ብጠቐና ብጥቆማ
ተሃዲነ ብመድፈና
ተኾብኲበ ንድጓ፡፡
(ወደቓ‘ዩ)
ጠቋምየይ ዓርከይ ኔሩ
ዝሓልፈለይ ዝሓልፈሉ
እንታይ ፈሊጠ እንድዕሉ
ኣብቲ ፊተይ ኣብ ሸላ‘ዩ ኔሩ።
(ገረመኒ‘ኮ)
ሕማቕ ስማዕ ዳሕራይ ገድድ
ዛንታ ዓርከይ እዚ መሰንበድ፡
ፈጣር ምቚሕ ኣሳሪ መንፈሱ
ሰራሕ ሸላ ሓባሲ ነብሱ
“ተሪሩኒ” ብቓንዛ ግዒሩ
” ጸቢቡኒ” ብጭቆና ‘ማሪሩ
ምሕረት ነብሱ ተሓሲሙ
ክልክመኒ ተጣቢቡ።
(ወሪዱኒ)
ብዓስከር ጽልኣት ተሃዲነ
ብፈራዲ ክፍኣት ተበይነ
ኣብ ሸላ ቒም ተዳጒነ
ይነብሮ ኣለኹ ዋሕስ ስኢነ።
ፍቕረይ የማን
ሚያዝያ 2016