ ከኣ ንቡር ይኸውን።
ብዓይኒ ቁጡብነት ቃላት እንተሪእናዮ ውን ብኽልተ ነግሕታት ጥራይ ንኸምዚ ዓይነት ጦብላሕታዊ ስምዒትን ስእለ ኣእምሮን ክፈጥር ምኽኣሉ ካልእ ተወሳኺ ብልጫ እዛ ግጥሚ እዩ።

3፡ ፈጠራ መንጽረ ትረኻን ጽባቐኡን፥

መትኒ ጽባቐ እዛ ግጥሚ ኮይኑ ዘሎን ንተዘካርነታ ልዑል ግደ ዝጻወትን ሜላ ትረኻ እዩ። እዚ ህየላዊን ባጫን(satrical and irony) ዝመለለይኡ ኣገባብ ትረኻ፡ ነቶም ገጸ ባህርያት ናብ ልዝበት ኣምጺኡ፡ ብረቂቕ ብልሓት ግዳ ተበላጽነት እቲ ሓደ ወገን እና’ርኣየ እዩ ወዝ እዛ ግጥሚ ዘድምቖ።
ህየላ ወይ ምጸት ምስ ባጫ ወይ ሕጫጨ ኣዝዩ ዝተቐራረበ ኮይኑ፡ ጸሓፍቲ፡ ንውልቀ-ሰብ፡ ሕብረተ-ሰብ ይኹን ስርዓታትን እምነታትን ብኣሽሙራዊ መንገዲ ግን ከኣ፡ ብሓውሲ መስሓቕ፡ ነውሩ ዘቃልዕ፡ ጉድለቱ ዝነግር፡ ዕሽነቱ ይኹን ስግንጢርነቱ ወይ ካልእ ኣሉታዊ ባህሩ፡ ብኣዘንጋዕን ኣዘናጋዕን ሜላ ዝነግርን ዘርእን፡ ኣብ ውሽጢ ውስጠ-ዘ (metaphor) ኮይኑ ዝዓዪ ባእታ እዩ። ሕጫጨ(irony) ድማ፡ ርሕቀትን ርቀትን ናይቲ ዝድመጽ (ዝጸሓፍ) ዘሎ፡ ምስ ከሕልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ዝህሉ ፍልልይ ዘርኢ ሜላ እዩ።
ክልቲኦም፡ ኣብቲ ዛዕባ(ዛንታ) ብምምርኳስ፡ ነባቢ ወይ ሰማዒ ንትርጉም እቲ ህየለ ወይ ሕጫጨ ክርድኦ ወይ ክግምቶ የኽእሉ።  ኣብ ያታውያን ቅኔታት ትግርኛ ግኑናት ዝኾኑ ሜላታት ይኹኑ እምበር ኣብ ዘመናዊ ግጥምታትናስ ብዙሕ ዝውቱራት ኣይመስለንን።
እዚ ሜላ እዚ ኣብዛ ግጥሚ ብኣዝዩ ረቂቕ ኣገባብ ኣትዩ ኢና ንረኽቦ። ሰለስተ ነገራት ንምንጽብራቕ ከኣ ደሚቑ ይርአ። ቀንዲ ገጸ ባህሪ ንነብሱ ኣምሲሉ ዝገብሮ ገለጻ ሓደ ጉሉሕ ተርእዮ እዩ፡፡ እዛ ትስዕብ ማይቤት ምስ እንምልከት፡ ምስሊ መዛርብቱ እዩ ቅጅል ኢሉ ዝረኣየና። እቲ ኣብ ምህናጽ ገጸ ባህርያት፡ እቲ ሓደ ገጸ ባህሪ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከይገበረ ብዝንተዋ እቲ ቀንዲ ገጸ ባህሪ ጥራይ ህላውነቱ ንፈልጥ ዝበልናዮ ውን ኣብዚ ዝያዳ ጎሊሑ ይርአ።

“ቅድሚ ዓመታት’ዩ
’ዛ ዕስራ’ኳ ረገጽኩ’ይረገጽኩ
ከም’ዚ ከማኻ ንእሽቶ ከለኹ
ከም’ዚ….
ኣብ ክንደይ ዓቕመይ
ኣብ ክንደይ ትርኢተይ፤
ኣብ ክንደይ ምትሓዙ
ጸጕረይ እጥቕልሎ
ፍሒሰ ፈሓሒሰ ዝባን ቅንፍዝ አምስሎ፤
ድንን ’ተይሉ
ብኸፊል ዝስጣሕ ኣዕውዲ-መዓዃዅሩ
ዕርቃኑ ክኸድኑ
ጸሓይን ንፋስን ዝቀዳደሙሉ፤
ሓላፍ-መገዲ ረርእዩ ዝንዕቆ
በትኪ’የ ኔረልካ – ወዛል መዓጥቖ!” ኣብዛ ማይቤት፡ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ብዛዕባ ነብሱ ይዛረብ ከምዘሎ ንኸምስል፡
“”ቅድሚ ዓመታት’ዩ
’ዛ ዕስራ’ኳ ረገጽኩ’ይረገጽኩ
ከም’ዚ ከማኻ ንእሽቶ ከለኹ” እኳ እንተበለ፡ በታ ብሓውሲ ትሕቲ መልሓሱ ትድመጽ “ከምዚ……” ትብል ቃል ግን እቲ ቀንዲ ክብሎ ዝደለየ ብዛዕባ መዛርብቱ እዩ ዝዛረብ። ኣብዚ ከኣ እዩ ህየላ እዛ ግጥሚ ቀዳማይ ስርሑ ዝጅምር።
ኣብ ዝቕጽል ማይቤት፡ ንፍቕራዊ ሂወት ምስ ናይ ቀደም ኣፍቃሪቱ ዝገልጽ ዘሎ እናመሰለ፡ ሕጂ ውን “ቅድም እሞ ስሬኻ ዓጢቕካ ከኣል፡ ሰብኣይ ከኣ እኸል ብድሕሪኡ ብዛዕባ ፍቕርን ጓልን ተርክበሉ ኢኻ” ዘስምዕ መልእኽቱ፡ ብኸምዚ የሕልፍ።
“ሽዑ ሓንቲ መማህርተይ
ዝዓብደላ – ኣመና ዘፍቅራ፤
ቅልጽማ ብኢደይ ዓቲረ
ስረይ ከይመልቈኒ ኣእጋረይ ገቲረ
ሸናዕ እንክብለልካ ኣብ’ቲ ጐደና
ይመስለኒ ነይሩ ኣነ’ምበሳ
ሕዛእተይ ድማ ንሳ።”
ካብቲ ኣቐዲሙ ምስሉ ንምንጋር ዝገብሮ ዝጸንሐ ገለጻታት ቀልጢፉ ንምውጻእን ሕጂ ውን ነቲ ዝርርብ ህድኣት ንምስፋንን ግዳ፡ “ሽዑ ሓንቲ መማህርተይ ነይራ” ኢሉ ይጅምር። እዛ ማይቤት እዚኣ ንቐንዲ ገጸ-ባህሪ ሓያል ሸሓጢ ምዃኑ ካብ ዘርእያ ነግሕታት ውን እያ።  ድምጺ ንምምጣጥን ሕብሪ ቃላቱ ዝያዳ ንምንጻርን ምልክት ምምጣጥ ድምጺ(……) ድሕሪ “ሽዑ” እንተዝጥቀም ግዳ ዝያዳ ምስሊ ምሃበ።
ካልእ ቃንዛ መዛርብቱ ብምርኣይ ዝፈጥረሉ ዕግበት ንምርኣይን ዝያዳ ንምቕንዛዉን ዝገብሮ ኣረሳሳኒ ብልሓት እዩ።
“ስምዒተይ በቲ
“ሰዓማ፣ ሕቖፋ….ኣብላ” ይብለኒ
በቲ ድማ
ወዝቢ፣ ቀልጢፋ ትረግፍ ይመስለኒ።
ሓልዮት ማለት ከምኡ መሲሉኒ
ከም ስብሕቲ ለሚን
መላእ ኣካላታ
ገላቢጠ ’ናደራረዝኩዋ
ፍረ ጥብ ከየበለት
ደም ወዲኣ ከይትጥምቡቐኒ፤
ምክንኻን ማለት ንሱ መሲሉኒ
ካብ ገበታ ሽኰር
ከም’ቲ ዓንኳር ሽኰር
ከናፍራ ፈልየ ክመጽዎ’ንክመጽዎ፣
ሓድ-ሓደ ሳዕ ውን ናጽላ ተቐይረ
ከንፈር መሲሉኒ
ጡባ ’ንክሰሃሎ ንቝት ኢለ፣
በቲ’ምቅሩኒ
በቲ የሻቕሉኒ
ኣብ ሓዲድ መልሓሰይ ተጣሒኖም ሕቕቕ ከይብሉኒ፤
እና ተጣበብኩዋ
ንዘልኣለም ከመይ ተናብረኒ፤
ግዲ መዝሚዙኒ
ግዲ ቐቢጹኒ
ብዓቢኡ ፍቕሪ ሓቒቑኒ
ኣብ ኢደይ ሞይቱኒ።”
ኣብዛ ማይቤት፡ ኩሉ ዓይነት ሜላ ተጠቒሙ ከተሃራርፎን፡ ምናልባት ምስታ ኣፍቃሪቱ ይገብሮ ኔሩ ኢሉ ዝገመቶ ነገራት እናጠቐሰ ክሕጭጨሉን እዩ ዝርአ። ኣብ ነቕዲ ነድርን ንዕቀትን እናርኣየ ዝጀመረን ብተግባር ውን ጓል መንጢሉ ዓብላልነቱ ዘረጋገጸን፡ ከምኡ ውን ብንዕቀት ምስሉ እናርኣዮን፡ ሕሉፍ ዛንታ ፍቕራዊ ሂወቱ ብኸምዚ ሰናእናእ ዝብል ድምጺ ክጸውየሉ ኢልካ ምሕሳብ ዘይመጎታዊ እዩ። ግዳ ምስቲ ቐዲሙ ከርእዮ ዝጸንሐ ነገራት ብምውህሃድ፡ ብኣህራፊ ቋንቋ ቃንዛ ክፈጥረሉን፡ ጌርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝበሎ ተኽእሎታት ህርፍርፎቱ ሰማይ ኣብጺሑ ክሕጭጨሉን ንባዕሉ ብናይ ዓወት መንፈስ ክድሰትን ኢሉ ዝገብሮ እዩ። እቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ክፉእ ባህርያቱ ከኣ ኣጸቢቑ ይንጸባረቕ። ኣብ ፈለማ ዝፈጠርካዮም ገጸ-ባህርያት  ምስሎምን ባህሮምን ከይረሳዕካ እኳ ድኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተግባሮም እናደመቐ ክመጽእ ዘኽእል ዋሕዚ እዛ ዛንታ እምበኣር ወሃ ዘበለ ክብሎ እደፍር። ኣብ መንጎ ዘረባኡ ልዝበት ምፍጣርን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘሎ ንምርኣይን ዝጥቀመሎም ሜላታት ውን ገለ ካብቶም ሸሓጢ ባህርያቱ ከንጸባርቑ ዝኽእሉ ተግባራት ኮይኖም እስምዑኒ።

“በጃኻ….ትም ኢልካ’ዩ።
ፍቕሪ ግን እንታይ’ዩ!?” ነዘን መስመራት እንተተምልኪትናየን ከኣ ሓድሽ ዘረባ ንምፍጣርን ኣብ ምንታይ ክሃርም ከምዘለዎ ንምንጻርን ከምዝተጠቕመለን ክንግንዘብ ንኽእል። እዛ ግጥሚ ድራማዊ ባህራ ክትዕቅብ እንተኾይና ውን ኣብ መንጎ እቲ ቀንዲ ዘረባ ዝኣትዉ ጓል መንገዲ ዝመስሉ ግን ከኣ ህያውነት ዘልብሱ ሜላታት ክትጥቀም ንቡር እዩ። ገይራቶ ክኣ።

“ንስኻትኩም ከ’ባ ገለ ፈቲንኩም ዶ?
ማለተይሲ….ዓራት ተማቒልኩም ትፈልጡ ዶ?
ፐፐፐፐእ!…..’ሔውው
ይትረፈኒ ወደይ – ግደፎ።” ኣብዛ ማይቤት ብልክዕ ክሃርሞ ዝደለየ ኩርናዕ ዕላሎም፡ እኳ ዘይንጹር እንተሎ ምልስ ኢልካ ንዝቐደመ ዝርርቦም ብምርኣይን ድሮ ኣብ ሕጸ በጺሑ ብምህላዉን ዝሓተሉ ዘሎ ሕቶ ናይ ባዕሉ ርጉጽ መልሲ ክህልዎ ጽቡይ እዩ። ዓራት ኣይበጽሑን። እንታይ ደኣ ኣሕተቶ? ሕጂ ውን እቲ ባጫዊ ባህሩ ንምንጽብራቕን ኣሽሙራዊ ንዕቀቱ ኣርእዩ ንምርዋይ ጥራይ እዩ።

ካብቲ ምጸታዊ (satrical) ሜላኡ ከይወጸ፡ ግዳ ካልእ ልዙብ ኩርናዕ ቀይሩ፡ ናይ ቀደም ኣፍቃሪቱ ዝበለቶ ኣምሲሉ፡

ብድሕሪኡ’ብለካ
ሕጹያ ርእየ ክርሕቀላ
ክተላልየኒ ክንደይ ተጋዲላ።” እናበለ ክርሕቀሉን ተንከስ ኢሉ ከይቀርባን ይነግሮ እሞ፡ አረ እንተኽኢሉስ ፈጺሙ ካብቲ ከባቢ ክጠፍእ የተባብዖ። “ድሕሪ መርዓ ምቑጻር እንታይ ኣሎካ ዘጸቢ!” ንምባል ዶ ይኸውን ወይስ ብሓቂ ከምኡ ጌሩ፡ ብሰንኪ ኣብ ምከና ዘሎ ድኽመት ክረጋገጽ ዘይከኣል እኳ እንተኾነ፡ ብልክዕ ግን ሓደ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኣሎ። “ኣብ ትበጽሖ የብልካን ተወዲኡ እዩ ጉዳይ” ዝብል መልእኽቲ። ነዚ ከድምቕ ዝኽእል ኣብዘን ነግሕታት ዝግለጽ ዘረባ እዩ።
“ስለዚ….ኣለካ ምሽ
ንዓኻ ዶ ጠፊኡካ
ከም’ቲ ትግጥሞ…..በቃ ተበሊዕካ።” ብምባል ሓይሉ የርእዮን ይንየተሉን።
ኣብ ላዕሊ እቲ ዝርአ ገጸ-ባህሪ ነቲ ዘይርአ ገጸ-ባህሪ ክንርእዮ ይገብረና ኢለ ነይረ። እዛ ማይቤት እዚኣ ድሕሪ እታ ኣብ ነቕዲ ዘላ “ኣንታ ጽቡቕ ወዲ” ትብል ነግሒ ዝደመቐት ማይቤት እያ። ክዛረብ ይኹን ክበኪ ዘይንሪኦ ክንስና
‘ኣይትብከ’ታ’ጆኻ፣ ቸድ!” ስለዝበለን፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዋሕዝን ተገባብሮን ውን ነዛ ነግሒ ተኣማኒት ስለዝገብራን፡ ሓደ ሕርቃንን ተስፋ ምቚራጽን ተሓዋዊሱ ዘንብዖ መንእሰይ ክንስእል ኣይንጽገምን። ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ነቲ ክፉእ ሸውሃቱ ንምዕጋብ ውን ኣይዘንግዐን። ሕጂ ውን ሓላዪ እናመሰለ በቲ ህየላዊ ሜላኡ፡
“ዕምት ኢልካ’ኮ ትወሓጥያ ሓቂ።
ግዳ መርዓ ከይትተርፍ – ክጽበየካ’የ
ንዓኣ ውን “ብኽብሪ ዓድምዮ” ክብላ’የ።” ይብሎ።
ብሓፈሻ ግጥሚ “ተዝካር” ኣብ ምፍጣር ገጸ ባህርያትን ንጹር ተረኣይነቶምን፡ ፈጠራ ተምሳጥን ስእለ-ኣእምሮን፡ ተገባብሮ ከም ቀንዲ መረጻ ትረኻኣ ዝገበረቶ ባእታ ህየለ(satire)፡ ዋሕዝን ንዕኡ ዘሰኒ ድልድላትን ኣብ ምህናጽ ዕዉት ስራሕ ዝረኣኹላ ግጥሚ እያ። ከም ምድብ ዝሓዘቶ ድራማዊ ትረኻ ኣብ ዝበዝሐ ሸነኹ ብግቡእ ኣንጸባሪቓቶ ክብል እውን እደፍር።

ይኹን እምበር ምስ ኩሎም ብልጫታታ ድሙቓት ሃጓፋት ውን ዝርኣየላ ግጥሚ እያ። ገለ ካብኣቶም፡

ምከና፡ (setting)፥

ሓደ ድራማዊ ትረኻ፡ ዝኽተል ዛንታ (ብጽሑፍ ዝቐርብ ይኹን ብምርኢት ወይ ብድምጺ)፡ ዛንትኡ ዘካይደሉ መድረኽን ወቕትን ክህልዎ ንቡር እዩ ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ ውን እዩ። ርዝነትን ተኣማንነትን ዛንታ፡ ተረኣይነት ገጸ-ባህርያትን ኩነታቶምን፡ ህያውነት ንኽለብስ ምከና ዝጻወቶ ተራ ቀሊል ኣይኮነን። ግጥሚ “ተዝካር” ነዚ ከም ኣምር ውን ዝዘከረቶ ኣይትመስልን።
“መርዓኣ ተቘጺሩ ሰሚዐ
ነቢዐ….ነቢዐ….ነቢዐ፣
ሓሓሲብካ፣ ዘዘኪርካ ብስጭት ጸሊአ
ድሮ’ቲ መርዓ
ካብ’ቲ ከባቢ ሃጽ ኢለ ጠፊአ
እነኹልካ ክሳብ ሎሚ ጠፊአ
ሓዘነይ ረሲዐ
አዘንቱ ኰሪዐ።” ክብል እንከሎ ካበይ ናበይ ከምዝጠፍአን ሕጂ ኣበይ እዩ ዘሎ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን። ምስ ተመሳሳሊ ባህሊ ዘለዎ መንእሰይ ይዛረብ ከምዘሎ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብ ስደት ዘሎ ክትብል ዘድፍር ኣይኮነን። እቲ “ተቓጢብካ ድዩ መናጢልካ” ዝብል ዘረባ ኣብ ዓዶም ዝነብሩ መንእሰያት ዝጥቀምሉ ሕብሪ ቋንቋ እምበር ናይ ዘርሓቑ ኣይኮነን። ካበይ ደኣ እዩ ናበይ ጠፊኡ? ካብ ከተማ ናብ ከተማ? እንድዒ። ክትግምት ጥራይ ኢኻ ትኽእል። ምከና ዘይምህናጹ ዝፈጠሮ ሃጓፍ ምዃኑ ግን ብሩህ እዩ።
ካልእ ምከና ዘይምህላዉ ውን እቲ ድራማዊ ትረኻ ወዝን ህያውነትን ይጎድሎ እዩ። ብቐሊል መንገዲ እዞም ተዋሳእቲ ኣበይ ቦታን ሰዓትን (ግዝያት)፡ ኮፍ ኢሎም ድዮም እናኸዱ ዝሓዝዎ ኣለዎም ዶ ጥራይ ኢዶም፥ ንጉሆ፡ ቀትሪ ድዩ ኣጋምሸት ከተርእየና ምኸኣለት እሞ ወዝን ህያውነትን ምወሰኸት። ከም፡ ስተ እባ፡ ብላዕ እባ፡ ጸሓይ እኮ በርቲዓ፡ ከምዚ ቁሪ ናይ ሕጂ፡ ከም ጽባቐ እዛ ትሪኣ ዘለኻ ወርሒ፡ ከምዛ ትሃትፍ ዘላ ዘላ ጸሓይ ………… ወዘተ ተጠቒሙ ከማልኦ ምኸኣለ።

ስእነት ቅኔ ዝፈጥሩ ነግሕታት፥

ኣብ ጽባቐ ቃላትን ውህደቶም ምስ ሓሳብን ተሰሪቱ ኣብ ነግሕታት ዝፍጠር “ለካ” (idiom)፡ ብዘይካቲ ኣብ ግጥሚ ዝፈጥሮ ላዛን ጽባቐን፡ እቲ ግጥሚ ኣብ ኣእምሮ ነባቢ ሕዱር ቦታ ከውሕስ እውን ይሕግዝ እዩ። እዚ ዓይነት ሜላ ንምፍጣር፡ ኣብቲ ትጽሕፈሉ ዘለኻ ቋንቋ ዝህልወካ ልዑል ምልከት፡ ኣብ ባህሊ እቲ ትጽሕፈሉ ዘለኻ ሕብረተ ሰብ ዝህልወካ ዓሚቚ ኣፍልጦ፡ ከምኡ ውን ቃላት ኣብ ገዛእ ርእሶም ብምትሕንፋጽ (ብምምስራሕ) ትፈጥሮ ባዕለ-ትርጉምን ወሳኒ እዩ። ኣብ ኣጠቓቕማ ቃላት፡ መለሳታት ምንዳይ ውን ሓደ ካብቲ ነቲ ልክዕ ቅኔ ክትረኽቦ ዝሕግዝ ሜላ እዩ።
በዚ መንጽር እንክሪኣ እዛ ግጥሚ፡ ብድኽነት ቅኔን ለካን ክግምግማ እኽእል። ተዘካርነታን ጽባቐኣን ከኣ በቲ ኣብ ውሽጢ ዛንታ ዘሎ ውሽጣዊ (ሓሳባዊ) ረምታን ናዕታን ደኣ እምበር፡ በቲ ኣብ ግዳም(ቅርጻ) ዝርአ ጽባቐ ቃላት ዝፈጥሮ ነግሕታትን ቅኔኡን  ሲ ክንደየናይ። ከምቲ ዘርኣየቶ ብቕዓት ንፈጠራ ስእለ ኣእምሮን ተምሳጥን ዝኾኑ ውሽጣዊ ረምታን ናዕታን ኣብ ግዳማዊ ጽባቐ ውን ኣተኲራ ተስሪሓ እንተትነብር፡ ምልኣት ጽባቐኣ ኣዝዩ ምተፈልየ።

ድኻም ውድዓውነት ኣብ ጉዳይ ጾታ፡

ተኣማንነትን ህያውነትን ሓደ ስነ-ጽሑፋዊ ፍርያት ብብዙሕ ክልካዕ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ንገጸ-ባህርያቱ ሰብነት ኣብ ምልባስን ንውዱዕ ተርእዮ ብውሕልነት ብምንጽብራቕን ግን ዝያዳ ዝደምቕ እመስለኒ። ሰብነትን ውድዓውነትን ዝብል ኣምር ንባዕሉ ነዊሕን ዓሚቚን ብምዃኑ ግዳ ንሕጂ ምስዛ ግጥሚ ብምትእስሳር ጥራይ ክርእዮ።
እዛ ግጥሚ፡ ክልተ ብቐጥታ ዝዋስኡ ገጸ-ባህርያት ዝሓዘት ኮይና፡ ዛዕባ እዞም ገጸ-ባህርያት ጓል ኣንስተይቲ እያ። ሰብ ከምኦም ክንሳ ግዳ፡ ኣብ ዝርርቦም ልክዕ ከም ሓንቲ ኣቕሓ፡ ኣልዒሎም እዮም ክዛረቡ ዝረኣዩ። ኣምር ፍቕሪ፡ ኣወዳት ጥራይ ብዘማእዝንዎ መንገዲ እምበር፡ ደቂ ኣንስትዮ ምንም ተራ ከምዘይብለን ጌሮም የቕርብዎ። ኣብ ጉዳይ ጀንደር (ጾታዊ ኣድልዎን ካልእን) ኣትየ ክዛረብ ኣይክእልን። ዕላማ ጽሑፈይ ስለዘይኮነ። ኣብ ህያውነት ዛንታ እዛ ግጥሚ ግን ፍጹም መቐረትን ተኣማንነትን ዘጥፍእ እዩ። “ንሳተን ከ ኣይውስናን ድየን? ከም ድሌቶም ድየን ዝገብርዎን?” ዝብል ሕቶ ብምልዓል ከኣ ካብ ሓደ ህያው መቐረታ ክትወጽእ ትኽእል። ወዝን ላዛን እዛ ግጥሚ ውን ይጎድል።

ፍቕረይ የማን

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s