ክሰርሓልካ’የ ሓወልቲ

ክሰርሓልካ ሓወልቲ፡
ሓወልቲ
ዘይንዝኽሪ ንምስክር፡
ርቡጽ ተስፋኻ
ጽልሙት ጉዕዞኻ
ፈራሕ ፍርሕኻ
ሞት ሕልምኻ ዝነግር።
 
ስፍሓቱ፡
 
ካብ ምድረሓበሻ ክሳብ ላምፓዱሳ
ጨንፈሩ ንምብራቕ ሲናይ ምድረበዳ፡
እምነ መሰረቱ ዓረ ኣብ ዓደ ኣንቢረ
ቀጸላ መንደቑ ድዉን ጽባቐኡ
ብምድሪ ኑባ ኣቢለ
እንክሃንጾ፡
 
ሕልሚ ጸዋር
ተጸባዪ እዋን፡
 
ዝጦመመ ኣእዛን
ዝዓረቐ  ክሳድ
ዝተዓድየት ስድራ
ኣብ ከርሱ ዝሓቚፎ።
 
ኣሰር ጸሓይ ዘቋምታዒንቲ
ተጸበይቲ ዝቕንዘውሉ ርእሲ
ምስ ሞትከላ ሞት ትፈርሕ ነብሲ
ክኸውን ሽክና ዝሕዞ።
 
ክሰርሓልካ ሓወልቲ
 
ዕዳጋ ኩሊት ዘጌጾ
ቃንዛ ጎርዞ ዝድመጾ
ማእለማ ሶዶም
ዕጣቕ እድያቱ፡
 
ዝሰሓጋ ኣእዳው
ልዕሊ ማይ ዝወሳወሳ
ረዳኢ ኣብዘይብሉ ረዲኤት ዝሓታ
ጽሩራ መዓርጉ፡
 
ዝደኸማ ነብሳት
ሕልሚ ተሰኪመን
ዘዕረፋ ኣብ ዓሳታት፡
ክገብሮ ኣኽሊል ሽልማቱ
ምዕራፍ ጉዕዞ ምዕራብ
ብምስሉ ዘዘንቱ።

 

photo0260-1

እዛ ካንቸሎ (መካበብያ) ወጺእካ ማእከላይ ባሕሪ(ሊብያ) ይርከብ። ኣብ 2013 ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ንምስጋር ዝነቐሉ ስደተኛታት እቶም ከባቢ 95% በዛ ማዕጾ እዚኣ ሓሊፎም። እቶም ኣብ 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላፓዶሳ ዝጠሓሉ ኣማኢት ኤርትራውያን እውን በዛ ማዕጾ እዮም ናብ ማእከላይ ባሕሪ ተጸንቢሮም።
ፍቕረይ የማን

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s