ፍቕሪ

ልበይ ‘ዚ ሃላሊ
ምስ ፍቕሪ ኮብላሊ
ኣበይ ዘይወዓሊ፡

ኣስመራ
ብጽሕናይ ቀቢራ
ክትብህርር ምንባራ፡

ካርቱም
ናብራኣ ሕሱም
ረብሓ’ያ ተቐድም፡

ኦስሎ
ሂወት ቁርቧን መን ይኽእሎ
ኪዲ ደኣ ኪዲ ይትረፈኒ ንቕሎ፡

ሲድኒ
መንፈሰይ ተንብቢ
ኣብኡ ትጋልቢ
ፈቲንክኒ!፡
ኣበይ እሞ ጋህዲ
ሕልሚ እንዲኺ ትኣምኒ፡
ተወናውኒ፡
ብህፍርፎተይ ትከናወኒ።

“በርሊን፡
ድልዳሌኺ ሓጺን
ንጥፍኣተይ መድሕን
ካሕሳ መንፈሰይ ብኣኺ’ዩ ዝኸውን”
ኢለ ነይረ ‘ሞ፡ ኣይቀደኽን።

ልበይ’ዚ ሃላሊ
ምስ ፍቕሪ ኮብላሊ
ኣበይ ዘይወዓሊ
ዝሕሾ ክደሊ።

     ፍቕረይ የማን

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s