ክሰርሓልካ‘የ ሓወልቲ፡
ሓወልቲ
ዘይንዝኽሪ ንምስክር፡
ርቡጽ ተስፋኻ
ጽልሙት ጉዕዞኻ
ፈራሕ ፍርሕኻ
ሞት ሕልምኻ ዝነግር።
ስፍሓቱ፡
ካብ ምድረ–ሓበሻ ክሳብ ላምፓዱሳ
ጨንፈሩ ንምብራቕ ሲናይ ምድረ–በዳ፡
እምነ መሰረቱ ዓረ ኣብ ዓደ‘ቦ ኣንቢረ
ቀጸላ መንደቑ ድዉን ጽባቐኡ
ብምድሪ ኑባ ኣቢለ
እንክሃንጾ፡
ሕልሚ ጸዋር
ተጸባዪ እዋን፡
ዝጦመመ ኣእዛን
ዝዓረቐ ክሳድ
ዝተዓድየት ስድራ
ኣብ ከርሱ ዝሓቚፎ።
ኣሰር ጸሓይ ዘቋምታ ‘ዒንቲ
ተጸበይቲ ዝቕንዘውሉ ርእሲ
ምስ ሞት ‘ከላ ሞት ትፈርሕ ነብሲ
ክኸውን‘ዩ ሽክና ዝሕዞ።
ክሰርሓልካ‘የ ሓወልቲ
ዕዳጋ ኩሊት ዘጌጾ
ቃንዛ ጎርዞ ዝድመጾ
ማእለማ ሶዶም
ዕጣቕ እድያቱ፡
ዝሰሓጋ ኣእዳው
ልዕሊ ማይ ዝወሳወሳ
ረዳኢ ኣብዘይብሉ ረዲኤት ዝሓታ
ጽሩራ መዓርጉ፡
ዝደኸማ ነብሳት
ሕልሚ ተሰኪመን
ዘዕረፋ ኣብ ዓሳታት፡
ክገብሮ‘የ ኣኽሊል ሽልማቱ
ምዕራፍ ጉዕዞ ምዕራብ
ብምስሉ ዘዘንቱ።
እዛ ካንቸሎ (መካበብያ) ወጺእካ ማእከላይ ባሕሪ(ሊብያ) ይርከብ። ኣብ 2013 ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ንምስጋር ዝነቐሉ ስደተኛታት እቶም ከባቢ 95% በዛ ማዕጾ እዚኣ ሓሊፎም። እቶም ኣብ 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላፓዶሳ ዝጠሓሉ ኣማኢት ኤርትራውያን እውን በዛ ማዕጾ እዮም ናብ ማእከላይ ባሕሪ ተጸንቢሮም።
ፍቕረይ የማን